
ትግራይ ኣብ ወሳኒ እዋን: መፃኢ ትግራይ ብዘይ ህወሓት
ትግራይ ኣብ ወሳኒ እዋን: መፃኢ ትግራይ ብዘይ ህወሓት
ኣብ መቐለ ይኹን ኣብ ዝኾነ ክፋል ትግራይ እንተዓቢኻ ካብ ህላወ ህወሓት ከተምልጥ ኣጸጋሚ እዩ። ኣርማታት ህወሓት ምስ ስእሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር መለስ ዜናዊ ኣብ መላእ እታ ከተማ ኣብ ኩሉ ቦታታት ይርከብ። ኣብ ስነ-ልቦና ዝበዝሑ ተጋሩስ ህወሓት ከም ውድብን መንግስትን ከም ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ሳንቲም እዮም ዝረኣዩ። ካብ ፅልዋ ህወሓት ሓራ ወፂአን ዘይፈልጣ ክልላዊ ሚድያታት ትግራይ እውን እንተኾና ንህወሓት “እቲ ውድብ” ብምባል ይፅውዕዋ፣ ኣብ ክልልና እቲ ብሕታዊ ፖለቲካዊ ትካል ህወሓት ከምዝኾነ ኣምሲለን። ኣመራርሓ ህወሓት እውን እቲ ፓርቲ ልዕሊ ኹሉ ከምዝኾነ እዮም ዝኣምኑ። ሓደ ካብቶም ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝኾነት ሞንጆሪኖ ሓደ እዋን ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ “ውድብ ከም ሃገሩ ኣይኮነን።” ኢላ እያ። ህወሓት ኣብቲ ክልል ተቓወምቲ ውድባት ይንቀሳቐሱ ብምፍቃድ ናይ ሓሶት ዲሞክራሲ ከምዘሎ ክምስል እኳ እንተፈተነ፣ ኣብ ትግራይ ስልጣን ክሕዝ ዝግበኦ ብሕታዊ ውድብ ኣነ እየ ኢሉ ዝኣምን።
እዚ ጽሑፍ ብሃኒባል ተስፋሁነኝ ብልበሎ ሃይለስላሴን ዝተዳለወ እዩ። ክልቴና ኣብ መቐለ ኣብ 1990ታትን ህወሓት ዓብላላይ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኢና ዓቢና። እዚ ፅሑፍ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ሓሳቡ ብዝተፈላልየ መንገዲ ንኽገልፅ ንፅውዕ። ክመዚ ኦም ዓይነት ነዋሕቲ ብሎጋት ወይ ከዓ ኣርቲክላት ትርጉም ዘለዎ ዘተ ዝበለጸ መሳርሒ ምዃኖም ስለንኣምን፣ ካልኦት ተጋሩስ ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ብሎግ ጽሑፋት፣ ኦፕ-ኤድስን ጽሑፋትን ብምጽሓፍ ኣበርክቶ ክገብሩ ነተባብዕ። |
ይኹን እምበር ፖለቲካ ትግራይ ኣብ 1960ታትን ዝተፈለየ ቅርፂ እዩ ነይርዎ። ኣብ 1967 ዝተመስረተት ህወሓት፡ ኣብ ፈለማ ምስ ካሎኦት ተጋሩ ውድባት እያ ትወዳደር ነይራ። ድሕሪኡ ግን ብዓቅሚ ወተሃደራዊ ሓይልን ውፅኢታዊ ስትራቴጂን ህወሓት ብሕታዊ ውድብ ትግራይ ኮይና ወፂኣ እያ። እዚ ዓቅሚ ኸዓ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ኩሉ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ ብብሕታዊ ንምሓዝ ኣኽኢልዋ እዩ። ሕዚ ኣብ ትግራይ ካብ ተፅዕኖ ብነፃነት ዝሰርሕ ትካል ክትረክብ ኣፀጋሚ እዩ። ልዕሊ 7 ሚልዮን ኣባላት ዘለዋ ትግራዋይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ከይተረፈት (ካብ ብዝሒ ኣባላት ህወሓት ብግምት 7 ዕጽፊ) ካብ ፅዕንቶ ናይ ህወሓት ነፃ ኣይኮነትን። ብተመሳሳሊ ኣብ ሓራን ዲሞክራስያውያንን ሃገራት ዋና ቤት ጽሕፈት ዘለዎም ገለ ዲያስፖራ ትካላት መብዛሕትኡ ግዜ ከም ናይ ወጻኢ ቢሮታት ናይ ህወሓት እምበር ከም ወከልቲ ኣባላት ማሕበረሰቦም ኮይኖም ኣይገልግሉን። እዚ ሱር ዝሰደደ ናይ ህወሓት ፅዕንቶ ንብዙሓት ተጋሩ ህወሓትን ትግራይን ሓደ እዮም ኢሎም ክኣምኑ ገይርዎም እዩ።
ዋሏ እኳ ምትእኽኻብ ስልጣን ኣብ ሓደ ኣካል ሓደገኛ እዩ ኢልና ንኣምን እንተኾና፡ ህወሓት ከም ሓደ ብሕታዊ ፓርቲ ኮይኑ ምውፃኡ ንትግራይ ጠቂምዋ እዩ። እቲ ውድብ ንተጋሩ ካብ ሑመራ ክሳብ ራያ፡ ካብ ራማ ክሳብ ተምቤን ድማ ናብ ሓደ ዕላማ ክጥርንፍ ስለዝኸኣለ ንዕውትነት 17 ዓመታት ዝቐጸለ ዕጥቃዊ ቃልሲ ወሳኒ እዩ ነይሩ። ህወሓት ብሕታዊ ጠርናፊ ሓይሊ ኮይኑ ዘይምወፀ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓየለ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝነበረ ስርዓት ደርጊ ምውዳቕ ኣይምተኻእለን ነይሩ።
ይኹን እምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን እዚ ኣብ ኢድ ህወሓት ስልጣን ብብሕቲ ናይ ምሓዝ ድሌት ምስቲ ብዙሓት ተጋሩ ንህወሓት ንዘይምቅዋም ዘለዎም ዝንባለ ተደሚሩ ንትግራይ ይሃስያ ኣሎ ኢልና ንኣምን። እዚ ኹነታት ብዛዕባ ህወሓት ኣብ ትግራይ ክህልወ ዝኸእል ግደ ትርጉም ዘለዎ ምይይጥ ከይህልው ሓኒቑዎ’ዩ። ዝኾነ ይኹን ነቐፌታ ህወሓት ብዙሓት ተጋሩ ቀልጢፎም ይነፅግዎ፣ “ንስኻ መን ኢኻ ክትፈርዶም?” ወይ ከዓ ንህወሓት ዝቃወም ርእይቶ ንዝሓዘ ሰብ ድማ “ከዳዕ” ወይ “ባንዳ” ኢሎም ይፅውዕዎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ትግራዋይ መንነቶም ኣብ ሕቶ ይኣቱ። እዚ ዘይንፅቀቕ እምነት እዚ ፡ ንመብዛሕትና ንውሳነታት ህወሓት ብዘይ ዝዀነ ይኹን ምፅራይ ብዓይነ ዕሙተይ ንኽንስዕቦ ጌይሩና እዩ ።
እዚ ኣብ ህወሓት ዘለና ዘይንፅቀቕ እምነት መበገሲኡ ካበይ መፂኡ ኢልካ ምሕታት ግቡእ እዩ። ፀሓፍቲ እዚ ፅሑፍ ተጋሩ ኣብ ህወሓት ዘለና እምነት ካብ ክልተ ግጉይ ኣረኣእያ ዝተበገሰ ኢልና ንኣምን። እቲ ቀዳማይ ኣረኣእያ ኣመራርሓ ህወሓት ኩሉ ግዜ ንረብሓ ትግራይን ተጋሩን ቅድሚያ ሂቦም እዮም ዝሰርሑ ዝብል እንተኽውን፣ እቲ ኻልኣይ ድማ ህወሓት ወትሩ ትኽክለኛ ውሳነታት እዮም ዝህቡ ዝብል እዩ። እዞም ኣረአእያታት እዚ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብመጠኑ ሓቂ ዝኾኑ እኳ እንተኾኑ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልቲኦም ኣረኣእያታት ጌጋ እዩ ኢልና ንኣምን። ብኻልእ ኣዘራርባ ሕዚ ዘሎ ኣመራርሓ ህወሓት ንረብሓ ትግራይን ተጋሩን ቀዳምነት ኣይህብን እዩ ኢልና ንኣምን። ካብዚ ብተወሳኺ ንጠለባት ትግራይ ብኣድማዒ መንገዲ ዘገልግል ጥዑይ ውሳነታት ናይ ምውሳን ዓቕሚ ከምዘይብሎም ብተደጋጋሚ ኣርእዮም እዮም።
ንረብሓ ትግራዋይ፣ ከም ተጋሩ ምስ ህወሓት ዘለና ርክብ ብኣትኩሮት ምምርማር ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ብፍላይ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ብሚልዮን ዝቑጸሩ ተጋሩ ድሕሪ ምስኣንና እዚ ሕቶ ምልዓል ኣገዳሲ እዩ። ብፍላይ ከዓ እቲ ውድብ ንረብሓ ትግራይ ዘየቐደመሉን ውሳነ ናይ ምሃብ ዓቅሙ ዝወደቀሉን ምኽንያት ምሕታትን መፍትሒ ምንዳይን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ፅሑፍ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ህልቂት ኲናት ጀሚሩ ክሳብ ምምስራት ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከመይ ንትግራይ ዘየቀደመ ውሳነታት ክምዝሃበ መርትዖታት ከቅርብ እዩ።
ክልላዊ መረፃ 2012 ካብቶም ውሳነ ህወሓት ኣበይ ጎዳኢ ምንባሩን ንትግራይ ቀዳምነት ክሰርዕ ከምዘይኸኣለን ካብ ዝገልፁ ጭብጢ መረዳእታት ሓደ እዩ። መረፃ ናብ ዲሞክራሲ ዝወስድ ወሳኒ ስጉምቲ ስለዝኾነ፣ ህዝቢ ትግራይ ብፍትሓውን ነፃን መረፃ መራሕቱ ክመርፅ ስልጣን ዝህብ ስርዓት ንምትካል ን17 ዓመታት ዘካየዶ ዕጥቃዊ ቃልሲ ሓዊሱ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉ እዩ። ይኹን እምበር ህወሓት መረፃ ከካይድ ዝመረፀቶ ነዞም ዲሞክራስያዊ መትከላት ንምኽባር ኣይነበረን። የግዳስ ኣብ ትግራይ ዝቕልቀሉ ሓደሽቲ ፖለቲካዊ ብድሆታት ንምስዓርን እቲ ስልጣኖም ንምዕቃብ ዕላማ ገይሮም እዮም ኣካይድሞ። ህወሓት ነቲ መረፃ ዘካየደቶ ምስ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ወጥሪ ኣብ ዝሓየለሉ እዋን እዩ። እዚ ፍርሒ ንህዥቢ ትግራይ ሓደሽቲ ውድባት ካብ ምምራጽ ኣጊድዎ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ፌዴራል መንግስቲ ክመፅእ ዝኽእል ጥቅዓት ክከላኸለይ እዩ ብዝብል ተስፋ ብኣብዝሓ ንህወሓት መሪፁ እዩ። ህወሓት ብደረጃ ፌደራል ዝካየድ መረፃ ተደናጒዩ ስለዝነበረ፣ መረፃ እንተዘይህሉ እውን እንተኾነ ኣብ ስልጣን ምፀንሐት ነይራ። ህወሓት ብክልላዊ መረጻ ብምሕላፍ ንተወሳኺ ሒደት ዓመታት ኣብ ስልጣን ከምፀንሕ ኣረጋጊጻ፡ ተቓወምቲ ድምጽታት ኣግሊላ፡ እዚ ግን ምስ ፌደራል መንግስትን መሻርኽቱን ኣዕናዊ ግጭት ኣስዒቡ።
እቲ ህወሓት ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ስልጣን ከምዘብልፅ ዘርኢ ካልኣይ ምኽንያት ከዓ ድሕሪ ምፍራም ውዐሊ ፕሪቶሪያ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ምምስራት ዘጋጠመ ምድንጓይ እዩ። እንተኾነ እቲ ናይቲ ግዜያዊ መንግስቲ ምምስራት ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ክልል ብዘይ መሪሕነት ተሪፉ፡ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ክረኽቦ ዝግብኦ መሰረታዊ ማሕበራውን ቁጠባውን አገልግሎት ክኽልክሎ ተገይሩ።
እቲ ምድንጓይ ብድሆታት ኣፈፃፅማ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ብዘጋጠመ ውሽጣዊ ናይ ስልጣን ቃልሲ ዝተበገሰ እዩ። እቲ ውድብ ኣብ ክንዲ ኣብ ህጹጽ ድሌታት ህዝቢ ትግራይ ትኹረት ዝገብር፡ ኣብ ግዝያዊ መንግስቲ ብዝምልከት ኣብ ነንሕድሕዱ ክናኾት እዩ ግዚኡ ኣሕሊፉዎ። እዚ ውሽጣዊ ምትፍናን እዚ ነቲ ዞባ ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብምእታው፡ ነቲ ድሮ ምስ ድሕሪ ኲናትን ግጭትን ዝነበረ ህዝቢ ስቓይ ኣጋዲድዎ እዩ። ኣብተን ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝሰርሕ መንግስቲ ብዘይምህላዉ ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ግቡእ ዝኾነ ክንክን ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ቁጠባዊ ደገፍ ሓዊሱ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ተሓሪሙ ክፀንሕ ተገዲዱ እዩ። እቲ ናይ ሸለልትነት ዘመን ንህዝቢ ዘጋጠሞ ፀገም ብዝያዳ ዘዕሞቐን ህወሓት ካብ ህፁፅ ድሌታት ህዝቢ ትግራይ ንስልጣና ኣብ ምድልዳል ትኹረት ዝገበረት ውድብ ምዃና ዘርኢ እዩ።
እቲ ሳልሳይን ምናልባት’ውን ናይ ህወሓት ናይ ስልጣን ህርፋን ኣዝዩ ዘቃልዕን ጉዳይ፡ ‘ወፍሪ እምቢታ’ ብዝብል ጭርሖ ዝተጀመረ ምንቅስቃስ እዩ። እዚ ምንቅስቃስ ‘ንውድብ ዘስግእ ዝኾነ ነገር ምዕጋት’ ዝብል ትርጉም ኣለዎ። እዚ ምንቅስቃስ ‘ንህዝቢ ንምድሓን ውድብ ምድሓን’ ብዝብል ቴማ ፤ ካብ ህዝባዊ ድሌታት ንላዕሊ ንውድባዊ ፖለቲካ ቀዳምነት ይህብ። እዚ ጭርሖ’ዚ፡ እቲ ውድብ ንህዝቢ ክህልዎ ዝኽእል ረብሓ ብዘየገድስ፡ ዝኾነ ኣንፃር ውድብ ዝኾነ ሓሳብ ወይ እማመ ንምንጻግ ተጠቂሙሉ እዩ። ውሳኔታት እቲ ውድብ ንትግራይ ዝጠቅም ከይኮነስ፣ ንቐፃሊ ቁፅፅር ህወሓት ዝበለፀ ኣብ ምጥንኻር ዝተደረኸ ምንባሩ የርኢ።
እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ሕጂ’ውን ህወሓት ብፍላይ ኣብ እዋን ቅልውላው፡ ቃንዛ ህዝቢ ካብ ምፍታሕ ስልጣኑ ምዕቃብ ኣድሂቡ ከምዝሰርሕ እዩ ዘርኢ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ምዕቃብ ስልጣን ዝተሰረተ ቀታሊ ውሳነታት፡ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ካብ ምዕሟቅ ሓሊፉ ንሕውየት ህዝቢ ትግራይ ደው ኣቢልዎ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ኣከያይዳ እዚ ከስተንትነሉን ምስ ህወሓት ዘለዎ ርክብ ክዕቅኖን ወሳኒ እዩ። ሓቀኛ ምዕባለ ካብ ፓርቲ ዘማእከለ ፖለቲካ ሰጊርካ፡ ናብ ህዝቢ ተኮር ዝኾነ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ የድሊ። እዚ ንምፍጣር ከዓ ህዝቢ ትግራይ ትኹረት ሂቡ ክቃለስ የድሊ።
ጻውዒት ንህዝቢ ትግራይ
ህወሓት ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትግራይ ዓብላሊት ፖለቲካዊ ትካል ኮይና ፀኒሓ እያ። እንተኾነ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝፈፀመቶ ገድሊ ከም መመኽነይታ እቲ ውድብ ንዘልኣለም ኣብ ኣብ ስልጣን ንክፀንሕ ክፍቀደሉ የብሉን። ኣብዚ ፅሑፍ ህወሓት ንትግራይ ንቕድሚት ንምስጓም ዝበለፀ ውድብ ከምዘይኮነ፣ ተጋሩ ብሓባር ሓዱሽ ፖለቲካዊ መሪሕነት ከምዘድልየና ምጉት ኣቅሪብና ኣለና። እዚ ቀስ ብቐስ ዝኸይድ መስርሕ ምዃኑ ንርዳእ ኢና። ይኹን እምበር እዚ ክውን ክሳብ ዝኸውን ቀጻሊ ምሕደራ ህወሓት ዘስዕቦ ጉድኣት ንምድራት እዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ክውሰዱ ኣለዎም ኢልና ንኣምን።
ቀዳማይ ማሕበረሰብና ንህወሓት ተሓታቲ ኣብ ምግባር ዝሓሸ ክኸውን ከም ዘለዎ ኢና እንኣምን ። ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጎ ህወሓትን ሕብረተሰብ ትግራይን ዘሎ ርክብ ካብ ላዕላዋይ መሪሕነት ናብ ህዝቢ ዝወርድ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ መራሕቲ ወያነ ዝብልዎ ወይ ዝገብርዎ ብዘይ ብዙሕ ተቃውሞ ድላዮም ክገብሩ ኣኽኢልዎም እዩ። እዚ ባህሊ እዚ ክቕየር ኣለዎ ፣ ብፍላይ ከዓ ትካላት ዳያስፖራ እዚ ኣብ ምፍፃም ልዑል ግደ ክፃወታ ኣለወን። እዚ ዝጅመር ከዓ እተን ናይ ዲያስፖራ ትካላት ንገዛእ ርእሰን ካብ ፅልዋ ወያነ ናፃ ብምግባር ክጅምር ይኽእል።
ካልኣይ፡ ኩሉ ትግራዋይ ንሓድሽ ሓሳባት ክፉት ኮይኑ ንትግራይ ዝሓሸ መጻኢ ኣብ ምቕራጽ ንጡፍ ተራ ዝጻወተሉ እዋን በጺሑ ኣሎ ኢልና ንኣምን። ናይ ህወሓት ሓዊሱ ኩሎም ድምጽታትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያታትን ዝስማዓሉን ብፍትሓዊ ክትዕ ዝግበረሉን ሃዋህው ከነማዕብል ይግባእ። ኩሉ ሰብ ክሳተፍ ኣለዎ። ጽሑፍ ሓደ ሓያል መንገዲ ኣበርክቶ እዩ። ብዛዕባ ቃንዛን ጽንዓትን ትግራይ ንዓለም ክንናገር ኣለና። ድምጽኹም ተጠቐሙ: ጽሑፋት ጽሓፉ: ዛንታና ኣካፍሉ: ብዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሃን ድማ ተዛረቡ። ኩሉ ጻዕሪ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ብምግባር ብሓባር ሰላምን ፍትሕን ንህዝብና ከነምጽእ ንኽእል ኢና።
ዘልኣላማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!
ሃኒባል ተስፋሁነኝ: hannibaltelu@hotmail.com
ልበሎ ሃይለስላሴ : lebelohailesilassie@gmail.com