ትግራይ ዘለውዋ ሓደጋታት !
ትግራይ ዘለውዋ ሓደጋታት !
አብ ዘስካሕክሕ ምፅናት ከምዝነበርና እሙን እዩ:: አርበዓ ብሚእቲ ትግራይና አብ ምፅናት ከምዘላ እውን ንፈልጥ ኢና:: እዚ ብአካል ማሕበረሰብና ክንሪኦ ከለና ካብ ዒስራ ብሚእቲ ንላዕሊ ዝኸውን ህዝብና ማለት እዪ:: አብ ኢድ ሐይሊ አምሐሩን ኤርትራን አለና:: ምስዚ ተታሐሒዙ ድማ ናይ ሰብአዊ መሰላት ፅንተት: ምፍንቃል: ጥሜት አብ ትግራይ ይቕፅል አሎ:: ሕዚውን ፀላኢ አይስመዓዮምበር ሐደጋና ቀፃሊ እዩ:: ሙሉእ ትግራይ አብ ፅንተት ትህልወሉ ሐደጋታት ብዙሕ እዩ:: አብዛ ፅሕፍቲ ነቶም ሐደጋታት ክዝቲ እየ:: ከምኡውን መፍትሒ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢለ ዝአምኖ ሐሳባት ክገልፅ እየ::
ኢትዮጵያን ኤርትራን
ካብቶም ሐደጋ ክኾኑና ዝኽእሉ ሐደ አብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክጅምር ዝኽእል ኲናት እዩ:: ካብ ናይ ዝርርብ ጎንፂ ሐሊፉ ናብ ኲናት ዝኸደሉ ዕድል ይርአ አሎ:: ንአብነት ብሚድያታት ዝወፀ አብይ አሕመድ ንሰራዊቱ ንኲናት ተዳለው ኢሉ ተዛረቦ ነዚ ሐደ መርአያ እዩ:: ከምኡውን ካብ ኢመሬትስ ዓረብ ናብ ኢትዮጵያ ብብዝሐነት ነፈርቲ ከምዝአትው ዘለው ሚድያታት ይሕብራ አለዋ:: ሚድያታት ብግምት ዋላ ይኹን ዝሕብርኦ ዘለዋ ጦር ከምዘመላልሳ ዘለዋ እዩ:: ዋላ ተረጋገፀ አይኹን እምበር ሐደ ሐደ ሰባት ከምዝብልዎ ብብዝሐት ካብ ማትሪክ ዝተረፉውን ንውትድርና ክብሀል እዩ ዝብል ዘተ ክነድህበሉ ይግባእ:: ምዕራባውያን ከምዝብልኦ ነቲ ዝሐመቐ ምፅባይ ነቲ ዝበለፀ ምስራሕ ግቡእ ስለዝኾነ:: እዚ ናይ ትግራይና ታሪኽ እውን የምህረና እዩ::
ኲናት እውን ተሀልዩ አብ ምድሪ ትግራይ ዝህልወሉ ዕድል አዝዩ ብዙሕ እዩ:: ሐደ ናይዚ ምኽንያት ትግራይ አብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምህላዋ እዩ:: ቲ ክዊናት ዋላ ናብ ማእከል ትግራይ ተዘይአተወ አብ ወሰን ኤርትራ ዘለው ኸባቢታት ነዚ ተቃልዓ እየን::
ካልአይ ናይ ህግደፍ ሐገዝቲ ናብ ትግራይ ምእታዎም እዩ:: እዚ መጀመርታ ቲ ናይ ኤርትራ ሐይሊ ቲ ክዊናት አብ ምድሪ ትግራይ ንኽገብሩ ዝደፋፍእ እዩ:: ካልአይ ናይ ኤርትራ ሰለልቲ አብ ትግራይ ምህላዎምን ናይ ህግደፍ ተቓወምቲ አብ ትግራይ ምእታዮም ንትግራይ አብ ከቢድ ሐደጋ ዘእትዋ እዩ:: ቶም ሰለልቲ ናብ ቲ ናይ አንፃር ህግደፍ ዝሰርሑ ዘለው ጉጅለታት ክአትዋሉ ዝኽእልላሉ ኩነታት ብዙሕ ከቢድ አይኮነን – በቐሊሉ ክአትዋ ይኽእላ እየን:: እዚ ማለት ካብ ወፃኢ ካብ መሬት ኤርትራን ካብ ውሽጢ ካብ መሬት ትግራይን ዝመፅእ ፀላኢ ሐይሊ ኤርትራ ኸጋጥመና ይኸእል እዩ ማለት እዩ::
ንምንታይ ቶም አንፃር ህግደፍ ዝሰርሑ ውድባት ናብ ኤርትራ ዘይኮነ ናብ ትግራይ አትዮም? ፀላኢስ አብ መሬቱ እዩ ክህረም ዘለዎ እምበር ንምንታይ ንዓና ናብናይማትና ሐደጋ ዘእትውና? መን ከ ፈቒዱ? ዝብል ሕቶውን እውን ምስዚ ተተሐሒዙ ክፍታሕ ዘለዎ እዩ:: እዚአተን አገዳሲ ሕቶታት እየን!
ናይ ሰሜን እዝ ተረኽ
ካልአይ ሐደጋና ናይ አበይ አሕመድን ደገፍቱን ተረኸን አካይዳን እዩ:: ተረኽ ንታሪኽ ፅልዋ ከሕድር ርኢናዮ ኢና:: እቲ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ፅንተት መጀመርትኡ ተረኽን ዘረባን እዩ:: ‘ጁንታ’ ‘የሌሊት ጅብ’ ‘ሰሜን እዝ’ ዝብሀሉ ዝወለድዎ:: በዚ ምኽንያት ንተረኽን ዘረባን ክነድህብ ይግባእ:: ከምኡ ተኾይኑ ካብ አብይ አሕመድ እውን ካብ ኢዜማውን ዝጋዋሕ ዘሎ ሰሜን እዝ ዝብል ዘተ ንካሊእ ሐሲቦም ይኮኑ ዶ? ሕዚኸ ታይ እዮም ሐሳቦም? ኢልካ ምጥርጣርን ምድላውን ግቡእ እዩ! ምናልባሽ ካብ ተረኾም አይተዓፀፉን ከምኡውን እቲ ፅንተት ካብ ተበገሰሉ ዕለት ተለዓለ እዩ ንብል ንኾን:: ኮይኑ ግና ቲ ተረኸ ተዘይተቀይሩ ቲ ሐደጋ ከምዘሎ ምኻኑ የርኢ እዩ! ልዕሊ እዚ ድማ ቲ ፀገም ናይ ህወሐት ብዝኾነ መልክዕ ምቕማጥን ህዝቢ ትግራይ በፂሕዎ ዘሎ ፅንተት ከም ፀገም እኳ ዘይምልዐልን ተወሳኺ ክንሐትትን ክንዳሎን ዝገብሩ ናይቲ ተረኽ ክፋል እዮም::
ካልአይ ናይ ውዕል ፕሪቶሪያ ቀዳማይ ዓመት አመልኪቱ አበይ አሕመድ አብ ምዕራብ ትግራይ ረፈረንደም ከምዝህሉ ተዛሪቡ ነይሩ:: ሐደ ናይዚ ፀገም ናይ ምዕራብ ትግራይ ተጋሩ ከምተመዛበሉ እዩ:: ብብዝሐትውን ካብ ምፅናት ተልዓለ ምኻኑ ዝርሳዕ አይኮነን:: ዋላ አብ ምዕራብ ትግራይ ዘለው ተጋሩውን መንነቶም ዘፍልጥ መረጋገፂ ክስእኑ ይኽእሉ እዮም:: ናይ ድሕንነት ፀገም ካብ ምግዳድ ጀሚሩ እስካዕ አካላዊ ዓመፅውን ከጋጥሞምውን ይኽእል እዩ:: እዚ ብኸምዚ እናሀለወ ረፈረንደም ማለት de facto ምዕራብ ትግራይ ነምሐሩ ምርካብ እዩ ዝኸውን:: እዚ ኸአ ግዝአታዊ ሐድነትና ንስእነሉ እዩ:: ህዝብናውን ፅንተቱ ዝቕፅለሉ መገዲ እዩ ክኾን::
ናይ ውሽጥና ነዚ ዝፈቕዱ ኩነታት
ካብ ጌታቸው ረዳ መግለፂ ጀሚሩ አብ መንጎ ቤት ፅሕፈት ህወሐትን ግዚያዊ ምምሕዳርን ዘሎ ሰሐቦ ጉተቶ ክመፀና ንዝዳሎ ዘሎ ፀገማት ከይንዓግት ይገብረና እዩ:: ንናይ ወፃኢ ፀላእታትና ብሐንሳእ ከይንምክት ይገብረና:: ይትረፍ ክንዓግት ፀገማትና አዝዩ ዝውስኽ እዩ:: ናይ ደገ ፀገም ጥራሕ ከይኮነ ናይ ውሽጥና እውን ጎንፂ ይፈጥር:: በዚ ምኽንያት እዚ ዕላምኡ ስሒቱ ዘሎ ምፍልላይ ንክፍታሕ ተጋሩ ክንፅዕር ይግባእ:: እዚ ማለት ብኩሉ ሐደ ንኾን ማለት ዘይኮነ ብሔራውነት አይነዕብር ማለት እዩ:: ካብ ግዝኡ ልቢ ተገዛእና ይሕሽ!
ዓለም ለኸ ነዚ ዝፈቐዱ ኩነታት
ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኢሉውን ካብ ውሽጥና ዝመፀ ፀገም ጥራሕ ዘይኮነስ ብዓለም ለኸ ቃልሲውን ፀገም አለና:: ንአብነት ካብ ናይ ህወሐት ተሪርን ዘይተዓፃፀፍ አተሐሳስባ ተለዓለ ምዕራባውያን አንፃር ህወሐት እዮም:: ምኽንያቱ ኸአ ናይ ህወሐት ንሊበራል ስነ ሐሳብ ዘይኮነስ ንኮምዩኒስት አተሐሳስባ ተአማኒነት ምህላው እዩ:: ካብዚ ተበጊሶምውን እዮም ዚ ኹሉ መከራ ክበፅሐና ስቕ ኢሎም ምናልባሽውን ቲ ፅንተት እናደገፉ ዝረአዩና:: ህወሐት ስነ ሐሳባ ተዘይቀይራ እዚ ቀፃሊ እዩ ክኾን:: እዚ ከአ ንህልውናና አዝዩ ሐደጋ እዩ:: ምትዕፅፃፍ ግቡእን ግዚኡን እዩ!
ንርከበሉ ኩነት ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ሐደጋ ዝበዝሐሉ እዩ:: ፀላእትና ብዙሐት እዮም:: ብውሽጢ ትግራይ እውን ዘሎ ጎንፂ ንመኸተ አመቻይ አይኮነን:: ብስነ ሐሳብን ፖሊሲታት ምኽንያትውን ብጂኦፖለቲካ ክንስዕር አይከአልናን:: ቲ መፍትሒኡውን ናይ ውሽጥና ምትዕርራይን ንጂኦፖለቲካ ቃልሲ ምቹው ምኻንን እዩ:: እዚ ተሀልዩ ፀገማትና ክንፈትሕ ንኽእለሉ ዕድላት አለው:: ልቢ ብውንኡ ንግዛእ! ንዓረር አይተፈጠርናን!
ባትሴባ ሰይፉ