
መግለፂ ቅዋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ካብ መጋቢት 7 ክሳብ 14/2016 ዝተሳለጠ ናይ ላዕለዎት ኣመራርሓ ገምጋማዊ መድረኽ
መግለፂ ቅዋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት
ካብ መጋቢት 7 ክሳብ 14/2016 ዝተሳለጠ ናይ ላዕለዎት ኣመራርሓ ገምጋማዊ መድረኽ
መእተዊ
ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ መሪር ናይ 17 ዓመታት ብረታዊ ቃልስን መስዋእትነትን ስርዓት ደርጊ ካብ ስሩ ክመሓውን ሓዱሽ ስርዓት ክትከልን ጌሩ እዩ፡፡ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ተመስሪቱ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ንሰለስተ 10ታት ዓመታት ሰላም ፣ልምዓትን ዴሞክራሲን እናረጋገፀ ተጓዒዙ እዩ፡፡ይኹንእምበር ኣብ ጉዕዞ ሰላማዊ፣ ልምዓታውን ዴሞክራሲውን ቃልስና ብወታደራዊ ዓቕሚ ዝተስዓሩ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውድብና ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘነፃፀረ ናይ ፅልእን ፀለመን ወፈራታት እናካየዱ ድሕሪ ምፅንሕ የዋፅአና እዩ ኣብዝበሉዎ ግዜ ዘራያት ኣኪቦም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ጀኖሳይዳዊ ፅንተት ክፍፀም ኣብ ዓድና ድማ ኩለመዳይ ብርሰት ኣብፅሖምልና እዮም፡፡ ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ብተደጋጋሚ ንሰላም ኢዱ እንተዘርግሐውን ሰማዒ ስለዘይረኸበ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐ ኣንፃር እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ወራር ፅንተት ብመስተንክራዊ ፅንዓቱ መኪቱ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ክፍረም ጌሩ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ውዕሊ ዉሱን ናይ ሰላም ሃዋህው እንተፈጠረውን ብሙሉእነት ስለዘይተተግበረ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣትና ኣይተመለሰን፣ ዝተመዛበለን ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብናን ከርፋሕ ናብራ ይደፍእ ኣሎ። ኣብ ኢድ ወረርቲ ዘሎ ህዝብናውን ብቐፃሊ ከቢድ ዋጋ ይኸፍል ኣሎ።
እዙይ ከይኣክልውን ኣብ ርእሲ ሕፈሰን ሰሙን ፅግዕ ይወፀን ከምዝበሃል መሪሕነት ውድብና ካብ ህዝባዊ ውግንናን ውድባዊ መትከላቱን እናወፀ መደረኻዊ ልእኹቶ ምፍፃም ኣብዩዎ ሰልፉ ናብ ምቕያር ታት ዝብለሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ብዝርዝር ገምጊምና መፍትሒታት ብምንዳይ ውድብና ኣድሒንና ንመድረኻዊ ተልእኹኡ ንምብቃዕ ኣብ ሓደ ፅላል ተኣኻኺብና ብዑምቀት ዘቲና ኣለና፡፡
1.1. ተሳተፍቲ ኣካላት
ኣብዚ ገምጋምን ምይይጥ ዝተሳተፍና ካብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ዝተኣኻኸብና 1055 እንኾን ኣመራርሓ ‘‘ውድብና ብምድሓን ንመድረኻዊ ተልእኹኡ ነብቕዕ’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ መጋቢት 7 ክሳብ 14/2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ተኣኪብና ኣብ ኣጠቓላሊ ኩነታት ውድብና ዝርዝር ገምጋምን ምይይጥን ኣካይድና ኣለና።
ውድብና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ናይ ቃልሲ ታሪኹ ብጣዕሚ ደመቕቲ ዝበሃሉ ዓወታት እናመዝገበ ዝመፀ ውድብ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ወዲቡ ኣላዓዒሉ ብምንቅስቓስ ዝኾነ ሓይሊ ክገብሮም ይኽእል’ዩ ዘይበሃሉ መስተንክራዊ ታሪኻት ኣመዝጊቡ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ጉዕዞ ብለማፅ መንገዲ ተፈፂሙ ክበሃል ዝኽእል ኣይኮነን። ፈተንቲን ህልኽካ ዘወድኡ ውረድ ደይባትን ሓሊፉ እዩ ኣብዙይ በፂሑ። ብቐንዱ ድማ ካብ ምስረታ እቲ ውድብ ጀሚሩ ኣብቲ ኣመራርሓ ዘጋጥሙ ዝነበሩ ሕመቓት ከም ኣካል በታቲኖም ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ናብ ሓደጋ ከእትዉዎ ዝኽእሉሉ ኩነታት እዩ ዘጋጥም ኔሩ። ይኹን እምበር ውድብና ህወሓት ካብ ኣጀማምራኡ ናይ ህዝቢ፣ ኣባሉን ካድረኡን ስለዝኾነ ንዘጋጠሙ ፀገማት ብሰፊሕ ናይ ካድረኡ፣ ኣባሉን ህዝቡን ተሳትፎ እናኣለየን ከም ብሓዱሽ እናተመዓራረየን ንቕድሚት ዝስጉም ዓቕሚ እናፈጠረ እዩ መፂኡ።
1.2. ዝተመያየጥናሎም ዛዕባታት
ኣመራርሓ ውድብና ህወሓት ካብ ህዝባዊ ውግንናን ውድባዊ መትከላቱን እናወፀ ናብ ፀገም ካብ ዝኣቱ ውዕሉ ሓዲሩ ኣሎ። ካብዙይ ንምድሓን ድማ ካድረታት ተኣኪብና ዝርዝር ኩነታት እቲ ውድብን ካልኦት ዛዕባታትን ኣብ ዝትንትኑ መበገሲ ሰነዳት ተደሪኽና ዉዑይ ክትዕ፣ ምይይጥን ገምጋምን ኣካይድና ኣለና። ብቐንዱ ድማ ‘‘ገምጋም ዓለማውን ከባቢያውን ኩነታት’’ ኣብ ዝብል ርእሲ ብዝርዝር ተመያይጥና ናብ ሙሉእ ምርድዳእን መደምደምታን በፂሕና ኣለና። ብምቕፃል ድማ ’’ገምጋም ህልው ኩነታት ትግራይን ቀፃሊ ኣንፈታትን’’ ተመያይጥና ናብ መደምደምታ በፂሕና ኣለና። ኣብቶም ዝቐረቡ ትሕዝቶታት መሰረት ብምግባር ሕቶታት ተላዒሎም ዝርዝር መብርሂታትን ክትዓትን ተኻይዶም ተወሰኽቲ ነቲ ገምጋም ዘበርኹን ዘጠናኽሩን ሓሳባት እውን ቀሪቦም ናብ ምርድዳእን መደምደምታን ተበፂሑ ኣሎ።
ኣብ ክውንነት፣ ዕላማ፣ ሽቶታት፣ ኣንፈታትን ቀፃሊ ቓልስና ድማ ዝርዝር ሕቶታትን ተላዒሎም ዝርዝር መብርሂታት ቀሪቦም ናብ ሙሉእ ምርድዳእን መደምደምታን በፂሕና ኣለና። ምንቕቓፍ ስራሕ ፈፃሚትን ማእኸላይ ኮሚቴን ኣብ በቢዞባኡ ብዝግበሩ ቐፅልቲ መድረኻት እናዓሞቐ ክኸይድ ብኡ ኣቢሉ ድማ ተወሰኽቲ ምንቕቓፋት ተጌሩ ቕድሚ ጉባኤ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ተኣኪቡ ክቐርበሉን ዝውሰኽ ተወሲኹ ክዓሙቕን ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ።
ብኣጠቓላሊ ኣብዚ 8 መዓልታት ዝወሰደ ናይ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት መድረኽ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ኣብ ወሰንቲ ዛዕባታት፣ ንውድብና ሓኒቆም ዝሓዙዎ ፀገማትን ኣገባብ ኣፈታትሐኦምን ብዝርዝርን ግልፅነት ብዝፈጥርን ኢሉ’ውን ሙሉእ ዴሞክራሲያውነት ብዘይሽፍንፍን ሕቶታት ቀሪቦም፣ ወሰንቲ ክትዓት ተኻይዶም፣ ኣብ ክብደት እቲ ፀገም ተወሰኽቲ ግልፂ መርአይታትን መደምደምታታትን ቀሪቦም ብዝርዝር ተመያይጥና ኣለና። ካብዙይ ብምብጋስ ድማ እቲ ኣመራርሓና ብዞም ዝተወሰኹ ሓደሽቲ መረይታት ንባዕሉ ከም ኣካልን ውልቀን ክርኢ ናብ ምርድዳእን መደምደምታን በፂሕና ኣለና። እቶም ሰነዳትውን ዝቐረበሎም ተወሰኽቲ መርአይታትን መደምደምታታትን ኣካቲቶም ክወፁ ብምስምዕማዕ ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቖም ኣለዉ። ብዝተኣሳሰረ ድማ ኣብ በቢ ደረጃኡ መሓውራትናን ኣመራርሓናን ንጉባኤ ዝሕግዙ መድረኻት፣ ገምጋማትን ፅሬታትን ክካየዱን ብጥቡቕ ድስፕሊን ድማ ክምርሑን ከምዘለዎ ብሙሉእነት ተረዳዲእና ኣብዞም ዝስዕቡ መደምደምታት በፂሕና ኣለና።
1.3. ውሳነታት ላዕለዋይ ኣመራርሓን ቁፅፅር ኮምሽንን ህወሓት
1. ውድብና ሐዚ ካብ ህዝባዊነቱን ውድባዊ መትከሉላቱን ናይ ምውፃእ ሓደጋ ከም ገጢሙዎ ከምዘሎ ተረዳዲእና ኣለና። ስለዝኾነ ድማ ነዚ ከቢድ ፀገም ንምዕራይ ክብርታት ውድብና ተላቢስና ኩሉ ዓቕምታና ኣዋዲድና ንህንፃናን ፕሮግራምናን ተገዛእቲ ብምኻን ኣብ ልዕሊ ውድብናን ኣመራርሓኡን ከሙውን ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ብውሽጥን ብደገን ዝፍነው ናይ ሚድያ፣ኻልኦት መራኸቢታትን ዝተፈላለዩ ኣካላትን መጥቃዕትታትን ፀለመታትን ንምምካት መላእ ኣባልናን ኣመራርሓናን ካብ ዘለውና ናይ ውግንናን ኣሰላልፋን ሽግራት ተናጊፍና ናይ ውሽጢ ውድብ ደርባዊ ቓልሲ ብምውላዕ ነቶም መሰረታዊ መቃለሲታትና ዓትዒትና ብምሓዝ ውድብና ንመድረኻዊ ተልእኾኡ ንምብቃዕ ብዘይ ወለምዘለም ብፅንዓትን ተወፋይነትን ክንጋደል ኢና። ብልዑል ናይ ውድብና ተሳትፎን ብፅሒትን ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳርና ዝተማልአ ዓቕሚ ረኺቡ ህዝቢ ትግራይ ዘርብሑ መደባቱ ንኽዓምም ሙሉእ መሪሕነት ውድብ ክዓርፎ ምስ ምጥያሽ ኣማኻሪ ካውንስልን፣ ዝተኣታተዉ ናይ ሪፎርም ስራሕትን ካልኦት ኣሰራርሓታትን ዝተዋደደ መሪሕነት ውድብ ክዓርፎም ዘድሊ ዘበለ ኹሉ ዓይነት ቃልሲ ከምነካይድ ብሽም ኩሎም ሰማእታትና ቃል ንኣቱ።
2. ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝነበረ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ኣድሒኑ ናብ ሰላማዊ፣ ፖለቲካውን ዲሞክራሲያውን ቃልሲ ዘሰጋገረና ስለዝኾነ ብሙሉእ ልቦና እንድግፎ እዩ። ብቐንዱ ድማ እምኒ ዓረ ናይ ሰላም ሓይሊ ብምዃንና ንተግባራውነቱ ኣድላዪ ዘበለ መስዋእቲ ከም እንኸፍል ደጊምና ክነረጋግፅ ንፎቱ። ይኹን ‘ምበር ብሰንኪ ኣብ ውሽጥና ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ሕመቕን እግሪ ምጉታትን ፌደራል መንግስቲን ተመጋጊቦም እቲ ውዕሊ ብሙሉእነት ኣይተተግበረን። ብሰንኪ እዙይ ድማ ኣብ መዕቖቢ ማእኸላት፣ ስደትን ትሕቲ ወረርቲን ዘሎ ህዝብና ኣደዳ ጥሜት፣ ሕማምን ሞትን ኮይኑ ይርከብ። ስለዝኾነ ድማ ኣብዙይ ዝተርኣየ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ሕመቕን ናይ ውግንና ሽግርን ብምፍታሕ ሕገመንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ህዝብና ሓራ ክወፅእን ናብ መረበቱ ተመሊሱ ስሩዕ ሂወቱ ክመርሕ፣ ሕጋውነት ውድብና ክምለስ፣ ምስ ፌደራል መንግስቲ፣ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዘፈራረሙ ኣካላትን ማሕበረሰብ ዓለምን ኮይንና ግቡእ ቃልሲ ብምክያድ ህልውናን ውሕስናን ህዝብና ከም እነረጋግፅ ቃል ንኣቱ።
3. ውድብና ካብቶም ገስገስቲ ዝበሃሉ ውድባት ሓደ እዩ። ሳላ ከምኡ ዝኾነ‘ውን ኣብ ከይዲ ጉዕዝኡ ንዘጋጠምዎ ናይ ውሽጥን ደገን ሓደጋታት ብብቕዓት እናገምገመ ከከም ኣመፃፅኣኦም እናመከተ ኣብዚ ብርኪ በፂሑ ኣሎ። ሐዚ ‘ውን ነቲ ዘሎ ጭቡጥ ዓለማዊ፣ ዞባዊ፣ ከባቢያውን ናይ ውሽጥናን ኩነታት ዝጠዓዓም ፕሮግራም፣ ፖሊሲ፣ ስትራተጂ፣ ስልቲ፣ ኣሰራርሓ፣ መምርሕን ኣወዳድባን ብምሓዝ ዝተፈፀመ ምጥሓስ ትካላዊ ኣሰራርሓ ውድብን ዘይመትከላዊ ውሳነታትን ናብ ንቡር ቦታኦም ክምለሱን ውድብና ንመድረኻዊ ተልእኾኡ ንኽበቅዕ ብሳይንሳዊ መፅናዕታት ዝተደገፈን መላእ ኣመራርሓ፣ ኣባልናን ህዝብናን ብዘሳተፈ መልክዑ ውድብና መድረኻዊ ዕማሙ ንኽዋፃእ ለይትን ቀትርን ክንጋደል ቃል ንኣቱ።
4. መበል 14 ውድባዊ ጉባኤና ብወድዓውን ባዕላውን ምኽንያታት እናተጓተተ መፅዩ ኣሎ። ብምዃኑ’ውን ካብ ህንፃን ፕሮግራምናን ጀሚሩ መግለፂ ህዝባዊ ክብርታትን ውግንናን ውድብና ዝኾኑ ኣሰራርሓ፣ መምርሒ፣ ኣወዳድባ፣ ኣወፋፍራ ሓይሊ ሰብን ካልኦትን ብዘይ ኣገባብ እናተጥሓሱ ከምዝመፁ ዝፍለጥ እዩ። ገጢሙና ዘሎ ቁልፊ ፀገም ናይ ስትራቴጂክ መሪሕነት ሓጓፍ ክፍጠር ዝገበረ ስለዝኾነ ዘይተመልኡ ገምጋማት መሊእና መላእ ኣመራርሓና፣ ኣባልናን ህዝብናን ኣብ ጎኒ መሪሕ ውድቡ ክዓስል ብምግባርን ፅሬት ብምክያድን ኩለ-መዳይ ርብርብ ክንገብር ኢና። ብምዃኑውን እዚ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ ሓፂር ግዜ ንኽካየድ ወሲንና ኣለና።ነዚ ንምትዕንቓፍ ዝመፁ ናይ ውሽጥን ግዳምን ኣረኣእያታትን ተግባራትን እናተቓለስና ዕዉት ጉባኤ ንኽካየድ ካባና ዝድለ ዘበሉ ኩሉ ክንፍፅም ቃል ንኣቱ።
5. ውድብና ናይ 49 ዓመታት ሃፍታም ተሞክሮ ዘለዎ ውድብ እዩ። ኩሎም ኣባላት ተወዲቦም ዋጋ ዝኸፍልሉ ህዝባዊ ዕላማ ዝተሓንገጠ፣ብተግባር ተፈቲኑ ለወጢ ዘምፀአ መስመር ዝወነነ፣ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ፣ቀፃሊ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምውሳን ከቢድ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዝተሸከመ ገስጋሳይ ውድብ እዩ። ይኹን እምበር ብውሽጥን ግዳምን ዝተዋደደ ሽርሒ ፀላእቲ ተወሲኽዎ ኣብ ውሽጥና ድማ ደላይ ለውጥን ፀረ ለውጥን፣ ውድብ መድሐኒን መፍረስን፣ ሉኣላውነት ኣሕሊፉ ዝሃበን ኣንፃሩ ዝቃለስን ከምኡውን ኣብ መንጎ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ኣፈላላያት ከምዘሎ ብዘምስሉ ውድብናን ኣመራርሕኡን እናተፀለመ ንሕናውን ካብዙይ እናተበገስና ደምበ ብዘይፈሊ እናተሰሓሓብና ዘሕለፍናዮ ግዜን ብቐንዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ውድብናን ህዝብናን ዘብፃሕናዮ ሰፍ ዘይብል ኪሳራን ካብ ልቢ ዘጣዕሰና እዩ። ስለዝኾነ ድማ ፀላእትና ዝፈሓሱዎ ህዝቢ ትግራይ ብዘይመሪሕ ክተርፍን መሊኡ ክፀንትን ናይ ምግባር ተንኮላት ንምምካት ብሽም ኹሎም ስዉኣትና ኣብ ዕርዲ ልምዓታውን ዴሞክራሲያውን መስመርና ረቢብና ከም እንጋደል ነረጋግፅ።
6. ሰላም ስትራቴጅካዊ መርገፅን ሕርያን ውድብና ህወሓት እዩ። ኣብ ጉዕዞ ሂወት ውድብና ብዙሓት ፈተንቲ እዋናትን ከበድቲ ናይ ኩናት ደበናታትን ኣብ ዘጋጥመሉውን ሃንደለቕ ኢልና ናብ ኩናት ዝኣተናሉ ግዜ የለን። ምኽንያቱ ድማ ኹናት እንታይ ምዃኑ ልዕሊ ውድብናን ህዝብናን ዝፈልጦ የለን። ቅድሚ ውግእ ኩሎም ናይ ሰላም ዕድላትን መማረፂታትን ፀንቂቑ ዝጥቀም ውድብ እዩ። በሪ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ተሸጉሩ ኣብ ድቕድቕ ኩናት ኮይኑ እውን ኩሉ ግዜ ኢዱ ንሰላም ዝዝርግሕ ውድብ እዩ። እዙይ እንብል ዘለና ምእንተ ቃል-ዓለሙ ዘይኮነስ በሰላን ጉድኣትን ኲናት ስለንርዳእ ሰላም ስትራተጂካዊ ሕርያናን ነቕ ዘይብል መርገፂናን ምዃኑ ደጋጊምና ነረጋግፅ። ብዝተፈላለዩ ናይ ውሽጥን ግዳምን ሓይልታት ውድብና ንኲናት ይዳሎ ከምዘሎ እናምሰሉ ዝፍኑውዎ ዘለዉ መፀለምታታትን ኣትሪርና ንኹንን። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ወፍሪ ዝተፀመዱ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ እናፀዋዕና ሕርየኦም ሰላም ምስ ዝገበሩ ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ ሓፋሽ ማሕበራትን፣ ትካላት ሃይማኖት ፣ መንግስቲ ፌዴራል፣ ጎረባብቲ ክልላት፣ ማሕበረሰብ ዓለምን ካልኦትን ከም ልማድና ምእንተ ሰላም ኩሉ ዓይነት ዋጋ ከምእንኸፍልን ቃል እናኣተና ሓቢርና ክንሰርሕ ንፅውዕ።
7. ውድብና ህወሓት ካብቶም ብዝኾነ ዋጋ ናብ ድርድር ዘየቕርቦም መሰረታዊ ሽኻላት ሓደ መሰል ዓርሰ ውሳነን ምሕደራን ትግራይ ዝምልከት እዩ። እቲ ንዘመናት ኣብ ልዕሊኡ ተዳዕኒኑ ዝነበረ ኣርዑት ጭቆናን ምዝመዛን ብረዚን መስዋእቲ ደቁ ኣብ ሕገ መንግስቲ ክሰፍር ገይሩ እዩ። ይኹን እምበር እዚ ከምዚ ዝበለ ክቡር መሰል ነቲ ረዚን ዋጋ ዝኸፈለሉ ዘይምጥን ብዘይመረፃ ብግዚያዊ ምምሕዳር ክመሓደርን ተፈሪድዎ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ሉኣላዊ ግዝኣቱ ዘይምምላሱ ንታሪኹን ፖለቲካዊ ኣስተዋፅኡእን ዘይምጥን ኣወዳድባ ሒዙ ይርከብ። ካብ ግዚያዊ ምምሕዳር ናብ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ንምስግጋር ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ከከም ፖለቲካዊ ርእሰማሎም ዝወዳደሩሉ ሰለማዊ፣ ዴሞክራስያውን ፍትሓውን ህዝባዊ መረፃ ንምክያድ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ፌዴራል መንግስቲ፣ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ከም እንሰርሕ እናገለፅና እዚ ቁልፊ መሰል ህዝብና ንኽትግበር ኣብ እንገብሮ ኩለ-መዳይ ፖለቲካውን ሰለማውን ቃልሲ ኣባልናን መላእ ህዝብናን ኣብ ጎንና ክስለፍ ንፅውዕ።
8. ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ትነብር ህዝብና ኣብ ልዕለና ዝተፈነወ ናይ ፅንተት ወራር ኣብ ምምካት ቆፍኡ ከም ዝተተንከፈ ንህቢ ዓሲልካ ዓለም ምሉእ ዘስደመመ ዲፕሎማስያዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊ ፀቕጥታት ክዓርፍ ገይርኩም ኢኹም። ንስለ ትግራይን ትግራዋይነትን ተወዲብካ ዝተቓለስካ ህዝብና ካብ ዝተማለአ ፅንተት ክንተርፍ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ጌርካ ኢኻ ። ይኹን እምበር ሐዚ እውን መልክዕ ቃልሲ ተቐይሩ እምበር ዕላማና ኣይተዓወተን። ሐዚ’ውን ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ኣይተረጋገፀን። እቲ ካብ ፅንተታዊ ኵናት ዝተረፈ ህዝብና ብጥሜትን ይሕንዘፍ ኣሎ። ኣብ ማእኸላት ተመዛበልቲ ኮይኑ ሓሰረ መከራ ይርኢ ኣሎ። ሰኣን መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ብቐሊሉ ክፍወሱ ብዝኽእሉ ሕማማት ኣደዳ ሞትን ስቓይን ይኸውን ኣሎ፣ ብመንነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ ተጋሩ ኣብ ፀገም ወዲቖም ይርከቡ፣ ብሓፈሻ ናይ ህዝብና ኩለ-መዳይ ፀገማት ሐዚ’ውን ኣይተፈትሑን። ስለዝኾነ ድማ ባህጊ ህዝብናን ትግራይን ብዝተማለአ መገዲ ክሳብ ዝረጋገፅ ከም ልማድኩም ብዝተወደበ መንገዲ ቃልስኹም ንኽተሐይሉ እናፀዋዕና ንሕናውን እጃምና ከምንዋፃእ ነረጋግፅ።
9. ግዕዝይናን ክራይ ኣካብነትን መንሽሮ ህዝብና እዮም። ኣብዚ እዋን ድማ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝግለፅ ግዕዝይና ብሰፊሑ ይረአ እዩ። ከምዚ ኢልካ ምቕፃል ከቢድ ሓደጋ ዘስዕብ ከምዝኾነ ንኣምን። ስለዝኾነ ድማ ደርባዊ ቃልሲ ውሽጢ ውድብ ብምውላዕ ኣመራርሓና ኣባልናን ብዝተወደበ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቓስ ክፀሪ፣ ነባር ናይ ውድብና ክብርታት ክዕጠቕ፣ ክሳብ ሐዚ ዝተፈፀሙ ስርቅን ምጥፍፋእን ናብ ሕጋዊ ተሓታትነት ክሰግሩ ናይ መሪሕነት ግደና ክንፃወት ቃል ንኣቱ።
10. ሐዚ ኣብ ትግራይ ኩሎም ዓይነታት ፀገማት ኣለው። ድርቂ፣ ጥሜት፣ ፍልሰት መናእሰይ፣ ሕማምን ሞትን፣ ከበድቲ ናይ ፀጥታ ፀገማት፣ ናይ ፍትሕን ርትዕን ሽግራት ብሰፊሑ ይረኣዩ ኣለው። ብፍላይ ካብ ወራር ፅንተት ዝተረፈ ህዝብና ብጥሜት ይሃልቕ ኣሎ። ኣብ ውሽጥና ብዘሎ ሕመቕ ኩሎም ዓቕምታትና ክንጥቀመሎም ኣይክኣልናን። ካብዚ ፀገም ንምንጋፍ ኩሎም ናይ ህዝቢ ውዳበታት ኣንቀሳቒስና ምስ ከባቢያውን ዓለምለኻውን ለገስቲ ኣካላት ብምትሕብባር፣ ንፁርን ምልኣተ ህዝቢ ዘሳተፈን ናይ ዕደላ ሰርዓት ብምዝርጋሕ ብግዝያውነት ህዝብና ድራር ዕለት ዝረኽበሉ መንገድታት ክንረክብ ክንሰርሕ ኢና። ብዘላቕነት ድማ ኣብ ዓርሰ ምርኮሳ ዝተመስረተ ኣንፈት ብምኽታል ኩሎም ናይ ልምዓት ዓቕምታት ብምውዳድ ህዝብና ካብ ኩሎም ፀገማት ክናገፍ ሓደራ ስዉኣት ከየዕበርና ብፅኑዕ ውድባዊ እምነት ከም እንጋደል ቃል ንኣቱ።
11. ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን እዩ። እታ ሐዚ ዘላ ትግራይ መሰረተ ልምዓታ ዝዓነወ፣ ሓይሊ ሰባ ጉድኣት ዝበፅሖ፣ ሰፊሕ ፍልሰት መናእሰይ ዘለዋ፣ ሞራሉን ተስፍኡን ዝተጎድኣ፣ ኣሽሓት ሕቶታት ዘለዎ፣ ናይ ቁጠባ ምንቅስቓሳታ ዝደስከሉላ፣ ማሕበራዊ ጉስቅልና ዝበፅሓ፣ ኮታስ ዘርኣዊ ፅንተት ዝተኣወጀላ ውፃእ መዓት እያ። ነዚ ኩነታት ብዕምቆት ብምርዳእ ውሽጣዊ ባህጊ ህዝብና ብምትንታን፣ ሕድሪ እቶም ትግራይ ትስዕር እናበሉ ዝተሰውኡ ወርቃውያን ጀጋኑና ብምሕንጋጥ፣ ርጋፅ ኣሰሮም እናረገፅና ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ብዝተነፀረ ስትራተጅን ኣንፈትን ውሕሉል ዝኾነ ናይ ሃፍቲ ኣጠቓቕማ ብምኽታል ቅድሚያ ስድራ ስውኣትና፣ ኣካል ጉድኣትና፣ ብኽብሪ ዝተመለሱ ተጋደልትና፣ ናይ ፀጥታ ሓይልና፣ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይ ብዘላቕነት ፍትሓዊ ተጠቀምቲ ዝኾንሉ ናይ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ስትራተጂ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ብምግባር እታ ፅላል ኩላትና ዝኾነት ዝተረጋገኣ ፀጥታ፣ ፍትሓዊ ርትዕን ሰናይ ምምሕዳርን ኢኮኖሚ ዝደልደለት፣ ብናይ ውሽጥን ግዳምን ሓይልታት እትኽበርን እትህረፍን፣ ዴሞክራስን ሰብኣውነትን ዝተጓናፀፈት ትግራይ ኣብ ምህናፅ ኩለመዳይ መሪሕነት ከምእነዕርፍ ቃል ንኣቱ።
ኣብ መወዳእታ እዚ መድረኽ ከምዚ ኢሉ ንኽሳለጥን ውድብ ከይተሸራረፈት ዓርሳ ኪኢላ ንኽትግምግምን ናይ ምድሓን ጉዕዞ ክትሕዝ ንዝገበርኩም ናይ ፀጥታን ድሕንነትን ኣመራርሓ፣ ዝተተካእኹም ማእኸላይ ኮሚቴ፣ ናይ ሃይማኖት ኣቦታት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ናይ ካድረታት ተወከልቲ ከምኡ’ውን መላእ ኣባልናን ወረጃ ህዝብናን ንኹለ መዳይ ፃዕርኹምን ሰብ ዋናነትኩምን ብሽም ውድብና ህወሓት እናመስገንና ፃማኹም ድማ የኽፍለና ንብል።
ውድብና ብምድሓን ንመድረኻዊ ተልእኹኡ ነብቅዕ!
ዘልኣለማዊ ክብሪ ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ላ/ኣመራርሓ ህወሓት
መጋቢት 14/2016 ዓ/ም
መቐለ