Services
Donate
Axumawian Media Network, LLC Axumawian Media Network, LLC
  • Home
  • News
  • Articles
  • Videos
  • Biography
  • Gallery
  1. Home
  2. News
  3. ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራን ትግራይን ውግእ ከምዝተኻየደ መራሕቲ ትግራይ ገሊጾም
 ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራን ትግራይን ውግእ ከምዝተኻየደ መራሕቲ ትግራይ ገሊጾም
News

ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራን ትግራይን ውግእ ከምዝተኻየደ መራሕቲ ትግራይ ገሊጾም

May 30, 2022 0 Comment

ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ከሲሱ።

ኣባል መሪሕነት ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ገለ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ብ24 ግንቦት ኣብ ከባቢ ዓዲ-ኣውዓላ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመን ብሓይልታቶም ከምዝበርዓነን ጠቒሱ።

ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ኣቶ ጌታቸው ዝጠቐሶ ረጽሚ ዝተዋህበ መግለጺ’ኳ እንተዘየለ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ህወሓት ንዳግማይ ኲናት ወተሃደራዊ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ሰብመዚ ኤርትራ ገሊፆም ነይሮም’ዮም።

ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሱ ቱሉ ብወገኑ ንቢቢ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዛዕባ’ቲ ዝተባህለ ናይ ኤርትራ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ግና መጥቃዕቲ ክፍጽም ኣይክእልን” ኢሉ።

መራሕቲ ህወሓት “ባዕሎም ንኲናት ይዳለዉ ስለዘለዉ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝፈጠርዎ” እዩ ብምባል ድማ ንመግለጺ ኣቶ ጌታቸው ነጺግዎ።

“ኣብ ከባቢ ዓዲ-ኣውዓላ ሓይልታትና ኣብ ዘካየድዎ ዕዉት ጸረ-መጥቃዕቲ” ዝበለ ኣቶ ጌታቸው ኣዛዚ ብርጌድ ዝርከቦም ልዕሊ 300 ዝኾኑ ወተሃደራት ኤርትራ ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን ጠቒሱ።

ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ምቁራጽ መራኸቢታት፡ እቲ ቁጽሪ ይኹን እቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

ብዙሕ ብረት ከምዝማረኹ ዝገለጸ ኣቶ ጌታቸው፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ከባቢ ሸራሮ ደብዳባት ከምዝፈጸሙ ከሲሱ’ሎ።

ሰራዊ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ባድመ፡ ፍሉይ ቦታ ዓዲ ሓረት ደብዳባትን መጥቃትን ከምዝገበረ’ውን ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ስርዓት [ኢሳይያስ] ነቲ ዞባ ኣብ ዘየቋርጽ ግጭት ንምእታውን፡ ሰላም ንምምጻእ ዝካየድ ዘሎ ሓቀኛን ትምኒታውን ሰላም ንምዕንቃፍ ዘይገብሮ ከምዘየለ ዘነጽር’ዩ” ክብል ኣቶ ጌታቸው ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ወሲኹ ድማ “እቲ ስርዓት ነቲ ሒዙዎ ዘሎ ኣካይዳ ክቕይር ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊኡ ጸቕጢ ክገብር ሓለፍነቱ ምዃኑን፡ እቲ ስርዓት ንጸበባ ህዝብና ከናውሕ ትም ኢልና ክንርእዮ ፍቓደኛት ዘይምዃና ደጊምና ነረጋገጽ” ኢሉ።

መራሕቲ ኤርትራ ብወገኖም፡ ህወሓት ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ እናተመሓየሸ ዝመጸ ዝምድና ንምዕንቃፍ ይኹን፡ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ከምዝሰርሑ’ዮም ክኸሱ ጸኒሐም።

ኤርትራ ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ብምእታው ሓይልታታ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ከምዝተዋግአት ይፍለጥ። ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከቦ ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ተሓለቕቲ መሰላት ይኸሱ። ብሰንኪ’ዚ ካብ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ሓደስቲ እገዳታት ተነቢሩላ ኣሎ። ኤርትራ ግን ነቲ ክስታት ትነጽጎ።

ኩሎም ወገናት ናይቲ ኲናት ጃምላዊ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ዝርከቦ ግፍዕታት ከምዝፈጸሙ ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ይኸሱ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብወገን ኤርትራ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ክወሃብ ዝጸንሐ መግለጺታት፡ ዳግማይ ውግእ ከይውላዕ ስግኣታት ፈጢሩ ጸኒሑ’ዩ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ዝተወስደ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ተዛማዲ ህድኣት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይገለ ጸገምን ብስሩዕን ናብታ ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ ክኣቱ እንተዘይኪሉ፡ ነቲ ዕጽዋ ንምኽፋት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝወስዱ መራሕቲ ትግራይ ከጠንቅቑ ጸኒሐም’ዮም።

ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝሰፍሐ ኲናት ትግራይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።

Post Views: 544
Tags: BBC ትግርኛ
Previous post
Next post

Leave a Reply Cancel reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Latest Posts
Article

A proposal to break the stalemate between Tigray’s political parties

March 22, 2023
Article

እማመ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ(ሳወት) ኣብ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ

March 1, 2023
Article

ATAD-America believes the concerns raised by diverse parts of the

February 28, 2023
News

Eritrean troops shell town in north Ethiopia – U.N.

May 31, 2022
Axumawian Media Network, LLC Axumawian Media Network, LLC
  • Philadelphia, PA, USA
  • +1(267)518-5116
  • axumawianmedianet@gmail.com

Useful Links

About us
Contact
Da Tegaru
Biography
Services
Gallery
BECOME A MEMEBER

Follow Us

Download App

google-play-badge-300x116

Share

Blogger
Delicious
Digg
Email
Facebook
Facebook messenger
Google
Hacker News
Line
LinkedIn
Mix
Odnoklassniki
PDF
Pinterest
Pocket
Print
Reddit
Renren
Short link
SMS
Skype
Telegram
Tumblr
Twitter
VKontakte
wechat
Weibo
WhatsApp
Xing
Yahoo! Mail
Powered by WP Socializer

Copy short link

Copy link
Powered by WP Socializer