ኣመሪካ ብኵናት ንዝተጎድኣ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ለጊሳ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኣመሪካ ብኵናት ንዝተጎድአ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ንምሕጋዝ ኣስታት 313 ሚልየን ዳላር ዝግመት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝለገሰት ኣፍሊጣ።
ትካል ገባሪ ሰናይ ኣመሪካ ዩኤስኤይድ፡ እዚ ዝተለገሰ ሰብኣዊ ረድኤት፡ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቐፀለ ኵናት ስዒቡ ብዝተፈጠረ ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝተጎድኡ ዜጋታት ከም ዝውዕል ገሊፁ።
እቲ ትካል ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓኸ ኵናት፡ ኣስታት 9 ሚልየን ሰባት ንሕሱም ሕፅረት ምግቢ ከምዝተሳጥሑን ክልተ ሚልየን ድማ፡ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ሓቢሩ።
ትካል ገባሪ ሰናይ ኣሜሪካ ዩኤስኤይድ፡ ኣብ ትግራይ ጥራሕ 90 ሚእታዊት ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮ ገሊፁ።
ቅድም ክብል፡ ኣብ ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ብሓፈሻ ሓደ ሚልየን ሰባት፡ ክሳብ ቀፃሊ ወርሒ ሰነ ሓገዝ እንተድኣዘይረኺቦም ዓፀቦ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እዚ ሓገዝ፡ ንኣስታት 7 ሚልየን ሰባት ህፁፅ ሃናፂ ምግቢ ንምቕራብ፣ ከባብያዊ ትካላት ጥዕና ንምጥንኻርን ተንቀሳቐስቲ ሰብሞያ ክትትል ጥዕና ተመሓለለፍቲ ሕማማት ንምቁፅፃር ንዝገብርዎ ፃዕርን ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ።
ካብዚ ብተወሳኺ ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ፡ ሰብኣውን ስነ ልቦናውን ሓገዝ ክረኽባን በቲ ኵናት ዝተጎድኡ ህፃናት ሰብኣዊ ሓለዋ ንምግባርን ዝውዕል እዩ ኢሉ።
“ኣመሪካ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ቆራፅ እያ” ዝበለ መግለፂ እቲ ትካል፡ ምስ ካልኦት ትካላት ረድኤት ብምውህሃድ፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንክበፅሑ ኣብ ዝተፈቐደሎም ከባብታ ዓፋርን ኣምሓራን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ንኣርባዕተ ሚልየን ህዝቢ ናይ ሂወት ኣድሕን ምግብታት የብፅሕ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን፡ ናብ ትግራይ ብቃፍላይ መኻይን ረድኤት ዝበፅሐሉ መገዲ ንምኽፋት ምስ ከባብያዊ ሰብመዚን መንግስቲ ፌደራልን ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።
መሻርኽቲ ትካላት ዩኤስኤይድ ካብ መፈለምታ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ፡ ብኽልተ ቃፍላይ መኻይን ን105 ሽሕ ሰባት ዝኣክል ምግብን ሃነፅቲ ምግብን ናብ ትግራይ ከምዝለኣኹ’ውን ሓቢሩ።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ፡ መድረግቲ ኣካላት 600 ሜትሪክ ቶን ኣፋውስ፣ ሃነፅቲ ምግብታትን ናይ መፅልሊ ንዋትን ከምዝለኣኸ ብምግላፅ፡ ሕዚ’ውን ግና ናብ ትግራይ ኣገዳሲ፣ ዘላቕን ዘይድሩትን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሕ መገድታት ክፉት ክኾኑ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።
ትካል ገባሪ ሰናይ ዩኤስኤይድ፡ ኣብ ትግራይ ዝደስከሉ መራኸብታት ስልክን ኢንተርነትን፣ ዝውውር ገንዘብን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለሱ ድማ ፀዊዑ።
ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምሃብ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ኮይና፡ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ካብ ዝውላዕ ንነዘ፡ ልዕሊ 995 ሚልየን ዳላር ዝግመት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝገሰት እቲ ትካል ገሊፁ።
ኣመሪካ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ዝተበፅሐ ሰብኣዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ብምንኣድ፡ ኩሎም ኣካላት ስቓይ ህዝቢ ንከብቅዕ ነዚ ኣወንታዊ ምዕባለ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ክተግሁ ፀዊዓ።