ቅልውላው ትግራይ፡ ግዳይ ማእሰርቲ ንዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ እትሕግዝ ትእግስት በቀለ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
9 መጋቢት 2022
ኩሉ ፍጡር ኣብ ድቃሱ እንከሎ ከውታ ለይቲ ኮነ ኣዕዋፍ ጭቕ-ጩቕ ኣብ ዝብላሉ ወጋሕታ ካብ ድቃሳ ተንሲኣ ንስራሕ ክትከይድ ጸደፍደፍ ኣብ እትብለሉ እዋን፡ ንሳን ተሌፎናን ብቴሌግራምን ሜሰንጀርን ብዝውሕዝ መልእኽታት ዕረፍቲ የብሎምን።
ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ‘በጃኺ እዛ ሓፍተይ . . . ዝበልዖን ዝለብሶን የብለይን። ኣብ ጎዳና ቦሌ መድሃኔ ኣለም ወዲቐ ኣለኹ፤ በጃኺ ሓግዝኒ’ ዝብል መልእኽቲ ናይ ሓደ ዘይትፈልጦ መንእሰይ በጺሑዋ።
እዚ፡ ሓደ ካብቶም ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ብዝተፈጥረ ቅልውላው ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብ ዝተኣሰሩ ተወለድቲ ትግራይ እዩ።
ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ፡ ስርሑን ተኻርዩ ዝነብረሉ ዝነበረን ቤቱን ብዘይተጸበዮ መገዲ ስለዝሰኣኖ ጽልምትምት ኢሉዎ ነታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ተመሳሳሊ ጸገም ንዘለው ውልቀ ሰባት ብውልቃን ምስ ካልኦት ብምትሕብባርን እትሕግዝ ትእግስት በቀለ መልእኽቲ ልኢኹላ።
“ታሪኹ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ጽሓፍኩዎ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ‘ኣነ ስራሕ ክህቦ’የ፤ መዕረፊ’ውን ኣይጽገምን’ ክትብል ሓንቲ ለጋስ ሰብ መሊሳትለይ” ትብል ብዓርሰ ተበግሶ ነቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ማእሰርቲ ዝተሃሰዩ ሰባት ትሕግዝ ዘላ ትእግስት።
እዚ፡ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ብዝተፈላለየ መገዲ ተሓጊዞም ህይወቶም ናብ ንቡር ክምለስ ዝኽኣለ ሰባት ኣዝያ እትሕጎሰሉን ተስፋ ዘስንቓን እዩ።
“እታ ሰብ ናብ ገዝኣ ወሲዳ ምስ ኣእተወቶ ‘ቲጂ፡ ማይ ተሓጺበ፣ ክዳን ቐይረ፣ መግቢ ይበልዕ ኣለኹ’ ኢሉ ምስ ደወለለይ ሕጉስ ኢለ። ብዙሕ ኣይጸንሐን ቅድም ኢሉ ናብ ዱባይ ዝጀመሮ ፕሮሰስ ነይሩ ሰሊጡዎ ከይዱ። ናብኡ ምስ ከደ’ውን ስራሕ ክረክብ ሓግዝኒ ኢሉ ጽሒፉለይ። ሓደ ኣብኡ ዝነብር ሓው ተሓባቢሩና ስራሕ ረኺቡሉ” ትብል።
ትእግስት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቂርቆስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ እያ ተወሊዳ ዓብያ። ኣደ ክልተ ቆልዑን ክኢላ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጅን’ውን እያ።
ቅድሚ እቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኲናት ምጅማሩ፡ ንዝንባለታት ኲናት ብምንቃፍ እታ ሃገር ዳግም ብኲናት ክትሕመስ የብላን ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎም ጽሑፋት ብማሕበራዊ ሚዲያ ትጽሕፍ ነይራ።
ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ናብ ሓያል ወተሃደራዊ ረጽሚ ኣትዮም።
ብሰንኩ ከኣ ብዙሓት ሰባት ተመዛቢሎምን ቑጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ሞይቶምን። ሚሊዮናት ክኣ ኣብ ትግራይ ብጥምየት ከይሃልቁ ተሰጊኡ ኣሎ።
ሓይልታት ትግራይ ነቲ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ደፍኡዎ ድማ፡ ብቐንዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ካብ ስርሖም ተመዛቢሎም ትካል ንግዶም እውን ተዓጽየዑ፡ ተኣሲሮም ዋሕስ ክረኽቡ ተጸጊሞም።
ትእግስት በቀለ’ውን ብውልቂ እትፈልጦም ሰባት፣ መሓዙታን መሳርሕታን ካብ ስርሖም ተሰጒጎም ግዳያት ክኾኑ ከም ዝርኣየት ትዛረብ።
“ነዚ ምስርኣኹ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ጥራይ ካብ ምጽሓፍ ሓደ ነገር ዘይገብር ኢለ ሓሲበ። ነቶም ብቐረባ ዝፈልጦም ብምሕጋዝ ክኣ ጀሚረዮ። ሓሙሽተ’ዮም ነይሮም፤ ንዝፈልጦም ሰባት ብገንዘብ ሓግዙና ብምባል ንዐኦም ብምሕጋዝ ጀሚረዮ” ትብል።
ትእግስት፡ ነቶም ብቐረባ እትፈልጦም ይኹን ብማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ጸገም ከም ዘለው ንዝሓበሩዋ፣ ዘለዎም ናይ ትምህርቲ ደረጃን ሞያን ኣተሓሒዞም ስራሕ ከም ዝደልዩ ንዝነግሩዋ ሰባት ስራሕ ብምትእልላሽን ከስርሖም ምስ ዝኽእል ትካል ይኹን ኣካል ብምርኻብን እያ ትነጥፍ።
መንግስቲ እሱራት ክፈትሕ ምስ ጀመረ ከኣ እቶም ዝፍትሑ ሰባት ዋሕስን ስራሕን ንክረኽቡ ክትሕግዝ ተበግሶ ከም ዝወሰደት ትዛረብ።
እዚ ናይ ኦሮሞ ፍሉጣት ዝብሃሉ ኣክቲቪስታት [ተሓለቕቲ] ዝጀመሩዎ ኮይኑ ትእግስት’ውን ነቲ ንሓደ ወይ ክልተ ኢላ ዝጀመረቶ ምትሕብባራት ክተስፍሖ ነዚ ምንቅስቓስ ብወግዒ ተጸንቢራቶ።
“እቶም ዝተፈትሑ ድማ ‘እንበልዖ፣ እንኽደኖ ወይ ስራሕ ስኢንና’፣ ‘ከምዚ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና’ ዝብሉ መልእኽታት ክልእኹለይ ጀሚሮም። ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጽኡ ቐጻሊ ህይወቶም ዝመርሑሉ ነገር የድልዮም’ዩ። ንሳቶም ዝልእኹለይ መልእኽቲ’የ ስክሪን ሾት ገይረ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርግሖ፤ ብኡ ከኣ ፍታሕ ይረክብ” ኢላ።
‘ንጸልማት ካብ እትነቕፎ ሽምዓ ምብራህ ይቐልል’
እዚ ዘመን፡ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘመን’ዩ። ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ተጠቀምቱ 10 ሚኢታዊት ህዝቢ ጥራይ ከም ዝኾነ ይገልጽ።
ኣብታ ሃገር ኣብ ገለ ከባቢታት ኣዝዩ ትሑት ዝርግሐ ኢንተርነትን ዋሕዲ ትሕተ ቕርጺ ብሮድ ባንድን እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ግን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቲ ኣለው።
እንተኾነ፡ ካብ ቀረባ ግዜያት እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ኪነ ጥበባዊ ክእለት ብዙሓት ዝወጽኣሎም፣ ናይ ቢዝነስ ስራሕቲ፣ ምልላይ ምህርታት፣ ሰፋሕቲ ምልውዋጣት ሓበሬታትን ካልኦትን ዝካየደሎም ኮይኖም ይርኣዩ።
ትእግስት፡ ሕጂ ትሰርሖም ንዘላ ናይ ግብረ ሰናይ ስራሕቲ ብዝቐለለን ዝቐልጠፈን መገዲ ይሕግዘኒ’ዩ ዝበለቶ’ውን ማሕበራዊ ሚዲያ’ዩ።
ንሳ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ተቖጺራ እትሰርሕ ኣደ ክልተ ቖልዑ ኮይና፡ ክልተ ሓላፍነት ተሰኪማ ለይትን ቀይትርን ዝበጽሑዋ ብርክት ዝበሉ መልእኽታት ምትእንጋድ ከም ግዴታ’ዩ ወሲዳቶ ኣላ።
“እዚ ስራሕ ካብ ዝጅምር መዓልታዊ ህይወተይ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ተቐይሩ’ዩ። ኣብ ታክሲ ይኹን ኣብ ገዛ ኮይነ ነዊሕ ሰዓታት ኣብ ስልኪ’የ። ምስ ደቀይ ዘሕልፎ ግዜ ተሻሚዩኒ’ዩ፤ ግን ቁሩብ መስዋእቲ ገይረ ብውሑድ እቶም ዝሕግዙ ሰባት እንተዘይሰኒፎም ኣነ ክሰንፍ የብለይን ብዝብል እየ ዝቕጽሎ ዘለኹ” ትብል።
ብኣንጻሩ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዙሕ ምድህሃል፣ ምንቕቓፍን ምክፍፋል ሓሳባትን ዝንጸባረቖ ቦታ ኮይኑ፡ ንሰናይ ዕላምን ምትሕግጋዝን ተጠቒሞምሉ ጽቡቕ ነገራት ከፍርዩ ዝኽኣሉ ብዙሓት’ዮም።
ትእግስት፡ ነቶም ሓገዝ ደልዮም ዝመጽኡዋ ውልቀ ሰባት ዝደልዩዎ ፍታሕ ኣብ ምሃብ ዝተሓባበሩዋ ሰባት ከም ዘለውን “ብዙሓት ስምዒታዊ ዝገብሩን ከተዓናቕፉ ዝኽእሉን መልእኽታት’ውን ይመጽኡኒ’ዮም። ዘፈራርሑኒ ሰባት’ውን ኣይተስኣኑን፤ ግን ትኹረተይ ሰብኣውነት እዩ” ኢላ።
ወሲኻ፡ “ንጸልማት ድማ ወትሩ ካብ እትነቕፎ ሓንቲ ሽምዓ ምብራህ ይምረጽ፤ ኣነ ናይ ዓቕመይ ፈቲነ ሓደ ሰብ ሓንቲ መዓልቲ በሊዑ ክሓድር እንተኽኢሉ ዓብዪ ነገር’ዩ። ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ጸገማት ካብ ምዝራብ መፍትሒ ምእላሽ ዓብዪ ነገር’ዩ” ትብል።
ንዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ክትሰርሓሉ እኳ እንተጸንሐት ሕጂ ግን ካብ ዓቕማ ንላዕሊ እናኾነ ከም ዝመጽአን ምስ ካልኦት ወለንታውያን ትካላት ብሓባር ንምስራሕ ዝርርባት ከም ዝጀመረትን ገሊጻ።
“መፍትሒ ዘይረኸቡ፣ መዓልታዊ እቲ ናተይኸ ከመይ ገይርክዮ ኢሎም ዝሓቱ ጌና ኣለው’ዮም። እዚ ንኣእምሮይ ዕረፍቲ ይኸልኦ። ስለዚ ኣብ ቀጻሊ ምስ ካልኦት ሰባት ብምትሕብባር ክሰርሕ ሓሲበ ኣለኹ” ኢላ።
ብቐንዱ ግን ከምቲ ማሕበረሰብ ዓለምን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ትጽቢት ዝገብሩዎ ዘለው፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ዝሓጸረ እዋን ብሰላማዊ ዝርርብ መፍትሒ ክረክብ ተስፋ ትገብር።
“እቲ ኩነታት ካብዚ እንተቐጺሉ ዝፈጥሮም ማሕበረ ቑጠባዊ ጽልወታት እናበዝሑ ስለ ዝኸዱ ዝኸፍአ ኩነታት ከይተፈጥረ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኩሉ፡ ናብ ዝነበሮ ቦታ ክምለስ፣ ሰላም ክመጽእ እየ ዝመነ፤ ፖለቲከኛታት ጸገሞም ውሕጥ ኣቢሎም ተዘራሪቦም ንዓና’ውን ካብ ጭንቂ ክገላግሉና ይምነ” ትብል።