ፖለቲካ ትግራይ ናይ ውድቀት ታርኽ ካብ ምድጋም ወፂኡ፣ ታሪኽ ናይ ምቕያር ተረኽ ክሕዝ ኣለዎ!
ፖለቲካ ትግራይ ናይ ውድቀት ታርኽ ካብ ምድጋም ወፂኡ፣ ታሪኽ ናይ ምቕያር ተረኽ ክሕዝ ኣለዎ
ብዳዊት ካሕሳይ
ድሕሪ እዚ ኹሉ መስዋእትን ቓልሲን ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝሃበና ዕድል ተጠቒምና፣ ብናይ ሕጊ ልዕልና ፍትሒ ኣንጊሱ ዘመሓድር መንግስቲን፣ ብ ናይ ሓሳብ ልዕልና ክምረፃ ዝነሓንሓ ውድባትን ዝሓቁፍ መድረኽ ፖለቲካ ትግራይ ክህነፅ ሰረት ክነንብር ኢና ኢሉ ተስፋ ዝገበረ ትግራዋይ ዝህቦ ምኽሪን ለበዋን ንጎኒ ተገዲፉ፣ ዝመፃእናሉ ውዱቕ ፖለቲካ ንምቕፃል ኣብ ዝግበር ህልኽ፣ ትግራይ መዋፅእ ኣብ ዘይብሉ ናይ ጥፍኣት ዓንኬል ኣእትይዋ ይርከብ።
ድሕሪ እዚ ክስተት ፀነተ፣ ትግራይ ንብረት ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ገይሩ ዝርኢን ከቐፅል ዝብህግ ኣመራርሓን ደጋፊን ምህላው ክትርኢ የደንፁ። ህዝቢ ብሓፈሻ ኣባል ሓደ ውድብ እዩ ብዝብል ተረኽ፣ ተገዲዱ ናብ ኣኼባ ክወፅእን፣ ገንዘብ ክህብ ተገዲዱ ክሕተትን ምርኣይ፣ ብሽም ዓርሰ ምሕደራ ዓርስኻ ዘይወንንኻሉን መሰልኻ ዘይኽበረሉን ሰርዓት ሃኒፅኻ ከምዘለኻ መርኣያ እዩ። መሰል ዓርሰ ምሕደራ፣ ብትግርኛ ዝዛረብ ረጋፂ ውድብ ወይ ስርዓት ምህናፅን፣ ኣብ ርእስኻ ገዛኢ ኾይኑ ክነብር ምፍቓድን ማለት ኣይኮነን፤ እንተነኣሰ ሰብ ሓሲቡን ፈቒዱን ክውስንን፣ ባህግታቱ እንተድምፅ ክስማዕ እንትኽእልን ብተግባር እንትረአ እዩ። ህዝቢ ካብቲ ንስኻ ዝደለኻዩ ወፃኢ ዝኾነ ባህጉን ድሌቱን ስለ ዝሓሰበ፣ ዝወሰነን ዝተንቀሳቐሰን፤ ምስ ግዳምዊ ፀላኢ ትሰርሕ ኣለኻ ወይ ናይ ፀላኢ ድሌት ተፈፅም ኣለኻ ብዝብል ፀለመ፣ ክስከፍን ክድሃልን ብምግባር ብግዲ ናትካ ድሌት ጥራሕ ኣብ ዝባኑ ናይ ምፅዓን ተግባር፣ መርኣያ ደርባዊ ስርዓት እምበር ባህሪ ህዝባዊ ስርዓት ኣይኮነን።
ድልየትን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ንምቅላስ ተጠቒማ፣ ድሕሪ ዓወት ህዝብን ዓድን ንድሕሪት ገዲፋ ናብ ናይ ዓርሳ ዕላም ትግስግስ ውድብ ህውሓት፣ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ዓፂፋ ንውድባዊ ህልውናኣ ክትጥቀም ፈቲና ዋላኳ እንተነበረ፣ ከይተሳኸዐላ ምስተረፍ ግን ድሕሪ ኣስታት ክልተ ዓመት ብግልፂ ህላወ ህዝቢ ድሕሪ ህልውናኣ ሰሪዓ፣ ኣብ ጉሮሮ ትግራይ ጠጠው ኢላ ምትንፋስ ከሊኣታ ትርከብ። ሕድሪ ስውኣት እናተብሃለ ይሽቀጥ፥ ህዝቢ ይእሰር፥ ነፃ ሓሳብ ብሽም ክሕደት ይኩነን ይኽልከልን። ሕድሪ ስውኣት “መስዋእቲ ብኣና የብቅዕ” ፥ “ንስኹም ቀፅሉ እቲ ዕላማ ኣሳኽዕዎ፥ ትግራይ ትዕወት” እዩ ዝብል ኔሩ፥ መመሊስካ ትግራይ ናብ ዅናትን መስዋቲን ምጥሓል ግን ናይቶም ብህይወት ዝተረፉ እዩ እምበር ናቶም ንብሃራዊ ዕላማ ዝተሰወኡ ክኸውን ኣይኽእልን።
ዘለናሉ ምዕራፍ ንትግራዋይ ዓብዪ ስግኣት ዝፈጠረን፣ ህዝብና እቲ መሕፈሪን ውዱቕ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ዝድገመሉ ብርኪ ተበፂሑ ዝብል ፍርሓት ጠኒሱ ብሎሚ ፅባሕ ክውለድ ናይ ሕርሲ ስቓይ ዝሳቐየሉ ዕለታዊ ናብራ ምድፋእ ካብ ዝጅምር ውዒሉ ሓዲሩ ኣሎ። ይኹን እምበር እዚ ናይ ታሪኽና ሓተላ ዝኾነ ነንባዕልኻ ተሓላሊኽካ ናይ ምውዳቕ ምዕራፍ ባህሊ ፖለቲካ ክቕየር ዝኽእለሉ ዕድልን ተኽእሎን ውን ዘለሉ ኹነት እዩ። ሰለዚ ፖለቲካ ትግራይ ናይ ውድቀት ታርኽ ካብ ምድጋም ወፂኡ፣ ታሪኽ ናይ ምቕያር ተረኽ ክሕዝ ኣለዎ። ኣብ ዘለናሉ ምዕራፍ ከም መበገሲ እዞም ዝስዕቡ ምትዕርራያት ብምግባር፣ ህንፀት ምእኹል ፖለቲካ ትግራይ ምብጋስ ይክኣል ‘ዩ ይብል።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክዕረ ምግባር
ውዕሊ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረምን፣ ግዝያዊ ምሕደራ ክምስረት ከም ዝኾነ ካብ ዝፍለጥ ጀሚሩ ኣብ ደገን ውሽጢ ዓዲን ዝነብር ትግራዋይ ብግሉ ይኹን ብውዳበታቱ ኣቢሉ፣ ተደጋጋሚ ናይ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ተዋፅኦ ክህልዎ እናሓተተን እናተማሕፀነን መፂኡን ኣሎን። እቲ ዘለልናሉ ኹነታት ከም ዝጠልቦን፣ ብመሰረት ሰነድ ምስረታ ግዝያዊ ምምሕዳርን (ቁጽሪ ደንቢ 533/2023)፣ እቲ ቤት ምኽሪ ግምት ማዕረ ተሳትፎን ውክልናን ዘለዎ ኮይኑ ብቕልጡፍ ክዕረ ኣለዎ። ብስሩ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዓብላሊነት ዝመረሖ መላፍንቲ ኣካል ፍንጫል ሓደ ውድብ ብምዃኑ፣ ቐፃሊ ዘይዛሪ ዕንቅፋታትን ናይ ዓቕሚ ውሱንነትን ዘጥቅዖ ከምዝኾነ ህልዊ ተርእዩታት መረዳእታ እዩም። ስለዚ ኣብ ግምት ዘሎ ክንፊ ህውሓት ብፍላይ ድማ ፕረዚዳንት ጌታቸው፣ ናይ ዲሞክራታዘሽን ዕዮ ሓላፍነት ወሲዱ ብምኽትል ፕረዚደንትነት ተሸይሙ ዘሎ ፃድቃንን፣ ከምኡ ‘ውን ብምኽትል ፕረዚደንት ሓላፊ ፅጥታን ድሕነንተን ዝኾነ ጀነራል ታደሰ ወረደን ብተግባር ዘይተደገፈ ቃል ደጋጊምኻ ካብ ምእታው ወፂኦም፥ እዚ ጠለብ ህዝቢ ብተግባር ክግሃድ ምትግባር ክጅምሩ ይግባእ። ባህሊ ፖለቲካ ትግራይ ክመሓየሽን፥ ትግራይ ንመረፃ ምድላውን ካብቶም ሓላፍነታቱ ሓደ ዝኾነ ግምት፥ ብሓደ ውድብ ዝተዓብለለ መድረኽ ፖለቲካ ትግራይ ዓቕምን ተሳተፎን ብዙሓት ውድባት ትግራይ ክጥቀም ምግባር፤ እተን ውድባት ፀገም ህዝብና ኣብ ምፍታሕ ብተግባር እናተፈተናን ኣበርክቶአን ‘ውን እናተርአየን ክፀንሕን ህዝብና ምሕደራ ሓደ ውድብን ብዙሓት ውድባትን ርእዩ ይሓሸኒ ዝብሎ ካብዚ ተሞክሮ ወሲዱ ንምሕራይ ዕድል ክፈጥር ኣመራርሓ ግ.ም.ት. ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ይግባእ። እዚ ተግባር እዚ ህልዊ ትሕቶን ርእሰ ዛዕባ ፖለቲካ ትግራይን ውን ዝቕይር ተግባር እዩ።
ሕጊ ምትግባርን ልዕልና ሕጊ ክሰፍን ምኽኣልን
ሓደ ዓብዪ ስራሕ ናይ መሕደራ ድሕንነት ዜጋታት ምውሓስን፣ ልዕልና ሕጊ ክኽበር ምግባርን እዩ። ኣብዚ ዘለናሉ ኹነታት ሕጊ ዘተግብር ኣካል ናይ ምምሕዳር ትግራይ፣ ሓይሊ ፀጥታ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ኣብቲ ግምት ብምኽትል ፕረዚዳንትነት መዳርግቲ ኮይኑ ዘሎ እንትኾን፤ ኣብቲ ሐዚ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ናህሪ ዝበለፀ ከየጓሃህር ብዝብል ማእኸላይ ይኾነለኹ እናበለ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ስኒ ዘይብሉ ነባሒ ከምዝገበሮ ምርዳእ ዝኸብድ ኣይኮነን። ህውሓት ንኽልተ ምኽፋሉ ተኸቲሉ፣ እቲ ኣብ ምሕደራ ዘየለ ክንፊ ቅድሚ ዅናት ፀነተ ዝነበረኒ ብቤት ፅሕፈት ህውሓት ዝምደብን ዝእዘዝን ማሓውር ወረዳን ዞባን ክልዓል የብሉን ብዝብል ዕንቅፋት እናኾነ ይርከብ። ድሕሪ እቲ ዘካየዶ ጉባኤ፣ ዋላኳ ብሕገ መንግስቲ ዘለናሉ ሀገር ይኹን ብናይ ባዕሉ ናይቲ ውድብ ደንቢ ምጥሓስ ሕጋውነት ዘይረኸበ እንዳሃለወ፣ እቲ ናይ ግምት ኮታ ንዓይ ይግብኣኒ ብዝብል ቅቡልነት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ነፂጉ ዝርጋሐ ምሕደራ ምዕጋት ቐፂልሉ ይርከብ።ሕጋዊነቱ ኣብ ዘይተማልአ ጉባኤ ዝተደረኸ ምዃኑ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ትግራይ ኣብ ዘለትሉ ናይ ፀነተ ዅናት እቲ ቕድሚ ዅናት ዝነበረ መንግታዊ መዋቅር ብስም ሕጋዊነት ክተቐፅል ዘየኽእል ፍሉይ ኩነታት ከምዘላ ብግልፂ ተረቒሑ እቲ ጠለብን ናይ ምዕንቃፍ ተግባርን ከብቅዕ ኣለዎ። ምኽንያቱ ውን ትግራይ ካብቲ ዘለትሉ ሃዋህው ንምውፃእ፣ አቀዳዲው ዝሰርሕ ዝርጋሐ ምሕደራ ውሑስ ገይራ ንቕድሚት ከይትኸይድን ስራሕ ብግቡእ ዝፍፅምን ዝሕተትን ምሕዳራ ከይህሉን ይገብር ስለ ዘሎ። ስለዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ሀዚ ትግራይ ንዘላቶ ፍሉይ ኹነታት ጠሚቱ ዝተመሰረተ ብምዃኑ፣ ናይ ህዝቢ ፀገም ብቐረባ ንምፍታሕን ምእኹል ምሕደራ ንምስላጥ ዘኽእሎ ቑመና ንክሕዝ ዝገብሮ ዝርጋሐ ተፈፃሚ ክኸውን ምግባር ሕጋዊን ምሕደራዊ ሓላፍነቱ ምዃኑ ኣሚኑ ከፈፅም ኣለዎ። እንተዘይኾይኑ ግን ኣብ መቐለ ጥራሕ ዝተሓፀረ ግምት ስራሕ ክሰርሕ ምፀባይ ናይ ፖለቲካ የዋህነት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ትግራይ ካብቲ ዘላትሉ ኹነታት ክትወፅእ ቅድመ ኹነት ኣቐሚጥኻ፥ ንሱ እንተዘይተማለአ ትግራይን ጉዕዞ ህይወት ትግራዋይ እንተዋሓደ ኣብቲ ዘለዎ፣ ብዝገደደ ድማ ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ክወርድ ቅዋም/ሕርያ ወሲድኻ ምስራሕ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣብ ድሮ ቃልሲ ንሕና ብህውሓት (ሓደ ውድብ) ንምራሕ ሰራዊት ትግራይ ኢና፥ ብዝብል ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ዝብል ህዝባዊ ሽሙ ብፖለቲካዊ ሻራዊነት ቃልሲ ህዝቢ ዝኾለፈ ምስክርነት ዝሃበ ኣመራርሓ፤ ድሩኡ ውን ብመትከል እቲ ውድብ ብሄራዊነት መንእሰይ ንተኹሲ ንምምልማል ጥራሕ ዝጥቀም እዩ እምበር ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ህዝባዊ/ብሄራዊ ስምዒት ይጎድሎ እዩ/የብሉን ንዝብሃሎ ነቐፌታ ተግባራዊ መረጋገፂ ኮይኑ እዩ ዘገልግል ዘሎ።
ስለዚ ድማ እዚ ቅዋም ወሲድኻን ደጊፍኻን ምስራሕ ማለት ምትዕንቃፍ ውዕሊ ፕሪቶርያን ብሰላማዊ ከይዲ ዝውሓስ ረብሓ ትግራይን ብምዃኑ፤ እዞም ኣብዚ ምትዕንቓፍ ስራሕውቲ ሓገዝትን መተሓባበርትን ዝኾነ ዘለው ኣባላት ሰራዊትን ክፍሊ ፀጭታን ድሕንነትን፥ ተነፂሮም ህዝቢ ፈሊጥዎም ሕጋዊ ስጉምቲ ዝውሰደሉ መንገዲ ምትዕርራይ ግዲ ይብል። “ፈሊጡያ ዝደቀሰስ፥ እንተነቕነቕካዮ ኣይሰምዕን” ከምዝብሃል፥ ዘለናሉ ኹነታት እናረአዩን እናሰምዑን ፋሉልነት ብምትብባዕ ኣንፃር ምስጋር ትግራይ ጠጠው ክብሉ ዝሓረዩ እዮም እሞ፥ ብምልስላስ ልቢ ይገብሩ ይኾኑ ወይ ይእረሙ እዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ዘኽይድ ኣይኸውንን።
ህውሓት ናብ ህዝቢ ምምላስ
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህ.ው.ሓ.ት.) ሽም ናይ ህዝቢ ናይ ቃልሲ ምንቅስቃስ ልዕሊ ሓደ ናይ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ዝወነኑ ደቂ ትግራይ ንሓበራዊ ብሄራዊ ዕላማ ዝተቓለስሉን ዘቃለስሉን ግንባር፣ ከም ተጋሩ ብሓፈሻ ዝተቓለሰናሉ ክቡር ታሪኽና ድኣምበር ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ መፀወዒን ታሪኽን ኣይነበረን ክኸውን ‘ውን ኣይግባእን። ድሕሪ 1983 ዓ/ም ‘ውን ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ መፀወዒ ሽም ኮይኑ ክቕፅል ኣይነበሮን። ስለዚ ኣብዚ ሐዚ ስዓት እቲ ዘኹርዕ ናይ ህዝቢ ታሪኽ ዝሓዘ ሽም ናብ ህዝቢ መሊስኻ፣ እቲ ፖለቲካ ውድብ ንፖለቲካዊ ስነ ሓሳቡን ስልቲታቱን ዝምጥን ኻሊእ ሽም ሒዙ ሕርያ ህዝቢ ንምዃን ኣብ ምስራሕ ዘድሃበ ውድብ ክኸውን ብግልፂ ብናይ ህዝቢ ድምፂን ብሕጊን ክውሰን ኣለዎ። ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ታሪኽን መስዋእትን ህዝቢ ተተርኢሱን ስሚዒት ህዝቢ እናመዝበረን እናተዋገየን ብዝረኽቦ ፖለቲካዊ ስልጣን ንዘልኣለም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መላኺ ኮይኑ ክቕፅል ብመሪሕ መሰረት ትኽክል ከምዘይኮነ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመት ዝመፀ ፖለቲካና ባዕሉ ህያው ምስክር እዩ። ኣብዚ ሐዚ ስዓት እኳ ናብ ክልተ ዝተኸፍለ ናይ ሎሚ ውድብ ህውሓት፣ ብኽልቲኡ ወገን እቲ ሽም ዘለዎ ፀጋታት ንምጥቃም፣ ካብቲ ዝተለምደ ሕሉፍ ታሪኽን መስዋእትን ምፅጋዕ ብተወሳኺ፣ ዘይደረቐ ስቓይን ሞትን ህዝብና ንምሕሳብ ብዘሰክፍ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ንርካሽ ጉጅላዊ ፖለቲካዊ ከስቢ መቛመሪ ክውዕል ይረአን፣ ክንለምዶ ይስረሐሉን ኣሎ። እዚ ፖለቲካዊ ውድብ ብዘጥፈኦን ብፖለቲካዊ ውድቀቱን፣ እቲ ብዙሓት ፀለምትን ቀያሕትን ዝተሰወእሉ ብሄራዊ ዕላማ ወለዶ እናፀልኦን ምስ ህውሓት ዝተኣሳሰረ ዝኾነ ይኹን ነግራት ከይህልውዎ ዝብህገሉን ዝንቀሳቐሰሉን ሃዋህው ተፈጢሩ ከምዘሎ ርዑይ ሓቂ እዩ። ሀዚ በቶም ህውሓት ንብረትና እያ ኢሎም ብዝሓስቡ ወገን ዝግበር ዘሎ ዘመተ ጥራሕ ‘ኳ እንተሪኢና፣ ህዝቢ ትግራይ ጅግናኡ ብህይወት እንተሎ ኣሰኪፋ ዲሂሉን ነፂሉን ዝቐትል፣ እንትስዋእ ድማ ጅግና ስውእ እናበለ ብሬስኡ ዝንግድ ሕብረተሰብ ክኸውን ናይ ዝገብርዎ ከይዲ መቐፀልታን፤ ብዘይ ሓበራዊ ብሄራዊ ጀግና ዘትርፍን ሓደገኛ ተረኽ እዩ። ስለዚ ህውሓት ዝብል ናይ ህዝብና ታሪኻዊ ሽም ሐዚ ካብ ዘለዎ ብርኪ ንታሕቲ ዝያዳ ከይተፀልአ፣ ካብቲ ውድብ ተነፂሉ፣ ንታሪኹ ብዝምጥን፣ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ ትግራይ ንወለዶ ማሃራይ ብዝኾነ መልክዑ ኣብ ሙዚየም ሓወልቲ ሰማእታት ኣታዊ ተገይሩ ክዕቀብ ይግባእ።
ትግራይ ካብቲ ሕሉፍ፥ ህልዊ መከራን ስቓይን ሓንሳእ ንሓዋሩ ክናገፍ ዝብህግ ወለዶን፥ እቲ ሕሉፍ ቃንዛ ከም መግለፂ ፀንዓት እናተረኸ ምስኡ ተጠቢቑ ክቅፅል ዝደልን ወለዶ ተሰኪማ ብሰላም ክትቕፅል ኣይትኽእልን። ትግራይ ሓድሽ ፖለቲካዊ መድርኽ ትጠልብ፤ ክብገስ ዘለዎ ድማ ሐዚ እዩ። ለውጢ ተበጊሱ ኣሎ፥ እቲ ክባር ዋጋ ዝኸፈለ መንእሰይን ወላድን ‘ውን ንድሕሪት ክምለስ ዝፈቅድ ኣይኮነን። ግን እቲ ለውጢ ብዝግባእ ክምራሕ፥ ካብ ብሀዚኡ ብተግባር ክስነ፥ እቶም ባእታታት ምንፃፍ ክጅመር ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ፅዑቕ ሃናፃይ ፀቕጢ ምፍጣር ኣገዳሲ ሓላፍነት እቲ ደለዪ ለውጢ እዩ። ብፍላይ ሊሂቅ ትግራይ ሕብእብእ ገዲፉ ንጌጋ ጌጋ ምባል ባህሪኡ ክኸውን፥ ሲቪል ማሕበራት ሕብረተሰበን ምንቃሕን ንዕኡ ዘማእኸለ ጥብቅናን ጎስጓስን ዋና ዕላመአን ከምዝኾነ ብተግባር ከርእያ፥ ብፍላይ ናይ ፀገም ግዘ ቀዳማይ ተሃሰይቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፥ ወለዲ ከምኡ እውን ገለ ኣባላት ሓይሊ ፀጥታ ፀግዒ ድሕረትን ፋሉልነትን ኮይንኻ ተጻረርቲ ናይ ህዳሰ ትግራይን፥ ባህጊ መጻኢ ትግራይ ዝኾኑ ደቅኻ ምኻን ስቓይ ትግራይ ከምዘናውሕን ከምዘይግባእን ሚድያታት ክሰርሓሉን፥ ተነሓናሕቲ ውድባት ኣብ ሓደ ወሰን ኮይንኻ ከም ታዓዛቢ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተበራቢረን፥ እቲ ለውጢ ኣብ ምምራሕ፥ ምግዋድን ምግሃድን ቀንዲ ተዋሳእቲ ክኾናን ዘድሊ መስዋእቲ ክኸፍላን ኣገዳሲ እዩ።
ትግራይ ክትሳገር ግድን እዩ!!