ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ልዕሊ 33 ሽሕ ሰባት ንሕሱም ጥሜት ከምዝተቓልዑ ኣፍሊጡ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ትካል ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት [OCHA]፡ ኣብ ትግራይ ወረዳ ኢሮብ ልዕሊ 33 ሽሕ ሰባት ንህይወቶም ኣብ ዘስግእ ሕሱም ሓደጋ ጥሜት ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን፡ ምምሕያሽ ሰብኣዊ ኩነታት እንተሎ’ኳ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ሕጽረት ሰብኣዊ ረድኤት፣ ነዳድን ገንዘብን በዳሂ ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኢሮብ 65 ሚእታዊት ነበርታ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሕጽረት ምግቢ ከምዘጋጠሞምን ናብቲ ከባቢ ምብጻሕ ከምዘይተኻእለን ሓቢሩ።
ኣብ መጋቢት ብሓፈሻ ኣብ ምብራቕ ትግራይ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዝኽስተ ጎንጽን ድሩት ተበጻሕነትን ልዕሊ 87 ሽሕ ነበርቲ ምምዝባሎም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ የመልክት።
ወተሃደራት ኤርትራ፡ ኣብዝሓ እቲ ወረዳ ተቘጻጺሮም ከምዘለዉ መራሕቲ ትግራይ ዝገልጹ ኾይኖም፡ ንወረዳ ኢሮብ ሓዊሱ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ወተሃደራዊ ጐንጽታት ከምዘሎ እቲ ጸበጻብ ኣመልኪቱ።
ኣብ ምዕራብ ትግራይ’ከ?
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ከም ዝሓበሮ ኣብ ገለ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ፡ ብፍላይ ኣብ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ከተማ ሓምዳይት – ሱዳን፡ ኣብ ጥቓ ከተማታት በረከት፣ ማይ-ካድራን ሑመራን መጠናዊ ጎንጽታት ከምዝነበረ ሓቢሩ።
ዕጡቓት ኣምሓራን ፋኖን፡ ንኣብዝሓ ምዕራብ ትግራይ ተቘጻጺሮም ዝርከቡ ኮይኖም፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ኣንጻር ሰብኣዊነት ዝዳረግ ግፍዕታት ይፍጸሙ ምህላዎም፡ ተሓለቕቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ምግላጾም ዝዝከር እዩ። ሰራዊት ኤርትራ’ውን ኣብቲ ከባቢ ከም ዝርከቡ ገለ ጸብጻባት የመልክቱ።
እንተኾነ፡ እቲ ሕዚ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ዝተባህለ ጐንጺ ኣብ መንጎ መንን መንን ከምዝኾነ ኣይተነጸረን።
ኦቻ፡ ብሰንኪ እቲ ዝተጠቕሰ ጐንጺ፡ ሰራሕተኛታቱ ናብ ካልእ ከባቢ ከምዘንቀሳቐሰ ሓቢሩ ኣሎ።
ብተዛማዲ፡ ብፍላይ ቃፍታ ሑመራ፣ ቆራሪት፣ ማይ ጋባን ወልቃይትን ዝኣመሰሉ ከባብታት ድሕነቶም ውሑስ ብዘይ ምዃኑ፡ ብዙሓት ንሓደጋ ጥሜት ዝተቓልዑ ነበርቲ ንኣዋርሕ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘይበጽሖም እቲ ጸብጻብ ኣስፊርዎ’ሎ።
ኦቻ ከም ዝበሎ፡ ነቲ ስምምዕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ስዒቡ፡ ናብቲ ትግራይ መጠናዊ ረድኤት ምሕልላፍ እንተተኽኣለ’ኳ፡ ዘሻቕል ሰብኣዊ ኩነታት ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት ረድኤት፡ ሰኣን ነዳድን ሕጽረት ገንዘብን እቲ ዝኣተወ ረድኤት’ውን እንተኾነ ናብቲ ዝድለ ከባቢታት ምብጻሕ ኣይተኽኣለን ይብል።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ትግራይ ካብ ጥሜት ዝብገስ መጠን ድኽዳኸ ወሲኹ ከምዘሎ፡ ከምኡ’ውን ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ተመዛበልቲ ንኣዋርሕ ረድኤት ረኺቦም ከምዘይፈልጡ ሓቢሩ።
ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎን፡ ሚልዮናት ንጥሜት ተቓሊዖም ከምዘለዉን ምግላጹ ይዝከር።
ኣብ ካልኦት ክልላት’ኸ?
ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ዓፋር፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ከባቢ ኪልበቲ [ዞባ 2] ብዝነበሩ ወተሃደራዊ ጐንጽታት ዝተመዛበሉ ሰባት’ኳ እንተለዉ፡ ድሕሪ መጋቢት 24 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ግን፡ ዝኾነ ጐንጺ ከምዘይተርኣየ ሓቢሩ።
እዚ ምምሕያሽ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ልዕሊ 200 ሽሕ ተመዛበልቲ ረድኤት ንምብጻሕ ከምዝኽኣለ፡ እንተኾነ ውሑስ ኣብ ዘይኮነ ቦታታት ዝተመዛበሉ ሰባት ኣለዉ፡ ይብል እቲ ጸብጻብ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ሓይልታቶም ካብ ከባቢ ኢረብቲ ከምዝሰሓቡ ዘፍለጡ ኰይኖም፡ ካብ ዓፋር ጠቕሊሎም ንምውጻእ ቅድመ ኩነታት ኣንቢሮም ይርከቡ።
ኣብ ክልለ ኣምሓራ ድማ፡ ኣብ ኣብዝሓ እቲ ክልል ተንቀሳቒስካ ረድኤት ናይ ምብጻሕ ኵነታት ተማሕይሹ ከምዘሎ ሓቢሩ።
እንተኾነ ሕዚ’ውን ኣብ ገለ ምስ ትግራይ ዝዳወብ ከባቢታት ዋግ ህምራ፣ ዞባታት ሰሜን ወሎን ሰሜን ጎንደርን፡ ብሰንኪ ስግኣታት ጸጥታ፡ ተበጻሕነት ኣዝዩ በዳሂ ኾይኑ ከምዝቐጸለ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ብሓፈሻ ኣብቲ ክልል፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ተመዛበልቲ ከም ዝርከቡ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።