ህወሓት ትዓሪ ወይ ከኣ ካብ እንግድዓ ትግራይ ትውረድ!
ብተወልደብርሃን ክፍለ (ዶ/ር)
አሰናዳኢ ናይ እዛ ፅሕፍቲ ነበር አባል ህወሓት’የ። ክሳብ እታ ብሕገ-መንግሰታዊ አገባብ አባልነተይ ዝተመንጠልኩላ ዕለት ዓቕሚ ዝፈቐዶን “ሕቐ ዝኣዘዞን” ኩሉ ከምዝፈፀምኩ ይስመዓኒ። ከምቱ ናይቲ ጊዜ አብዛሓ ተጋዳላይ ንውድብና ዝእመን፤ ንመራሕትና ዝአምንን ዘኽብርን፤ ብአመራርሓ ብስለቶም ይሕበን፤ ብድኽመታቶም ድማ ይግደስን ይሓርቕን ነይረ። ሓሪቐ ግን ኮፍ አይበልኩን። ትካላዊ ምስርሕ ካብ ዘፍቅዶ መስመር እውን ወፂአ ብተዘዋዋሪ መንገዲ’ውን እንተኾነ ኣመራርሓ ውድበይ ጠመተ ክገብረሎም ይግባእ ኣብ ዝብሎም ዛዕባታት ተመርኵሰ ብዝርደኣኒ መጠን ፃዕሪ ገይረ፤ ፅሒፈ። ንብዙሓት ዓመታት አመራርሓ ህወሓት ዓርሱ ለዊጡ ትግራይ ክልውጥ ዘኽእሎ ብቕዓት ከምዝተዓጠቐ እምነተይ ነይሩ። ብ1985 ዓ/ም ዝወሰዶ “ኣነ ኣብ ቃልሲ ኮይነ ዝፈፀምኩዎም ድኽመታት እንትኾኑ ንስኻትኩም ግን ካብ ቃልሲ ወፂእኹም ኣብ ዕንክሊልን ሽም ኣመራርሓ ኣብ ምፅላምን ተዋፊርኩም. . .” እንትብል ምስ ስክፍታታተይ ዝተቐበልኩ፤ 1993 ዓ/ም ምግምማዕ አመራርሓ ስዒቡ ዝወፀ ናይ “ተኸፋፊልና” መግለፂ ሰሚዐ ምስ ብፆተይ ሓዘን ተቐሚጠ። ኮታስ ኣብ ህይወተይ ቅድሚ ሃለዋትን ድሕነትን ውድብ ዝሰርዖ ጉዳይ ኣይነበረንን። ናይ’ዚ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ንድሕነት ትግራይን ኢትዮጵያን ዝውስን ብስለትን ተወፋይነትን ዘኻዕበተ ውድብ ከምዝኾነ በምእማን’ዩ። እዙ እምነት እዙይ ግን ከይዱ ኸይዱ ሐዚ ዘብቀዐ ይመስለኒ። ህወሓት ንኢትዮጵያ ኾነ ንትግራይ ከድሕን ዘኽእልዎ ዕድላት ዘምከነ ውድብ ኮይኑ ይስመዓኒ። እዙይ ዝብለሉ ምኽንያታት ሓደ ብሓደ ከቕርብ ኣፍቅዱለይ።
- ህወሓት ብመሰረቱ ኣብ ዓንዲ-ሕቖ ሓረስታይ ትግራይ ዝተመስረተ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምክያድ ስልጣን ዝወነነ ሓይሊ እዩ። ደርባዊ ቃልሲ ከም ወሳኒን ስትራቴጂያዊ መቃለሲን ዝወሰደ፤ ብሔራዊ ሕቶ ከኣ ንግዚኡ ከም መቀላጠፊ ብምጥቃም ብነዊሕ እዋን ግን ቀስ ብቐስ ክቕህም ከምዝቃለስ ብሰነድ ዝተደገፉ ስልጠናታቱ ምስክር’ዮም። ድሕሪ 77 ዓ/ም ከኣ ብኮሚኒስታዊ ኮር ዝምራሕን “ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ስግግር” ብምክያድን ናብ ሶሻሊስታዊ ስርዓት ከምዝውንጨፍ ዓሊሙ ተቓሊሱ። ብኣመራርሓ ስነ-ሓሳብ ማሌሊትን ኮሚኒስት ኮርን ከኣ ናይ ብሓቂ “ዓበይቲ ዝላታት” ኣርእዩን ኣብ ፀላኢ ዘብፀሖ ውቅዒትን ብምሕያል ብሃገራዊ ዓወት ቃልሱ ዛዘመ። ህወሓት ብረታዊ ቃልሱ ብዓወት እንክዛዝም ብኣንፃሩ ኮምዩኒስት ፓርቲ ምብራቕ ኤሮጳ ተስዓረ፤ ሕ/ሶቬት’ውን ተበታተነት። ህወሓት ከምዩኒስት ነበር ሶ/ሕብረት ዴስ-ሃፅያዊት እምበር ዴሳዊት ምዃና እትቕበል እኳ እንተዘይነበረት ክልቴኣዊ ዋልታታት ዓለም ተበሊፃ ዕማማታ ከምተሳልጥ ትገልፅ ነበረት። እቱ አገዳሲ ነጥቢ ግና ነዚ ሓዱሽ ዓለማዊ ተርእዮ ግብረ-መልሲ ህወሓት እንታይ ነይሩ ዝብል እዮ። ምላሽ ህወሓት “ሽም ማሌሊት ዝፀወዐ ፀላኢ ኣደይ ማርያም” ዝብል ጥራይ ኮነ። ሽም ማሌሊት ኣይትፀውዑ፤ ኣንፈት ማሌሊትከ ተኸተሉ። ኤሊታት ኢትዮጵያ ብኣንፃሩ ህወሓት/ኢህወዴግ ሃገር ዘጥፍእ ሓሳብን ጠመንጃን ዝተሓንገጠ ሓይሊ ከምዝኾነን ንዕኡ ካብ ምጥፋእ ወፃእ ሃገር ከምዘይትድሕንን ስለዝኾነ ከኣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዓመፅ ንክልዓል ወግሐ ፀብሐ ምስባኽ ከም ቀንዲ ዕማሞም ወሰዱ። ህወሓት ከም መንግስቲ ዘሕለፎም ውሳነታትን ውፅኢት አፈፃፅማኦምን ነዙ ሓይሊ ዘገድሱ ዛዕባታት ኣይነበሩን። “ህወሓት በቃ ዝተሰርሓትሉ ኣገባብ ግጉይ እዩ። እትምረሓሉ ርእዮት’ውን ዓለም ዝተፍኦ “ወያናይ ዴሞክራሲ” ዝባሃል ሰይጣናዊ ኣታሓሳስባ እዩ። ” ፅቡቕ ሰርሐት ፀየቐት “ክትጠፍእ” ዝግብኣ ውድብ’ያ። ንዓመታት ዝቐፀለ ፖለቲካዊ ሚዛን ኢትዮጵያውያን ብመሰረቱ ብኸምዙይ ዝጠቓለል’ዩ። ከምዙይ ዝዓይነቱ ቃልሲ ኣብ ሃገራዊ ቅቡልነት ዘሎ ፀገም ዘመላኽት’ዩ። ህወሓት ኣብ ትግራይ ዝነበራ ቅቡልነት ኣብ ኢትዮጵያ ኣይነበራን። እዙይ ምዃኑ ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጥ ኣመራርሓ ህወሓት ግን ንቁዋም ኢትዮጵያውያን ዘጋድዱ ውሳነታት ብቐፃልነት ክወስድ ፀንሐ። ዕጥቃዊ ቃልስና ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝተሳለጠ ምዃኑ ረሲዑ ወግሐ ፀብሐ ንኢትዮጵያውያን ዘሕርቑን ክብርታቶም ዝትንክፉን ዘጋቢ/ሰነዳዊ ፊልምታት ብቴሌቪዥን ምዝርጋሕ “ሃናፃይ” ናይ ስብከት መስርሕ ጌሩ ወሰደ። ከምውፅኢት ከኣ ንህዝቢ ትግራይ ዝሓወሰ “መዓልትኹም ተፀበዩ” ዝዓይነቶም ፈኸራታት ምስማዕ ከም ንቡር ተቖፅረ። ኣብ መንጎ ክልላዊ ዓርሰ-ምሕደራን ህንፀት ማእኸላዊ ሃገረ-መንግስቲን ዝነበሩ ተፃብኦታት ክፈትሕ ኣይከኣለን። ወያናይ ዴሞክራሲ ኢትዮጵያውያን ሓሰብቲ ብሕሱም ዝነቕፉዎ ኣምር እንተነበረ’ኳ ብግቡእ ክብራህራህን ሃገራዊ ሕመረት ክሕዝን ኣይተገብረን። እኳደኣስ ወያናይ ዴሞክራሲ እንታይ ከምዝኾነን ከምዘይኮነን ዘይተበረሆም ካድረታት ፈቖዶ ሚድያ እናዋፈረ ሰብ ክደናገር ይግበር ነበረ። ወያናይ ዴሞክራሲ ተደጋጊሙ ከምዝተዘረበሉ ንኢትዮጵያውያን ቀርዩስ ንኣብዛሓ ኣባላት ህወሓት እኳ ግልፂ ኣይነበረን። ብኣንፃሩ ናይ ኩሎም ክፍኣታት ምንጪ እዙ ርእዮት ምዃኑ ብገፊሑ ተሰብከ። ነዚይ ዝምጥን ምላሽ ግን ኣይቀረበን ዝብል እምነት ኣለኒ። በዚ ግብሩ ከኣ ትማሊ ዝተፈጠሩ ውድባት ዘባጭዉሉን ሓሳብ ዝነፀፎን፥ ዝደስከለን አመራርሓ ብዝብል ተናሽዩ፤ ተናዒቑ።
- እቱ ካልኣይ ሽግር ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ቁዋም ዝወለዶ እዩ። ኤርትራ ብዓርሰ-ተበግሶ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝወለዐቶ ኵናትን ዝተዛዘመሉ ኣግባብን ውሕሉልን ምኽኑይን ኣይነበረን። መከላኸሊ ሰራዊት ሃገርና ድሕሪ ሰፊሕ ምድላው ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ኣብራኽ ሰራዊት ኤርትራ ረይረይ እንተብል መጥቃዕቱ ጠጠው ከብል ተኣዚዙ። ሰራዊት ኤርትራ ወይ ክድምሰስ ወይከኣ መንግሰቲ ኤርትራ ተገዲዱ ድልየታት ኢትዮጵያ ከማልእ ኣብ ክንዲ ምግዳድ ዝሰዓረን ዝተስዓረን ሓይሊ ማዕረ ዝገብር ስምምዕ ውዕሊ ኣልጀርስ ተፈሪሙ። መጀመርታ ኤርትራ ኣይትወረናን ዝብል ውድባዊ ቁዋም ኮነ። ግን ከኣ ተወረርና። ቀፂሉ ከኣ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅርና ስለዝኾነት “እተምፅኦ የብላን” ዝብል ዕሙት ትዕቢት ውድባዊ ቁዋም ኮይኑ ቐፀለ። ነዚ ስዒቡ ብህወሓት/ኢህወዴግ ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ፀጥታ ዝምልከቱ ዝተኸተሎም ኣንፈታት ኩሎም ጉጉያት ምንባሮም ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 3 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝወረዱ ግፍዕታት ንላዕሊ ምስክር ምቕራብ ዘድልዮ ኣይኮነን። እዚ ካልኣይ ውድቀት ኣመራርሓ እቲ ውድብ’ዩ።
- ጀርመናውያን “ናብ ግብራዊ ሓይሊ ዘይተቐየረ ሓሳብ ትርጉም የብሉን” ይብሉ። ሰናይ ምምሕዳር ካብቶም ቀንዲ ዕማማት እዙ ውድብ ሓደ እዩ። እንተኾነ ግና ህዝቢ ትግራይ ዓይኒ ፈትሊ ሰናይ ምምሕዳር ጠፊኡዎ ንዓመታት ሰንሰን ኢሉ። ትካላትን ትካላዊ መስርሓትን ካብ ጊዘ ናብ ጊዘ እናተጠናኸሩ ኣብ ክንዲ ምኻድ ብውድባዊ ልጓማት ክሽበቡ ተጌሮም። መንግስታዊ ስልጣንን ዕድላት ስራሕትን ብፖለቲካዊን ዓሌታዊን ኔትዎርካት ይሳለጡ። “ኢዶእ!” ንዝብሉ ስኩፋት ውሕስነት ናብርኦም ዝምንጥል፤ ፍትሒ ሓቲታ ተቓውሞ ንዘስመዐት ኣዶ ሰለስተ ቆልዑት ንዝኾነት ኣደ “ሕገ-መንግስታዊ ብዘይኮነ መንገዲ መንግስቲ ክትግልብጥ ፈቲና” ብምባል ዝኣስርን ዝፈትሕን ኣመራርሓ ኣጥሪያ ትግራይ። ምንባብ ንዘይኽእሉ ኣባላታ ኣገዲዳ ጋዜጣ ክገዝኡ ተግብር። ንሓረስቶት ኣገዲዳ ዘመናዊ ድኹዒ ተዕድግ። ናይ ሓሶት ፀብፃባት እናቃመመት ኢትዮጵያውያን ንትግራይ ዝነበሮም ሓውላል ኣረኣእያ ተጠናኽር። አመራርሓኣ ድማ በብእዋኑ እናትኣከበ “ሓሚቐ፥ በስቢሰ፥ ሰንኪለ፥ ስትራተጂያዊ ኣመራርሓ ክህብ ኣይከኣልኩን” ይብለና። ሎሚስ ማጨለት ተሓፂቦም’ዮም ኢልና እንትነተስፍው ሰሙን ከይመልኦ ናብታ ምሒሉ ጥሒሉ ዝኾነና ግብሩ ይምለስ። ክጥዒ ስለዘይግብኦን ስለዘይኽእልን’ዶ ይመስለኩም? ፈፂሙ ኣይኮነን። ኩሎም ኣሰራርሓታት መንግስቲ ካብ ውድብ ክፍልፍሉ ስለዝገበሮም እዩ እቱ ፀገም። ሰብ መዚ ትግራይ ዝሽየሙ ብር/ምምሕዳርን ክልላዊ ቤት ምኽሪን ምዃኑ ቀርዩ ብቤ/ፅሕፈት ህወሓት ስለ ዝዕመም እዩ። ናብ ቤ/ምኽሪ ዝቐርቡ ኔትዎርክ ቤ/ፅሕፈት ህወሓት መዲቡ ምስወደአ ጥራይ እዩ። ብዚ ገባሪን ሓዳግን ዝኾነ ቤ/ፅሕፈት ዝመርሕ ሰብ ልዕሊ ር/ምምሕዳር ተሰማዕነት ኣለዎ። ኩሎም ካድረታት ንዕኡ ይምእዘዙ። ሓሓሊፉ ዘይምእዙዛት እንተጋጥሙ ከኣ ስልጣኖም ይስእኑ። ናብርኦም ይበላሾ። ብ1993 ዓ/ም ነፍስሔር መለስ ምስ ወሰንቲ ኣባላት ማ/ኮሚቴ ዝነበሮ ኣፈላላይ ጉባኤ ምክያድ ገዲፉ እቱ ዛዕባ ብቐጥታ ናብ ካድረታት ብምውራድ ክፍታሕ ጌሩዎ። እዙይ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ መለስ ምስዝነበሮ ብቕዓት ተደሚሩ ቤ/ፅሕፈት ህወሓት ኣብ ኢድ ቁፅፅሩ ስለዝነበረ እዩ። በዚ አገባብ ዝተኣከቡ ካድረታት ከኣ እቶም “ኣንጃ” ኣኼባ ረጊፆም እንትወፁ “ስነ-ስርዓት፤ ብዝባን ስውኣት” እንዳበለ እንተዳራህዎም ንሳቶም ከኣ ጨኪኖም ምስወፁን ካብኡ ንላዕሊ “ድፍረት ክፍፅሙ ስለዘይኽእሉን” ንዴት ተሓዊሱዎን ጌጌኛታት ምዃኖም ደምዲሙ። ካብኡ ንዳሓር ጉባኤ ምክያድ ኣዝዩ ቀሊል ኮይኑ ተረኽበ። እቱ “ኣንጃ” ዝተብሃለ ጉጅለ ከኣ ንመለስ ከብሽቕ ክብል ዓጃቢ ወድዓውያን ፀላእቲ ትግራይ ክኸውን ጊዜ ኣይወሰደሉን። ሕማም ፖለቲካ መራሕቲ ህወሓት እምበኣር ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ተዋስኦታት ዝተዓጀበ እዩ።
- ብ2010 ዓ/ም ን35 መዓልታት ተኣኪቦም ፀገማት እዛ ሃገር ብኣውርኡ ካብኣቶም ከም ዝፍልፍል ዝደምደመ መርገፂ ወሰዱ። እቶም “መሓዙት” ዝብልዋቶም ከኣ እዚኣ ትቕብል ኣቢሎም “ህወሓት’ኮ ፖለቲካዊ ውድብ እምበር መገበርያ ዝውፈየላ ቤተ-አምልኾ ኣይኮነትን” በሉ። ኦህዴድን ብአዴንን ኦሮማራ ዝብል ልፍንቲ ፈጢሮም ንህወሓት ክስዕሩ ቃልሶም እንተሐይሉ እዞም ሃማማት ከኣ ሓደ ስሕዊ ኣባል ውድብ ደቡብ ከምርፁ ላሕ ይብሉ። “አናፍራ ቆቛሕያ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን” ከምዝባሃል በቲ ጊዜ ዝነበሩ ህዝባዊ ተቓውሞታት ብኣካላት መንግስቲ ዝምርሑን ዝምወሉን ምዃኖም እናተፈልጠ ናብ ማይ ከምዝኣተወት ኣንጭዋ ሕልምልም ካብ ምባል ሓሊፎም ዝገበሩዎ ነገር ኣይነበረን። ህልውና ህዝቢ ትግራይ ከኣ ብኡ መጠን ኣብ ሓደጋ ኣተወ። ናብ ኢትዮጵያ ገፆም ዘይሮም ንኸይሸኑ ዓኾር ደብርዮም ንመቐለ ኣምርሑ። ኢህወዴግ ህልውንኡ ኣብቂዑ ብሓዱሽ ሃገራዊ ፓርቲ ንሶም ብዘይተረኸቡሉ እንትትካእ ንማእኸላይ መንግስቲ ዘብሽቑ ጉባኤታት ኣብ መቐለ ምክያድ ጀመሩ። መንግስቲ ዛ’ሃገር ብልክዕ ይኹን ብጌጋ “መረፃ ኣየካይድን” እንትብል ከኣ ከም ጥዑያትን ምስ ዴሞክራሲ ከምዝቖረቡን “የለን! መረፃ ሐዚ” ክብሉ ተወራዘዩ። ትግራይ ኣብ ማእኸላይ መንግስቲ ዝነበራ ቦታ ሰኣነት። በጀት ዓመታዊ ብፅሒታ ተነፍገት። ዳሕራይ ብልሳናቶም ከምዝገለፁዎ ከኣ 11 ሽሕ ዘይመልእ ምልሻ ሒዞም እንተብቅዑ “እዛ እምባይ መን ይወርሳ ክብሉ” ፈኸራ ከስምዑና ጀመሩ። እንታይ ሒዞም ይፍክሩ ነይሮም? ዕሽነቶምን ድንቁርንኦምን ጥራይ። “ሀ” እንተተብሃለ ድማ “ሻዕቢያ ዝዋጋእ ኣይመሰለናን” ፤ “ድሮናት ኢመራት ዐረብ ዝሳተፋ ኣይመሰለናን”፤ “ዐቢይ ጨኪኑ ዝዋጋእ ኣይመሰለናን”። እዚኣቶም እዮም ኣመተታት ኣመራርሓ ህወሓት። ኣመራርሓ ኣብ ቁፅፅሩ ብዘየለው ረቛሒታት ውሳነታት ከሕልፍ ከምዘይብሉ ዝስቆሮም ኣይኮኑን። መረፃ ክትገብሩ፥ ወከልቲ ብሔር ብሔረሰባት ኢና ምስ ዝብሉ ድርባያት ጉባኤታት ክተካይዱ ይካኣል። ዐቢይ እንመን ዘራያት ሒዙ ከምዝዋገኣኩም ግን ዝውስን ዐቢይ ባዕሉ ጥራይ ኢዩ። እዙይ ዘይምፍላጥኩም ዝሓለፉ ስዉኣትናን ስንኩላትናን ከይኣኽሉና ብዓሰርተታት ኣሽሓት ተወሳኺ መስዋእቲን ስንክልናን ከምኡ’ውን ሓደ ሚልዮን ዝተገመተ ሰላማዊ ህዝብን ቀለብ ጠያይቲ ክኾን ተፈሪዱሉ። ክብርታት ኣማኢቲ ኣሽሓት አደታትን ኣሓትን ተደፊሩ። ሃፍትን ጥሪትን ሐረስታይን ከተመታይን ትግራይ ተዘሪፉን ዓንዩን። ሕዚ ትግራይ ብኢኮኖሚ ይኹን ብፖለቲካ ልዕሊ 50 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሳ’ላ። እንተ ቑስላን በሰላኣን ግና ናይ ሎሚ አስታት 200 ዓመታት ምስ ዝወረዳ ሰብኣዊን ንያታዊን ዕንወት ዝመዛዘን እዩ። ናይ’ዙ ኹሉ ፀገም መበገሲ አመራርሓ ናይ’ዚ ውድብ ጥራይ እዩ ንምባል አይኮነን። ይኹን እምበር ብናተይ ገምጋም ንናይ ትግራይ ህልውና ሓደጋ ዝኾኑ ፀገማት መመንጨዊኦም ማ/ኮሚቴ ህወሓት’ዩ።
- ኣብ 1985 ዓ/ም ዝጀመሮ ሕማም ብ1993 ዓ/ም ደጊሱን ብኢሱን ቀፂሉ። ብ2010 ዓ/ም ከኣ ን35 መዓልታት ተኣኪቡ “መኺረን ዘትየን” ኢሉ እንተብቅዕ ናይ ኢትዮጵያ ኩለመዳያዊ ፀገማት ብወሳናይነቱ መበገሲኡ ንሱ ምዃኑ ኣሚኑ መንኮቡ ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ፀውራ እንትሽከም መሓዙተይ ንዝብሎም ናይ ደሓር ፀላእቱ ድማ ንመውቅዒኡ በትሪ ቆሪፁን አሰናዲዩን ሃቦም። ኣብዘን 35 መዓልትታት ግን እንታይ እንታይ ዘትዩ? እንታይከ ናይ አተሓሳስባን አካይዳን ለውጢ አምፂኡ? ምንም። ወሰንቲ መንግስታዊ ትካላት ብዝቆፃፀሩ አባላቱ ዝረኽቦም መረዳእታታት ኣብ ኢዱ እናሃለው ከይተጠቐመሎም ተሪፉ። ካልኦት ንኸመስግንዎ ክብል ህዝቢ ትግራይ በዚ ዝረኣናዮ መጠን አደዳ በትሪ ቅዩማት ክኸውን ጌሩዎ። ናይ ሎሚ ትግራይ ካብ ኢድ ቁፅፅራ ዝወፁ መዓት ፀገማት አለዉዋ። ካብቶ ኩሎም ፀገማታ ንላዕሊ ፀገም ኮይኑዋ ዘሎ ግን አመራርሓ ህወሓት ምዃኑ ክስመረሉ ዝግባእ ዛዕባ እዩ። ሓደ መልክዕ ናይ’ዚ ፀገም እቶም ሕማቓት ግብርታቱ እንትኾኑ እቲ ካልእ መልክዓቱ ግን ለባማት ዝወሓዱዎ ውድብ ምዃኑ እዩ። ልቢ ዝወሓዶ ውድብ እንታይ ይገብር?
- ንስራሕ ምግምጋም ገዲፉስ ገምጋም ከም ስርሑ ይቖፅር። ስለዝኾነውን 60፤ 35 መዓልትታት ዝወስዱ አኼባታት ጌረ ምባል ኣየሕፍሮን። ካብ ዓመታዊ ትልሙ 2 ኣዋርሕ ሙሉእ ካብ ስራሕ ወፃእ ኮይኑ ንቶም ዝተረፉ 10 አዋርሕ ክስርሑ ንዝተወጠኑ ትልምታት ዘበላሽው ቅርሕንቲታት አደንፊዑ ይብተን።
- ልሂቓን ኢትዮጵያ ንትግራይ ዝነበሮም ሪኢቶን ቅዋምን ረሲዑ “ክልለይ ከማሓድር” ብዝብል ስንኩል ሓሳብ ንመቐለ ይኸትት። መድሕን ህዝቢ ክኾን ዝግበኦ ዝነበረ አመራርሓ ንድሕንነቱ ዝሻቐል ኮይኑ ተረኽበ። ንዕኡ ንምድሓን ሓደ ሚልዮን ህዝቢ መገበሪያ ተኸፍለ። በዚ ረዚን ዋጋ ህይወቱ ዘድሓነ አመራርሓ አንፃራዊ ሰላም እንትርከብ ከኣ ናብታ ቅውምቲ ኣመሉ ክምለስ ጊዘ አይወሰደሉን።
- ሰላምን ፍትሕን ናብ ሓደ አንፈት ከምዝምርሹ ብምሕሳብ ንነብሱ የታልል። ሐዚ ቀንዲ ዋኒን ትግራይ ፍትሒ ዲዩ ወይስ ሰላም? ወይስ ክልቴኦም? ድሕሪ ከምዙይ ዝበለ መሪር ኵናት ብኸምዙይ ዓይነት አገባብ ናብ ሰላም ዝተመልሱ ዓድታት ተሓታትነትን ምርግጋፅ ሰላምን ጎኒ ንጎኒ ሓቢሮም ዝኸድሉ ተሞክሮ ዝቐርብ መረዳእታ የልቦን (እንተሃልዩ ንኽመሃር ድልው እየ)። ገበን ኵናት ምፅናት ዘርእን ጄኖሳይድን ፍፁም ሰዓራይ ኣብዘይኮንካሉ ኩነታት ሞጊትካ እትረትዓሉ ዕድል ፀቢብ እዩ። ምኽንያቱ እቱ ሰላም ከምፅእ ተተስፍወሉ ዘለኻ ሓይሊ ንሱ ዝሕተተሉ ናይ ፍትሒ መስርሕ ካብ ዝቕበል ዳግም ኵናት ምውላዕ ሕርይኡ ክኸውን ስለዝኽእል። ናይዙ ስምምዕ መስከርቲን ፅዕንቶ ፈጠርቲን ሀገራት’ውን ከምዙይ ዝዓይነቱ ፍረጃ ተጋህ ኢሎም ዝኣትዉዎ ኣይኮነን። ብሓደ ገፅ አመራርሓ ህወሓት ካብ ዕሽነቱ ዝብገሱ ድርቅናታት ስለዘለዉዎ አይኣምንዎን። ብኻልእ ገፅ ከኣ አገዳሲ ስትራተጂካዊ ረብሓ ዘለዋ ሃገር ዝመርሕ መንግስቲ በቶም ዝተጠቐሱ ገበናት ኮኒኖም ምስኡ ሓቢሮም ክሰርሑ ስለዘይኽእሉ። ስለዝኾነ ከኣ ምንጋስ ፍትሕን ተሓታትነት ገበንን ንናይ ሓፂር እዋን ትልምኻ ዋና መቃለሲ አጀንዳ ምግባር መበገሲኡ ዕሽነት እዩ። እቱ ጉዳይ ተረሲዑ ከይተርፍ ግን ዘይቀጥታዊ መስርሓት ምትእትታው ክግበር ይካኣል።
- ዓሻ ንነብሱ ዘለኣለማዊ ጌሩ ይቖፅር። “ይትረፈኒ። ሰብከ እንታይ ይብለኒ?” ዝብሉ ሰኸፈታት አይስቆርዎን። እዞም ሰባት ዕድመኦም ክንደይ ይኸውን? ቁፅሮም ዘይናዓቕ ብፍላይ ከኣ አናእሽቱ ፀገማት ክተሓላለኹ ዝገብሩ ዘለዉ መራሕቲ ዕድሚኦም ልዕሊ 60 ዓመት እዮም። ክሳብ ሐዚ ንዝፈፀሙዎም ጌጋታት ብስኽታ ንዝሓለፎም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክንዲ ብትሕትና ይቕረታ ምሕታት ይቆናፀብሉን ብድሕንነቱን ህይወቱን ይጣልዑ አለው። “ዓሻስያ ገበጣኡ ክሳብ ዝውድእ ይፃወት” ዲዩ ዝበሃል? ዓያሹ ስለዝኾኑ ገበጣኦም ክሳብ ዝውድኡ ይፃወቱ አለዉ።
- ሚኒሊክ መሳፍንቲ ትግራይ ንሰንሳቶም ተዋጊኦም ክዳኸሙን እንተተሳኺዑ ከኣ ክቕህሙን ዝከኣሎ ጌሩ። እኒ ራእሲ አሉላ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ተንኮል ሸዋ ብዘይምርዳእ ወይ ከኣ ሸለል ብምባል ንትግራይ ንኣማኢቲ ዓመታት ናብ ድከት ናብ ዘእተዉ መፈንጠራት አትዮም። ለባም ካብ ናይ ካልኦት ድኽመታት እንትመሃር ዓያሹና ከኣ ካብ ሕሉፍ ታሪኾምን ድኽመቶምን ክመሃሩ ድሉዋት አይመስሉን። እዞም ፀገማት እዚኦም ዘይእምትን ንፍታሕ ከኣ ካብ ልቢ ዘይሰርሕን አመራርሓ እንታይ አመራርሓ ይባሃል? እድራት’ኳ ነቒሐን “ልምዓታዊያን” ኮይነንስ አመራርሓ ውድብ ብዝገርም ስንክልና ክባላሾ ምርኣይ መስደመሚ ኢዩ።
- ዓሻ እንተሃለኸስ ዝሓሰበ ይመስሎ። አመራርሓ እዙ ውድብ ዘደንቕ ናይ ዘይምኽኣል ክእለት አለዎ። ሓደ ዓሻ ወዲ ሓፍቲ ዘዕበዩ ሰብኣይ ነይሮም ይባሃል። ካብዕሽነቱ ዝብገስ ብዓብይኡ ናይ ምኹላስ ልምዲ ዝነበሮውን’ዩ። ኣኮ ወዲያቱ ንቡር ከፈትኑ ንመርዓ እንትዳሎ ምኽሪን ማዕዳን ምሃቦም አይተረፈን። ከምዙይ ኢሎምውን መዓዱዎ ይባሃል። “ወዲ ሓፍቲ ኣብ ቅድሚ ዓዲ ጎተትና ከይንዋረድ ነንእሽቶይ ኩላሶ ጌርካ ክትበልዕ አሎካ” ይብሉዎ። እዚኣ ኣብ ልቡ ዝዓቖረ ዓሻ መርዓ ኮይኑስ ንዓዲሕምኡ ብወራድ መርዓ ተኸቢቡ ወፈረ። ኣብ ለምለም ዳስ ከኣ ብላዕ ስተ ኮነ። ዓሻ ወዲ ሓፍቲ ናብ ኣኮኡ እናመልከተ “ኣኮ ከክንዲዚኣ እናገበርኩ ዲየ ክኹልስ” በለ’ሞ ካልኦት እንትስሕቑ ንሶም ግን ዘረብኡ ምንጥል አቢሎም “ኣየ ወዲ ሓፍተይ ወትሩ ቀያዒ ንሎሚኳስ ኣይትሓድጎን’ዶ!” ብምባል ነገር አጠፋፍኡ ይባሃል። ህዝቢ ትግራይ ጓሳአን ከምዝሰኣና ጥሪት ፍቖዶኡ ፋሕፋሕ ኢሉ ናብራ ሓሲሙዎን ሰማዒ ስኢኑ እንትማስንን ንሳቶም ከኣ “ውድብና ስትራቴጂያዊ አመራርሓ ስኢና” ክብሉ የባጭዉ። እንድሕር ስትራተጂያዊ አመራርሓ ዘይትህቡ ኮይንኩም ዘይትሓድጉዎ? ኣየናይ ጉዳይ ኢዩኸ ተሓላሊኹ ምርዳእ ኣብዩኩምስ ንስትራቴጂያዊ ስሕተት ዘብቀዓኩም ዘሎ? ንዓኹም ናይ አመራርሓ ክእለት ዘይኮነስ ንህዝቢ ትግራይ ዝርህርህን ዝሓዝንን ልቢ እዩ ዘድልየኩም። ሓሲብና ኢልኩምስ ብዛዕባ ዓበይቲ ነገራት አይተውርዩ። ህዝቢ ትግራይ በዚ መጠን ንዒቑኩም’ዩ። ምስሓቕ ጓህማማትን ጓኖትን ኮይንኩም ከምዘለኹም ክትስሕትዎ ዝግባእ ኣይኮነን።
- ህዝቢ ትግራይ ዝወረደካ ግፍዕን በደልን ቃላት ክገልፅዎ ዓቕሚ የብሎምን። ነዚ ኩሉ በደል ዘወፈየካ እዙ ድኹም አመራርሓ እዙይ ምዃኑ ኣንዳዕዲዕኻ ትፈልጥ ኢኻ። ንዓኻ “ዝወግሖ ዝብኢ” ኣቢሎም ንበላዕቲ ዝሃቡኻ እዚኣቶም እዮም። ካብ ኣርባዓ ዘይበልፅ ቁፅሪ ዘለዎምን ሓሳብ ዝነፀፎምን መራሕቲ ንዓኻ ብምንዓቖም ይፃወቱልካ ኣለዉ። እንጡፍ በሎም። ካብዙይ ንላዕሊ እንታይ ክመፀካ ኮይኑ! ዓድኻን ንብረትካን ህይወትካን ካብ ሰኣንካ እንታይ ዝተረፈካ ነገር አሎ? ንዓኻ መላምል ደቅኻ ምውፋይ ቀሊል ንሶም ስልጣኖም ይትረፈና ምባል ግና ካብ ሞት ዝኸብደሉ ምኽንያት ምፍላጥ ቀሊል’ዩ። ብዛዕባኻ ኣይንታዮምን። ኣብ ሃገር ሙሉእ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ትግራዋይ ዝወረደ ሓሳረ-መከራ ኣይንታዮምን። ዝግደሱሉ ዛዕባ እንተሃልዩ እተን ዝተቐመጡወን ናይ ስልጣን ወናብር ንምፅናዕ ጥራይ እዩ። ኮይኑ ግና ንስኻ እንተዘይሃሊኻ ስልጣን እውን የለን። መን ሒዞም ክስልጥኑ? እዙ ፀገም ብኣልማሚት ብምውቃስ ጥራይ ነገራት ክዕርዩ ኣይኽእሉን። ህወሓት ንኽትበላሾ ኩሎም ኣባላት ማ/ኮሚቴ ማዕረ ብፅሒት ክወስዱ ዘይባህሪያዊ እዩ። እዛ ውድብ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ዘለዉ አመራርሓታት ፈሊኻ ክትፈልጦም ይግባእ። ብዝረኸብኩዎም መረዳእታታት ተደሪኸ ኣብ ዝተወሰኑን ዓብላላይን ተራ ዝፃወቱን ኣባላት ኣመራርሓ ዝብሎ ኣለኒ።
- ኣለም ገብረዋህድ ብልሒ ጫፍ ሕመቕ ኣመራርሓ ህወሓት
ኣለም የዐርዮም ካብ ዘገርሙለይ ኣባላት ኣመራርሓ ህወሓት እቱ ቀንዲ እዮ። እዛ ሰታሪት ክሳብ ዝፀሓፍኩላ ዕለት ብዛዕብኡ ፅቡቕ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ብርሃነ ፅጋብ ኣብ ዝፀሓፎ መፅሓፍ(የኢህኣዴግ የቁልቁለት ጉዞ?) ዝቐረበ ምስሊ ሰይጣናዊ ኮይኑ ይስመዓኒ። ሓሙሽተ ፎቓት ከምዝውንን ንዝቐረበሉ ነቐፌታን ዝሃቦ ምላሽን ክሳብ ሐዚ መገረሚ ኮይኑ እረኽቦ። ነቲ ዝተነቐፈሉ ዛዕባ እንትምልስ እቲ ሓደ ብሰበይቱ ከምዝውነን፥ እቱ ካልኣይ ከምዝተሸጠ፥ እቱ ሳልሳይ ድማ መንበሪኡ ከምዝኾነን ክንድቱ ዝተጠቐሰ ቁፅሪ ግና ከምዘይብሉን ዝቐረበሉ ነቐፌታ ፀለመ ምዃኑ የብራህርህ። ናይ ትግራይ ፖለቲካ ብመሰረቱ ዝዝወር ከኣ ብናይ ኣለም ኔትዎርክ ከምዝኾነ ይዝረበሉ። ብናይ ኣለም ኣታሓሳስባን ግብርን እትምራሕ ትግራይ ቁውም ነገር ክትሰርሕ ምፅባይ ዕሽነት ይመስለኒ። ብኻልእ አገላልፃ አለም ገ/ዋህድ ልዕልነቱ ዘረጋግፀላ ህወሓት ከምዝፈረሰት ትቑፀር። ንዓይ ሕቶ ኮይኑኒ ዘሎ ከኣ ካብቱ ማ/ኮሚቴ ቀፂሉ ዘርከብ ካድረ ህወሓት ኣለም ዝበሎ ሰሚዑ ኢዱ ዘውፅእ ምዃኑ እዩ። ናይዙ ሰብ ሽርሒ በቐፀልነት ኣብ ትግራይ ዘብፀሖ ጉድኣት ክብርሆ ኣይከኣለን። ህዝብን ኤሊታትን ትግራይ ርኡይ ቃልሲ ክገብሩ ዝግባእ ጊዜ ሐዚ ይመስለኒ። ኣለምን ብእኡ ዝእለም ኔትዎረኩን እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ? ኩሉ ከምንፈልጦ ኣመራርሓ ህወሓት ካብ 50-60 ንዝፅግዑ መዓልታት ኣብ ኣኼባ ፀኒሑ ኢዩ። ኣለውና ዝብልዋቶም ድኽመታት ከብስሉ ድሕሪ ምፅናሕ “ዓርስና ነፅሪ” ብምባል ናብ ነቐፌታን ዓርሰ ነቐፌታን ክእቶ ኣብ ስምምዕ ይበፅሑ። ብስምምዖም መሰረት ከኣ ብኣቦ መንበር እታ ውድብ ብደብሪፅ ክጅመር ሓሳብ ይቐርብ። ደብሪፅ ብወገኑ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ መሰረት ዝግብኣኒ ቅፅዓት ስለዝተውሃበኒ ዳግም ዝገብሮ ዓርሰ-ነቐፌታ የብለይን ይብል። ማ/ኮ ህወሓት መራሒ ግዜያዊ መንግስቲ ትግራይ ክመርሕ እንትውክሎ ዐቢይ ከኣ ኣይቅበልን ብምባሉ ዘበገሶ ሓሳብ እዩ። ይኹን እምበር ደብሪፅ ር/ምምሕዳር ግ.ም.ት ዘይተገብረሉ ብናይ ዐቢይ ውሳነ ‘ምበር በቕፅዓት መልክዕ ዝተወሰነ ከምዘይኮነ ይንገሮ። ዓርሰ ነቐፌታውን ይገብር። ብዘርኣዮም ድኽመታት ድማ ካብ ኣቦ መንበር ወሪዱ ብወዲ ረዳ ይትካእ። ቐፃላይ ዕድል ዝወሰደት ሞንጀሪኖ እንትትከውን ንሳ’ውን ዕምራ ኣልዒላ ካብ ሓላፍነታ ክትወርድ ዘኽእሉ ምልክታት ገምጋምን ርኢቶን እንትቐርቡ አዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ኢድ ብምእታው ተቓውሞ የስምዑ። ናይ ተቓውሞኦም ጭብጢ ከኣ “ነባር ኣመራርሓ ክነወግድ ኣይኮናን ዝተቓለስናን መስዋእትነት ዝኸፈልናን። ከምዙይ እንተኾይኑ የለናሉን” ዝዓይነቱ መፈራርሒ ሓሳብ የቕርቡ። ደብሪፅ’ውን ብናታቶም ሓሳብ ተበረታቲዑ ናብ “ሓቆም እዮም” ቁዋሙ ይምለስ። እቱ ካልእ ወገን ድማ “ነባርን ሓዱሽን” ዝባሃል አፈላላይ ከምዘየሎን ክዝረብ እንተኾይኑ ዓሌታውነትን መውስቦን ዘጣመሮም ዝምድናታትን እሉማት ኔትዎርክን ሽግር ይፈጥሩ ከምዘለዉ ይሙግት። “ቅናት ኣደይ ኣሐንኮለኒ” ብዝዓይነቱ ፍሹል ምኽንያት እቱ ኣኼባ ብዘይ ውፅኢት ይብተን። ነዚ ስዒቡ ዓበይቲ ዓድን፥ መራሕቲ ሃይማኖትን ተጓይዮም “ዕርቂ” ከውርዱ ይልምኑዎም። ከምውፅኢት ከኣ ደብሪፅ ናብ ኣቦ መንበርነቱ ክምለስ ውዲ ረዳ ምክትል ክኸውን ኣለም ገ/ዋህድን ጌታቸው አሰፋን ከኣ ካብ ፈፃሚት ስራሕ ክወርዱ፥ ቤ/ፅሕፈት ህወሓት ከኣ ብሞንጆሪኖ ክምራሕ “ተስማሚዖም”። እንተዘይተጋጊየ ኣብ ታሪኽ ህወሓት በሽምግልና ክፍታሕ ዝተፈተነ ናይ መጀመሪያ ሽግር ይመስለኒ። ሕመቕ መራሕቲ ህወሓት ደረት ኣልቦ ምዃኑ’ውን ከም መርኣያ ክውሰድ ይካኣል። ድሕሪ’ዙይ ኣኼባ ካድረታት ይፅዋዕ። እኒ ኣለምን ኔትዎርኩን ከኣ “መን እንታይ በለ” ከፀናፅኑ ቀነዩ። ድሕሪ ምብታን እቱ ኣኼባውን መን እንታይ ክብልን ክገብርን ከምዘለዎ ተኣሊሙ ይውዳእ። ማ/ኮሚቴ’ውን ዳግማይ ተኣኪቡ ናብ ናይ ብብርኪ ካድረ ዝግበር ዋዕላ ኣብ ዝቐርብ ሰነድ ይመያየጥ። እቱ ሰነድ ከኣ ኣብ “ምጥጣዕ ፅግዕተኛ ገዛኢ ደርቢ” ክኸውን ሓሳብ ቀረበ። እንተኾነ ግን ኣብዛሓ ማ/ኮሜቴ ስለዘይተቐበሎ ናብቱ እኒ ኣለም ዝጋልቡዎ ካድረ ክቐርብ ተጌሩ። ናይ ካድረታት ኣኼባ ቅድሚ ምፅውዑ ግን “ኢኮኖሚያዊ ፀገማት” ዝፈትሑ ስጉምትታት ተወሲዶም። ካድረታት መሬት ተዓዲሉዎም። ኸብዶም እንትመልእ ኣፎም ስለዝዕፆ “ኣኼባ ንምክያድ ጥጡሕ ባይታ” ተፈጢሩ ብምባል እቱ ዋዕላ ይጅመር። ከምቱ ዝተገመተ ከኣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ካድረታት ኣብ ዝተኣከብሉ ዋዕላ ፍሉይ ሓሳብ ዘስምዑ ካብ ዓሰርተ ዘይበልፁ ድምፅታት ጥራይ ኮይኖም። እንድሕር ክንድዙይ ዝኣክል ሓይሊ ኣብ ሓደ ደምበ ኣታሓሳስባ ሃልዩ ኣበይ እዩ ዘሎ እቱ ሽግር? ፀገም ዝባሃልኮ ኣብዝሓ ዝድግፉዎ ሓሳብ ተመምዩ ክወፅእ ዘይከኣል እንተኾይኑ ጥራይ እዩ። እቱ ካልእ መገረሚ ነጥቢ ከኣ ብብርኪ ማዕከላይ ኮሚቴ ኣብዛሓ ኣመራርሓ ነቲ ሰነድ እንትቃወም ብብርኪ ዋዕላ ካድረ ከኣ እቱ ኣብዝሓ ንቱ ሰነድ ደጊፉ ናብ “ኣብ ዝሓፀረ ናብ ጉባኤ ንእቶ” ዝብል ውሳነ ክሓልፍ ምኽኣሉ እዩ። ካልእ ዘሻቕል ዛዕባ ም/ኣቦ መንበር ናይ’ቱ ውድብ ጌታቸው ረዳ ሓሳብ ከይህብ ብደብሪፅ ከምዝተዓፈነ ይንገር። ደብሪፅ እንታይ ዘፍርሖ ሓሳብ ክይመፅእ እዩ ንወዲ ረዳ ክዕፈን ጌሩዎ? መንግስቲ ዝመርሕ ብምዃኑን ብዘለዎ ዓቕምን ዳሕራይ ሓሳብ ሂቡስ ንምንታይ ይዕገት? ኣቦ መንበር ቁፅፅር ኮሚሽን “ዕስለ ዘሰለፈ ስዒሩ” ክብል ምግላፁ ይፍለጥ። ህወሓት ብዕስለ ምስሉያት ክትድሕን ፈፂማ ኣይትኽእልን። ብዘለኒ ሓበሬታ ሐዚ’ውን ብሕቡእ ኣብ’ቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ኣባላት ተመምዮም እዮም። ማ/ኮሚቴ ዝምረፁን ዝባረሩን እውን ተፈልዮም ኣለዉ፤ ብናይ እኒ ኣለም ኔትዎርክ። ካብቶም ዝእለዩ ሓደ ወዲ ረዳ ከምዝኾነ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ የመልክት። እዙይ ጥራይ ዘይኮነስ ኣለምን ሰዓብቱን ምስ ሻዕቢያን ሓይልታት ፋኖን ርክብ ክግበር ይፅዕሩ። እዙይ ንህዝቢ ትግራይ ዝህልዎ ትርጉም ዳግም ናብ ኵናት ምእታው ማለት እዩ። ህዝቢ ትግራይ ብኣላማይ ኣለም ገ/ዋህድ ዝፅዋዕ ኵናት መጋበሪያ ከይትኾን ትጠንቀቕ።
- ደብሪፅ ተወላዋላይ
ህዝቢ ትግራይ ንዓኻን ንትመርሖ ውድብን አሚኑ “ብታሕቲ ደብረፅዮን ብላዕሊ ታቦተ-ፅዮን” ኢሉ ተዛሪቡልካ። ፍቕርን ክብርን ሂቡካ። ብወገነይ’ውን ኣብ ቕንዕናኻ ጥርጣረ ነይሩኒ ኣይፈልጥን። ህዝቢ ብቐንዱ ዝሓተትካዮን ዘይሓተትካዮን ውፍይነት ኣርእዩካ። ንስኻ ግን ብትፅቢቱ መጠን ዝግባእ አመራርሓ ትህብ የሎኻን። እቱ ውድብውን ኣብ ታሪኹ ገጢሙዎ ዘይፈልጥ ናይ ምብታን ሓደጋ ከምዘንፀላለዮ’ውን ነጊርኩምናስ ፈሊጥና። እዙ ኹለይ ታሪኽ ዝሰርሐ እሙን ህዝቢ ንበላዓይ ሂብካ ብቐሊሉ ክፍትሑ ብዝኽእሉ ውሽጣዊ ቅርሕንቲታት ክትስኮን ኢኻ ዝብል ግምት ኣይነበረናን። እዙይ ምስ ዝኸውን ግን ናይ ታሪኽ ተሓታታይ ትኸውን ከምዘለኻ ፍለጥ። ህዝቢ ትግራይ ንምድሓንን ፅፁይ አመራርሓ ክህብ ናብ ዝኽእለሉ ብርኪ ክተብፅሖን ኩሉ ዓይነት ዋጋ ክትከፍል ንፅበየካ። ካብ መዝነትካ ክሳብ ምውራድ ዝኸይድን ከምኒ ኣለም ዝኣመሰሉ ሓምዞቕትን ናይ ኔትዎርክ ጠቢባንን ፀግዖም ክትሕዙ እንተዘይሰሪሕካ ህዝቢ ትግራይ ይቕረ ዘይብሎ በደል ተብፀሓሉ ኣሎኻ። ውድብን መንግስቲን’ውን ፍለ። ንኣሳልጦ ጊዘያዊ መንግስቲ ዕንቅፋት ዝኾኑ ግብርታት ይኹኑ ኣታሓሳስባታት ጊዜ እንተይሃብካ ክፍትሑ ይግባእ። ንናይ ጌታቸውን ካልኦት ላዕለዎት አመራርሓ ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይን ተበግሶ ደጋፋይ ተራ ክህልወካ ይግባእ። ውድብን መንግስትን ብምትፍናን ዝፈትሕዎ ፀገም አይክህሉን። መጀመሪያ ሰልፍኻ ምስቱ ኣብዝሓ ማ/ኮሚቴ ኔርካ። እንታይ ከምዘጫኖኻ ግን ተመሊስካ ናብ ሕቑፊ ኣለም ገ/ዋህድ ኣቲኻ። እዙይ ምስትገብር ነገር ኣብቂዑ’ሎ ማለት’ዩ። ዋኒንካ ህዝብኻ ምዃኑ ቀርዩስ ፈፂሙ ፀኒዑ ንዘይቕፅል ስልጣንካ ኮይኑ’ሎ ማለት’ዩ። እዙይ ንዓና ንደገፍትኻን ፈተውትኻን ዘሕዝን ቁዋም እዩ። ክትሓስበሉን ክተስተንትነሉን’ውን እላዎበካ።
- መልእኽቲ ንሞንጆሪኖ
ኣብ እዋን ቁልዕነተይ ፖለቲካ ኮርስ ክተምህርኒ እንከሎኺ ከም ኪዳና ምሕረት እየ ዝሪአኪ ነይረ። ኣብቲ እዋን ብዝነበረኒ ንቕሓት “ፈላጥን ኣብ ጎድኒ ሓቂ ጠጠው እትብልን ብፂት” ኢለ ዘድነቕኩኺ እዋናት ኣይርስዑንን። ካብ’ቱ ጊዜ’ቲ ንዳሓር ዕድል ኣየራኸበትናን። ብመስኮት ቴሌቪዥን ሕልው ብዝበልኪ ቁፅሪ ከኣ ንድሕሪት እናተመለስኩ የድንቐኪ ፀኒሐ፥ ኣብ ዝኸድኩዎ ስለናትኪ ይዛረብ። ሐዚ ኾይንክዮ ዘለኺ ግን መሕዘኒ ኮይኑ ረኺበዮ። ንባዕልኺ ክትምዝኒን ክትእርሚን ተስፋ ምግባር ይሕሸኒ:: ናይ ብሓቂ ድዩ መንጆሪኖን ሓቅን ተፋቲሐን? ኣለም ገ/ዋህድ ናብ ዝኣለማ ኔትዎርክ ተፀንቢርኪ እንተተሪፍኪ ግን ህዝቢ ትግራይ ካባኺ ዝፅበዮ ኣበርክቶ ኣበቂዑ። ኦሮማይ!
- መልዕኽቲ ንነበር ማ/ኮሚቴ ህወሓት ክሳብ ሎሚ ብዘሎኒ መረዳእታ ነበር ማ/ኮሚቴ ህወሓት ትግራይ ኔትዎርክ ኣብ ምእላም ዝዓዘዘ ተራ ኣለኩም። ነቱ ኣብ ስራሕ ዘሎ አመራርሓ ካብ ትሕግዙዎ ተሸግሩዎ ከምዝበዝሕ ብዙሓት መረዳእታታት ኣለዉ። ንዓኻትኩም ዘገድሰኩም ቅድም ኢልኩም ትቓርምዎ ዝነበርኩም ቃሪም ከይቋረፅ እምበር ህዝቢ ትግራይ ከም ዘይኮነ ሕመቕ አመራርሓ በፂሑዎ ዘሎ ብርኪ ምስክር’ዩ። እቱ ኣብ ስራሕ ዝኒሀ ማ/ኮሚቴ ብዝመስሎ ወሲኑ ሓላፍነት ከይወስድ አደዳ ኣለምቲ ኔትዎርክ ጌርኩሞ ኣለኹም። እንታይ ክትዋጥዩ እዩ ኣብ ኣኼባ ማ/ኮ እትርከቡ? ክሳብ ሎሚ ክጭበጥ ዘይተኻእለ እንታይ ዝብሉዎ ተሞክሮ እዩ ሃልዩኩም ኮይኑ? ድኹም ኣመራርሓ እንታይ ከምዝገብር ክነገረኩም። ዝፈጠሮ ውድብ ንትውልድታት ኣብ ክንዲ ዝመሓላለፍ ቅድሚ እቶም ፈጠርቱ ይመውት፤ በቃ። ዓይንኹም እናረኣየ ዋጋ ክልተ ትውልዲ ዝተኸፈሎ ውድብኩም ህወሓት ንስኻትኩም ብህይወት እናሃለኹም ክመውት ይጋዓር ኣሎ። ንሕመቓትኩም ካብዙይ ንላዕሊ ነቕርበልኩም ምስትያት የለን። እኒ ስብሓት፥ እኒ ሃለቃ ፀጋይ፥ እኒ ጎበዛይ ወ/ኣረጋይ፥ እኒ ኣባዲ ዘሞ፥ እኒ ቴደሮስ ሓጎስ፥ እኒ ኣባይ ወልዱ ወዘተርፈ ካብዙ ዓሌታዊን ምእላም ኔትዎርክን ዓርስኹም ኣውፂእኹም ውድብኩም ክተድሕኑ እንተዘይክኢልኩም ዝገበርኩሞ ቃልሲ እንተዘይግበር መሐሸ።
- ኣማኑኤል ኣሰፋን ትርጉም ስትራተጂን
ኣባል ኣመራርሓ ማ/ኮ ኣማኑኤል ኣሰፋ ኣብ “ዛራ ሚዲያ” ቀሪቡ መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ ጊዜ ስታሊን እዙ ዝስዕብ ሕቶ የቕርበሉ። “ድሕሪ ሞት መለስ ብቐፃልነት ጉድለት ስትራተጂያዊ አመራርሓ ከምዘጋጠመኩም ትገልፁ። አየኖት ነጥቢታት’ዮም ስትራተጂያዊ ኣጠማምታን ፍታሕ ዘድልዮም ኮይኖም ረኺብኩምዎም?” (ቃል ብቓል ኣይኮነን)። ኣማኑኤል እንትምልስ እቱ ኣመራርሓ ዝበዝሕ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ዘለዎ ከምዝኾነን እቶም ድኽመታት ኣካዳሚያዊ ከምዘይኮኑን ይትንትን። ናይ ተሞክሮ ሽግር ከምዘለዎ ኮይኑ እቲ ቀንዲ ፀገም ግን ድኸመታት ምስ ነብሱ ኣጣቢቑ ዘይቕበል፥ ብግዕዝይና ምብስባስን ፅግዕተኛ ገዛኢ ደርቢ ናብ ምዃን ዝተሰጋገረ ከምዝኾነ ይገልፅ። እቱ ኣመራርሓ ፀገሙ ዓርሱ ክፈትሕ ብዘይምኽኣሉ ከኣ ናብ ጉባኤ ቀሪቡ ዝወሃቦ ፍታሕ ምፅባይ ጥራይ ከምዘዋፅእን ወዓል ሕደር እንተይተብሃለ ከኣ ጉባኤ ክኣትው ከምዘለዎን የብርህ። ኣማኑኤል ሓሳባቶም ብብልሒ ካብ ዝገልፁ ኣባላት ኣመራርሓ ሓደ ከምዝኾነ ይስመዓኒ። ነዚ ወሳኒ ሕቶ ዝሃቦ ምላሽ ግን ህወሓት ትድሕን ከምዘየላ ኣመላኺቱኒ። ስትራቴጂያዊ ኣመራርሓ ዝሰኣነ ውድብ እንታይ ይገብር?
- ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝወሰኖም ስትራተጂያዊ ነጥብታትን ዘስዓብዎ ውፅኢትን (ብጥንካረን ብድኸመትን) ይትንትን።
- ኣየኖት ስትራተጂያዊ ነጥብታት ብትኽክል ከምዝመለሰን ኣየነኦም ከኣ ከምዝተጋገየን የቐምጥ። ስትራተጂያዊ ጥንካረታት ኣብ ምምፃእ ዕዙዝ ተራ ዝነበሮም ኣመራርሓታት ይፈሊ። ብድኽመት ዝግለፁ እንተሃሊዮም’ውን ከምኡ።
- እንተነኣሰ ካብ 70% ንታሕቲ ውፅኢት ዘመዝገቡ ኣባላት የሳናብት። ውሳነታቶም ወንጀል ዘስዓቡ እንተኾይኖም ተሓተትቲ ክኾኑ ናብ ሕጊ የቕርብ።
- ክሳብ ዝቕፅል ጉባኤ ዝህልዉዎ ስትራተጂያዊ ነጥብታት ምስ መፍትሒ የቕርብ። ድሕሪኡ ካድረታቱ ኣኪቡ ገምጋሙ የስምዕ። ኣብ ገምጋም ስምምዕ ምስተፈጥረ ከኣ ናብ ጉባኤ ይኽየድ።
- ኣማኑኤል ዝብለና ዘሎ ግን ፈፂሙ ዝተፈለየ እዩ። እቱ ዋና ፀገም ህዝባዊነት ምጥፋእ፥ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክቃለሱ ዘኽእሎም ባህሪታት ምምንጣል፥ ኣብ ምእካብ ሃፍትን ምእላም ኔትዎርክን ሃተውተው ምባል፥ ስልጣን ንውልቀ ረብሓ ጥራይ ምውዓል ወዘተርፈ እዮም። እዚኣቶም ከኣ ስትራቴጂያዊ ፀገማት ኣይኮኑን። ስትራቴጂያዊ ነጥብታት ብመሰረቱ ካብ ሓደ ንላዕሊ ሜላን መፍትሕን ዘለዎም ነጥብታት እንትኾኑ ኣብ መረፃ’ቶም መፍትሕታትን ሜላታትን ስሕተት ከይእቶ ከባቢያዊ፥ ዞባዊን ዓለማዊን ኩነታት ብቕንዕና ብምትንታን ዝብፅሑ ኣምራት እዮም። ኣመራርሓ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ንዝህልዎ ሓልዮት ስትራቴጂያዊ ኣይኮነን። ናይ ነብሲ ወከፍ ኣመራረሓ ቁርፀኛ ምዃን ጥራይ እዩ ዝሓትት። ንሙስና ምቅላስ ከምውድብን ከም መንግስትን ሓደ ስትራተጂያዊ ነጥቢ ክኸውን ይኽእል። ውልቀ አመራርሓ ሙሰኛ ምዃንን ዘይምዃንን ግን ውልቃዊ ውሳኔ ጥራይ እዩ ዝሓትት። ሙስና ትፅየፍ’ዶ ወይስ ትምቦጫረቐሉ? ስልጣንካ ንረብሓ ህዝቢ’ዶ ትጥቀመሉ ወይስ ሃፍትን ፈተውትን ንምፍራይ? ኣድልዎ ምፍፃምን ብኣግባቡ አገልግሎት ምሃብን ውልቃዊ ጥዕና ነፍስ-ወከፍ ኣመራርሓ እምበር ስትራተጂያዊ ሕቶ ኣይኮነን። ስለዚህ ኣማኑኤል “ድኽመታትና ካራክተራይዝ ጌርና ወዲእና ኢና” ደኣ ይበል እምበር ብትኽክል ዝተዓምመ ኣይመስልን። ካብዙይ ኣንፃር ትግራይ ሰላም’ዶ ይሕሻ ወይስ ሓሸውየ? ምስ ሻዕቢያን ፋኖን’ዶ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ? ትግራይ ንበይና’ዶ ወይስ ምስታ ዓባይ ሃገር? ውድብን መንግስትን ምፍላይዶ ወይስ ምትሕውዋስ? ትካላት ትእምት ኣብ ኢድ ህወሓትዶ ኣብ ኢድ መንግስቲ ትግራይ? ኣብዮታዊ ዲሞክራሲዶ ወይስ ካልእ? ህወሓት ምፍራስዶ ምድሓን? ተሓታትነት በደል ትግራይዶ ወይስ ሰላም ይቐድም? ወዘተርፈ ዝብሉ ሕቶታት እዮም ስትራተጂያዊ ክኾኑ ዝኽእሉ። ሌባ ንዘይምዃን ስትራተጂ አየድልዮን፤መፍትሒኡ ሌብነት ጠጠው ምባል ጥራሕ ስለዝኾነ። ከም ሳሬት መርበብ ኔትዎርክ ምእላም ምግዳፍ ስትራተጂያዊ ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ እቱ እንኮ መፍትሒ ኣላማይ ንዘይምዃን ምውሳን ስለዝኾነ። ስለዙይ ኣመራርሓ ህወሓት ክሓስበሉ ዝግባእ መሰረታዊ ሽግር ብጉባኤ ዝፍታሕ ኣይመስልን። ስትራተጂያዊ ነጥቢታት ስትራተጂክ ብዘይኮነ ሓይሊ ክንፀር ኣይኽእልን። ስለዙይ ኣብ ዘይነፀሩ ኣጀንዳታት ዝግበር ጉባኤ አካል ኔትዎርክ ዘይኮኑ ኣባላት ካብ ምግላስ ወፃእ ዝፈትሖ ፀገም ኣይክህሉን። ስለዝኾነውን ክግበሩ ዝግባእ ወሰንቲ ተግባራት ብምንፃር ጥራሕ’ዩ ጉባኤ ክሳለጥ ዝግባእ።
- መልእኽቲ ንጌታቸው ረዳ
ጌታቸው ኣብ ቅንዕና ሓሳባትካን ብቕዓትካን ዘለኒ ምትእምማን ዝለዓለ እዩ። ካልኦት ዘይፈልጦም ድኽመታት ከምዝህልዉኻ ግምት ወሲደ እቶም ካብ ንቡር ብርኪ ጭውነት ተጋሩ ዝወረዱ ተግባራት እኒ ኣለም ተስፋ ከቑርፁኻ የብሎምን። ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዳግም ኵናትን ህውከትን ዘምርሖ ኩሎም ሓሳባትን ወከልቲ ግብርታትን ብዕቱብ ክትቃለሶም ይግባእ። ካብ ኣኼባ ምትራፍ ኮነ ኣኼባ ረጊፅካ ምውፃእ መፍትሒ ክኸውን ኣይኽእልን። እቶም ብ1993 ዓ/ም ኣኼባ ረጊፆም ዝወፁ እንታይ ኣፍሪዮም? ካብኣቶም ትምህርቲ ምውሳድ ኣይክሓምቕን። ቁዋማትካ ብመራኸቢ ሓፋሽ ምቕራብ’ውን ከይትርስዕ። ተስፋ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኵናት ኣይኮነን። ኣባኻ ካብዘለኒ ውሱን ርድኢት ተበጊሰ ኣብ መሰረታዊ ጥቕምታት ትግራይ ከምዘይትዋገ ዝለዓለ እምነት ኣለኒ። ፖለቲካዊ ሕልኽላኽ ሜላ ናብርኡ ዝገበረ አመራርሓ ከምዘፀግመልካ እንግምቶ ጉዳይ እዩ። ዝጀመርካዮ ግዕዝይና ናይ ምቅላስ ኣንፈት ቀፅለሉ። እዙ ኵናት ካብ ዘምሃረና ነገራት ብኣውርኡ ካብ ሕሰምን መከራን ተጋሩ ብስርቂን ጉሕለትን ሃፍቲ ዘፍርዩ ሰባት ምርካቦም እቲ ቀንዲ ኢዩ። ኣብ ከምዚኦም ዝአመሰሉ እትወስዶ ሕጋዊ ስጉምቲ ቀፅለሉ። ውድብን መንግስትን ክፈላለዩ ዝገበርካዮ ቃልሲ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ካብቶም ቀንዲ ፀገማት ትግራይ እቱ ሓደ መንግስትን ውድብን ዝፈሊ መስመር ዘይምህላዉ እዩ። ዘይጠዓየ ኣመራርሓ ዝሓዘ ውድብ ካብ ዘፀብቖ ዝፅይቖ ከምዝበዝሕ’ውን ፍሉጥ እዩ።
እቱ ካልእ ፈተና ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ እትገብሮም ርክባት ብትግራይ ወገን ዝወሃቦም ትርጉም ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብውሽጣዊን ግዳማዊን ምኽንያታት ትግራይ ዝሓለፈቶ መሪር ኵናት ዳግም ንኸይምለስ ብዕቱብ ምስራሕ የድሊ። ትግራይ ልዕሊ ጭቡጥ ዓቕማ ተዋጊኣ እያ። ሐዚ ግን ይኣኽላ። ንሰላም ዝህውኹ ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ምቅላስን ምቅላዕን ንፅባሕ ዝባሃል ዛዕባ ክኸውን የብሉን።
- መልእኽቲ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ
ክትዓርፉ ኣብ ዝግባኣኩም እዋን ናብ ዳግም መስዋእትን ከርተትን ብምእታውኩም የዐርዩ የሕዝነኒ። እቱ ኵናት ኣብ ምፍጣር እዙይ ዝባሃል ተራ ኣይንበርኩም እምበር ዘስዓቦም ፀገማት ግን ብውሕሉል ኣመራርሓኹም በዲህኹም ኢኹም። ብዝኸፈልኩሞ መስዋእትን ድኻምን ምስ ፈፂሙ ዘይመጣጠን ጋዕገልጠም ዘሰለፉ ሓይልታትን ዘራያቶምን ገጢምኩም በባህጎም መጠን ከይዕወቱ ጌርኩም ናብ’ዚ ዘለናዮ ኣንፃራዊ ሰላም ኣብቂዕኹምና ኢኹም። ስርሒትኩም ኣብ ልቢ ተጋሩን ሚዛን ታሪኽ ትግራይን ብድሙቕ ቀለም ተኾሊዑ ክነብር እዩ። እዙይ ኮይኑ እንተብቅዕ ግን ኣብ ኣኼባ ማ/ኮ ህወሓት ብምስታፍ ዝፈጠርኩሞ ፅዕንቶ ንኽብርኹም ዝምጥን ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለኒ። ናታትኩም ተራ ክኸውን ዝግበኦ ሰላም ብምርግጋፅ እቱ ውድብ እንተኾይንሉ ብናይ ባዕሉ መስርሕ ከፅሪ ምችው ባይታ ኣብ ምፍጣር ዝተደረኸ ከኸውን ይግባእ። ካብዙይ ዝዛይድ ምትእትታው እንተጌርኩም ግን ንትግራይ ዝኸፈልኩሞ መስዋእቲ ከም ብዜሮ ምብዛሕ ይቑፀር። ደጋዊን ውልቃዊ ምኽርታትኩም ካብ ምልጋስ ሓሊፉ ትካላዊ ምትእትታው ተገይርኩም ታሪኻዊ ስሕተት ከምዝፈፀምኩም ምስ ትሕትና ከዘኻኽረኩም እፎቱ። ካብ መስርሕ ሰላም ውዕሊ ፕሪቶሪያ ወፃእ ዝቕንቀኑ ሓሳባት ልዕልነት ከይረኽቡ ዝከኣለኩም ክትገብሩ ’ውን እላቦ።
መጠቓለሊ
ብዓይኒ ሓቂ ህወሓት ብውድባዊ ዓይኒ እንትትረአ ካብ ሳወትን፥ ባይቶናን፥ ውናትን ትፍለየሉ ስነ-ሞገት የለን። ውሽጣዊ ፀገማታ’ውን ብቐንዱ ንኣመራራሓኣን ኣባላታን ዝምልከት ክኾን ይግብኦ ነይሩ። ንዓና ዝቕንጭወና ዘሎ ንትግራይ ብዘለዎ ትርጉም ጥራይ እዩ። ትግራይ ዘድሕና ንህወሓት ምጥፋእ እንተኾይኑ ካብ ክሕጎስ ዘተሓሳስበኒ ክኸውን ኣይኽእልን። ጭቡጥ ክውንነት ምስንርኢ ግን ብልሽውና ህወሓትን ህልውና ትግራይን ዝተኣሳሰሩ ኮይኖም ንረኽቦም። ስለዝኾነ ከኣ ፖለቲካዊ ጥዕንኣ ብልክዕ ጥዑያት ኣባላታ የሕስበናን የሻቕለናን። ዓገብ እንብለሉ ምኽንያት’ውን ንዙይ እዩ።
ንዛ ፅሕፍቲ ዘንበበ ሰብ ሽም ውልቀሰባት ኣልዒለ ብምፅሓፈይ ናይ ቀረባ ኣፍልጦን ፍሉይ ውግንናን ከምዘለኒ ጌሩ ከይወስድ ከተሓሳስብ እፎቱ። ምስ’ዞም ኣስማቶም ዝተጠቐሱ ኣባላት ኣመራርሓ ምስ ኩሎም በኣካል ኣይፋለጥን። ምስ ሞንጀሪኖ ዝነበረትኒ ውስንቲ ኣፍለጦውን ቅድሚ 33 ዓመታት ብምዃኑ ኣብ ርእይቶታተይ ዝፈጥሮ ፍሉይ ፅዕንቶ የለን። ስለዙይ ደረት ዝሓለፉ ሓሳባት እንተልዒለ ኮይነ እታ ውድብ ክትዕሪ ካብ ዘለኒ ባህጊ’ምበር ኣብዞም ዝተጠቐሱ አባላት አመራርሓ ከቑፅሮ ዝደሊ ፍሉይ ነጥቢ ዘየለ ምዃኑ ኣብ ግምት ክተእትዉለይ ሓደራ እብል።