ነቐፌታን ክስታትን ዝበዝሖ ጉዳይ ናጽነት ሚድያታት ኢትዮጵያ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
9 መጋቢት 2022
ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውነኑን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎምን መራኸቢ ብዙሃን ከምኡ ድማ ብኣንጻሩ ብብሕቲ (ብውልቀ) ዝውነኑ ሚድያታት፡ ነቲ ዝድግፍዎ ኣካል ጥራሕ ዘማእኽሉ ጸብጻባት ምስርሖም ነቲ ዓውዲን ሙያ ጋዜጠኝነትን ኣብ ፈተና ክወድቕ ከምዝገበሩ ሰብሞያ ይዛረቡ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2010 ኣቆጻጽራ ግእዝ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ስዒቡ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ተራእዩ ዝበሃል “ናይ ለውጢ ምንቕቓሕ” ተስፋ ዝህብ ከምዝነበረ ጋዜጠኛ ኤልያስ መሰረት ይገልጽ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን እተን ብመንግስቲ ዝውነና ማእኸናት ዜና ንድምጺ ተቓወምቲ ከተኣናግዳ ካብ ምኽኣለን ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንዝለዓሉ ተቓውሞታት’ውን ሽፋን ክህባ ጀሚረን ነይረን።
ኣብ 2011 ኣ.ግ ወርሒ ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽበር ከሎ ድማ “ኢትዮጵያ ዋላ ሓደ ጋዜጠኛ ዘይተኣሰረላ ሃገር” ብዝብል ከምዝተወደሰት ይዝከር። እዚ ኩነታት ግን ነዊሕ ክቕጽል ኣይከኣለን።
ናይ ሓደ ወገን ድምጺ ጥራሕ. . .
ኣብዚ ሕዚ እዋን “እተን ብመንግስቲ ዝውነናን ምስ መንግስቲ ርክብ ዘለወንን ማዕኸናት ዜና ናይ ፕሮፓጋንዳ ማሽን ብምዃን መንግስቲ ዝበሎ ጥራሕ ከጋውሓ ብስፍሓት ይረኣያ ኣለዋ” ይብል ጋዜጠኛ ኤልያስ።
ካብ መንግስቲ ዝመጽእ መረዳእታ/ሓበሬታ ዝኾነ ዓይነት ምጽራይ ከይገበርካ ናብ ህዝቢ ከምዘብጽሓ ብምሕባር ድማ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣባ ገዳታት ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ ብኣብነት የቐምጥ።
ኤልያስ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 2014 ኣ.ግ ኣብ ልዕሊ ኣባ ገዳታት ከረዩ – ኦሮሚያ ዝተፈጸመ ቅትለት ስዒቡ ቢሮ ህዝባዊ ርክባት ክልል ኦሮሚያ ኣብ ፌስቡኩ ዝዘርግሖ መግለጺ ይጠቅስ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን መንግስቲ “ኣሸባሪ” ክብል ዝሰመዮም “ዕጡቓት ሸኔ” (ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ) ነቲ ቕትለት ከምዝፈጸምዎ እተን መንግስታውን ብመንግስቲ ዝጽለዋን ማዕኸናት ዜና ጸብጺበን ምንባረን የዘኻኽር ኤልያስ።
ብድሕሪ ክልተ ወርሒ ማለት ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ጥሪ ግን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ነቲ ቕትለት ዝፈጸሙ መንግስታዊ ኣካላት ፀጥታ ከምዝኾኑ ንዘካየዶ ምጽራይ ብምጥቃስ ከምዘፍለጠ ይዝከር።
እተን መንግስታውያንን ብመንግስቲ ዝጽለዋን ሚድያታት ግን ነዚ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሰሚዐን ከምዘይሰምዓ እየን ሓሊፈንኦ።
ውድብ/ሰልፊ ፖለቲካ ኢዜማ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መራኸቢ ብዙሃን ዝፈጸምኦ ተግባር ብምጥቃስ መእረምታ ክግበር ሓቲቱ ነይሩ።
እተን ካብ ህዝቢ ብዝእከብ ግብሪ ዝመሓደራ ሚድያታት “ነቲ እከይ ተግባር ብዝተጋገየ መንገዲ ብምጽብጻበን ንህዝቢ ይቕሬታ ክሓታ፤ ከምኡ ድማ ነቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝቐረበ ጸብጻብ ወይ ብናይ ብዓለን መንገዲ ነቲ ጉዳይ ኣጻርየን ነቲ ሓበሬታ ደጊመን ናብ ህዝቢ ከቕርብኦ ይግባእ” ኢሉ።
ብኻልእ ወገን ከኣ ኣብቲ ብመንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ዝመሓደር ማዕኸን ዜና – ኦቢኤን – ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ሰይፉ ጉርሙ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቐረበ ኣብ ማእሰርቲ ምጽንሑ፤ በቲ ዝሰርሓሉ ትካል ሽፋን ዜና ዘይምርካቡ ንሰራሕተኛታት ኦቢኤን ቅርታ ዝፈጠረሎም ጉዳይ ነይሩ።
ቢቢሲን ካልኦት ማዕኸናት ዜናን ብዛዕባ ማእሰርቲ ጋዜጠኛ ሰይፉ ጸብጻባት ምስርሐን ስዒቡ ድማ “ብስሕተት ከምዝተኣሰረ” ተነጊርዎ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ምስጸንሐ ተፈቲሑ።
ብተወሳኺ ድማ ነቲ ልዕሊ 16 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ብዛዕባ ኣብ ዝፍጠሩ ጎንጽታት፡ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ፈጺሞምዎ ብዛእባ ዝበሃል ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት በዘን ማዕኸናት ዜና ሽፋን ክረክብ ኣይረኣይን። እንተሃለዉ’ውን ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ እዮም።
ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዘሎ ድርቂን ዘኸተሎ ጉድኣትን ብዝምልክት በተን ሃገራዊ ሚድያታት ግቡእ ሽፋን ከምዘይተወሃቦ ዝገልጹ ቅርታታት እውን ይስምዑ ኣለዉ።
እተን መንግስታውን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለወንን ማዕኸናት ዜና ዘለወን ኢዲቶሪያል ናጽነት ክሳብ ክንደይ ይኸውን? ጋዜጠኛታትን’ከ ኣብ ናይ ብዓልቶም ውሳነ ተመስሪቶም ዜና ክሰርሑ’ዶ ይኽእሉ?
“መንግስቲ ክቕየመና እዩ”
ኣብተን መንግስታውን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለወንን ሚድያታት ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት መብዛሕቲኦም ብዓልቶም ዝሓሰብዎ ወይ ዝተለምዎ ዘይኮነስ “ካብ ላዕለዋይ ኣካል” ብዝመጽእ መምርሒ ወይ መንግስቲ “ይደልዮ እዩ” ብዝብል ኣብ ዝወሃብዎም ዛዕባታት ጥራሕ ቆላሕታ ብምሃብ ከምዝሰርሑ ሓደ ኣብ መንግስታዊ ማዕኸን ዜና ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ክበጽሖ ንዝኽእል ጸቕጥን ፍርሕን ብምስጋእ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ እቲ ጋዜጠኛ “ጋዜጠኛታት ብዓልቶም ዝሓሰብዎ ከይሰርሑ ምኽልካል፤ እንተሰሪሖም ከኣ ናብ ኣየር ፈነወ ከይበቅዕ ምግባር ኣሎ” ይብል።
ብወድዓዊ ኩነታት ከምዝግደቡ፤ እቲ ዘሎ ኩነታት ዝደለይዎ ጸብጻብ ክሰርሑ ከምዘይፈቕደሎም ዝሕብር እቲ ጋዜጠኛ “ነገር ዘባኣእስ ክኸውን’ዩ፤ ምስ መንግስቲ ከቀያይመና እዩ” ዝብሉን ካልኦት ምኽንያታትን ከምዝቐርቡ የረድእ።
“ናይ ሓደ ሹመኛ መንግስቲ ቅሬታ ወይ ቂም ንምትራፍ ብዝብል ኣብቲ ጋዜጠኛታት ክሰርሕዎ ዘለዎም ከምኡ ድማ ሓደ ጋዜጠኛ ክሰርሖ ዝወጠኖ ነገር ክቕየር ይግበር” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ጋዜጠኛታት፡ ካብ ኣባላት ኤዲቶሪያል ውሳነ ዘይኮኑ ሰባት ምናልባት እውን ካብ ሹመኛታት መንግስቲ “ከምዚ ዝበለ ጸብጻብ ስርሑ” ዝብል መምርሒ ከምዝወሃቦም፤ ኣርእስቲ ወይ ኣጀንዳ ከምዝወሃቦም፡ ዝተፈላለዩ መረዳእታት ከምዝበጽሕዎ ጋዜጠኛ ኤልያስ መሰረት ይዛረብ።
“ጋዜጠኛታት ኣብ ሓደ ንዜና ዝሓሰብዎ ጉዳይ ምጽራይ ኣካይዶም ዘይኮኑስ ካብቲ ላዕለዋይ ኣካል ዝወሃቦም ነገር ከጋውሑ ጥራሕ እዮም ዝረኣዩ” ይብል ኤልያስ።
ስለዝኾነ ድማ ኢድ ኣእታውነት ሹመኛታት መንግስቲ ንዓውዲ ሚድያ ይሃስዮ ምህላውን ህዝቢ ጽፁይ ሓበሬታ ይረክብ ከምዘየሎን ይገልጽ።
“ሓቂ ኣብ ሓደጋ ወዲቓላ”
እቲ ብሓደ ወገን ጥራሕ ንዘሎ ሓሳብ ጥራሕ ሒዝካ ምቅላሕ ካብ ካልኦት ወገን እውን ከምዝረኣይ ዝሓበረ ጋዜጠኛ ኤልያስ፡ ናይ ብሕቲ (ውልቀ) ሚድያታት ብፍላይ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ርክብ ዘለዎም ነቲ ዝድግፍዎ ኣካል ጥራሕ ምውጋን ከምኡ’ውን ንመንግስቲ ብዓይኒ ዕሙተይ ምቅዋም ከምዘሎ የረድእ።
ጋዜጠኛታት ንዝመጽኡሉ ብሄር፣ ንዝስዕብዎ ሃይማኖት ወይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ብምውጋን ናይ ነጠፍቲ (‘ኣክቲቪዝም’) ስራሕቲ ክሰርሑ ይረኣዩ እዮም።
“ነዚ እንተሰሪሕና መንግስቲ ክቑጣዕ እዩ” ብዝብል ነብሰ ምምያ ዝገብሩን ንገለ ዛዕባታት ሽፋን ካብ ምሃብ ዝዕቀቡን ጋዜጠኛታት ከምዘለዉ ዝገልጽ ኤልያስ፡ ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ ብፍላይ እቲ ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ዝረኣይ ዘሎ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ከምዝኾነ ይጠቅስ።
“ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ይትረፍ’ዶ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ኣበይ ከምዝተኣሰሩ’ውን ምፍላጥ ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት ‘ኣባይ እውን ክበጽሕ እዩ’ ዝብል ፍርሒ ኣሎ” ይብል።
መምህር ጋዜጠኝነትን ኮሚዩኒኬሽንን ዝኾነ ኣብዲሳ ዘርኣይ (ዶ/ር) ብወገኑ፡ እታ ሃገር ኣብ ኲናትን ጎንጽታትን ብምህላዋ ከምኡ ድማ ፖለቲካ ኢትዮጵያ መስመር ይስሕት ብምህላዉ ሓቂ ኣብ ሓደጋ ወዲቓላ” ክብል ንቢቢሲ ርእይትኡ ሂቡ።
መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ነጻ ኮይነንን ንሞያዊ ስነምግባር ዓቂበንን ዘይኮናስ፡ ናይ ፕሮፓጋንዳ ማሽን ብምዃን ብወገን መንግስቲ ንዝዝረብ ነገራት ጥራሕ ከቃልሓ ከምዝረኣያ ይዛረብ።
እተን ናይ ውልቀ (ብሕቲ) እንተኾና’ውን ንዝድግፍኦ ወይ ንዝጣበቓሉ ኣካል ብዓይኒ ዕሙተይ ደጊፈን ስለዝሰርሓ “ሓቂ ኣብ ሓደጋ ወዲቓላ” ይብል።
ምትእርራይ ኣብ ፖለቲካ
እቶም ኣብ ማዕኸናት ዜና ዝረኣዩ ጸገማት ክፍትሑ እንተኾይኖም፡ ኣብ ፖለቲካ ዝረኣይ ዘሎ መስመር ምስሓት ናብ ማእኸላይ ምርድዳእ ክመጽእን ክስተኻኸልን ከምዝግባእ መምህር ጋዜጠኝነትን ኮሚዩኒኬሽንን ዝኾነ ኣብዲሳ ዘርኣይ (ዶ/ር) ይዛረብ።
“ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘሎ ኩነታት እቲ ተዓዳሚ [ተመልካቲ፣ ኣንባቢ ወይ ኣድማጺ] ጫፍ ብዝረገጹ ፖለቲካታት ስለዝተጸለወ፤ ጋዜጠኛ’ውን ስነምግባር ዝሓለወ ስራሕ ክሰርሕ ኣይክእልን። በዚ ምኽንያት ከኣ ካብቲ ጋዜጠኛ ብዙሕ ንጽበዮ ነገር ከይህልው ይኽእል’ዩ” ብምባል እቲ ቀንዲ ምምሕያሽ ኣባ ፖለቲካ ክመጽእ ከምዘለዎ ይሕብር።
በዓልሞያ ሚድያን ጋዜጠኛን ኤልያስ መሰረት ብወገኑ፡ እተን መንግስቲ ብዝምድበለን በጀት ዝንቀሳቐሳ ሚድያታት ኤዲቶሪያል ናጽነተን ተሓልዩ ስራሕተን ክሰርሓ ክፍቀደለን ከምዝግባእ ርእይትኡ የቐምጥ።
“ማሕበራት መድያ ድማ ናጽነት ንኽህልዉ ጸቕጢ ክገብራ ኣለወን” ዝብል ኤልያስ ንብቕዓት ጋዜጠኛታት ዘጠናኽሩ ስልጠናታት ምሃብ እውን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ሓቢሩ’ሎ።
ኣብዚ ትሕዝቶና ንሓሳብ መንግስታውን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለወንን ማዕኸናት ዜና ክነካትት ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ናብ ሰበስልጣን በዓልመዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ስልኪ ብምድዋል ሓሳቦም ንምትእንጋድ ዝገበርናዮ ጻዕሪ’ውን ኣይተሳኽዐን።