ናብራ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ኣብ ዘይብላ ትግራይ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
26 ነሓሰ 2021
ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት መብራህቲ፣ ስልኪ፣ ባንክን መጓዓዝያን ካብ ዝቋረጹ ክልተ ወርሒ ገይሩ’ሎ።
ሓይልታት ትግራይ ብ28 ሰነ 2021 ዓ.ም ኣማስዩ ሃንደበት ንርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለ ተቖጻጺሮምዋ። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ መንግስቲ ፌደራል ምቁራጽ ተጻብኦ [በይናዊ] ኣዊጁ ካብታ ከተማ ይኹን ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ከም ዝወጽአ ክገልጽ እንከሎ ኩሎም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ሙሉእ ንሙሉእ ተቋሪጾም።
ድሕሪ’ዚ ብልክዕ ኣብታ ከተማ ይኹን ካልኦት ቦታታት እቲ ክልል ዘሎ ማሕበራዊ ኩነታት ዘለወሉ ኩነታት ንምፍላጥ ዘኽእል ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ’ሎ።
ገለ ውልቀሰባት ግን ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ክረኽብሉ ናብ ዝኽእሉ ከባቢ ዓፋር ጽግዕ ኢሎም ከምኡ’ውን ኣብ ገለ ቤት ጽሕፈታት ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ኢንተርነት ንዝረኽቡ ሰባት መልእኽቲ ንከብጽሑሎም ሓቲቶም ውሱን ሓበሬታ ክህቡና ክኢሎም ኣለው።
መብዛሕትኡ ኣብ ገጠርን ከተማን ዝነብር ሕብረተሰብ ትግራይ ናይ ስልኪ፣ መብራህትን ማይን ተጠቃማይ ስለ ዝነበረ፡ ኣብዝሓ መነባብርኡ’ውን ኣብዞም ኣገልግሎታት ጽግዕተኛ ኮይኑን ተላሚዱን ጸኒሑ’ዩ።
ሕዚ ብምኽንያት’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብታ ክልል ዝተጀመረ ኲናት፡ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እቲ ክልል እቶም ኣገልግሎታት ተቛሪጾም ብምህላዎም ሰባት ብውሑድ ድሃይ ሓድሕዶምን ካብቲ ክልል ወጻኢ ዘለው መቕርባቶምን ንምትሕታት ኮነ ስሩዕ ስርሖም ንኽሳልጡ ከም ዝተጸገሙ ይዛረቡ።
ፊልሞን ብርሃነ ኣብ ኢንተርነት ብዝተሞርኮሰ ናይ ብሕቲ ስረሓት እዩ ዝመሓደር።
እንተኾነ ንዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ብምኽንያት ኲናት ዝተቛረጸ ኣገልግሎት ኢንተርነት ናብ ንቡር ብዘይምምላሱ “ክሳብ ሕጂ ቦዂረ ኣለኹ” ብምባል ነቲ ስራሕ ጠጠው ዘበለሉ ኩነታት ይገልጽ።
ወሲኹ፡ “ብዘይምግናን ፍርቂ መዓልቲ ዳርጋ እናተኣላለሽና እዩ ዝውዳእ” ብምባል ከም ቀደም ኣብ ድላይካ ምርኻብ ዝከኣል ከም ዘይኾነ የብርህ።
ካብዚ ብዝብገስ ንሱን መሓዙቱን ሓደ መፍትሒ ዝኾነና ዝበሉዎ መገዲ ኣናድዮም።
በዚ መሰረት ንስራሕ ይኹን ንዕረፍቲ ሻሂ ቡን ንምባል ንክራኸቡ መልእኽቲ ዝገድፉላ ሓንቲ ‘ማእከል ሓበሬታ’ ዝብሉዋ ካፌ መሪጾም።
“ኣብኣ መልእኽቲ ንሓድግ፤ ቐዲሙ ዝመጽአ ሰብ መልእኽቲ ኣለኒ’ዶ ኢሉ ይሓትት። ብኻልእ ወገን ምስ መሓዙትና ይኹን ንስራሕ ሰብ ክንረክብ እንተኾይንና ‘በዚ መዓልቲ . . . ኣብዚ ሰዓትን ቦታን ንራኸብ’ ኢልና ቖጸራ ንሕዝ” ክብል ነቲ ኩነታት የረድእ።
እቲ ናብራ ብቐንዱ ንቐረባት መብራህቲ፣ ቴሌፎንን ኢንተርነትን ዝጠልብ’ዩ ነይሩ እትብል ወይዘሪት ሳሌም ብወገና፡ ሕጂ ኣብዝሓ ስራሕቲ ተወንዚፉ ምህላው ትዛረብ።
“መማረጺ ስለ ዘየለ፡ መብራህቲ የላን ኢሉ ብዙሕ ዘማርር የለን። ካብኡ ወጻኢ ሰብ ብቖጸራ’ዩ ዝራኸብ፤ ሎሚ ክራኸብ እንከሎ ነቲ ዝቕጽል መዓልቲ ይቋጸር ማለት’ዩ” ትብል።
ምላዛት
ብፍላይ ካብ ትግራይ ወጻኢ ምስ ዘለው ኣባላት ስድርኦምን መቕርባቶምን ብቐጥታ ክራኸቡ ስለ ዘይኽእሉ ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሎም፡ ናብ ከባቢ ደቡብ ትግራይ ዝርከባ ገለ ከባቢታት ወይ’ውን ምስ ክልል ዓፋር ናብ ዘዋስኑ ከባቢታት ብምኻድ ድሃይ ይገብሩ።
ወይ’ውን ኣብቶም ትካላት ወጻኢ ዝርከብሉ ቤት ጽሕፈት ብምኻድ መልእኽቲ ከብጽሐሎም ንዝኽእል ሰብ ጽሑፍ ጽሒፎም፣ ድምጾም ቀዲሖም ክልኣኸሎም ይገብሩ።
ሓደ ሽሙ ክንረቑሖ ዘየፍቀደ ሰራሕተኛ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝኾነ ውልቀሰብ፡ ነቲ ተግባር ካብ ሞንጎ ዝተሓጋገዙ ሰባት ምዃኑ ይገልጽ።
“ንኣዋርሕ ምስ ኣባላት ስድርኦም ዝተፈላለዩ ኣለው፤ ስሕት ኢለ ኢንተርነት ናብ ዝረኽበሉ ቦታ ክኸይድ ከለኹ፡ ‘ደሓን ዲኹም’ ዝብል ናይ ብዙሓት ብቐረባ ዝፈልጦም ሰባት መልእኽቲ ሒዘ ይምለስ፤ በብቦትኡ እናተዛወርኩ ከኣ ነተን ዝተቐበልኩወን የብጽሕ፤ መሊሰ ካብኣቶም’ውን መልእኽቲ ‘ድሓን ኢና’ ይቕበል። እንታይ ድኣ ክንገብር?” ብምባል እቲ ጸገም ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።
ምላዛት፡ ሓንቲ ካብተን ገለ ሰባት ካብ መቐለ ውጽእ ኢሎም ስልኪ ዝድውሉላን ‘ድኹም’ ኢሎም ዝገልጹዎ ናይ ስልኪ ኔትዎርክ ዘለዋን ከባቢ’ያ።
እዚ ካብ መቐለ ኣስታት 30 ኪሎ ሜትሮ ንኣንፈት ምብራቕ ዝርከብ ከባቢ እዩ።
እዚኣ ኣብ ክልል ዓፋር ዘሎ ኔትዎርክ ዝበጽሓ ንኡሽቶ ከባቢ ምዃና ይግለጽ።
ዳዊት ግርማይ ካብታ ሃገር ወጻኢ ንዝርከብ ምንኣስ ሓው ድሃይ ንምግባር ክልተ መዓልቲ ተመላሊሱ ቴሌፎን ዝሰርሐሉ ኔትዎርክ ምርካቡ ይዛረብ።
“ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ ጎልጎል ብዙሕ ሰብ ከፍ ኢሉ ኢኻ ትርእዮ። ናይ ውልቂ መኪና ዝሓዘ’ውን ኣብ መኪንኡ ኮይኑ ዳርጋ ፍርቂ መዓልቲ ኔትዎርክ ክሰርሐሉ ክጽበ ይውዕል። ሰብ’ውን ስለ ዝበዝሕ ይመስለኒ እቲ ኢንተርነት ኮነ ስልኪ ድኹም’ዩ። ኣነ ሸሞንተ ሰዓት ተጸብየ ሰሪሑለይ ‘ድሓን ኣለና’ ኢለ ንሓወይ ድሃይ ገይረ” ክብል ነቲ ኩነታት ገሊጹዎ።
እቲ ኣብታ ከባቢ ኣሎ ዝብሃል ኔትዎርክ ስልኪ ንክሰርሕ ነዊሕ ሰዓታት ከም ዝወስድ፣ ብዙሕ ሰብ ቴሌፎን ክፍትን ከም ዝውዕል፣ ከይድኻ’ውን ከይሰለጠካ ክትምለስ ከም እትኽእል ዳዊት ኣውጊዑና።
“ኩሉ ሰብ ዕላምኡ ሓንቲ እያ፤ በቃ ‘ድሓን ኢና . . . ኣይትጨነቑ’ ካብ ምባል ወጻኢ ካልእ ዕምቆት ዘለዎ ነገር ክትዘራረብ ዘኽእል ኣይኮነን፤ እቲ ስልኪ መዓዝ ከም ዝሰርሕ’ውን ስለ ዘይትፈልጥ ኣብ ዝደለኻዮ እዋን ኣይሰልጠካን። ድምጺ ስድራቤትኻ ምስማዕኻ ደስ ስለ ዝብለካ እምበር ቐሊል ኮይኑ ኣይኮነን” ኢሉ።
ሕጂ ብዙሓት ኔትዎርክ ስልኪ ኣሎ ዝሰምዑ ሰባት ናብቲ ከባቢ ብምኻድ’ዮም መልእኽቲ ዝቕበሉን ዘብጽሑን።
ካብዚ ወጻኢ ኣገልግሎት ባንኪ ተዓጽዩ ብምህላው ገንዘብ ክቕበሉ ኣይኽእሉን፣ መብራህቲ ስለ ዘየሎ ድማ ዝበዝሕ ስራሕ ጠጠው ኣቢሉ ኣብ እንዳ ቡን ከፍ ኢሉ ከም ዝውዕል ትዕዝብቶም ዘካፈሉና ሰባት ገሊጾም።
እዚ ኣብ መላእ እቲ ክልል ተመሳሳሊ ኮይኑ ካብታ ርእሰ ከተማ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዘሎን ብኸመይ ከም ዝራኸብን ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ’ዩ።
ኣብ ውቕሮ፣ ኣጉላዕ ዝበላ ከተማታት ዝነብሩ ሰባት ግን ናብ መዋስንቲ ከባቢታት ዓፋር ብምኻድ ናብ በሪኽ ቦታ ወጺኦም ድሃይ ከም ዝገብሩ ሰሚዕና።
እዚ ነቶም ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ሰብኣዊ ረድኤት ዘብጽሑ ትካላት ወጻእን ሰራሕተኛታቶምን’ውን ዓብዪ ግድል ኮይኑ ምህላው ይግለጽ።
ካብዚ ብዝብገስ ማሕበረሰብ ዓለምን ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን፡ ነቲ ኣብቲ ክልል ተቛሪጹ ዘሎ ኣገልግሎታት ኢንተርነት፣ ስልኪ፣ ባንኪ፣ መብራህትን መጓዓዝያን ናብ ንቡር ክምለስ ይሓቱ።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ነዞም ኣገልግሎታት ሓዊሱ መንግስቲ ፌደራል “ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕግታ” ክሳብ ዘልዕሎ ኣንጻር ሰራዊት ፌደራልን ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ዝፍንውዎ መጥቃዕቲ ጠጠው ከም ዘየብሉ ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዘዘራረብናያ ፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ፍረ-ህይወት ታምሩ ብምኽንያት እቲ ግጭት ዝዓነው ትሕተ ቕርጺ ብምጽጋን ዳግም ንተጠቀምቲ ኣገልግሎት ዝህብሉ ምቹእ ኩነታት ይጽበዩ ምህላዎም ገሊጻ።
“ኣብቲ ከባቢ ጎንጺ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ቐዲምና ኣቲና ጸጊንና ኣገልግሎት ክወሃብ ገይርና ኢና፤ ሕጂ ግን እቲ ጎንጺ ካብቲ ክልል ወጺኡ ካልኦት ጸገማት ተፈጢሮም ኣለው። በዚ ስሩዕ ስራሕና ክንቕጽል ኣይክኣልናን። ስለዚ ዓማዊልና ኣገልግሎት ንክረኽቡ እቲ ኩነታት ክሳብ ዝመሓየሽ ንጽበ ኣለና” ኢላ።
መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ፡ ቅድም ክብል ኣብቲ ክልል ምቁራጽ ተጻብኦ [በይናዊ] ኣዊጁ ሰራዊቱ ካብቲ ክልል እኳ እንተስሓበ ህወሓት ግን መጥቃዕታት ቐጺሉ ነቲ ቅልውላው ብምዕራግ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝልሕም ገይሩ ክብል ይኸስስ።
ኣብዚ ሰሙን ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ምስ ቢቢሲ ሃርድ ቶክ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ኣብ ምዕጻው መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተዋፊሩ ይርከብ፤ ስለ ምንታይ ነቲ ዕግታ ዘይተልዕሉዎ ተባሂሉ ተሓቲቱ ነይሩ።
እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ነቲ ኣገልግሎት ከዐርዩ ዝኽእሉ ትካላት ሰራሕተኛታቶም ኣብ ትግራይ ከም ዘለው ብምግላጽ እንተኾነ ብዙሓት ሰራሕተኛታቶም ተቐቲሎም፤ ግዳይ መጥቃዕቲ ከም ዝኾኑ ገሊጹ።
“ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ እናቐጸለ ከኣ እቲ ስራሕ ክስራሕ ኣይኽእልን። ነቲ ዘቕረብናዮ ምቁራጽ ተኹሲ እንተዝቕበልዎ ነይሮም’ውን እቲ ኩነታት ምተለወጠ ነይሩ” ኢሉ።
ንርእሱ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ’የ ኢሉ ዝጽውዕ ኣካል ብወገኑ፡ እቶም ኣገልግሎታት ኮነ ተባሂሎም ብመንግስቲ ፌዴራል ከም ዝተቋረጹን፡ እቲ ዕጽዋ ክሳዕ ዝኽፈት ሓይልታት ትግራይ ቃልሲ ከም ዝቅጽሉን ይገልጽ።
ኩነታት መነባብሮ
እቲ ናብራ እናኸበደ፣ ኣብ ገለ ዋጋ ሸቐጣ’ውን ልዕሊ ክልተ ዕጽፊ ወሰኽ ብምህላዩ፣ ስራሕን ደሞዝን ከምኡ’ውን እኹል ቐረብ ነዳዲ ብዘይምህላዩ፣ ህወይት ኣዝዩ ከም ዝኸበደ እቶም ወሃብቲ ርኢይቶ ይገልጹ።
ቐረብ ማይ ካልእ ዓብዪ ጸገም እታ ከተማ ኮይኑ፡ ብሰንኺ ጸገም ጽርየትን ሕጽረት ማይን ዝለዓሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከይኽሰቱ ስግኣት ከም ዘለዎ ይዛረቡ።
“ምስቲ ገንዘብ ዘይምህላው ብዙሓት ነገራት ተጠለብቲ ኣይኮኑን” ዝበለት ሳሌም፡ “ከም ወትሮ መቐለ ዓብዪ ጸገማ ማይ’ዩ፤ ሓሓሊፉ ብመኪና ይቐርብ እዩ። እንተኾነ ክረምቲ ስለ ዝኾነ ንማይ ክረምቲ ከም ኣማራጺ ስለ እንጥቀም ኣይተፈለጠናን” ብምባል ትገልጾ።
ብኻልእ ወገን፡ እቲ ነባራይ ዕንጸይትን ፈሓምን ከም መማረጺ ስለ ዝጥቀም ከኣ ኣብ ዋጋ ዕንጸይቲ ልዑል ወሰኽ ምህላዩ ይግለጽ።
ካብ ሃለኽቲ መግቢታት ኣብ ዘይቲ ምኽባር ዋጋ ክርኣይ እንከሎ፡ ኣብያተ ብልዒ ናይ ዋጋ ወሰኽ ገይሮም ኣለው።
ካብቲ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ብዝብገስ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህባ ታክስን ካልኦትን ከም ዘየምስያ፣ መብራህቲ ብዘይምህላዩ ድማ ድኳናት ቐልጢፎም ስለ ዝዕጸው እታ ከተማ [መቐለ] ብኣጋ ጭር ከም እትብል እቶም ዝረኸብናዮም ሓበሬታታት የረድኡ።
ሽማ ክጥቀስ ፍቓደኛ ዘይኮነት ሓንቲ ወሃቢት ርኢይቶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ዋጋ ሓደ ሊትሮ ዘይቲ 500 ብር፣ ዋጋ ሓደ ኩንታል ጣፍ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ብር ከም ዝኾነን ሓደ ሊትሮ ነዳዲ ብ200 ብር ይሽየጥ ምህላውን ተዛሪባ።
ብምኽንያት እቲ ኣብ ዋጋ መግቢታት ዘሎ ወሰኽን ሕጽረት ገንዘብን እቲ ኣነባብራ ንሓድሕድኻ ብምትሕግጋዝ’ዩ ዝድፋእ ዘሎ ዝበለት ኮይና፡ ዝብላዕ ዝስእኑ ሰባት ምህላዎም’ውን ገሊጻ።
“ጸብሒ ስኢኑ ጥርሑ እንጀራ ዝበልዕ ጎረቤት’ዩ ዘለና፤ ገንዘብ ካብ ደገ ዝጽበዩ ዝነበሩ፣ ጠዋሪ ዘይብሎም ገንዘብ ክረክቡ ብዘይምኽኣሎም ብዙሓት ንሓደጋ ተቓሊዖም’ዮም። ብኹርማን እንጀራ ትሓድር ነብሲ ሒዝካ’ዩ ናብራ ዝድፋእ ዘሎ፤ ሰብ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ሰአን መግቢ ይመውት ኣሎ ከይብሃል’የ ዝሰግእ” ብምባል ብምረት ተዛሪባ።
ነዚ ከይኮነ ኣይተርፍ ፊልሞን ብርሃነ “ልመና ይበዝሕ ኣሎ፤ ናበይ ከም ዘምርሕ ከኣ ፍሉጥ’ዩ” ብምባል ስግኣቱ ዝገልጽ።
ኣብቲ ክልል ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንሓደጋ ዓጸቦ ከም ዝተቓልዑ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓዳሪት ዓለምለኻዊ ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓት [ዩኤስኤኣይዲ] ሳማንታ ፓወር፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ወሃብቲ ረድኤት መኽዝኖም ጥርሑ ክብሃል ኣብ ዝኽእል ብርኪ ከም ዝርከብ ገሊጻ’ያ።
ስለ ዝኾነ ድማ ህይወት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንምድሓን ብቕልጡፍ ቀረብ ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ መንግስቲ ብህጹጽ መገዲ ክፈቅድ ኣለዎ ክትብል ሓቲታ።
‘ፖሊስ ይኹን ትራፊክ የለን’
ሰራዊት ፌደራል ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቖጻጸርሉ ግዜ፡ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክሳብ ሽረን ማይጨውን ብምኻድ ኣብ መስመራት ዓድዋ፣ ኣኽሱም፣ ዓድግራት፣ ተምቤንን ካልኦትን ዘለዋ ከተማታት ከም ዝተዓዘበት እትገልጽ ሳሌም፡ “ህዝቢ ልዕሊ ምቁራጽ እዞም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንሰላም ዋጋ ዝሃበ ይመስል” ኢላ።
ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ከቢድ’ኳ እንተነበረ ሕጂ ግን ዝበዝሕ ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሓይልታት ትግራይ ስለ ዝኾነ ‘ጽቡቕ ምንቅስቓስ’ ኣሎ ትብል።
“ቅድሚኡ ሰብ ይኹን እንስሳ ዘይርኣየሎም ጽርግያታት ነይሮም። ጭር ካብ ምባሉ ዝተላዕለ ብሰንኪ እቲ ኲናት ሰብ ዝተረፈና ኣይመስልን ነይሩ፤ ሕዚ ግን ጽቡቕ ምንቅስቓስ ኣሎ፤ ሰላም የስተማቕር” ብምባል ትዕዝብታ ተካፍል።
ካብ ቀረባ ዓመታት ናብ’ዚ ኣብ መቐለ ኣዝዩ ዘሰክፍ ክትራንን ጸገም ጸጥታን ከም ዝዓሰላ ነበርቲ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ብዝጀመረ ኲናት ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እቲ ክልል ዝነበረ ጸጥታዊ ምምሕዳራትን ኣገልግሎትን ክፈርስ እንከሎ፡ መቐለ ብስርቅን ክትራንን ትናወጽ ኣላ ክብሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዘዘራረብናዮም ሰባት ገሊጾም ነይሮም።
ሕጂ ብኣንጻሩ ዝሃድአ ኩነታት ምህላው እቶም ዘዘራረብናዮም ሰባት ይገልጹ፤ እንተኾነ ብጭቡጥ እቲ ኩነታት እንታይ ከም ዝመስል ምርግጋጽ ኣይተኽኣለን።
ሳሌም ግን፡ “ሕዚ ብዛዕባ ክትራን ካብ ዝሰምዕ ነዊሕ ገይረ፤ ፖሊስ የለን ወረ ስርቂ’ውን ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። ትራፊክ የለን፤ ናይ መኪና ሓደጋ ግን ኣይርኣኹን። ኩሉ ሰብ ንርእሱ ሓላፍነት ዝወሰደ ይመስል” ትብል።
“መቐለ ከምዚ ሰላም ኮይና ርእየያ ኣይፈልጥን” ዝብል ፊልሞን ብወገኑ፡ “ክሳብ ሕዚ ዘጋጠመ ስርቂ ስለ ዘየለ ዝበጽሐኒ ጉድኣት የለን፤ ሰዓት እቶ እቶ’ውን ስለ ዘየለ ካልኣይ ወርሐይ መጓዓዝያ ኣይጥቀምን “ኣብ ዝደለኹዎ ሰዓት’የ ዝንቀሳቐስ” ኢሉ።