ንኣስታት 9 ኣዋርሕ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተጋሩ ተፈቲሖም
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኣብ ክልል ደቡብ ሾኔ ተባሂላ ኣብ እትፍለጥ ከተማ፡ ብሰንኪ መንንቶም ንኣዋርሕ ከምዝተኣስሩ ዝገልጹ፡ ሓራሳትን ጥኑሳትን ዝርከብኦም ኣስታት 1300 ተወለድቲ ትግራይ፡ ትማሊ ተፈቲሖም።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝሰርሖ ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ኣብ ማእሰርቲ እናሃለዉ ዘዘረረቦም ገለ እሱራት፡ ንልዕሊ 9 ወርሒ ምኽንያት መእሰሪኦም ከምዘይተነግሮምን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ከምዘይፈልጡን ገሊፆም ነይሮም።
ዝበዝሑ ካብ ስዑዲ ተመለስቲ ኮይኖም፡ ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣብ ዓፋር ተታሒዞም ናብ ክልል ደቡብ ከምዝተወሰዱ ይገልጹ።
ኣይናለም ሓደ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ክልል ደቡብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ዋቻሞ ከምዝኾነ ዝግለፅ ቦታ ተኣሰሮም ዝጸንሑ ተጋሩ ኮይኑ፡ ትማሊ ተፈቲሑ ሎሚ ሮብዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ’ሎ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ ስዑዲ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሓደ ሰሙን ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስ ብጾቱ ንትግራይ ክኸይድ ከምዝተበገሰ ይዛረብ።
“ኣብ ክልል ዓፋር፡ ‘ሎግያ’ ኣቲና፡ ንሓደ ወርሒ ተኣሲርና፡ ከባቢ መስከረም ናብ ክልል ደቡብ ወሲዶምና” ብምባል፡ ብዝሖም 1300 ዝኾኑ ምንባሮም’ውን ይጠቅስ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሰርሑን ዝነብሩን ዝነበሩ ተጋሩ’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምንባሮም ገለ ካብኦም ይዛረቡ።
መረሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይነብርን ይሰርሕን ዝነበረ ሓደ ካብቶም እሱራት ኮይኑ፡ ቤተሰብ ንምብጻሕ ናብ ትግራይ ክኸይድ ከምዝወሰነን ኣብ ክልል ዓፋር ምስ በጽሐ ከምዝተኣስረ ገሊጹ።
“ንሕና ብምንታይ ኢና ተታሒዝና ንብሎም እሞ፡ ‘ንሕና መንግስቲ’ዩ ሓዝዎም ኢሉና፡ ገበነኛታት ኣይኾንኩምይ ንጹሃት ምዃንኩም ንፈልጥ ኢና\፡ ግን እስካብ ዓድኹም መንገዲ ዝኽፈተልኩም ኣብዚ ተቐመጡ’ ይብሉና” ክብል ኣይናኣለም ይዛረብ።
ኣተሓሕዝኦም ሕማቕ ከምዝነበረን፡ ብፍላይ ደቂ-ኣንስትዮ ‘ሞዴስ’ ዘይረኽባሉ ኩነታት ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ መዳጎኒ ዝወለዳ ከምዘለዋ ኣይንኣለም ጠቒሱ። ኣብቲ ቦታ ብሓለውቲ ተሃሪሞም እግሮም ዝተሰብሩ ከምዘለዉ ድማ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብቲ መዳጎኒ ኣስታት 130 ደቂ-ኣንስትዮም ተታሒዘን ምንባረን እቶም ግዳያት ማእሰርቲ ይዛረቡ።
እኹል ቀረብ ምግቢ፣ ማይን መድሓኒትን ኣብ ዘይብሉ ብብዝሒ ሰባት ኣብ ዝተጨናነቑ ገዛውቲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተኣሲሮም ከምዝፀንሑ እቶም ዘዘራረብናዮም ገሊፆምልና።
ሓላፊት ህዝባዊ ርክባት ክልል ደቡብ፡ ወ/ሮ ሰናይት ሰለሞን ግና፡ እቲ ዝቐረበ ክሲ ብምንጻግ፡ ኣብቲ ክልል በቲ ዝተገለጸ በዝሕን ብምኽንያትን መንንትን ዝተኣሰሩ ሰባት ከምዘይትፈልጥ’ያ ንቢቢሲ ተዛሪባ ነይራ፡፡
እንታይ ይብሉ?
ብሰሉስ፡ 17 ኣውቶብሳት ናብቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበረ ቦታ መጺኤን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘግዐዝኦም እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ተወለድቲ ትግራይ፡ ብዛዕባ እቲ ኹነታት ኣቐዲሙ ዝበጽሖም ሓበሬታ ብዘይምንባሩ ከምዝተሰናበዱ ይዛረቡ።
ድሕሪ ምፍትሖም’ውን፡ ኣብ ሓዲግ ወዲቖም ምህላዎምን፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስኣተዉ እቶም ዝበዝሑ ቤተሰቦም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ብምዃኖም ናብ ዝኸድዎን ዘዕርፉሉን ስኢኖም ኣብ ጸገም ከምዝወደቑ ኣይናለምን መረሳን ሓቢሮምና።
ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኮኑ ካልኦት ኣብ ደገ ዝነብሩ ግዱሳት ዝኸኣልዎ ሓገዝ ክገብሩሎም ድማ ተማሕጺኖም።
እቲ ትካል፡ ካብ ምስልታት ሳትላይትን መሰኻኽር ዓይንን ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ከተማታት ሰመራን ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ሃድያ እትርከብ ከተማ ሾኔን ብዙሓት ካብ ስዑድ ዓረብ ዝተመለሱ ታጋሩ ዝኣሰሩለን ከተማታት ክኾና ከምዝኽእላ ኣስፊሩ ነይሩ፡፡
ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተጋሩ፡ እቲ ልዕሊ 17 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ግዳያት ማእሰርቲ ክኾኑ ምጽንሖም ይፍለጥ። መንግስቲ ግን፡ ደገፍቲ ህወሓት’ምበር፡ ብመሰረት መንንት ከምዘይኣሰረ እዩ ዝገልጽ።
እቲ ቅልውላዉ ኣብ ክልል ትግራይን መዳውቲ ክልላትን ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይግለጽ።
ብፍላይ ኣብታ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ትግራይ፡ ህዝቢ ከም መግቢ፣ ባንኪ፣ መብራህቲ፣ ሕክምናን ትምህርትን ዝበሉ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ተሓሪምዎ፡ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ምህላዉ ትካላት ረዲኤት ይሕብራ።