ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ሩስያ ዝተሰለፉ ኢትዮጵያውያን ድሌቶም እንታይ’ዩ ነይሩ?
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኣማረ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም’ዩ ናብ ኤምባሲ ሩስያ ምስ ኣርባዕተ መሓዙቱ ኮይኑ ዝኸደ።
ኣብቲ ናይ መጀመርታ መዓልቲ፡ “ምስ ረፈደ በፂሐ እምስለኒ ምዝገባ ወዲእና ኢሎምኒ” ይብል።
ንሩስያ ወጊኑ ንምውጋእ ዝቖረፀ ኣማረ፡ በዚ ተስፋ ኣይቀበፀን። ዳግማይ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ናብ ቀበና ኣምሪሑ።
ኣፍ ደገ ኤምባሲ ሩስያ ብህዝቢ ተመሊኡ ረኸቦ። ምስአም ሪጋ ሒዙ ተሰለፈ።
ኣማረ፡ ቅድሚ ኣብዚ ሰልፊ ምስላፉ፡ ኣብ ብዙሓት ምዕራፋት ሂወት ተሰሊፉ እዩ። መሪር ላዕልን ታሕትን ሓሊፉ’ዩ።
ገና ወዲ 27 ዓመት እኳ እንተኾነ፡ ኣብዛ ሓፃር ዕድመ ብዙሕ ርእዩ’ዩ።
ወተሃደራዊ ስልጠና ካብ ዝወስድ ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ግምባር ደብረዘቢጥ ድማ ተሰሊፉ’ዩ።
ኣብዚ ሕዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተሳቲፉ’ዩ። ተማሂሩ ሸቕሊ ኣልቦ ኮይኑ ከርተት ኢሉ እዩ።
ንሱ’ውን “ኣብ ሂወተይ ደጋጊመ ዘይፈተንክዎ ነገር የለን” ይብል።
“እንተፀዊዖምኒ ምስኦም ክዋጋእ’የ”
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ሩስያ ተሰሊፎም። ካብ ሞንጎ እዚኦም ቢቢሲ ንኣማረ ኣዘራሪብዎ። ናህቱ ናይ ህይወት ውሳነ ንኽንደይ መናእሰይ ይውክል ዝብል ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ብኣማረ ኣቢልካ ናይ ሕዚ ናይ ኢትዮጵያውያን ኩነታት ብውሱኑ ምርኣይ ዘኽእል ይምስል።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ናብቲ ኤምባሲ ተመሰሊሱ ዝኸደ ኣማረ እንታይ ከምዝገጠሞ ኣውጊዑና።
“… ኣታሼ ዝበሃል ሰብ መፂኡ ሰነድኩም ገዲፍኩም ኪዱ፤ ሓድሽ ነገር እንተልዩ ክንነግረኩም ኢና ኢሉ ኣትዩ”።
ኣማረ ነዚ ሰብኣይ ብሩሑቕ ርእይዎ እዩ። ድሒሩ ዝወፅአ ናይቲ ኤምባሲ “ኣነ የለኹሉን” ዝዓይነቱ መግለፂ ዘይተውሓጠሉ’ውን ነዚ እዩ።
“በርግፅ ነዊሕ ሪጋ ስለዝነበረን ኣነ ኣብ ድሕሪት ስለዝነበርኩን፡ እቲ ሰብኣይ ዝበሎ ብእዝነይ ኣይሰማዕኹን። ዝረብሕ ሓበሬታ ዝህብ ሰብ እውን ኣይነበረን”።
ኣብ መወዳእታ ኣማረን መሓዝቱን ሰነዶም ብምእካብ ነቲ ሰብኣይ ሂበሞ ከይዶም።
ናህቶም ሰነድ ናይ ትምህርትን ውትህድርናን መረዳእታ እዩ። ካልኦት ሪጋ ሒዞም ዝነበሩ መናእሰይ ግና ናይ ውትህድርና ልምዲ ከምዘድሊ ምስፈለጡ ሓዚኖም ተመሊሶም። ሓደሓዲኦም ድማ፡ ‘እንተፀውዑ ይፀውዑና፡ እንተዘይከነ’ውን ናይ ባዕሎም ጉዳይ” ብምባል ሰነዶም ሂቦም።
ወረ 2 ሽሕ ዳላር- ኣማረ እቲ ዜና ብኸመይ ሰሚዑ?
ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ብኸመይ ኣብ ኤምባሲ ሩስያ ክርከቡ ክኢሎም ዝብል፡ ኣብቶም ዝሓለፉ መዓልታት መዘራረቢ ኮይኑ’ዩ ቀንዩ።
እዞም መናእሰይ ምንጪ ሓበሬትኦም እንታይ እዩ?
ኣማረ ነዚ ወረ ካብ ሰባት እዩ ሰሚዕዎ።
“ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሰራዊት ይፈልጦም ዝነበርኩ ሰባት እዮም ደዊሎም ነጊሮምኒ” ይብል።
ካብኣቶም ቅድሚ ምስምዑ ግና ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብማሕበራዊ ሚድያ ወረያ ወረ ሰሚዑ’ዩ።
“ናይ ክልተ ወርሒ መሃያ ቀዲሙ ከምዝወሃብ እየ ሰሚዐ” ይብል።
እዚ ጉዳይ ሓቂ ከይኾነ ኣይተርፍን ኢሉ ንክሓስብ ዝገበሮ ድማ፡ ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተዘርገሐ ተዛማዲ ዜና እዩ።
ትካላት ድሕነት ውልቀ ሃገራት ምዕራብ፡ ንዩክረይን ዝዋግኡ ዜጋታት ወፃኢ ይምልምሉ ከምዘለዉ ዝገልፅ ዜና ምውፅኡ ልቢ ብዙሓት እንከየሸፈተ ኣይተረፈን።
ብፍላይ ድማ ኣብ መዓልቲ 2 ሽሕ ዳላር ከምዝኽፈል ዝገልፅ ኣርእስተ ዜና።
“እዚ ምስ ኣንበብኩ፡ ‘ታይ ኣለዎ እዚ ነገር ናብ ኢትዮጵያ እንተዝመፅእ?’ ዝብል ሕልው ኢሉኒ። ምስ መሓዙተይ ነውግዐሉ ነይርና”።
ነዚ ሪጋ ምርኣዩ ስዒቡ ድማ ፡ኤምባሲ ዩክረይን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ‘ኤምባሲ ሩስያ መናእሰይ ንውትህድርና ይምልምል ኣሎ’ ዝብል መግለፂ ኣውፅዩ እዩ።
ምናልባት ኤምባሲ ዩክረይን ዘየስተብሃለሉ፡ እኒ በዓል ኣማረ ኣብ ቀበና ዘሎ ሪጋ ምስዝነውሖም ኣብ ቦሌ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይን መፅዮም ክስርዑ ግዲ ከምዘይህቦም እዩ።
“ብልሙድ ሩስያ ፈታዊት ኢትዮጵያ እያ ንብል ኢና፤ … ኣነ ብውትህድርና ምስ ዝኾነ ይኹን ኣካል ንምስራሕ ድሉው እየ። ዩክረይን፣ ራሽያ ንዓይ ኩሉ ሓደ እዩ” ይብል።
ኤምባሲ ሩስያ ንምንታይ ኣይወዓልክዎን ኢሉ?
ኣማረ ነዚ ክስተት ስዒቡ፡ ኤምባሲ ሩስያ ዘውፅኦ መግለፂ ምስ ሰምዐ ኣይተወሓጠሉን።
“በርግፅ ምልክታ ኣየውፅኡን ዝኾኑ። እንተኾነ ይምልምሉ እንተድኣዘይሃልዮም ሰነድና ንምንታይ ተቐቢሎምና?” ብምባል ይሓትት።
እቲ ኤምባሲ፡ ምናልባት ‘ኣይወዓልክዎን’ ክብል ዝደለየ፡ “ኣብቲ ከባቢ ዕግርግር ከይፍጠር ስለዝሰግአ፣ ይምልምሉ ኣለዉ ክበሃል ስለዘይደለየ ወይ ከኣ ቀልቢ ንዘይምሕሳብ ክኸውን ይኽእል” ኢሉ ይግምት።
ኣብዚ ጉዳይ ርግፀኛ ምዃኑ ንምርዳእ ድማ፡ “ነቲ ሰነድና ዝኣከበ ሰብ ሕዚ ኣብ መገዲ እንተርእየዮ ይፈልጦ’የ” ይብል።
“ንሃገር እትሞቲ እኮ እትሞትላ ሃገር እንትህልወኪ’ዩ”።
ንብዙሓት ሕቶ ኮይኑ ዝቐነየ ጉዳይ፡ ብኸመይ ሓደ ኢትዮጵያዊ ክሳብ ሩስያ ከይዱ ንምውጋእ ፈትዩን ፈቒዱን ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ይስለፍ ዝብል እዩ።
የግዳስ ካልእ ተሪር ደራኺ ምኽንያት ክህሉ ኣለዎ።
ቁጠባዊ ሕቶ ጥራይ ድዩ?
ኣማረ፡ ናብ ሩስያ ንወተሃደራዊ ዕስክርና ክዘምት ኣብ ዝበል ውሳነ ዘብፅሖ ጉዳይ፡ ኣብ ሃገሩ ተስፋ ምስኣኑ’ዩ።
እቲ ኩነታት ብሓፂሩ ክገልፆ እንከሎ “ሰብ እኮ ኣይኮነን ተስፋ ቀቢፁ (ኣይኮነን ንሩስያ ምዕስካር) ዓርሰ ቅትለት’ውን ይፍፅም’ዩ” ይብል።
ገሊኦም፡ ‘ሩስያ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ስለ ዝበለት ውዕለት ክንመልስ ኢና ንዘምት’ ይብሉ።
ውፅኢት ሃገራት ምዕራብ ኣንፃር ሩስያ ዝኸፈትኦ ናይ ሚዲያ ወፍሪ’ውን ዘንቀሎ ክኸውን ይኽእል።
ንኸምዚኦም ዝበሉ ግምታዊ ርኢይቶታት ግን መረዳእታ ኣኪብና ኢና።
ንኣብነት፡ “የኔታ” ኣብ ዝተባህለ ብዙሕ ቁፅሪ ሰዓብቲ ዘለዎ ሓደ ናይ ዩትዩብ ሚድያ ዝቐረበ ሓደ ውልቀሰብ ኣሎ።
ሓለቓ ሚኢቲ በላይ ይብሃል፤ እቲ ሚዲያ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኤምባሲ ኮይኑ ቃለ መሕተት ክገብረሉ ይርኣይ።
ስለ ምንታይ ኢኻ ናብዚ መፂእኻ ተባሂሉ ክሕተት እንከሎ፡ ስራሕ ደልዩ ከም ዘይኾነ ይዛረብ። “ኣነ ስራሕ ኣለኒ’ዩ፤ ዶላር ደልየ ኣይኮንኩን ናብ ሩስያ ክዘምት ደልየ” ኢሉ።
ቀንዲ ናብቲ ኤምባሲ ዝኸደሉ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ፡ “መንቀሊ ቅልውላው ብዙሓት ሃገራት ዓለም፡ ሃገራት ምዕራብ’የን ብምባል፡ ሩስያ ግና ከምዚ ዓይነት ኢድ ኣእታውነት የብላን” ክብል ብፅቡቕ ይስእላ።
“ሩስያ ፈታዊት ኢትዮጵያ’ያ። ሩስያ ካባይ እትደልዮ ነገር እንተሃልዩ ክስለፍ ድልዊ ስለ ዝኾንኩ’የ መፂአ” ኢሉ።
እዚ ሓለቓ ሚኢቲ፡ ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ምዃኑ’ውን ይዛረብ።
ማዕኸን ዜና ኣናዱሉ ዝፀርሖን ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ከም ዝተሳተፈን ዝገልፅ ሓለቓ ዓሰርተ ታረቀኝ ዋሴ ድማ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቈልዑን’ዩ።
እዚ ውልቀሰብ፡ ንሩስያ ዘለዎ ፍቕሪ ብምግላፅ ፅቡቕ እቶት ዝረክብ እንተኾይኑ ንምውጋእ ንድሕሪት ከም ዘይብል ተዛሪቡ።
ኣብ ፊት እቲ ኤምባሲ ዝተሰለፉ ብርክት ዝበሉ ሰባት ልምዲ ውትህድርና ዘለዎም ምዃኖም ተዓዚበ’የ ዝብል ኣማረ፡ ተመሪቖም ስራሕ ዝስኣኑ መናእሰይ’ውን ብዙሓት ከም ዝነበሩ ገሊፁ።
ኣማረ፡ “ስለ ምንታይ ኢኻ ኣዝያ ርሒቓ ንእትርከብ ሃገር ክትመውት ወሲንካ” ተባሂሉ ክሕተት እንከሎ፡ “ንኣደይ ኢዳ ሰይረዮ ኣይፈልጥን፤ ተማሂረ ግን ባኺነ። ትርጉም ዘለዎ መሲሉኒ ክኣ ንሃገረይ ተሰሊፈ ነይረ፤ ግን ግደፍዮ እስከ” ክብል ሕርቃኑ ይገልፅ።
እዚ ስምዒት ግና ኣብ በይኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ፊት እቲ ኤምባሲ ዝተሰለፉ መሓዙቱ’ውን ዝካፈሉዎ ስምዒት ምዃኑ የብርህ።
“ትርጉም ንዘይብሉ ኲናት’ውን ዋጋ ከፊልና ኢና ዝብል ስምዒት ናይቶም ኣብቲ ሰልፊ ዝነበሩ መሓዙተይ’ዩ። እዚ ናተይ ስምዒት’ውን እዩ” ኢሉ።
ኣማረ፡ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ’ዩ ነይሩ፤ ቅድሚኡ ብኢኮኖሚክስ ተመሪቑ።
ድሓር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስራሕ ፈቲኑ። ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ ይመርሖ ኣብ ዝነበረ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ድማ ናይ ሸሞንተ ወርሒ ስልጠና ወሲዱ።
“ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ወርሒ ስልጠና እቲ ኩነታት ምስ ተበላሸየ ካብቲ ፍሉይ ሓይሊ ወፂእና። ድሕሪኡ ብዙሕ ነገራት ፈቲንና። ፈፂምካ ጣዕሚ ህይወት እትስእነሎ ግዘ ኣሎ። ሽዑ እየ ኣብ ሩስያ ከይደ ክዋጋእ ወሲነ” ይብል።
ናብራ እንተኸፍአ ካልእ ኣማራፂ የለን ድዩ?
ኣማረ፡ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ፈቲነ ኩሉ ርእየዮ እየ ኢሉ ከውግዕ እንከሎ ስምዒታዊ ኮይኑ’ዩ።
“ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሓደ መምሃሪ ክፍሊ፣ ኣብ ሓደ መደቀሲ ክፍሊ ምስ ዝተምሃርና ደቂ ትግራይ መማህርተይ እየ ተዋጊአ መፂአ፤ ወይ ንሳቶም ሞይቶም’ዮም ወይ ክኣ ንሶም’ውን ቀቲሎም ኣለው። እዚ ክትርኢ እንከለኻ ኩሉ የፅልኣካ። ኣስክሬን መሓዙትና ፎቖድኡ ወዲቑ ኢና ንዋጋእ ነይርና። ኣብ ዓውደ ውግእ ተወጊኡ ክመውት ክግዓር እንከሎ ዝርኣኹዎ ወዲ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ኣእምሮይ ኣሎ። ንሱ ብኡ ሸነኽ ብዘሎ ፖለቲካ ተዓሽዩ፣ ንሕና’ውን በዚ ወገን ብዘሎ ፖለቲካ ተታሊልና ኢና . . .”።
ኣማረ፡ ሽሕ’ኳ እቲ ዝሓለፎ ህይወት መሪር እንተኾነ ኣሽሓት ኪሎ ሜትራት ርሒቓ ንእትርከብ ሃገር ሩስያ ተሰሊፉ ክመውት ንክውስን እንታይ ተረኸበ። ሞት ንሞቱ ንሃገርካ ኣይሓይሽን?
ነዚ፡ ንውሕ ዝበለ መልሲ እዩ ሂቡሉ። ግን ክኣ ንምዝራብ ድኽም ዝበሎ ይመስል።
“ሰብ ንኽልተ ነገራት’ዩ ዝዋጋእ፤ እቲ ሓደ ንፍቕሪ ሃገር’ዩ። ኣያታትና ጥራሕ እግሮም ተዋጊኦም’ዮም። ንሕና’ውን እኮ መሲሉና ተዋጊእና ኢና። ‘ኢትዮጵያ ክትፈርስ እያ’ ኢሎምና ተዋጊእና። ወተሃደር ምዃንካ ትርጉም ዝህልዎ እተድሕኖ ኣቦ፣ እተድሕና ኣደን ሃገርን ክህልወካ እንከሎ’ዩ። ሃገር ክብል ከለኹ እተንብረካ ሃገር”።
ኣስዒቡ ድማ፡”ካልኣይ፡ ውትህርድና ዋጋ ክረክብ እንከሎ’ዩ ትርጉም ዝወሃቦ። ኣያታትና ናብ ኮርያ ዘሚቶም’ዮም። ዝሞተ ሞይቱ ዝተረፈ ክብሪ ተዋሂቡዎ ርስቲ ሒዙ። ሃገርካ ኣፀዊዕኻ ክትምለስ እንከለኻ ክብሪ ምስ እትረክብ’ዩ ውትህርድና ትርጉም ዝህልዎ” ክበል ወሲኹ።
“ሕዚ ግና ከፋፊሎምና እዮም፤ ሞት ኣይተረፈረን፤ ምውጋእና’ውን ኣይተረፈን። ክትቐትሎ እንከለኻ ናይ መንግስቲ፣ ክቐትለካ እንከሎ ግን ዕጡቕ ሓይሊ’ዩ ዝብሃል። ሸኔ’ዩ ይብሉኻ። ስለዚ፡ ሞት ዘይተርፍ እንተኾይኑ ንስድራኻ’ውን ክትኾኖም ኣለካ። ኣደይ ሓሊፉላ ኣነ እንተሞትኹ እንታይ ኣለዎ?” ይብል።
ኣማረ፡ ሕዚ’ውን ኤምባሲ ሩስያ ክፅውዐኒ’ዩ ኢሉ ተስፋ እገብር።
ክሳብ ሽዑ ግና ናይ ኢኮኖሚክስ ቀዳማይ ዲግሪ ሒዙ፡ ኣብ ሞባይል ዓማዊሉ፡ ናይ ፍቕሪ፣ ናይ ኲናት . . . ፊልም እናፅዓነ ይውዕሎ ኣሎ።