
“ንዩክረይን ዝተዋህበ ትኹረት መርኣያ ኣድልዎ ኣብ ልዕሊ ህይወት ጸለምቲ’ዩ” – ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረእየሱስ፡ ዓለም ንጸዓዱ ንዝጎድኡ ኩነታትን ንጸለምቲ ንዝጎድኡ ኩነታትን ማዕረ ኣቓልቦ ኣይትህብን ዘላ ኢሉ፡፡
ዶ/ር ቴድሮስ፡ ካብቲ ንዩክረይን ዝተውሃበ ሽራፍ እኳ ነቶም ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ዘጋጠሙ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣይተውሃበን ኢሉ፡፡
ንዩክረይን ንምሕጋዝ ‘‘ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ’’ ምኽንያቱ ‘‘ንመላእ ዓለም እዩ ዝጸሉ’’ ዝበለ እቲ ሓላፊ ትካል ሕቡራት ሃገራት: ትግራይ፣ የመን፣ ኣፍጋኒስታን ወይ ሶርያ ማዕረ ትኹረት ከምዘይረኸባ ተዛሪቡ፡፡
ዶ/ር ቴድሮስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘‘ዓለም ብትኽክል ንህይወት ጸለምትን ጸዓዱን ማዕረ ኣቓልቦ ትህብ ምህላዋ ኣይፈልጥን’’ ክብል ብምረት ተዛሪቡ፡፡
‘‘ብዘይሕብእብእን ብቕንዕናን ክዛረቦ ዝደሊ፡ ዓለም ንዓሌታት ወዲሰብ ብማዕረ ትርእይ የላን፡፡ ገለ ካብ ካልኦት ኣዐርዮም ማዕረ እዮም፡፡ ነዚ ክዛረብ ከለኹ ድማ ኣዝዩ እዩ ዘሕምመኒ፤ ምኽንያቱ ይርእዮ ስለዘለኹ፡፡ ክትቅብሎ ይኽብድ ግን ድማ የጋጥም እዩ ዘሎ’’ ኢሉ፡፡
ዶ/ር ቴድሮስ ብተወሳኺ ሕቡራት ሃገራት መዓልታዊ 100 መካይን ህይወት ዘድሕን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብታ ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ትግራይ ክኣቱ ከምዘድልይ ገሊጹ ምንባሩ እውን ተዛሪቡ፡፡
ኣብ ኲናት ትግራይ ሰራዊተን ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ብሓባር ዘሰለፋ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ነቲ ኲናት ብዝምልከት ሓቂ ዘይኮኑ ሓበሬታታት ብምሃብ ክኸሰኦ ይስምዓ፡፡
ኣብዚ ሳልስቲ እኳ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም መዝነቱ ብዘይ ኣግባብ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
እቲ ድሕሪ ነዊሕ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣብ መንጎ ንትግራይ ዝመርሕ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናት ዛጊድ ሰላማዊ ፍታሕ ኣይረኸበን፡፡
ኣብቲ ጎንጺ ሰላማውያን ሰባት ሓዊሱ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም እዮም፡፡
ብተወሳኺ ሚልዮናት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጽበዩ ኮይኖም፡ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣቱ ኮነ ኢሉ ይተዓናቕፍ ከምዘሎ ይኽሰስ፡፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ግና ነቲ ክሲ ኣይቕበልዎን፡፡
የመን ዝለዓለ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘለዋ ከምዝኾነት ዝገልጽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍጋኒስታን እውን 24 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ይሕብር፡፡
ሶርያ ንዝሓለፉ 11 ዓመታት ኣብ ሓድሕድ ኲናት ጸኒሓ፡፡ ኣብዚ ኲናት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት እንትሞቱ ሚልዮናት መረበቶም ገዲፎም ተፈናቒሎም፡፡
ሩስያ እውን ንዩክረይን ቅድሚ 50 መዓልቲታት ወሪራታ፡፡
ኣኽበርቲ ሕጊ ገበናት ኲናት ነታ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመላ ከተማ ቡቻ ምስ በጽሑ ዩክረይን ናይ ገበን ዓውዲ ከምዝኾነት ዝሓበሩ ኮይኖም፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ድማ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ተግባራት ምጽናት ዓሌት (ጀኖሳይድ) ፈጺሞም ክብል ከሲሱ፡፡