“ህዝቢ ትግራይ ከም ብተብተብ ካብዝይን ካብትይን ተጨንዲሑ ብዝተኣከበ ርግሀ ዝተሰርሐ ልጋብ ሚሐ ዘይኮነስ ከም ካብ ሓንቲ እድንቲ ተወጢኑን ብስጡም ግርምቲ ተኣዲኑን ዝተሰፈየ ምልኩዕ ቀለምሲስ እዩ” – ወዓካፃ
እነሆ ኣብ ወርሒ መፈለምታ ግንቦት “…ክወግሕ ለይቲ ሰዓት 9፡00 ሓሊፉ ኣሎ…” ምባለይ ይዝከር። ብናይ ወርሒ ሰነ ዝተጀመረ ስርሒት ወፍሪ ኣሉላ ኣባ ነጋ ከምኡ ድማ ኮይኑ። ከመይ ከሪምኩም ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ተጋሩ። ምላሽኩምን ስምዒትኩምን እንታይ ከምዝኾነ ይርደኧኒ እዩ። እምነትናን ባህልናን ስለዝኾነ ከዓ እንኳዕ ናብ 2014 ዓ/ም ኣብፀሓኩም። እዚ ዓመት 2 ደመኛታትና ስርዓታት ተማሒዎም ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ዓወቱ ዝዓትረሉ ዓመት ከምንገብሮ ድማ ይተኣማመን። ምኽንያቱ ናይ ዓወትናን ስዕረትናን ቁልፊ ኣብ ኢድና [ኢድ ህዝቢ ትግራይ] ስለዝኾነ። ብዝኾነ በዓቲ ፖለቲካ ልሂቃን ኣምሓሩ ዝኾነ ማ/ቅርሱሳን ፥ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድን ስርዓት ህግደፍን ንሓዋሩ ዝቕበሩሉ እዋን ኣዝዩ እናሓፀረን ብተኣምር ‘ውን እንተኾነ ካብ መቓብር ፍፁም ዘይተርፍን ስለዝኾነ ኣቐዲመ እንኳዕ ደስበለኩም እናበልኩ ናብ ቀንዲ መልእኽተይ ክሰግር።
ኩሉ ነገር ብእዋኑ እዩ ጥዑም፤ ፖለቲካ ‘ውን ከምኡ
ኣብዙ ሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ብኣንፈት ደቡብን ሰሜንን ብሸንሸል ጥምየትን ብበዝሒ ጥይትን ተኣሲሩ ብፀላእቱ ኣብ ናይ መከራ ሳንዱቕ ሞት ተበይኑዎ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ብሃለዋት ክተርፍ እንተኾይኑ እዚ ሸንሸል ንሓዋሩ ክብተኽ እቲ ሳንዱቕ ድማ ፈንፂሕኻ ክስበር ግድን እዩ።
ከም ተጋሩ ኣብዙ ሐዚ እዋን ብዛዕባ ፖለቲካ ንዛረበሉን ንከራኸረሉን ስነልቦናውን ሞራላውን ኩነታት የለን። ሐዚ ከም ተጋሩ ቀንዲ ውራይና ሃለዋትናን ደሕንነትናን ከመይ ነረጋግፅ እዩ። ፖለቲካ ይብዛሕ ይውሓድ ንኩሉ ዘይጠምር ናይ ተመሳሳሊ ርእዮተ ዓለማዊ ኣረኣእያ ጉጅለ [ውድባዊ] ማሕበር ስለዝኾነ። እዚ ማለት ገጢሙና ዘሎ ፈተና ፖለቲካዊ ጥራሕ ስለዘይኮነ ብሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ከም ህዝቢ ገጢሙና ዘሎ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ፈተና ከም ህዝቢ ትግራይ ዘላቒ ሃለዋትናን ድሕንነትናን ነድሕነሉን ነውሕሰሉን ወሳናይ ህዝባዊ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ እዩ። ከም ህዝቢ ህላወና ክነረጋግፅ እንተኾይንና ዕጫና ከዓ ተቓሊስካን ተዓዊትካን መሰስ ምባል ጥራሕ እዩ። እዝቢ ትግራይ እንተዘይተዓዊቱ ንክዕወት ዝዳለወሉ ካልእ ግዘ የብሉን። እዚ ንምግባር ከዓ ኣብመንጎና ብዘይ ፖለቲካ ፈላላይ ኣብ 2013 ዓ/ም ዝገበርናዮን ሎዘበን ንገብሮ ብዘለናን ህዝባዊ ፥ ዲፕሎማሲያውን ወታደራውን ቃልሲ ኣረጋጊፅናን ዝያዳ ከዓ ነረጋግፅን ኣለና። ስለዝኾነ ፖለቲካ ድሕሪ ምውሓስ ሃለዋትናን ደሕንነትናን ክነርክበሉ ኢና። ልዕሊ 60 ዝተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ብሓደ ጠጠው ኣብዝበሉሉ እዋን ተጋሩ ሃለዋትናን ደሕንነትና ንምውሓስ ኣብ ፖለቲካዊ ሕርያ ክንነጥፍ ጋዶ ጥራሕ ዘይኮነስ ገጢሙና ዘሎ ብስባር ሰማይ ዝግለፅ ናይ ምፅናት ሓደጋን ንዚ መኪትና ብሓፈሻዊ ዓወት መሰስ ንምባል ንገብሮ ዘለና ናይ ተሓናነቕ ደማዊ ኲናትን ብዕሊ ዘይምርዳእ ይኸውን። ንዚ ሓቂ ብግብሪ ዝፈልጦ ኩሉ ትግራዋይ ‘ኳ እንተኾነ ኣብ ጫፍ ብልሒ መኸተ ተፋጢጡ ኣብ ዓንቀር ኣፈሙዝን ኣብታ ሓውን ቁሪን ኮይኑ ዝኳሻሕ ዘሎ ሰራዊት ትግራይ ከዓ ይኳሻሕ ኣሎ።
ኣብዙ ተኣፋፊ እዋን እዚ ሰራዊት ብህዝቢ ትግራይ ብዝተመረፀ ውድብ ህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይ ዝመርሖ ማእኸላይ ኮማንድ ትግራይ ዝተሓባበርን ዝእዘዝን እዩ። ብቕዓትን ወታደራዊ ጥበብን ሰራዊት ትግራይ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝተሃነፀ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ 8 ኣዋርሕ ደዃዕዃዕ ስለዘበሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣስታት 60 ዓመታት ናይ ሽፍትነት ፥ ናይ ቅንፀላን ዕንወትን ልምዲ ንዘለዎ ቡኻሪያ ሰራዊት ህግደፍ ‘ውን ረመፅ ኮይኑዎ የሻል እናበሎ ስለ ዝርከብ እዩ። ዕዳ ሻዕብያ ብወታደራዊ ኲናት ዝወራረድ ጥራሕ ዘይኮነስ ግዘ ብዘየገድስ ብፖለቲካውን ብመልከዓ ምድራውን ሕፅቦ ዝእደን ምዃኑ ክስመረሉ ዝግባእ ነጥቢ እዩ። ኤርትራ ትበሃል ግዝኣት ጥልያንን ናይ ሽዋ ኣተሓሳስባ ሽቓቕን ‘ምበር ኤርትራ ትበሃል ዓዲ የላን። ባሕረ ነጋሽ ግና ታሪኻዊ። ግዝኣት ትግራይ-ትግርኛ እዩ ፥ እዚ ንምምላስ ከዓ ሐዚ ጥጡሕ ባይታ ተፈጢሮ ኣሎ።
ህዝቢ ትግራይ ን5 ዓመታት ንክመርሖ ብዝመረፆ ፖለቲካዊ ውድብ ዝምራሕ ሕጋውን ህዝባውን መንግስቲ ዘለዎን ዝወነነን ንቑሕ ህዝቢ እዩ። ኣባላት ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ንዝተውሃቦም ናይ ውክልና ዘመን ሕጋውን ብህዝቢ ትግራይ ዝተኣመነሎምን ምዃኖም ኣብ 4 ቋቒመን 2012 ዓ/ም ብድምፂ ህዝቢ ተረጋጊፁ እዩ። ንዚ ከቢድ ሓላፍነት ዝተሰከሙ ሰበስልጣናት መንግስቲ ትግራይን ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ህወሓትን ምእንተ ስልጣኖም ክብሉ ህዝቢ ትግራይ ‘ብልፅግና’ ንዝተብሃለ ስሑት ፓርቲ ኣሕሊፎም ከይሃቡ ካብ መፈለምትኡ ናብ በረኻታት ትግራይ ወሪዶም ክኳሽሑ ምኽኣሎም ዘመስግናም ፍፃመ እዩ። ዘይ ምዕዳል ኮይኑ ዝበዝሑ ናይ ሐዚ ሰበስልጣናት ህወሓት ምስ ፀገሞም ንዉህሉል ሕመቕ ሰናይ ምምሕዳር ‘ውን እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ።
ስሕተት ባህሊ ኢትዮጵያውያን ክፍኣት ከዓ ገንዘብ ህግደፋውያን ስለዝኑ ገጢሙና ዘሎ ኲናት ኣብ ሃለዋትናን ጉዳያት ፖለቲካ ትግራይን ተጋሩን ጥራሕ ዘድሃበ ዘይኮነስ ኣብ ወታደራዊ ፥ ኣብ ቁጠባውን ኣብ ማሕበራውን ጉዳያትና ‘ውን ዝተፀናወተ እዩ። ክንፈልጦ ዘለና ወድዓዊ ሓቂ ፀላእትና ፖለቲካዊ ስዕረት ስለዝገጠሞም እዩ ስዒቦም ናብ ወታደራውን ቁጠባውን [ማሕበራውን] ኲናት በጠቕ ኢሎም ዘለዉ። ንዚ መርኣያ ከዓ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ስሙር ፖለቲካዊ ቃልሲ ተጋሩን ኣብዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ዝጀመረ ዝተዋደደ ዲፕሎማሲያዊ [ዲያስፖራዊ] ቃልሲ ተጋሩን እዩ። ወታደራዊ ኲናት ንፖለቲካዊ ስዕረት ስዒቡ ብወገን ኣንፃራዊ ድኹም ሓይሊ ዝውላዕ ቃልሲ እዩ። እዚ ማለት ኣብ ውሽጥን ኣብደገን ስሙርን ዕውትን ፖለቲካዊ ቃልሲ ከምዝተገበረን ይግበር ከምዘሎን እዩ። ብፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝምራሕን ዝምእዘዝን ወታደራዊ ቃልሲ ትግራይ ‘ውን እንተኾነ ከምኡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲከኛታትን ወታደራትን ተጋሩ ብምኽንያት መንነቶም ዘስርሕ ባይታ ስኢኖም ክኾኑ ይኽእሉ ፤ ትግራይ ግና ብሕግን ስርዓትን ዝሰርሑላ መረበቶም እያ። ፖለቲካን ወታደራውን ጥምረት ተጋሩ ስለዝተወሃሃደ ከዓ ውፅኢቱ ብተደራራቢ ዓወታት ህዝቢ ትግራይ ይፅምበል ኣሎ። ብዘመን ኣብዪ ኣሕመድ ፖለቲካ ኢትዮጵያውያን ስለዝደስከለ እዩ ወታደራት ኢትዮጵያ ‘ውን ከምኡ ደስኪሎም። እቲ ሓደ ብዘይ ካ እቲ ካልእ ብዘላቕነት ክዕወት ኣይኽእልን። ንሃገራት ማሊ ፥ ኒጀር ፥ ጋምቢያ ፥ ጊኒ ፥ ሶማሊያ ፥ ናይ ሐዚ ኢትዮጵያ…ምዕዛብ ይከኣል። እዚ ክብል ከለኹ መሪሕነት ህወሓት ጌጋታት ኣይነበሮን ንምባል ደልየ ኣይኮነን። ውድብ ህወሓት ናይ ፖለቲካ ውድብ ስለዝኾነ ብዙሓት ጌጋታት ኔሮሞ ፥ ኣለዉዎ ፥ ንሓዋሩ ‘ውን ክህልዉዎ እዮም። ብፍላይ ከዓ ህወሓት ጎብለል ውድባዊ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኑ ይሰርሕ ኣብዝነበረሉ እዋን ፖለቲካዊ ገርህነት [ቅንዕና] ፥ ንዕቐት ፥ ወይ ከዓ ዕንቅፅና ውድብ ህወሓት ንፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ ኣብ ልዕሊ ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝብና ፥ ንብረትና ፥ ጥሪትናን ዓድናን ዘስዐቦ ክሳራ ንመእማኑ ከቢድ እዩ። መሪሕነት ህወሓት ስሕበት ኲናት ፥ ዕንወትን ዕግርግርን ኢትዮጵያ ኣብትግራይ ከይኸውን ዘኽእሉ ወርቃዊ ተደጋጋሚ ፖለቲካዊ ዕድላት ተበሊፁ ብእዋኑ ክጥቀመሎም ኣይከኣለን። እዚ ፀሓይ መሊኣ ምስበረቐት ንካተዐሉ ዋኒን ይኸውን።
ዝኾነ ኮይኑ ንሕና ተጋሩ ከም ህዝቢ ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብዘላቒነት ንምውሓስ ገና ክሳብ 4-ኪሎን ኣስመራ ፓላስን ክንምርሽ ኢና። ምእንቲ ውሕስነት ሃለዋትናን ድሕንነትናን ክልቲኦም ዝደስከሉን ዝጠምበዉን ስርዓታት ካብ ሱሮም ክመሓውን ክቕበሩን ግድንን ግድንን እዩ። ንሰለጤን ሙሉእ ዓወትናን ንህዝባዊ ዓርሰ ውሳነናን ክንብል ንብረታዊ ቃልስና ምስዝድግፉ ብሄራዊ ዕጡቓትን ኣካላትን ኮይንና ንዚ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብወርቃዊ ዓወት ከምንክንብቶ ከዓ ወይከ ዘጠራጥር ጉዳይ ኣይኮነን። ዝኾነ ኮይኑ ኣጋይሽን ሰብ ሙያ ሚዲያታትን ወይ ከዓ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሚዲያታት ብዝቐረብና ቁፅሪ ኣብ ንገብሮም [ኣሰናዲእና ኣብ ነቕርቦም] ቃለመሕተት ወይ ከዓ መደረታት ወይ ከዓ ፅሑፋት ንሓድነት ተጋሩ ናብ ሓደጋ ብዘየቃልዑ ፥ ንፀላእትና ጥጡሕ ባይታ ብዘይፈጥሩን ኣንፃር ፀላእትና ንገብሮ ቃልስና ዘየዘሓሕልን ክኾን ይግባእ። ኩሉ ነገር ብእዋኑ እዩ ጥዑም ፤ ፖለቲካ ‘ውን ከምኡ ስለዝኾነ።
ትግራዋይነት ልዕሊ ዘርኢ ዝያዳ ምውናን ጥንኩርን ምኽንያታውን ስነልቦናን ብሉፅ ኣተሓሳስባን ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ተጋ/ሴኩ ቱሬ ናይዚ መርኣያ እዩ። ፀላእትና ከም ንክነድድ ዝእረ ጥሙር ዕንፀይቲ ካብትይን ካብዝይን ተኣኻኺቦም ንግዚኡ ሓድነት ዝፈጠሩ ክመስሉ ይኾኑ። እቲ ሓቂ ግና ናይቲ ጥምረት መእሰሪ ልሕፂ ‘ምበር ምራን ከምዘይኮነ ክንፈልጥ ይግባእ። ንሕና ተጋሩ ሓደ ኦም ኢና። ንሓደ ኦም ድማ ሓደ ንምግባር መጥመሪ ወይ ከዓ መእሰሪ ኣይከድልዮን። ምኽንያቱ ካብ ቀደሙ ፅኑዕን ጥንኩርን ሓደ ኦም ስለዝኾነ። ትግራዋይነት ከምኡ እዩ። ንሶም ግና ካብ ዓንተቦኡ ካብትይን ካብዝይን እርይራይ ስለዝኾኑ መጥመሪ ‘ውን እንተጠሚሩዎም እዩ። ትግራዋይነት እናላሕለሐን እናተበተኸን ብዝኸይድ ልሕፂ ዘይኮነስ እናሰጠመን እናተወሃሃደን ብዝኸይድ ጥንኩር ስነልቦናን ብሉፅ ኣተሓሳስባን ዝተኣሰረ እዩ። ትግራዋይነት ኣብ ናይባዕሉ ሰረት ‘ምበር ኣብ ኦሮሞነት ኣይሙርኮስን ፥ ኣብ ሲዳማነት ኣይፅጋዕን ፥ ኣብ ቢንዓመርነት ኣይጣበቕን ፥ ኣብ ሶማልነት ኣይሕሽከርን ፥ ኣብካልኦት ኣየተስፍውን። ኮታስ እንትርፊ ኣብ ባዕሉ ፥ ኣብ ብሉፅ ኣተሓሳስባኡን ምኽንያታዊ ልዕልና ስነልቦናኡን ኣብ ሓገዝ ካልኦት ዘይተኣማመንን ዘይሙርኮስን ኩሩዕ መንነት እዩ።
ህዝቢ ትግራይ መን እዩ?
ህዝቢ ትግራይ ከም ብተብተብ ካብዝይን ካብትይን ተጨንዲሑ ብዝተኣከበ ርግሀ ዝተሰርሐ ልጋብ ሚሐ ዘይኮነስ ከም ካብ ሓንቲ እድንቲ ተወጢኑን ብስጡም ግርምቲ ተኣዲኑን ዝተሰፈየ ምልኩዕ ቀለምሲስ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ንምኽንያት ብምኽንያት ዝነብር ሚስጥራዊ በዓል ራእይ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ነዊሕ ዘበናት ብውፃእ ውረድ እናተፈተነ ፥ ንዞም ፈተናታት ክከም ኣመፃፅእኦም ኣብ እዋኑ እናመከተን እናሰዓረን ኣብዚ ዘመን ዝበፀሐን ገና ‘ውን ተርኒዑ ብዘገርም ተኣምር ንቕድሚት ዝቕፅል ጥርኑፍ ፥ ውሁድን ስሩሕን ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ውፅኢት ብርክት ዝበሉን ማእለያ ዘየብሎም መንነታውን ፖለቲካውን ፈተናታት እዩ። ኣብኩሎም ዘመናት ብከበድቲ ውሽጣውን ደጋውን ፈተናታት ተሰንኪቱ እናበሰለ ዝመፀ ስሩሕን በዓል ልምድን [tested, formed & expertized] ህዝቢ ‘ውን እዩ። እዚ ህዝቢ ናይ ሓደ እዋን ፖለቲካ ሰራሕ ህዝቢ ዘይኮነስ ካብቶም ውሑዳት ቀዳሞትን ጥንታውያንን ህዝቢታት ከም ሓደን ቀዳማይን ኮይኑ ብተደጋጋሚ ሓደጋ ዝተደቀኖ ብተደጋጋሚ ቃልሱ ከዓ ሃለዋቱን መንነቱን ዘሐለወ ኣዝዩ ምዕሩይን ብሉፅን ጅግና ሰራሒ ታሪኽ ህዝቢ እዩ። ኣብ ዓለም ዓርሶም ክኢሎም ናይባዕሎም ታሪኽ ዝሰርሑ ህዝቢታት ቀዳሞትን ኣዝዮም ውሑዳትን እዮም። ካብዚኦም ‘ውን እቶም ቀዳሞት ተጋሩ እዮም።
ህዝቢ ትግራይ ፋና ሓርነት ሃገሩን ኢትዮጵያን ጥራሕ ዘይኮነስ ምኽንያትን መርኣያን ሓርነት ፀለምቲ ህዝብታት ኣፍሪቃውያን ‘ውን እዩ። ኣንፃር ወረርቲ ባዕዳውያን ዝተገበሩ ውግኣት [Wars] ልዕሊ 96% ኣብ ትግራይን ብተጋሩን እዩ ክበሃል ከሎ ብኡ ምኢታዊ ከዓ መቓብራት ወረርቲ ባዕዳውያን ኣብ መሬት ትግራይ ይርከቡ። እዚ ንዘስተባህል ሰብ ጅግንነት ህዝቢ ትግራይ ክንደየናይ ምዃኑ መርኣዪ እዩ። ኣብ መሬት ሽዋ ፥ ጎንደርን ድሬዳዋን ወይ ከዓ ኣብ ዝበዝሕ መሬት ኢትዮጵያ ግና ወረርቲ ብፍላይ ከዓ ጥልያን እግሩ ኣሳፊሑ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓት ዝዘርግሐሉ ኩነታት ኢና ካብ ዘሎ ጭቡጥ ታሪኽ ንዕዘብ። እዚ ማለት ኢትዮጵያውያን ንወረርቲ ባዕዳውያን ምቹዋት ምዃኖም የመላኽት። ኤርትራስ ‘ኳ ሽቓቕ ጥልያንን እንግሊዝን እያ።ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ብሕቱ ንፀዓዱን ካልኦት ወረርቲ ሉኣላውነትናን ደጋጊሙ ኣብ ጉራዕ ፥ ጉንደት ፥ ሰሓጢ ፥ ኩፊት ፥ ዓይለት ፥ … የሻል ከብሎም ከሎ ኣብ ጥቓኡ ዝተሰለፉ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኣይነበሩን ጥራሕ ዘይኮነስ እዚ ታሪኽ ልክዕ ከም ዓወት ዓድዋ ክካፈሉዎ ዘኽእሎም ክንዲ ፍረ ሽንፋእ ትኾን ምኽንያት ስለዘየብሎም ክዝከርን ክስነድን ፍፁም ኣይደልዩን ፥ ብዛዕባ ‘ዞም ታሪኻት ዝዛረቡ ሰነዳትን መፃሕፍትን ኣሰሮም ኣብምጥፋእ ከዓ ተፀሚዶም ይርከቡ።
ህዝቢ ትግራይ እምነትን ሃይማኖትን ዝመስረተን ዘለዎን ህዝቢ ኮይኑ ንምድራውን ሰማያውን ሕጊታት ኣብ ሕልንኡ ኣንቢሩን ኣኽቢሩን ብኡ ዝነብር እዩ። ሐዚ ብግብሪ ካብንዕዘቦ ነገራት ተበጊስናን ፀላእትና ኣብልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝፍፅሙዎ ዘለዉ ኲናት ምፅናት ዓሌትን ተበጊስና ካልኦት ኢትዮጵያውያን ሃይማኖት ‘ምበር እምነት ዘየብሎምን ይትረፍ ብእምነቶም ብሃይማኖቶም ዘይነብሩ ኣህዛብ እዮም” እንተበልኩ እዚ ኩነታት ሓሊፉ ኣብ ርጉዕን ሰላማውን ግዘ ዘውቅሰኒን ናብ ሕማቕ ትዕዝብቲ ዘሳጥሐኒን ክኸውን ከምዝኽእል ይፈልጥ እየ። ኮይኑ ግና ኣነ ካብ ኣብ ባይታ ዘሎ ታሪኻዊ ሓቂ ስለዘይዓብን ኢትዮጵያውያን ከዓ ከምቲ ኣነ ኣብዚ ፅሑፍ ዝፀሓፍኩዎ ዘብሎም ታሪኻዊ ጌጋታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ስለዝፈፀሙን ብፅሑፈይ ዘይናሳሕ ብመልእኽተይ ዘይሓፍር ሰብ ምዃነይ ስለዝኣምን እዩ። ምኽንያቱ ታሪኹ ከምዝዛረብ ህዝቢ ትግራይ ንሓቂ ፎትዩን መሪፁን ብምኽንያትን ሓላፍነትን ምስሓቂ ንሓቂ ዝነብር ህዝቢ ስለዝኾነ እዩ። እቲኦም ግና ምስ ሓቂ ተባኢሶም ንሓቂ ፈንፊኖምን ፀሊኦምን ኣንፃር ሓቂ ይነብሩ ፥ ሙሁራቶም ኣንፃር ሓቂ ይፅሕፉ ፥ መራሕቲ ሃይማኖቶም ንሓቂ ተፀይፎም ሓጥያትን ገመንን ይሰብኩ ፥ ሚዲያታቶም ኣንፃር ሓቂ ዝዛረቡ ፥ መጋባእያታቶም ኣንፃር ሓቂ መስኪሮም ዝፈርዱ ፥ ናይ ካልኦት ታሪኽን ስልጣነን ዝዘርፉ ስለዝኾኑ እዩ። ብሓፈሻ ኢትዮጵያውያን ፅልኦም ምስ ሓቂ ስለዝኾነ እዩ ብቢዝረኸቡዎ ኣጋጣሚ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዝበኣሱ። ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ኣብውሳነ ምብፅሑን ፍርዲ ምሃቡን ገምጋማይ እዩ። ብወነኑ ኣብልዕሊ ካልኦት ተሃንዲዱ ኣይፈርድን። እዚ ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣብ ጎደና መቐለ ክዛወር ከሎን ሓደ ትግራዋይ ኣብ ጎደና ጎንደር ክንቀሳቐስ ከሎን ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ናይ ምንቅስቓስ ነፃነት ፈላላይ ብቐሊሉ ምዕዛብ ይከኣል። ኣብ ትግራይ “…ሃገር ማለት ሰብ እዩ…” ዝብል ናይ ነበር ቀዳማይ ሚ/ር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ኣበሃህላ ኣብ ትግራይ ሓቂ ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ግና እዚ ኣበሃህላ ሓቂ ዘይኮነሉ ኩነታት እዩ ኣብ ግብሪ ዘሎ። ብዚ ኣበሃህላ ቀደሙ ‘ውን እንተኾነ ሃገር ማለት ትግራይ ‘ምበር ኢትዮጵያ ቁሸት ‘ውን እንተኾነ ኣይነበረትን ዘብል እዩ።
ብሓፂሩ ትግራዋይነት ኣብ ከይዲ ዘመናት ስሩሕ ማሕበራዊ ውዳበ [Social Integrity] ፥ ስሩሕ ስነልቦና ፥ ስሩሕ ታሪኽ ፥ ስሩሕ ስልጣነን ወናኒ ብሉፅ ኣተሓሳስባን እዩ።
ህዝቢ ትግራይ
ኣብ ዓለም እቲ ብታሪኽ ዝተሰነደ ፈላማይ ዓለምለኸ ዲፕሎማሲያዊ ዑደት ዝገበረ ፖለቲካዊ ስርዓት ዝሃነፀ ህዝቢ ትግራይ እዩ። እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብፃውያን ንክናገፉ ናይ ሽዑ ግዝኣታዊ መሬቱን ባሕሩን ምፍቃድ ሓዊሱ ንዝተፈላለዩ ውፁዓት ህዝቢታት ዓለም ካብ መግዛእትን ባርነትን ባዕዳውያን ሓራ ንክወፁ ታሪኽ ዝሰረሐን ዝመረሐን ህዝቢ እዩ ህዝቢ ትግራይ። ኣብ ዓለም ፈላማይ ፊደል ቀሪፁ ንታሪኹን ስልጣነኡን ብኡ ዝሰነደን ንናይ 2ተ ሃገራት መንግስታውን ቤተክህነታውን ፅሑፍ ኮይኑ ንከገልግል ዝገበረን ፥ ናይ ባዕሉ ግእዛዊ ናይ ዘመን ኣቆፃፅራ ዝፈጠረ ፥ በቢዘመኑ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ምስ ፊደላቶም [ሳባ ፥ ግእዝ ፥ ትግርኛ] ፈጢሩ በቢዘመኑ ዝተመሓደረ ፥ ናይባዕሉ ስርዓት ስነ መንግስትን ቤተክህነትን ዝመስረተን ዘለዎን ፥ ዝለዓለ ወታደራውን ዲፕሎማሲያውን ጥበብ ዝመስረተን ዘለዎን [ንግስተ ሳባ ፥ ንግስተ ህንደቄ ፥ ሃፀይ ካሌብ] ፥ ፈላማይ ጠበብት ስነ ከዋኽብቲን [Astronomy] ስነ ፈለግን ፥ ዝለዓለ ጥበብ ስነምህንድስና [Civil Engineering & Arctacture] ዝወነነ ፥ ኣብ ዓለም ፈላማይ ዓለት ዘቕለጠ ፥ ኣብ ዓለም ፈላማይ ጣፍ ፥ ስርናይ ፥ ስገምን ዳጉሻን ብዕራይ ፀሚዱ ብኣርዑትን ነዊትን ዘምረተን ሱዋ ዝበሃል መስተ ዝፀሞቐን ፥ እንጀራን ሕንበሻን ዝበሃል ምግቢ ዘዳለወን ፥ ንፈለማ እዋን ከም ብዕራይ /ላሕሚ/ ፥ ጠለ – በጊዕ ፥ ኣድገ – በቕሊ ምስ ፈረሰ ኣላሚዱ እንስሳ ዘቤት ዝገበረ ፥ ቀዳማይ ወናኒ ቀይሕ ባሕሪ ፥ መራኽብ ሓይሊ ባሕርን ንግድን ፥ ወናኒ ናይ ወርቅን ብሩርን ሳናቲም ፥ ስርዓት ሃይማኖት መስሪቱ ንካልኦት ዘእመነ ፥ ሜስ ዝበፅበፀ ፥ ጣይታ ፥ ሕምበሻ ፥ ጥሕሎን ሕልበትን ዝሰርሐ ፥ ኣብ ዓለም ፈላማይ መስራቲ እምነትን ሃይማኖት ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ክርስትና ምስ ፍልስፍናኡን ቅዳሴኡን ዝኾነ ፥ ኣብ ዓለም ፈላማይ መሃዚ ጥበብ ዜማን ቅኔን ፥ ፈላማይ መሃዚ ኣሰራርሓ ፀጉሪን [ቁኖ] ጥልፊን ፥ ኣብ ዓለም ፈላማይ መዕቖቢ ስዱዳት ካልኦት ሃገራት [refugee hoster] ፥ ኣብ ዓለም ንሃይማኖት እስልምና ፈላማይ ኣፍልጦ ዝሃበ ፥ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ኣእማን ዘቕለጠ ፥ ኣብ ዓለም ፈላማይ ሞተር ዝሰርሐ ፥ ኣብ ዓለም ፈላማይ ንተኽልታትን ፍረምረን ዘዳቐለ [cloning science] ፥ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ብንፋስ ዝሰርሕ ሞተር /መጥሓን/ ዝሰርሐ ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ግዘ ስርዓት ፌዴራሊዝም ዝመስረተን ፍልልያትካ ኣብ እግሪ ፅላል ብክትዕ ስዒርካ ቅዋም ምሓዝን ዘምሃረ ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ግዘ ዘመናዊ ትምህርቲ ንክተኣታቶ መሰረት ዘንበረ ፥ ኣብ ዓለም ፈላማይ ንፀዓዱ ባዕዳውያን ወረርቲ ደጋጊሙ ዝሰዓረን የሻል ዘበለን ፥ ሕልፊ መስዋእትነት ብምኽፋል ንማዕርነትን ሓርነትን ውፁዓት ብሄራትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ተቓሊሱ ንምእማን ዝኸብድ ግና ጭቡጥ ሓቂ ዝኾነ ቅልጡፍ ቁጠባውን ፖለቲካውን ካፒታል ዝሃነፀ ስርዓት ዝፈጠረ ፥ ንሓርነት ሃገራት ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ሓዊሱ ንካልኦት ሃገራት ‘ውን ፖለቲካውን ወታደራውን እጃም ዘበርከተ ፥ ኣብ ዓለም ፈላማይ ተማጓትን ተሓላቕን ንብረት ኣየርን ሓምለዋይ ልምዓትን እዩ ህዝቢ ትግራይ።
ህዝቢ ትግራይ ዋላ ድሕሪ መፋርቕ መወዳእታ መበል 8ይ ም/ክ/ዘ ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ [2014 ዓ/ም] ብፀላእቲ ኢትዮጵያ [ባዕዳውያን ወረርትን ውሽጣዊ ደመኛታትትን] ኣንፃር ህልውንኡን ደሕንነቱን ብተደጋጋሚ ዝገጥሙዎ ዘለዉ ኣዝዮም ከበድትን ሓደገኛታትን ፈተናታት ካብቶም ካልኦት ኣህዛብ ብዝተፈለየ ኣገባብ ኢትዮጵያ ንትበሃል ሃገር ከም ዋልታን ማእገርን ኮይኑ ብንቕሓትን ምስትውዓልን ቀትርን ለይትን ይሕልዋ ስለዝነበረ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያ ንትበሃል ሃገር ነፃነታን ሉኣላዊ ክብራን ንክሕልው ምስ ግሪኽ ፥ ኣይሁድ ፥ ፖርቱጋል ፥ ቱርኪ ፥ ጥልያን ፥ እንግሊዝ ፥ ፈረንሳ ፥ ግብፂ ፥ ሱዳን ፥ ሶማሊያን ኤርትራን እቲ ዝበዝሕ በይኑ እቲ ዝውሕድ ከዓ ምስ ውሑዳት ካልኦት ብሄራት ሓቢሩ ኣንፃር እተን ዝተጠቐሳ ሃገራት ኲናት ገጢሙ ተዓዊቱ እዩ። እዘን ሃገራት ንህዝቢ ትግራይ ከም ቀንዲ ፀላኢኧን ገይረን ብኲናትን ጥሜትን ክህሰ ዝገብርኦ ዘለዋ ቀንዲ ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ነብሱ ብሉፅ ኢትዮጵያዊ ኮይኑ ብሕልፊ ንኢትዮጵያ ከምዝፈትዋ ብዕሊ ስለዝተገንዘባ እዩ። እዚ ህዝቢ እናሃለወ ከዓ ንሃፍቲ ኢትዮጵያ ከምድሌተን ክቀራመታ ስለዘይኽእላ እዩ።
ታሪኽ ተጋሩ ከም ባሕሪ ሰፊሕን ዓሚዩቕን ከም ሓሸዋ [ሖፃ] ከዓ ብዙሕ እዩ። ይትረፍ ኣብ ከርሰምድሪ ፥ገዳማትን በዓትታትን ትግራይ ኣብሕድሕድ ገዛ ተጋሩ’ውን እንተኾነ ብዘይጥርጥር ዘይተፀነዐን ዘይተሰነደን ሕማቕን ፅቡቕን ታሪኽ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ብዝይን ካብዚ ንላዕልን ብዝኾነ ዘይተነገረን ዘይተሰነደን ታሪኽን መስተንክርን ዝግለፅ ወረጃ ህዝቢ እዩ። ንዚ ወረጃ ህዝቢ ምፅናት ማለት ካብ እንኮ ኣዕምዲ ወይ ከዓ ሰነድ ታሪኻትን ስልጣነታትን ዓለም ንቲ ብሉፅ ምጉዳል ማለት እዩ። እምበኣር ንዚ ህዝቢ ንምፅናት እዩ ፀላእትና ዝኾኑ ኣምሓሩ [ኢትዮጵያውያን] ፥ ቢንዓመር [ስርዓት ህግደፍ] ፥ ሶማልያን ኣዕራብን ግዚያዊ ጥምረት ፈጢሮም ብብረትን ብጥምየትን ንከንበርክኹና ኣብልዕሌና ዝረባረቡን ዝዘምቱን ዘለዉ።
ፀላእትና ንምንታይ ኣብልዕሌና ይረባረቡ ኣለዉ?
ኣምሓራይ ኣብ መንነት ትግራዋይ ዝቦቐለ ናይ መንነት ፥ ታሪኽን ሃይማኖት [ባህልን] ፃህያይ ምዃኑ ብዕሊ ስለዝተረደኧ ፥ ህግደፍ ከዓ መንነትን ክብሪታትን ተጋሩ ንሓዋሩ ንዝብህጋ ካብ ሃዲድ ታሪኻን ስልጣነኣን ዝወፀት ዓረባዊት ወይ ከዓ ዕላ ዘይትፍለጥ ኤርትራ ኣብምፍጣር ከይዲ ከቢድ ስግኣትን ሓደጋን [ዕንቅፋት] ስለዝፈጠረሉ ኩሎም ናይ ክሳራን ጥፍኣትን ሓይልታት ሰይጣናዊ ሕብረት ፈጢሮም ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጢ 3 ለይቲ ከቃብፁዎ ተላዒሎም ፤ እቲ ሓቂ ግና ንባዕሎም ክግልበጦም ጀሚሩ ኣሎ። መቓብሮም ተዃዒቱ እቲ ካብ ምቕባር ዘይድሕን ኣስከሬኖም እነሆ ናብ ግቡእ መኽዘኑ ይሳለ ኣሎ። ምስ ቱርኪምርኪ ዝወገና ሃገራት ኣዕራብ ከዓ ብተደጋጋሚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከሕድርኡ ዝብህጋ ሃይማኖታዊ ፥ ቁጠባውን ወታደራውን ፀቕጢ ዕንቅፋት ዝኾኖም ህዝቢ እንተሃልዩ ትግራዋይ ምዃኑ ስለዝደምደሙ እዩ። ንዚ እዩ እቲ ዓንተቦኡ ማዕተብ ኣልቦ ፥ ስሕተት ከዓ ርኡይ ባህሉ ዝኾነ ኣምሓራይ ብዕሊ ማዕተብ ያ እንተኔሩዎስ ማዕተቡ በቲኹ ዝወግኧና ዘሎ። ሐዚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝተረፈቶ ሃይማኖታዊ ኲናት ምእዋጅ እዩ ፤ ንዚ ከዓ ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ብዕቱብ ክከታተሎን ክዳሎን ይግባእ። ንሕና ከም ተጋሩ ኣብ ሃለዋትናን ደሕንነትናን ምስ እስራኤላውያን ዘመሳስለና ነጥቢ ዘይታኸሱ ፀላእትና ዓቕሚ ብዝረኸቡ ቁፅሪ ኣብልዕሌና ዝጥንስሱዎ ናይ ጥፍኣት ድግስ ኩሉ ግዘ continuous tense ብምዃኑ እዩ።
(ስሩዕ ንጥፈታት ማሕበራዊ ሚዲያ ድሕሪ መላእ ዓወት ህዝቢ ትግራይ ክንራኸብ ኢና)
ሐዚ ‘ውን ዝያዳ ትግራይ ትስዕር !!!
[ተጋ/ወዓካፃ ፥ ካብ ሓራ መሬት ኣምሓራ ፥ 13/01/2014 ዓ/ም]