ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ትግራይ ዝበጽሐን ዘሎ ማሕበረሰባዊ ተነጽሎ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
10 ለካቲት 2022
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ኲናት ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን ኣደዳ ሞትን ከምዝኾና ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
እቲ ብ4 ሕዳር 2020 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐ ጎንጺ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ’ዩ።
ኣብዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝልሓመን ንልዕሊ 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለን ኲናት ድማ ኣሽሓት ክቕተሉ እንከለው ኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ይርከቡ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ውግእ፡ ገበን ኣንጻር ኲናትን ኣንጻር ሰብኣውነትን ክብሃሉ ዝኽእሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክፍጸሙ እንከለው፡ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጻት ከም ዝተፈጸሙ ጸብጻባት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ።
ጸጋ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጽ ካብ ሞንጎ ዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ እያ።
ምስ ክልተ ደቃን በዓል ቤታን ኣብ ሰሜን ምዕራብ ከተማ ሸራሮ ትቕመጥ ዝነበረት ጸጋ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምጅማር እቲ ኲናት ብሰንኪ መንሽሮ ጡብ መጥባሕቲ ገይራ ሕክምና ናብዮት ይግበረላ ነይሩ።
እቲ ኲናት ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ክጅመር እንከሎ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ብዝተፈላለየ ኣንፈት ዝትኮስ ከቢድ ብረትን ካልእን ምስ በርትዐ ለኪሙዎ ክሓልፍ ዝኽእል ሞት ሰጊኦም ካብ ቤት ንብረቶም ዝወጽኡ ሰባት ንሳ’ውን ንኣሽቱ ቖልዑት ደቃ ሒዛ ናብ ዝባን ገደና ተመዛቢላ።
ኣብቲ ቦታ ንሓደ ወርሒ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንቖልዑ እኽለ ማይ ክትረክብ ኢላ ኣብ ዝተንቐሰትሉ እዋን ግራት ረዳ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ወተሃደራት ኤርትራ ከም ዝረኸቡዋን ብጉጅለ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘብጽሑላን ንቢቢሲ ተዛሪባ።
“ካብቶም ደቀይ ሒዘ ኣብ መገዲ ዝረኸቡኒ ወተሃደራት እቲ ሓደ ‘ወያነ ኣበይ ኣለው ኢሉኒ፤ ኣነስ ንባዕለይ ካብቲ ኲናት እየ ዝሃድም ዘለኹ ምስ በልኩዎ ሓሲኺ ግጉይ ሓበሬታ ሂብክና ኢሎም ሒዞምኒ። ደፊኦም ናብ መሬት ምስ ኣውደቑኒ ድማ ከብደይ ረጊጾምዎ። ጡበይ ክኣ ሓድሽ ስፋይ ስለ ዝነበረ ደምየ፤ ድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነበረ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ወሲዶም ብጉጅለ ዓሚጾምኒ” ትብል።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ተቕርቦም ኣብ ዝነበረት ጸብጻባት ኣብቲ ኲናት ዝምታ፣ ግዱድ ምምዝባል፣ ማእሰርቲ፣ ጾታዊ ዓመጽን ቕትለትን ከም ዝተፈጸመ ዘረጋግጹ እሙናት ጸብጻባት ይበጽሑና ኣለው ክትብል ተዛሪባ እያ።
ኣምባሳደር ቶማስ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል “ሕጂ’ውን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ህጹጽ እዩ፤ ብቐረባ ድማ ንከታተሎ ኣሎና – ብቐንዱ ጾታዊ ዓመጽ። ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኣካላት ኣዝዩ ዘሰክፍን ዘፍርሕን ጾታዊ ዓመጻት ፈጺሞም’ዮም። እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጸሙ ግህሰታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ፍጹም ተቐባልነት የብሎምን” ኢላ።
ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር 2021 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ዘካየዱዎ መርመራ ዝኣከቡዎ ሓበሬታ፡ ዘይሕጋዊ ቕትለትን ጃምላዊ ቕትለትን፣ ምስቓይ፣ ጾታውን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ሓዊሱ ከበድቲ ዝርዝራት ግህሰታትን መጥቃዕታትን ግህሰት ስደተኛታትን ከምኡ’ውን ግዱድ ምፍንቓል ሰላማውያን ሰባት ዝሓዘ እዩ ይብል።
ኩሎም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ኣካላት ግህሰት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ብምግላጽ ገሊኦም ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ክብል እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።
ኣብቲ እዋን፡ ብሽም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቢሉ ዝወጽአ ምላሽ “ገለ ዘይንቕበሎ ክፋል’ኳአ እንተሃለወ፡ ኣብ ቀጻሊ ንዝተበደሉ ፍትሒ ክረኽቡን ገበነኛታት ተሓተትቲ ንምግባርን ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ እቲ ጸብጻብ ኣዝዩ ጠቓሚ ሰነድ ኮይኑ ከገልግል እዩ” ምባሉ ይዝከር።
መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ዘይሻራዊነትን ሕጋውነትን ናይቲ መጽናዕቲ ኣብ ምልክት ሕቶ ብምእታው፡ እቲ ጸብጻብ “ተቐባልነት የብሉን” ክትብል ተቓዊምዎ።
መራሕቲ ትግራይ’ውን ‘ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ’ ብዝብል ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ እቲ ጸብጻብ ጸገማት ዘለዎ’ዩ ብምባል ስክፍትኦም ገሊጾም ነይሮም።
ብሰኑይ ድማ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝፈጸሞም ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክሪኦም ይግባእ ብዝብል ክሲ ናብቲ ኮሚሽን ኣቐሪቡ ኣሎ።
እዚ፡ Legal Action Worldwide (Law)፣ US legal firm Debevoise ከምኡ’ውን Plimpton and the Pan African Lawyers Union (Palu) ዝተባህሉ ሰለስተ ትካላት ሕጊ ዘቕረቡዎ ኮይኑ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ ገበን ኲናት ፈጺሙ’ዩ ብምባል እቲ ኮሚሽን ንፈለማ እዋን እቲ ጉዳይ ንክሪኦ ዘገድድ ክሲ ኣእቲዮም ኣለው።
ዋና ፈጻሚ ስራሕ ፓሉ ዶናልድ ዴያ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገርን ዓለምለኻዊ ሕጋጋትን ኩሎም ዜጋታትን ነበርትን ካብ ጃምላዊ ግፍዕታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክሕሉ ይግደድ። እዚ ንክገብር እንተዘይክኢሉ ወይ እንተዘይደልዩ ግን – ከምቲ ንርእዮ ዘለና- ብቑዓት ዝኾነ ዓለምለኻዊ ትካላት ከድልየና እዩ። ስለዝኾነ ድማ ንኮሚሽን ኣፍሪቃ ጻውዒትና ነቕርብ” ምባሉ ኣብቲ ደብዳበ ሰፊሩ ኣሎ።
እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን።
ነዞም ሰብ ሞያ ሕጊ ናይ ቃል ምስክርነት ሂቦም ዝተባህሉ ሰባት ድማ ሰራዊት ፌደራል “ኣብ ትግራይ ዘካየዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እንተበሎ’ውን ብሕዳር 2020 ኣብ ከተማ ሽረ ወተሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፈጸሙዎ ቕትለትን ጾታዊ ዓመጽን ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእን መሰረተ ልምዓት ንምዕናውን እዩ” ኢሎም።
ካብዞም ኣካላት ሕጊ ሓደ ንዝኾነ ‘ሌጋል ኣክሽን ወርልድ ዋይድ’ ተቐማጢት ኣውስትራሊያ ዝኾነት ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ፋናዬ ሰለሞን፡ ብዙሓት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ምስክርነተን ከም ዝሃባ ብምግላጽ ኣዝዮም ዘሰክፉ ታሪኻት ከም ዝቐረቡ ንቢቢሲ ገሊጻ።
“ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ተዓሚጸን፣ ኣጸጋሚ ዝኾነ መጥቃዕቲ በጺሑወንን ተሳቕየንን እየን። ኣብ ኣካላተን ብዙሕ ጉድኣት ተፈጢሩ’ዩ። ኣብ ገዝኣ ኣብ ቅድሚ ኣቡኣ ብሰለስተ ወተሃደራት ዝተዓመጸት ናብ ዋንስቶፕ ሴንተር መቐለ መጺኣ እያ። ኣብ ካምፕ ወተሃደራት ንመዓልታት ተታሒዘን ብጉጅለ ዝተዓመጻ ኣለዋ። ጓል 50 ዓመት ሰበይቲ’ውን ን5ተ መዓልቲ ተኣሲራ ተዓሚጻን ተገዲዳ ሽንታ ሰትያን እያ። ነዚ ኹሉ ተሓታትነት ክርከቦ ኢና ክሲ ንምስርተሉ ዘለና” ኢላ።
ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጥመን ዘሎ ተነጽሎ
ጸጋ፡ ሓንቲ ካብቶም ብሰንኪ ኲናት ዝተመዛበሉን ኣብ ጎረቤት ሃገር ዝርከቡን ልዕሊ 60 ሽሕ ስደኛታት እያ።
“ብሰንኪ እዚ ኲናት ብዙሕ ነገር ተፈጢሩ’ዩ። ጾታዊ ዓመጽ ጥራይ ዘይኮነ ስነ ልቦናዊ ሃሰያ’ውን እዩ ገጢሙና። ኣምላኽ ንደቀይ ክብል ህይወተይ ኣትሪፉዋ እምበር ካልኦት ምስ ተዓመጻ ተቐቲለን እየን” ትብል።
ኣብ ዝሓለፈ ቐዳመ ሰናብቲ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ምብጻሕ ዝገበረት ምኽትል ዋና ጸሓፊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ እቲ ኲናት ኣብተን ክልላት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዘስዓቦ ጉድኣት ከም ዝተዓዘበት ገሊጻ እያ።
እታ ጸሓፊት ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ኣብ ዝነበራ ዑደት ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝርከባሎም ማእከላት ክትዕዘብ እንከላ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘብጽሖ ግፍዕን በደልን ከምኡ’ውን ስነ ልቦናዊ ጉድኣት ንምቕራፍ እቲ ውድብ መፍትሒ ከም ዝእልሽን ሓገዝ ከም ዝገብርን ተዛሪባ።
“ኣብ ውሽጢ ጎንጺ ዝዕወት የለን” ዝበለት ኣሚና ታሪኽ እተን ግዳያት ክዝረብ ከም ዝግባእን ሰላም ብሕታዊ ኣማራጺ ብምዃኑ “ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም ንክረክብ ክንሕግዝ ኣለና” ኢላ።
ኣምባሳደር ቶማስ ግሪንፊልድ ብወገና ብቐንዱ እተን ከም ጸጋ ዝበላ ሓገዝ ዘድልየን ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ከም ዘለዎ ተስምረሉ።
“እዚ ንምዕዋት ብዙሕ ጻዕሪ ከም ዘሎ ይፈልጥ’የ። እቲ ዋና ጸሓፊ ምስ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ተዘራሪቡ’ዩ፤ እሱራት ፖለቲካ ምፍትሖም ንንእድ፤ ብሸነኽ ትግራይ እውን ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበርን ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱን ምስምምዖም ንንእድ። እንተኾነ ሕጂ’ውን ኩሎም ወገናት ናብ ስምምዕ ክመጽኡ ጸቕጢ ክንገብር ኢና” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ሓገዝ ክረኽባ ዘይክኣላ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልልን ካብቲ ክልል ወጻኢ ዘለዋን ከም ጸጋ ዝበላ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ግን ሕጂ’ውን ሳዕቤናት እቲ በደል እየን ዝነብራ ዘለዋ።
“. . . አረ ናቱስ ብጣዕሚ እዩ ከቢድ፤ ክሳብ ሕጂ ዝረኸብኩዎ ስነ ልቦና ሓገዝ የለን። [እቶም ዓመጽተይ] ዓመት ሙሉእ ብሕልመይ ይመጽኡኒ፤ ክስሕቑ ከለው ይርኣዩኒ። ሕጂ ተጋሩ ዲያስፖራ ሓጊዞምኒ ኣብ ካርቱም ናይ መንሽሮ ሕክምናዊ ይረክብ ኣለኹ፤ ግን ማህጸነይ ክሕከም ይደሊ እየ። ሕቖይን እግረይን ስለ ዝሕመኒ ንብዙሕ ሰዓት ከፍ ክብል ኣይኽእልን” ትብል።
ብቐንዱ ግን ናብ ሕብረተሰብ ክትጽምበር ናይ ምስካፍ ዝንባለታት እዩ ዘስግኣ።
ቅድም ኢሉ ኣብ መዓስከር ቱናይድባህ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን መብዛሕትአን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ፡ ካብቲ ካልእ ክፋል ሕብረሰተብ ክበጽሐን ንዝኽእል ተነጽሎ ሰጊአን ከም ዝሓብአኦ ትዛረብ።
ንሳ፡ ክሳብ ሕጂ ድሃይ ሰብኣያ ዘይትፈልጥ እኳ እንተኾነት፡ ብሰንኪ እቲ ዝበጽሓ ጾታዊ ዓመጽ ግን “ድሕሪ ሕጂ ሰብኣየይ ይደልየኒ’ዩ ዝብል ግምት የብለይን። ክጽየፈኒ እዩ ዝብል ስክፍታ ስለ ዘለኒ ናብኡ ክምለስ ኣይደልን” እያ ትብል።
ተሓላቒት መሰላት ፋናዬ ሰለሞን ኣብ ትግራይ እዚ ጸገም ድሮ ክርኣይ ከም ዝጀመረን ዓብዪ ሻቕሎም ከም ዝፈጠረላን እያ ትገልጽ።
ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝርከቦም መሰረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ብዘይምህላዎም መብዛሕትን ናብ ትካላት ጥዕና ክመጽኣ ከም ዘይክኣለ ብምጥቃስ፡ ንዝተፈላለዩ ስነ ልቦናውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ክቃልዓ ከም ዝጀመራ ተረድእ።
እቲ ሕብረተሰብ ብባህላዊ ኣረኣእያታት ዝተቖረነ ስለ ዝኾነ ንከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ከም ነውሪ ስለ ዝርእዮ እተን ግዳያት ዘጋጠመን ጸገም ካልእ ሰብ ክፈልጠለን ስለ ዘይደልያ ዳርጋ ተሓቢአንን ተነጺለን እየን ይነብራ ከም ዘለዋን እቲ ማሕበሰረብ ዝገበሮ ሓገዝ ድማ ከምቲ ትጽቢት ዝገበረትሉ ዘይምዃኑ ጠቒሳ።
“ብዙሕ ጸገም እዩ ዘለወን፤ እቲ ሕብረተሰብ ኣይቕበለናን ኢለን ባዕለን ኣግሊለን ክሕወሳ ስለ ዘይደልያ ብዝፍጠር ዘሎ ስነ ልቦናዊ ጸቕጥን ማሕበረሰባዊ ተነጽሎን ክሳብ ዓርስኻ ምጥፋእ ዝበጽሕ ጸገማት ኣሎ። ሕጂ ድማ ቖልዑ ይውለዱ ኣለው፤ ግን ተዓሚጸን ዝወለድኦም ስለ ዝኾኑ ነዚኦም ክሕብሕባ ስለ ዘይደልያ ኣብ በብቦትኡን ኣብ ሆስፒታልን ገዲፈንኦም ይኸዳ ኣለዋ” ኢላ።
ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ነቲ ኩነታት ተቐቢልና ናይ ምሕጋዝ ዓቕሚ ዝነኣሰ ምዃኑ ዝገለጸት ፋናዬ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ትካላት ሃይማኖት ነቲ ሕብረተሰብ ናይ ምርዳእ ስራሕቲ ይሰርሑ ስለ ዘለው ዝሓሸ ነገር ክርኣይ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ትገብር።
“መፍትሒ ንክመጽእ እቲ ዕጽዋ ክለዓል ኣለዎ፤ ረድኤት ኮነ ንሕና ኣቲና ንክትሕግዘን መገዲ ክኽፈተልና ኣለዎ። ሰብ ክኣቱን ክወጽእን እንተዘይክኢሉ ግን እቲ ጸገም ዓብዪ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ጸገም ክመጽእ ይኽእል እዩ” ክትብል ዘለዋ ስግኣት ገሊጻ።
ኣብተን ግጭት ዝካየደለን ዘሎ ክልላት ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ክትዕዘብ ዝቐነየት ምክትል ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ዝርርብ ይቕጽል ከም ዘሎ ሓቢራ እያ።
ብዛዕባ’ቲ ክሳብ ሕጂ ዘይሃድአ ዘሎ ግጭት ክትዛረብ እንከላ፡ “ብርግጽ ካብቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝነበረ ግጭታት ዝወሓደ’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ብርግጽ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ኢና ዘለና” ክትብል ብዛዕባ’ቲ ዝግበር ዘሎ ድርድር ተስፋ ከም ዘለዋ ኣሚታ ኣላ።