
ኣብ ዞባ ቦረና ብድርቂ ጥሪቶም ዝሰኣኑ ሓረስቶት ንባዕሎም ፀሚዶም ክሓርሱ ተራእዮም
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኣብ ኢትዮጵያ: ዞባ ቦረና: ወረዳ ተልተሌ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዘጋጠመ ድርቂ ጥሪቶም ዝሰኣኑ ሓረስቶት፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ ንርእሶም ፀሚዶም ክሓርሱ ምርኣዮም ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።
ሓለፊ ቢሮ ሕርሻ ወረዳ ተልተሌ ኣይተ ብርሃኑ ኣማረ፡ ዋላ’ኳ እዚ ኩነታት ብሰፊሑ ዝረአ እንተዘይኮነ፡ ብሰንኪ እዚ ድርቂ ጥሪቶም ዝሰኣኑ ሓረስቶት፡ ኣብ ክንዲ ብዕራዮም፡ ንባዕሎም ፀሚዶም ይሓርሱ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።
ኣብዚ ሰሙን ነዚ ፍፃመ ዘርኢ ሓደ ተንቀሳቓሲ ስእልታት ብማሕበራዊ ሚድያ ምዝርግሑ ስዒቡ ድማ እዚ ጉዳይ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብቲ ከባቢ መምህር ዝኾነ ኣይተ ዱብ ቡራ እዩ፡ ነዞም ተቪድዮታትን ምስልታትን ብናይ ሞባይሉ ካሜራ ቀዲሕዎም።
እዚ ናብ ቢቢሲ ዝተልኣኸ ቪድዮታት ሰባት ብጉጅለ ኮይኖም፡ ንብዕራይ ተኪኦም፡ ንባዕሎም ፀሚዶም ነዊት እናሰሓቡ እንትሓርሱ የርእዩ።
መምህር ዱብ ቡራ፡ ነዞም ምስልታት ዝሰኣለሉን ዝቐድሓሉንኣጋጣሚ እንተረድእ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ እናኸደ እንከሎ፡ ቅድሚ ሕዚ ርእይዎ ዘይፈልጥ ክስተት ከምዘጋጠሞ ይገልፅ።
“ቅድሚ ሕዚ ርእየዮ ዘይፈልጥ ነገር ስለዝኾነ፡ ብቪድዮ ቀሪፀዮ። ንምንታይ ብኸምዚ ከምዝሓርሱ ምስ ሓተትክዎም፡ ‘ከምትፈልጦ ብዕራይ የብልናን’። ናይ ሕርሻ ወቕቲ ስለዝኾነ ድማ ክንሓርስ ይግባእ’ ኢሎምኒ” ብምባል፡ ብዛዕቲ ኩነታት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ ወረዳ ተልተሌ ቀበሌ ዳንዲ፡ ብኸምዚ ዓይነት ኩነታት ይሓርሱ ካብ ሞንጎ ዘለዉ ሓረስቶት ሓደ: መንእሰይ ቱራ ቦባ እዩ።
ቱራ፡ “ብሰንኪ እቲ ድርቂ ጥሪትና ስለዝሞታና,፣ ንኣብዑርና ተኪእና ክንሓርስ ንፍትን ኣለና” ኢሉ።
ዓቕሚ ዘለዎም መናእሰይ በብሓሙሽተ ጉጅለ ተጎጂሎም፡ ናይ ጎረባብቶም ግራት ይሓርሱ ከምዘለዉ ድማ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ነዚ ምስሊ ካብ ዝቐድሖ ሓደ ሰሙን ከምዘቑፀረ ዝገለፀ መምህር ዱብ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝናብ ይወቅዕ ብምህላዉ፡ ሓረስቶት ኣብ ዝበዝሕሎም ከባብታት ማሕረስ ከምዝተጀመረ ይገልፅ።
“ብሰንኪ እዚ ድርቂ ጥሪቱ ዝሸጠ ኣሎ,፣ ጥሪቱ ዝሞትኦ’ውን ኣሎ። በዚ መገዲ [ንብዕራይ ተኪእኻ] ካብ ምሕራስ ካልእ ኣማራፂ የብሎምን” ብምባል፡ ዝተወደቡ መናእሰይ፡ ብዕራይ ንዘይብሎምሓረስቶት፡ ብክፍሊት ንብዕራይ ተኪኦም ብጉልበቶም ይሓርስሎም ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ወረዳ ተልተሌ ኣይተ ብርሃኑ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝናብ ምውቃዕ ምጅማሩ ስዒቡ፡ እዚ ወቕቲ ማሕረስ ዝጅመረሉ’ዩ ይብል። ኣብዚ ከባቢ ብዕራይ ዘይብሎም ሰባት፡ ብዕራይ ካብ ዘለዎም ሰባት ተለቂሖም ይሓርሱ ከምዘለዉ ከኣ ይዛረብ።
ኣብቲ ወረዳ ክንደይ ዝኣኽሉ ሓረስቶት ብዕራይ ከምዘይብሎም ሓበሬታ ከምዘይብሉ ዝዛረብ እቲ ሓላፊ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ግና ንሓረስቶት ዘርእን ማዳበርያን የቕርብ ከምዘሎ ገሊፁ።
ግራውቲ ንምሕራስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ፡ መንግስታውን ዘይምንግስታውን ትካላት ክሕግዙ ድማ ሓቲቱ።
ቅደሚ ሒደት መዓልታት ፕሮግራም መግብን ሕርሻን ዓለም፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዘጋጠመ ድርቂ፡ ካብ 14 ክሳብ 15 ሚልየን ሰባት ንጥሜት ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ እዩ።
እቲ ትካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ድርቂ ኣስታት 7.2 ሚልየን እንስሳ ሞይተን ክኾና ከምዝኽእላ ብምግላፅ፡ ኣብ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን እታ ሃገር ዘለዉ ሰባት ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ርእየሞ ዘይፈልጡ ድርቂ ኣጋጢምዎም ኢሉ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ኣብ ዝቕፅሉ ሽድሽተ ኣዋርሕ 239 ሚልየን ዳላር ከምዘድሊ ኣፍሊጡ’ሎ።