
ዛንታ-ዝኽሪትግራይ ዓድና
ዛንታ–ዝኽሪ ትግራይ ዓድና
ብ፡ ነጋሲ ኣወጠሀይ
- ዓዲ መዋእለ እልፊ ታሪኽን ኽብርን
- ዓዲ ሓርነትን ዋልታ ኣፍሪካን
- ዓዲ ብዙሕነትን ሰበአዊነትን
- ዓዲ ሉኣላውያንን ሉላዉያንን
- ዓዲ ማሕበራዊ ስኒት
- ዓዲ ስርዓትን ሰላምን
- ዓዲ ሕገ -ልቦና፤ እምነትን ሃይማኖትን
- ዓዲ ጻዕራምን ህርኩትን ህዝቢ
- ዓዲ ፀጋ ን ተስፋን
- ዓዲ ገድላትን ተጋዳላይን
- መእተዊ
ህ) ተጋሩ ዛንታ ዝኽሪ ኣለና እንዶ!


ምስሊ 1. ድሕሪ ብዙሕ ታሪኻት ምዉቃር ዝተረፈት ካርታ ትግራይ፡ ብቐምሽ ማዕሪጋ እተቐመጠት ሰብይቲ ዘርኢ ናይ ቅደመ ኣኽሱም ተጋሩ ጥበብ
ተጋሩ ዛንታ–ዝኽሪ ኣለና። ዝኽሪናኸ እንታይ ዝወለዶ እዩ? ከም ኣነ ዝኽሪ ጥሕለት፣ ዝኽሪ ምስትምሳል ይኹን ዝኽሪ ጣዕሳ ኣይኰነን፣ ብዙሕን ረዚንን ናይ ሓበን፣ ኽብሪ፣ ህዝባዊነት፣ ጥንታዊነት፣ ጸብለልታን ቃልስን ዝኽሪ ዳአ እምበር። እኳዳኣስ ኽንገር ዘይተጀመረሉ ግን ኸዓ ከምቲ ውቅያኖስ ቀዲሕኻ ዘይዉዳእ ዛንታ ኣለና። ኣነ ብወገነይ ዉን ኣብ ሓንቲት ጻት ጦብላሕ ዝበለትኒ ዛንታ ትግራይ እየ ከካፍለኩም።
ለ) ዓዲ ብዘይ ዛንታ አይከርናን!
ከምቲ ዓዉዲ ብዘይ ምህርቲ ዘይኽዉን ዓዲ ብዘይዛንታ አይትኮንን እንተተሞከረት እዉን አይከርናን እያ ትኽዉን፣ ኣይትፀንዕን። ህላወ ብቕልፅም እዩ፤ ዛንታ ዉን ግን መረቕ ቕልፅም እዩ ፣ ዋልታን ድርዒን ሓባራዊ ህላወ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ከም ዝኽሪን ሓበንን ዝሰንቆን ዝቃለሰሉን ዛንታ የድልዮ። ተጋሩ እዉን ንመፃኢ ክነብረሉ ዝግባእና ሓድነት፣ ኩነተ ሕይወት ይኹን ኣተሓሳስባ ዝሃንፅ መቓን ጉዕዞን እንቖመሉ ፅኑዕ ምድሪን ብምኹዋኑ ዛንታ ዝኽሪና የገድሰና። ዛንታ ሓደ ናዉቲ ማሕበረሰባዊ ህንፀትና እዩ።
ንሕና ወለዶ ዛንታና ራሕሪሕና ሓዲግናዮ ዝነብርና ንመስል። ካብ ሓደ ንፁር ዘይኮነ፣ ዘይሰምር፣ ከንቱ ፅቡቕ ትምኒት፣ ኣካራኻሪ ሕልሚን ባህጊን ነፍስወከፍና ሓራ ወፂና ዛንታና ነቀናጅዉ፣ ነማዕርግ፣ አብ ስነ-መረበትና ንሸኸል። ወለዶኣዊ ሓላፊነትና እዩ።
ሐ) ትግራይ ዓዲ እያ፤ ሓደራና ከይትጉዘይ!
ትግራይ አብ ዓለምና ካብ ዘለው ዉሑዳት ብድልዱል ፣ ወርቃዊን ሓቃዊን ዛንታ ዝመፁ ዓዲታት እያ ምባል ምግናን ኣይኮነን። ቅድም ቀዳድም ትግራይ ዓዲ (ብቲ አብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘልማዳዊ ኣስተምህሮት፣ `ብሄር` ማለተይ ኣይኮነን) እያ። ብነዊሕ ኸይዲን ወያነነትን ዝተፈጥረ ሕብረተስባዊ ዉሁድነት፣ ሓባራዊ ታሪኽ፣ ሓባራዊ ዛንታ፣ ሓባራዊ መፃኢ፣ፖለቲካዊ ንቕሓትን ሓድነትን ኢሉ ዉን ታሪኻዊ መሬት ዓደቦን መረበትን ዘለዋ ብምኹዋና ዓዲ ይገብራ። ናብ ህገረ መንግስቲነት ግን ኣይበረኸትን። ኣምር ህገረ-መንግስቲነት ኽምቡት ብራኸ እዩ፣ናይ ሉኡላዊንትን ዓዲነትን ድምር ስለዝኾነ፡፡ እዙይ ማለት ትግራይ ብኣውራነት ዝተርፋ ካብ ኩለ መዳይ ሓርነት ዝቐፀለ ሉኡላዊነት ጥራሕ እዩ። ቀፂሉ ኻዓ ብሕገ (ብቅርፀ) መንግስቲ መሰረት መንግስቲ ይትከል። ንሕምቶዶ ሕቶ፡ ሓፀረ ነዉሐ ገድሊና ´ዉን ንዙይ ንምዉሓስ እዩ ኢለ ያኣምን። ግን ካዓ አብ ኣእምሮ ዘይተነድፈ ኣብ ልቦና ነፍሲ ወከፍ ዘይተወቀረ ዓዲነት ሕልሚ ዉሑዳት ልሂቃን ጥራሕ ስለዝኾን ብዛንታ ክዕጀብን ውርሻ ኽኾንን የድሊ።
- መዋእለ እልፊ ታሪኽን ኽብርን
ትግራይ ሹማን ግዘአተ-መረበታን ዋላ ይለዋውጥ እምበር ኣብ ሰሜናዊ ቐርኒ ኣፍሪካ እትርከብ ምስክር ፈላማይ ስልጣነ ኣፍሪካን ዓለምን ብዝኾኑ ቁሳዊ፣ ታሪካውን ሃይማኖታዊን ሓድጊታት እትፍለጥ ጥንታዊት ብማዓዶ እትልለን እትወርቕን ዓዲ እያ። ንዝበዝሕ መዋእላ ዓለም ፈሊጡዋ፣ ዓርሳ ፈሊጣን አካላ ምስ ዝኾነ ካልእ ዓለም እዉን ተፋሊጣን እትራኸብ ዝነበረትን ዓዲ እያ። ስልጣነ እንትንብል ተለና ናይ ቅደመ ታሪኽ ስልጣነ ሕርሻ ን ሃደን ይኹን ናይ ታሪኽ ዘመን ሰልጣነ ኸተማነትን ሃገረ መንግስቲነትን ዝነበሮ ማለትና እዩ።


ምስሊ፡ 2. ስእቲታት ከውሒ ጥንታዉያን ተጋሩ ፈለምቲ ስልጣነ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ዘርኢ (ፀጋም)፡ ንድፊ ቤተ-መንግስቲ የሓ 9ይ ዓ/ዓ (የማን)
ብዙሕነት ባህሊ፣ ልምዲ፣ ላዛ፣ ቋንቋን ሃይማኖትን አብ ጓጓአ ዛሓቖፈት ብእልፊ ክብርታት እተሰፍየትን ዝማዕረገትን በራኽን ጥንታዊትን ዓዲ እያ። ትግራይ ።
ኣሰራትን ክብርታትን ትግራይ ካብ ማእኽላይ ዘመነ እምኒ (ቅድሚ 25,000 ዓ/ዓ)፣ ስልጣነ መንግስቲታት ፑንትን ዳዓማትን (2500–400/300ዓ/ዓ) ክሳብ ስልጣነ ዘመን መንግስቲ ኣኽሱም (100ዓ/ዓ-800ዓ/ም) ኢሉ እዉን ማእኽላይ ይኹን ዘመናዊ ዘመን ኣብ ዘሎ ግዘ ታሪኽ ብቐፀላታት ግዜ ልዕልን ትሕትን ኮይኖም አብ ገፅን ከርስን መሬታ ተነባቢሮምን ተሰናሲሎምን ካብ ሰሜን ኽሳብ ደቡብ ካብ ምዕራብ ኽሳብ ምብራቕ ንረኽቦም።
ምድረ-ትግራይ መበቆል ስልጣነታት ጥራሕ እንተይኮነትስ ስልጣነታት ዝለገስት ፣ ዝዓበዩላን ዝቐፀሉላን፣ ታሪኹን ኽብሩን ዝወነነ ህዝቢ ዝቐፀለላን ዝነበረላን ዓዲ እያ። እወ ትግራይ ካብ ጫፍ ኽሳብ ጫፍ ዓዲ መኣዝነ ርሻናትን ዓዲ ሓድግታትን እያ።
እቲ ነዉሪ፣ ሀገራዊ ኽሕደትን ጀኖሳይድን ከም ባህሊ ተወሲዱ ኣብ ልዕሌና ዝተፈፀመ በደል ፀረ ኹሉ ነገርና ብምኹዋኑ ባእታታት ዓዲነት ትግራይ ዝኾኑ ሓድግታትናን ክብርታትናን ´ዉን ዒላማ ኾይኖምን ዓንዮምን እዮም። እዚ ኣብዚ እዋን ዝተፈጸመን ዝቀጸለን ኣካል ማእዝን ታሪኽና እዩ።
- ዋልታ አፍሪካን ዓዲ ሓርነትን
ጥንታዊት ትግራይ ከም ምዉናን ስትራትጂካዊን መርክቦን በሪ ቀርኒ ኣፍሪካን ምስ ንኢትዮጵያ ይኹን ንካልእ ኣካል አፍሪካ ንምቁፅፃር ዝመፁ ሓይልታት ባዓዲ ናይ ምዉጋአ ፈተናታትን ኣጋጢሙዋ ነይሩ። ንዚ ´ዉን ምእንተ ክብራን መንነታን ኢሉ `ዉን ምእንተ ካልኦት ፀለምቲ ህዝብታት ኣፍሪካን መኪታ ዋልታ፣ ዘብዒን ድርዕን ኣፍሪካነታ ዝብሓተት ዓዲ እያ። ደቃ ንቐይሕ ባሕሪ ብዝዋሓዘ ደሞም ኽብሪ ኣፍሪካዉያን ዓቂቦም ሓሊፎም። ካብዚአቶም ንአብነት፡- መኽተ ወራራት ግብፅን ጣልያንን ተኣምራዊ ዓወት ዝተሓፍሰሎም ግን ብዙሕ ዘይተነግረሎም እዮም። ብፍላይ ድማ ዓወት ኩናት ዓድዋ መዛዝሚ እቶም ቀዳሞት ዓወታት ኮይኑ ንኻልኦት ኣፍሪካዉያን ፀለምቲ ኣፍሪካዉያን ንወረርቲ ባዕዳዉያን ሓይልታት ከም ዝስዕሩ ካብ ዶግዓሊን ዓድዋን ብምምሃር ንናፅነቶም ንኽቃለሱ እንኮ ግደ ተፃዊቱ እዩ። ብኣውራኡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ብጊሓቱ ንኩሎም ዓይነት መግዛእቲታትን ባዕዳዊ ወረራታትን፣ ገበቲ ይኹኑ ጎዘይቲ ዘይቕበል እዩ። ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝቢታት ዓለም ´ውን ምጉዛይ፣ ፀቕጢ፣ ዕብለላን ምጭቁዋንን ዘይምነን ብግብሩ ዘረአየን ነፃነትን ባህጊን ህዝቢ ከም ዘይንቀል መትከል ዝቕበል ህዝቢ ምዃኑ ዘመስከሩ ታሪኻቱ ብዙሓት እዮም። አዶን ዓዲን ሓርነት እያ። ትግራይ።


ምስሊ3. ንጉሰ ነገስቲ ሓፀይ ዮሃንስ (ፀጋም፡ ምንጪ፡- Images ) ስሙይ ጀነራል ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ (የማን: ምንጪ፡- Images)
- ዓዲ ብዙሕነትን ሰበአዊነትን
ህዝቢ ትግራይ አብ አሽሓት መዋእሉ አብዛ መስኮትን መራኽቦን ዓለም ዝነበረት ትግራይ እንትነብር ምስ ዝተፈላለየ ሕብሪ ቆርበት፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ልምዲ፣ ባህልን ባህግን ዘለዎም ሕብረተ-ሰባት ቀርኒ ኣፍሪካ ይኹን ዓለም ክላለን ክራኸብን ብምኽኣሉ ብዙሕነት መለለዪ ኩሎም ደቂ ሰባት ምዃኑ ብዓንተብኡ ተገንዚቡ ዝተቀበለ ንኻልእ ዘምሃረን ህዝቢ እዩ። ካብ አኽሱማዉያን ከም አብነት ሓደ ነገር እንትወሲድና አብ እምነ ሰሌዳ እንትፅሕፉ በግእዝ፣ ሳባዊን ግሪክ እዩ ዝነበረ። ማለት ብዙሕነት ንምስተንጋድ ነቲ ወዲ ኸባቢ ግእዝ ንቲ ሰገር ቀይሕ ባሕሪ ሳባዊ፣ ንቲ ካብ ሜድትራንያን ግሪክ ይኹን ካልእ ዓለም ካዓ ግሪክ ይፅሕፉሉ ነበሩ። ንባዕሉ እቲ ንግስነት ብዙሓት ህዝቢታት ፣ነገዳትን ልሳናትን ዝሓቆፈ ከም ዝነበረ ብዙሕነት ፀጋ ስልጣነ ከምዝነበረ እዩ ዘርየና። አብ መሪሕነት መንግስቲ፣ ሃይማኖትን ርሑቅ ንግዲ ዓለምን ዝነበሩ አኽሱማዉያን ስባት እዉን ብዙሕ ልሳን ተዛረብቲ ነይሮም። ህዝቢ ትግራይ ካብ ቁፅሩ ንላዕሊ ብዙሕነት ዝቅበል፣ዓለም ብብዙሕነታ ክትሰምር ዝቕበልን ዝተግህን እዩ።
ዓበይቲ ዓዲ ትግራይ ከም ዝነግሩና እቲ ጥንታዊ ህዝቢ ካብ ባሉ ሓሊፋ ንካልኦት ዉን ሓራ ዘውፅእ ዝነበረ ከም ዝኾነን በኡኡ አቢሉ እቲ ህዘቢ ኣጋኣዚ(ያን) እቲ ህገር ምድረ (ህገረ) ኣጋኣዝያን ናተብሃለ ዝፍለጠሉ እዋን ከምዝነበረ እዩ። ካብዚ ዛንታ ዝተቀድሐ ኻዓ አብዚ ዘመናዊ ታሪኽ ቀርኒ አፍሪካ ምስ ዝርከቡ ብሄራትን ብሄረስባትን ዝተሳነየ፣ ንራህዋኦምን ንማርነታዊ ሓድነቶም ዝተግሀ፣ ንብሄራትን ህዝቢታትን ነፃነት ዝተበጀወ ሰጊን ፀልማትን ብዙሓት ህዝቢታት ዘጋለህን ህዝቢ እዩ፡፡ እዚ ኻዓ ኮሪዕና እንዝንትየሉ ሕላገት ዛንታ ፈቃርነት ኩሉም ህዝቢታትን ዓዲን ኢሉ እዉን ንራህዋን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪካን ይኹን ምብራቕ አፍሪካ ዘወፈናዮ ዛንታ ጅግንነትን ዛንታ ሕዝባዊነትን እዩ። እዚ ዉን ኣካል ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ እዩ ፤ ዘለኣለማዊ ከዓ እዩ።
ኣብዛ ተኹዋሳሓይ፣ተባራዓይ፣ድሑር፣ ሰብን ሰብነትን ዝረሰዐን ኣረማዊን ፖለቲካ ዝጉስጎስላ ኢትዮጵያ እንትንዋሳእ ስሕት ኢልና ካብ ዝኾነ ኣንፈት ይኹን ነገድ፣ ሃይማኖት ይኹን ቀፀላ ማሕበረ-ሰብ ንዝመፀ ሰብ ዘይነጋፍዕ-ዘይንገፍዕ እኩዋዳኣስ ዉርሻና ግዲ ኮይኑስ ተፈጥሮኡ፣ ባህሉን መንነቱን ተቀቢልና እነስትናአናግድ፣ እነድምቅን እንሓቁፍን ህዝቢ ኢና። ካልእ ቁዋንቁዋ ምስማዕ ዝፅየፍ ማእኸላይ መንግስቲን ሰዓብቱን ዝነበራ ኢትዮጵያ ትግራይ ኸዓ 81 ቁዋንቁዋታት ዝውንኖም ማሕበረሰብ ክሳዕ ዝሃለዎም ነዚኦም ዘይትፈልጥ ኢትዮጵያ ኣይኢትዮጵያን ብምባል ታሪኻዊ ሕገ መንግስቲ ንኽትከል ልዑል ግደ ዝተፃወተት እያ። ትግራይ።
ብዙሕነት እነተኣናግድ እንትንብል ተለና ካብ እኩባት ዝምንጩ ጥራሕ ዘኮነስ ካብ ዉልቀ ሰባት ዝፍልፍል ኣፈላላይን ሓሳባትን ርእዮትን ማለት እዩ፤ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከም መግለፂ ስልጣነ ዘአምንን እዩ። ትግራይ ናዓርሳ እዉን ዓዲ ጥንታዉያን ብዙሓን እያ፡ ዓዲ ጫርኛ፣ ዓዲ ግእዝ፣ ኩናምኛ፣ ዓዲ ሳሆኛን ዓዲ ትግርኛን።
ዘርኣዊ ፅንታ እናተፈፀመልና እናሃለወን ፅንታ ዝፈጸሙልና ዓሰርተታት አሽሓት ኣረማውያን ሓይሊታት ማሪኽና ሓብሒብና ኣምሂርና እንሰድድ ዝነበርና እዉን ውርሻ ኾይኑና እዩ። ዋላ ኣብ ታሪኽና ዘይተኻሓስናሉ ይኹን እምበር ዓዲ ሰብን ሰበኣዊንትን ንዓለም ለኻዊ ሕግጋት ተገዛእቲ ምኹዋና ግን ፃዕዳ ሓቂን ኣብ ቅድሚ ዓለም እነርእዮ ዘለናን እዩ።
- ዓዲ ልኡላውያንን ሉላዉያን
አብ መድረኻት ታሪኹ ከም ዘመስከሮ ህዝቢ ትግራይ ባህጉን ራኢኡን ምስ ሓዱሽ ይኹን ነባር ዓለማዊ ይኹን ክፍለ ዓለማዊ ስርዓት ዝሳቐብን ዝሳነን አካል ምዕቡልን ተለዋዋጣይን ዓለም ናኾነ ዝመፀ ወያናይን ገስጋሳይን ሀዝቢ እዩ። ማህፀነ ለምለም ማህጸን ትግራይ ብርሃንን መሪሕን ዓለም ዝኾኑ አዉራታት፣ ፈላስፋታትን ሊቃትን ናብዛ ዓለም ዘበርከተት እያ።
- ዓዲ ማሕበራዊ ስኒት
ህዝቢ ትግራይ ብታሪኽ፣ ብደም፣ ብመስዋእቲ፣ ብመዉስቦ ብቛንቛን ካልኦት ማህበረስባዊ ባእታታቱን ዝተሓናፈፀ ዉሁድ ህዝቢ እዩ። ብሓባር ካብ ምድረ-ትግራይ በቚሉ፤ ኣብ መሬቱ ዝዓምበበ፤ ንባህልታቱን መንነቱን እምነቱን ዘንፀባርቕ፤ መነባብሮኡ ብኣግባቡ ዝሰርዕ ምዕሩይን ወረጃን ህዝቢ እዩ። ካብ እዋን ናብ እዋን እንዳተዋራረስን እንዳተቐርፀን ዝመጸ ሕግን ስርዓትን ዝወነነ ህዝቢ እዩ። ካብዚ ዝምንጩ ድማ ጣዕሚ ብዙሕነትን ሕድሕዳዊ ምክብባርን ዘስተማቕር፤ ምስ ተፈጥሮኣዊ ሰባዊ ፍልልያቱ ብሓባር ተሳኒዩ ናይ ምንባር ባህሊ ኾነ ባህጊን ዘለዎ፤ ኩሉ ግዘ ሓቢሩ ናብ ትስፉው መፃኢ ዝግስግስ ዓርሱ ተኣማማናይ ህዝቢ እዩ።
መንቀሊ ዙ ማሕበራዊ ስኒት እዉን ሉኡላዊነትን ክብርን ትግራይ ከም ኣፀድ፤ ፅላልን ቅናትን ሓባሩ ስለዘኣምንን ብዚ ፍፁም ንፃት ዉን እንትኾነ ጋእ ዘይብል ምኹዋኑን እዩ። እዚ ዝወለዶ ሓባራዊ ሓርበኛዊ ክብርታት ዘለዎ፤ናይ ሓባር ፀገማት ብናይ ሓባር ቃልስታት ዝበድህን እዩ። እዚ ምትእስሳራት ዘንቀሎ ማዕረ ታሪኽ ሓዘንን ሓጎስን ዘሕለፈን እዩ። ፅኑዕን ሓያልን፣ ብፖለቲካዊ ምቅይያራትን በኣሉታ ዘይፅሎ ዳርጋ ከም ከዉሒ ዝሰመረ እዩ። እዚ ኩሉ ደሚርካ እንትርአ ትግራይ ኣብ ዓለምና አብ ዘለዉ ውሑዳት ማሕበራዊ ስኒት ዝወነኑ ዓድታት ይምድባ።
ታሪኻዉያን ፀላእቲ ነዛ ዘይትቁርጠም እትኾኖም ትግራይ ብናይ ባዕሎም ቅቡልነት ይኹን ዓቅሚ ምስባር ስለዘይኽሉ እዩ እምበኣር ምስ ናይ ደገ ሓይሊታት ተሻሪኾም ንትግራይ ዘጥቀዑ ፤ ኣብ ታሪክ ይኹን አብዚ እዋን። ትግራይ ዓዲ ማሕበራዊ ሰላም፣ ዓዲ ውህደት፣ ዓዲ ሚልዮናትን ዓዲ ስሙራትን እያ።
- ዓዲ ስርዓትን ሰላምን
ትግራይ ዓዲ ስርዓትን ስርዓታውያንን እያ። እዚ ዝወለዶ ኻዓ ዓዲ ሰላም እያ። ትግራይ ሓላዊት በሪ ቀርኒ አፍሪካ ብምንባራ ወረርቲ ብምምካት ካልኦት አፍሪካዉያን ሰላሞም ኣዉሒሳ እያ። ከምኒ ኢዛና ዝበሉ መራሕቲ ጥንታዊት ትግራይ ነገስታት ኣብ ስናቲሞም ከም ዘቅምጥዎ “ምሕረትን ሰላምን ንህዝብና“ ምሕረትን ሰላምን ንህዝቢታተይ ዝብል አገዳስነት ሰላም ካብ ምርዳእ ዝተበገሰ ሓላይነትን ፈቃርነት ህዝቢ ምንባሩ ዘረደእና ዩ። ኢሉ እዉን ከምቲ ሃጸይ ካለኤብ አብ ሃገረ ናግራን ንዝነበሩ ርሑቅ ኣካል አኹሱም ንግስና ዝነበሩ ህዝቢታትት ዝበፅሖም በደል ብምኻድ ሰላሞም ዘዉሐሰሎም ታሪኽ ኣብነት ምባል ይከኣል።
እዛ ገለ ብሄራት ከም ባዕዳዊት ወራሪት ዝርእዩዎ ፤ ገለብሄራት ከዓ ከም ብሄራት ተጨቁይና ዝብሉዎ ማእኽላዊ መንግስቲ ዝነብራ ዓዲ ካብ ኩናት ሕድ ሕድ ክትወፅእ ብምግባር አንጭዋን ደሙን ዘፋቐሩ ተጋደልቲ ዘፍረየትን ዘበርከተትን እያ። ንሚልዮናት ህዝቢታት ሰላምን ስርዓት ዝተኽለት ዓዲ እያ። እዛ ሃገር ኢትዮጵያ ናብዚ አትያቶ ዘላ ኩናት ሕድ ሕድ ከይታኣቱ ሰለ ሕጊ ዝሞተት፣ እተሰለፈት፣ ዓዉ ኢላ ዝለመነት፣ ናዓለም ዘፍለጠት ትግራይ እያ። ንባዓላ ዉን ሰላም ክትኮን ዓዲ ሰርዓትንታ ከተቐፅል ፅዒራ እያ።
ትግራዋይ ኣብ ታሪኹ ኣንጻር ጎዘይቲ፣ ናይ ፅንተት ሓይሊታትን ጨቆንትን ዘካይዶ ብረታዊ ይኹን ካልእ ቃልሲን ተቃዉሞን ካብቶም ኣብ ካልእ ኢትዮጵያ እንርዮ ብዝተፈለየ ኣንፃር ትካላትን መሰረተ ልምዓታትን ዘይምኹዋኑ መርኣያ ስልጣነን ስርዓታዊነትን እዩ።
- ዓዲ ሕገ –ልቦና፤ እምነትን ሃይማኖትን
ሃይማኖትን እምነትን ዓምዲታት ሓደ ህዝቢ ከም ምዃኖም ህዝቢ ትግራይ ከምቶም ካልኦት ጥንታዊ ሰልጣነ ዝወነኑ ህዝቢታት ዓለም ቅድሚ 3000 ዓመታት ጀሚሩ ሕገ ልቦና፣ስርዓት ሃይማኖትን መንፈሳዊነትን ዝተፈጠሮ ህዝቢ እዩ። ድሒሩ ´ዉን ሃይማኖታት ክርስትናን አስልምናን ተኸታቲሎም ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ 4ይን 7ይን ክፍለ ዘመን ዝኣተዉ ብሓንጎፋ ብሃላይንትን አማዓባላይነትን ህዝቢ ትግራይ ነይሩ። ምትእትታዉ እስልምና ከም ምሳለ እንተወሲድና ቅድሚ 7ይ ክፍለ ዘመን ንኣሻሓት ዓመታት ናይ ንግዲ፣ ባህሊን ምሕዳራዊ ሓደነትን ድሕሪ ምፅንሑ ዝተኸሰተን መርኣያ ዝቀፀለን እዩ።
እምነት ኣይሁድ ዓርሱ ቆይሙን ምስ ካልእ ክርስትያን ተዋሂዱን ዝቀፀለላን ማሕፋዳ እዞም እምነታትን ምኹዋና፡ ትግራይ ዓዲ ቁራዓን ፣ ዓዲ ቶራህን ዓዲ መጽሓፍ ቅዱስን ይሰምያ። እዚ ድማ ትግራይ እዚኦምን ካልኦት እምነታትን ሃይማኖትን ተኻአሊሎምን ተአሳሲሮምን ዝነብሩላ ዓዲ ገይሩዋ ይርከብ።
- ዓዲ ፃዕራምን ህርኩትን ህዝቢ
ህዝቢ ትግራይ ናይ ዘመናት ስልጣነ ነይሩዎ እንትንብል ተለና ብልሂነት፣ ሳይንሳዊ ፍልጠት ክእለትን ባህሊ ስራሕን ነይሩዎ ን ማለትና ዩ። ፀጋ ኸባቢኡ መርሚሩ ፈሊጡ ብ ኣግባቡ ይጥቀም ምንባሩ ዘሪኤና ከምቲ ወርቂ እቲ እምኒ ከይተረፈ ከንደየናይ ተባላሒቱሉን ተጠቂሙሉን ምንባሩ ግዙፋት ሓዉልቲታቱን ካሎኦት ዉፅኢት እምኒ ዝኾኑ ሓድግታትን መርኣያ እዮም።
ትጋሃት፣ ፃዕርን ህርኩትነትን ከም ነፍሲ ወከፍ ጥራሕ ዉን ተይኮነስ ከም ሕብረተሰብ ብሓባር ናይ ምውፋርን ምዕያይን ባህሊ ዝነበሮን ዘቀፀለን ህዝቢ እዩ። ሓደ 500 ቶን ዝምዘን ሓወልቲ ካብ ቦታኡ ምፍልፋልን ምጐዓዝን ኽሳብ ምምልኻዕ ይኹን ምትካል ክንደይ ሰብ ተሳቲፋ ይኾን ቀሊል መርኣያ እዩ። ትርጉም ስልጣነ እዉን ብፃዕርኻ ከባቢኻን ተፈጥሮን ምሽናፍን ፀጋኡ ፈልፊካ ን መጢንካ ምጥቃምን ዩ።
- ዓዲ ፀጋ ን ተስፋን
ትግራይ ብዝኾነ ዓይነት ረቛሒ እንተረኢናያ ንዓርሳ ዝኸዉን እኹል ፀጋ ኣለዋ ብሩህ ተስፋ መጻኢ ክህልዋ ኽትኮን ትኸእል ዓዲ እያ። እቶም ብፖሊስን ስትራተጂን ድኻ እናገበሩዋ ዝሓለፋ ሕዚ እዉን ዘዕንዉዋ ዘለዉ ወገናት ድኻ ዝብሉዋ ምፅለላእን መድሃልትን ከም መሳርሒ ስለዝጥቀሙን ከም ዝሰርሐሎም ሰለዝፈልጡን እዩ።
ዓዲ ሹሻይ፡ ዓዲ ጥሪት፣
ዓዲ ብዙሓን ፡ ዓዲ ሂወታዉን፣
ዓዲ ዓይኒ ማይ: ዓዲ ቃላይ፣
ዓዲ ገረብ : ዓዲ መስሕብ፣
ዓዲ እምባ፡ ዓዲ ሕዛእቲ፣
ዓዲ እኽሊ፡ዓዲ ተኽሊ፣
ዓዲ ሰሊጥ፡ ዓዲ ፀባ፣
ዓዲ መዓር፣ ዓዲ ወለላ፣
ዓዲ ጣፍ፡ ዓዲ ሰሊጥ፣
ዓዲ አኽራናት፡ ዓዲ ጎላጉል፣
ዓዲ ኣኻዉሕ፡ ዓዲ አሳዉሕ፣
ዓዲ ቆላ፡ ዓዲ ደጉዓ፣
ዓዲ ተጣባባይ፡ ዓዲ ነጋዳይ፣
ዓዲ ሓራሳይ፡ ዓዲ ከታማይ፣
ዓዲ ኣእማን፡ ዓዲ መዓድን፣
ዓዲ መቐር፡ ዓዲ ሑመር፣
ዓዲ ወርቂ፡ ዓዲ ሳፋዬር።
- ዓዲ ገድላትን ተጋዳላይን
ህይወት ንመዋእላ ዝፈተነታ ትግራይ ብዙሓት ገድሊታት ዝተኻየዱላ ዓዲ ገድሊ እያ። እልፊ ሓርበኛታታን ምእንተ ህዝቢታት በብሓደ ዝሓለፉላ፣ዝተሰዉኡላን ዝተተክኡላን ዓዲ መስዋእቲን ሰማእታትን እያ።



ምስሊ፡ 4. ሽፋን መጽሓፍ “ፈለማይ ወያነ“ (ጸጋማይ) ሓወልቲ “ካልኣይ“ ወያነ (ማእኸል) ኣርማ ሓይሊታት ምክልኻል ትግራት (የማን)
ሕዚ እውን ወላድ ትግራይ እተሕልፎ ዘላ መስገደልን ሓርፋፍ ህይወትን ሓደ ሀቡብ ደራሲ ካብ ክፈጥሮ ዝኽእል ትራጀዲ ንላዓሊ መሕዝኒ አዩ። ትግራይ እናተጎዝየትን ኣብ ትሕቲ ግዛአት ወቓሮ መድሓርሓርቲ ካብ እትአቱ ዒላማ ዘይዛሪ ዉዲት ፅንተት ዘይነበረትሉ ግዜ ብጣዕሚ ዉሑድ እዩ። ብጣዓሚ ብዘሕዝን ኩነታት ድማ አብዚ እዋን ትግራይን ህዝባን ዝተፈለየ ናይ ጉዝያን ፅንታን ደረጃ ገጢሙዎም አሎ። ትግራይን ህዝባን ካብ ገፀ መሬት ናይ ምጥፋእ ኲናት ህዝባ ቦቂሉ ዛዓበየላ፣ ዕትብቱ ዝተቀበረላ ርስተ-መሬቱን ዓደቦኡን ምንባር ሓራምካ ተባሂሉ ናተቐትለ፣ ናተነቀለን ናተሰደደን ይርከብ።
ከምቲ ቀደም እዚ ክዉንን ዘይዛረየን ፕሮጀክት ፅንተት ንኽቖም ተጋሩ ሽግ ቃልሲን ሓርነትን ናተቐባበሉ ብፅኑዕ እናተቃለሱ ይርከቡ። ህዝቢ ትግራይ ብእልፊ ፀለመ መድሓርሓርቲ ናጠቆረ ግን ወርቂነቱ ከይቀየረ ናይ መኸተ ማሕበረሰብነቱ እናቀፀለ ይርከብ። እዚ ውን ትግራይ እቶን መፍተን ወርቂን ዓዲ ገድሊን መስዋእቲን ይገብራ፤ ብፍትሒ ዝድበስ ዛንታና እዩ።
አብዛ እቶን መፍተን ወርቂ ዝነብር ህዝቢ ትግራይ እቲ ሀዚ ገጢሙዎ ዘሎ ከም ህዝቢን ዓድን ናይ ምጥፋእ ሰርቢን ዉዲትን ከበርዕን ከዓ ከም ቀደሙን ቀዳሞቱን ገዲምን ሓድሽን ወለዶ ኣብ ሓደ ነጥቢ ብምርኻብ ንስለ ትግራይ፣ ታሪኹን ክብርታቱን ብረሃፁ፣ ብደሙን ዓፅሙን አብ ቅድሚ ዓለም ኩሉንተናይ ናዓኺ ኢሉ ተበጂዩ አሎ። ጅግና ይፍጠር፣ ጅግና ይሓልፍ፣ ጅግና ይስዕብ አሎ። አብዚ ሓንኩዋል መድረኽ ዘበት ንባርነት ኢሉ ነፍሲ ወከፍ ትግራዋይ ወራሳይ በዓል ምሁሮ ምስ በዓል ተሞኩሮ ዓዲ መዋእለ እልፊ ታሪኽን ኽብርን፣ ዓዲ ሉላዉያንን ማሕበራዊ ስኒትን፣ ዓዲ እምነትን ሕገ ልቦናን፣ ኸላኢ ፀገማን ኸምባታይ ባህጋን ኮይኑ ብጥምጥም ገጢሙ። እቲ ሓደ ክንዲ እቲ ሓደ ክብጆ ድሉው ዝዀነን ንተበጃውነት ዘኽብር ህዝቢ ምህላው ትግራይ ዓዲ ኹሉ ቀፀላ ሕብረተሰብ ይገብራ። ዓዲ ገዲምን ሓዱሽን ፤ ኩሉንተናኦም ናዓዶም ዝኾኑላ። እዚ ኹሉ ውርሻና እዩ።
- መኸምብቶ፡ ምዕዶ ንኡስ ሓው
ምዕዶ 1፡ ፀገም ትግራይ ታሪኻውን ሕልኽላኽን እዩ። ሕልኽላኽ ዝግብሮ ሕዚ ዘሎ ዓለም ለኻዊ፣ ዞባዊ ን ኢትዮጵያዊ መኻልፋትን ነውርታት ዝተሓወሱዎ ምኹዋኑ እዩ። ናይ እቲ ሰሉሳዊ ኪዳን ንጀኖሳይድ ትግራይ ሓደ ኽቱር ባህጉ ምጉዛይ ትግራይ እዩ። ንምንታይ? ግዛኣተ መሬትን እታ ዘላ ግዛኣት ትግራይ ንኽውንነት ሃገር ትግራይ ይኹን ካልእ ዓይነት ትግራይ ዘላቶ ኣወቃቅራ ከም እምነ ኹርናዕ ስለዝኾነ። ብሄራዊ ህላወ መፃኢና ´ዉን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምኹዋኑ ስለዝፈልጡ እዩ።
ኣብ ቃልሲና ቅደም ተኸተልን ዉነን ወሳኒ እዩ። ስለዝኾነ ከምቲ ኣብ ሰነ ዃዕቲ ታሪኽ ናብቲ ናይ ቀደም ንጻፍ ንምብፃሕ ነቲ ዘለኻሉ ሓዱሽ ወይ ኻዓ ናይ ቀረባ ዘመን ብኣግባቡ ምዃዓትን ምስናድን ግድን ዝኸውን ፀገም ትግራይ ዉን ብዚ ሞዴል ውሕልና ምፍታሕ ይከኣል ዝብል ርእዮት ኣለኒ። ፖለቲካናን ተዋስኦናን ዝተፈላለየ ኽኾን ግድን ተኾነኳ እዋናዊ ናይ ሓባር ትኹረትና ምሕላዉን ምውሓስን እታ ዘላ ቅርፂ ትግራይ ይኹን ይብል ፤ እዜኣ ንምውሓስ ዝጠቅመና ኩሉ ነገር ምግባርን ምትዕፅፃፍን ካዓ ብላህነት እዩ። እዚ ኣምር ምስ እንሰንቕ ፖለቲካና እውን ተመጋጋቢን ነንባዕሉ ዘይጠላለፍን ይኸውን።
ምዕዶ 2፡ ከምቲ ቻይናዊ ፈላስፋ ኲናት፡ ሳን ዙ ዝበሎ፡
“ንፀላኢኻን ንነብስኻን እንተ ደኣ በአግባቡ ዘይፈሊጥካ፡ ኣብ ሚእቲ ውግኣት ሚእቲ ግዜ ክትሰዓር ኢኻ፣ ንፀላኢኻ ፈሊጥካ ንርእስኻ እንተ ዘይፈሊጥካ ግን፡ ድሕሪ ነፍሲ–ወከፍ ዓወት ክትሰዓር ኢኻ፣ ንፀላኢኻን ንነብስኻን ብኣግባቡ እንተ ፈሊጥካ ግን፡ ኣብ እተን ሚእቲ ውግኣት ኩለን ክትስዕር ኢኻ።” ዝበሎ ገድልን ዘለኣለማዊ ኲናትን ኣካል ዛንታና ካብ ኮነ ቃልስና ትርጉም ክህልዎ ምእንታን ብልክዕ ባህጊ ጥፍኣትን በዝሕን ፀላእትና እምበር ንሕና ብዘለና መትከላዊነትን ንካልእ እንምነዮ ፅቡቕ ፋልን ክኾን የብሉን።
ምዕዶ 3. መንነት ብዙሕ እዩ ብፍላይ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበለት ደርማስ ዓዲ ኾይንካ መነንትካን ዛንታ-ታሪኽካን ምዕቃብ ካልእ ጥንካረ ፈተናን ትካላዊነትን ዝሓትት እዩ። ማለት እዉን እቲ ድሩዕ መንነት ዝፈጥሮ ዜጋነት ይጋጨወካን ይፀዓነካን እዩ። ሰለዝኾነ እቲ ድርዕቶ መንነት ከም ሓላፊ መንገዲ እቲ ትግራዋይነት ከዓ ባዕሉ መንገዲ ገይርና እንተዘይኣስተኣናጊድናዮ ኸቢድ ስለዝኸዉን ውነ የድልዮ።
ዘለኣለማዊ ኽብሪ ንሰማእታትና!
ኩለ መዳይ ሓርነት ንትግራይ!
ተጻሕፈ፡- ማሳዎ፤ ፖርቹጋል፤ 2015 ዓ/ም
ተሓተመ፡- ሕዳር 2017 ዓ/ም
ነጋሲ ኣወጠህይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ጀኔቫ ተምሃራይ ዶክትሬት ሳይንስ ስነ-ቐደም