ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሎሚ ኣዲስ አበባ ከምዝኣቱ ተሓቢሩ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድን ምኽትሉ ፓንተን ኖፍን ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣትዉ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ፡፡
እቶም ልኡኻት ኣብ ጻንሒቶም ምስ ሰብመዚ ፌደራል፡ ተወከልቲ ትካላት ረድኤትን መሻርኽቲ ዲፕሎማሲን ከም ዝዘራረቡ ተገሊጹ፡፡
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ መግለጺኡ፡ ምብጻሕ ኣምባሳደር ሳተርፊልድን ምኽትሉን፣ ጎንጺ ደው ንምባል፣ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ፣ ተፈጺሞም ኣብ ዝተባህሉ ጥሕሰት መሰላት ግልጺ ምርመራ ክግበርን ኣመሪካ ብዘተ መፍትሒ ክርከብ ናይ እትገብሮ ጻዕሪ ኣካል ከምዝኾነን ኣብሪሁ፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ንፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነበር ጄፍሪ ፌልትማን ዝተከአ ሳተርፊልድ ናብ ኢትዮጵያ እንትበጽሕ እዚ ናይ ሎሚ ፈላማይ ኣይኮነን፡፡
እቲ ኣምባሳደር ካብ 12 ክሳብ 13 መጋቢት 2014 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ተዘራሪቡ ነይሩ፡፡
ድሕሪ ምብጻሕ ኣምባሳደር ሳተርፊልድ እዩ ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክበጽሕ ብዝብል ሰብኣዊ ግጭት ደው ምባሉ ዝኣወጀ፡፡
እንተዀነ፡ ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ስዒቡ፡ እተን ናይ መጀመርታ 21 ረድኤት ዝጸዓና መኻይን እንተዘይኰይኑ ካልእ ዝሰዓበ የለን።
ምስቲ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ኣመና ውሑድ ከምዝዀነ ኣመሓደርቲ እቲ ክልል ይገልጹ።
ኣምባሳደር ሳተርፊልድ፡ ኣብቲ እዋን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻእን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ደመቀ መኮነንን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተዘራሪቡ ነይሩ፡፡
ኣብዚ ናይ ሎሚ ምብጻሕ ድማ ኣምባሳደር ሳተርፊልድ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ተወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ኣተሓባበርቲ ሰብኣዊ ረድኤትን ክዘራረብ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ፡፡