ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ፡ እታ ሃገር ክትጸሮ ካብ ትኽእል ንላዕሊ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ተገሊጹ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኣብ መንጐ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ዘሎ ወጥሪ እናዓረገ ምምጽኡን፡ ሓሓሊፉ’ውን ግጭታት ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ጸብጻባት ይቐርብ ምህላውን ከም ዘተሓሳሰቦ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ።
እቲ ኮሚሽን ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዞም ወጥሪታት ምግዳዶም ከምኡ’ውን ንዕኦም ዘዕርጉ ተረኻት ምህላዎምን፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ሰሜን ኢትዮጵያ ዓቢይ ስግኣት ደጕሉ’ሎ ብምባል ብፍላይ እታ ሃገር ዘላቶ ህልዊ ኩነታት ካልእ ኲናት ኮነ ጎንጺ ክስከም ከም ዘይኽእል ኣተሓሳሲቡ።
እቲ በብእዋኑ እናዓረግ ዝመጽእ ዘሎ ናህሪ ዋጋጋት፡ ሕጽረት ቀረብ መሰረታውያን ሃለኽቲ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዝነበሩ ሰፋሕቲ ምንቅስቓሳት ምህርቲ ደው ምባሎም፣ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት፡ ንማሕበራውን ቍጠባውን መሰላት እታ ሃገር ኣመና ጐዲእዎ እዩ ኢሉ።
በዚ መሰረት፡ እቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት፡ ኣብ ዝዀነ ክሊ ‘ታ ሃገር ዝካየድ ግጭት ይዅን ኲናት ዝሓቶ ዋጋ ክግመት ኣይከኣልን ብምባል፡ እቲ ግጭት ብሰፊሑ ንሲቪል ሰባት ከም ዝሃስን፡ ተወሳኺ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ሕግታትን ከም ዘስዕብ እቲ መግለጺ የገንዝብ።
ኣብ መንጐ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ዝተበጽሐ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ነቲ ን 18 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ውግእ ንምዕራፍ ከም ዘኽእል ተስፋ ተነቢርዎ’ኳ እንተነበረ፡ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዳግም ኲናት ክውላዕ ከም ዝኽእል ዝመላኽት ምዕባለታት ሕቶ ከስዕብ ጸኒሑ እዩ።
ነዚ መርእያ ዝዀኑ ነገራት ድማ፡ እቶም ብክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝወጽኡ መገለጺታትን፡ ሓሓሊፎም ኣብ ከባቢ ዶባት ተኸሲቶም ዝተባህሉ ግጭታትን እዮም።
ክልላዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣምሓራ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ ህወሓት ክፍኖ ንዝኽእል ዝበሎ “ወራር” ንምምካት፡ መሓውራት ጸጥታ እቲ ክልል ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሑ ኣዚዙ’ሎ።
ህወሓት፡ “መዓልታዊ ነጋሪት ኲናት እናሃረመ፡ ህዝቢ ትግራይ ንዂናት እናቐስቀሰ፡ ኣብ ልዕሊ ክልል ኣምሓራ ኲናት ኣዊጁ’ሎ፡” ኢሉ።
ኣብዚ ሰሙን፡ መራሕቲ ትግራይ ምስ ነበርቲ እቲ ክልል ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፡ ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝጸንሑ ሽግራት ብዲፕሎማሲያዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝተገብሩ ጻዕርታት ከምዘይተዓወቱ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ትግራይ ዕድሉ ባዕሉ ናይ ምውሳን መሰሉ ንምርግጋጽ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ቃልሲ ከም ዝበጽሐ ጠቒሶም።
ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞናት ትግራይ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ሕሱም ስቓይ ክግታእ፡ ነጻነቱ ንምርግጋጽ ክዳሎ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ርእሲ’ዚ መግለጺታት’ዚ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ኤርትራን ኣብ ከባቢታት ራማን ባድመን፡ ምልውዋጥ ከቢድ ብረትን ንሓጺር ግዜ ዝቐጸለ ወተሃደራዊ ግጭትን ተኻይዶም ነይሮም።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ፡ ነዚ ግጭት ንምፍታሕ ዘኽእል ዝበሎም ሓሳባት ንዅሎም ኣካላት ኣቕሪቡ’ሎ።
ተሳተፍቲ እዚ ግጭት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ መራኸቢ ብዙሃን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ወገናትን፡ ሃንጽቲ ዝርርባትን እቶም ክካየዱ ዝጸንሑ ጻዕርታትን ኣሐዲስካ እቲ ኵነታት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሑ ሓላፍነቶም ክስከሙ ሓሳብ ሂቡ’ሎ።
ነዚ ድማ ነቲ ግጭት ካብ ዘጋድዱ ተግባራት ጐስጓሳትን ዘረባታት ጽልኢን ክቝጠቡ፣ ብኣንጻሩ ንሓባራዊ ምርድዳእ፡ ምክእኣልን ሰላምን ነናይ ገዛእ ርእሶም ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ሓቲቱ።
ብተወሳኺ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ኢትዮጲያን ኵሎም፡ ኲናት ንምውጋድ፡ ሰላም ንምስፋንን ሃገራዊ ጻዕሪታት ክድግፉን ልዝብ ከመቻችኡን ሓቲቱ።
ኣብ ርእሲዚ፡ መንግስቲ ፈደራል፡ ከምኡ’ውን ሰበስልጣናት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን፡ እቲ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረዲኤት፡ ብዘይ ዝዀነ ዕንቅፋት ውሕስነቱ ብዝተረጋገጸ መገዲ ምዃኑ ከረጋግጹ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ሰበስልጣን ክልል ትግራይ’ውን፡ ንሰብኣዊ ረዲኤት ዘድሊ ምትሕብባር ክገብሩ፣ ህዝቢ ዘድልዮ ረዲኤት ምእንቲ ክኣቱ፡ ኣብ ጐረባብቲ ክልላት ካብ ዝግበርዎ ምሓዝ ቦታታት ክቝጠቡን፡ ነተን ረዲኤት ዘመላልሳ መካይን ከይወስዱን ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።
እቲ ቅድሚ ሰሙናት ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ሰበስልጣን ትግራይን ዝተበጽሐ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ኣብ ትግራይ፡ ዓፋር፡ ኣምሓራን ዘሎ ኣተሓሳሳቢ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ንምፍታሕ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ዝጠቐሰ እቲ ኮሚሽን፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምምጻእ የኽእል እዩ ካብ ዝብል እምነት ብጽቡቕ ከም ዝተቐበሎን ኣዘካኺሩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ዝሓሸ ሰብኣዊ ረዲኤት፡ ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ኣብ ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዝርከቡ ግዳያትን ዝተሃስዩ ከባቢታትን ዳግም ምጥያሶምን ዘላቒ ፖለቲካዊ ፍታሕን፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓታትነት ክህሉን ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከም ዘቕረበ፡ እቲ ኮሚሽን ገሊጹ።
እዚ ኲናት ብሰንኪ ዘስዓቦ ቅልውላው፡ ብዙሓት ኣብ ከቢድ ስቓይ ከም ዝረከቡ፡ ናብራኦም ዝተመዛበሉ፡ ዝፈትውዎም ቤተሰቦምን ኣዝማዶምን ከም ዝሰኣኑ፡ መሰረታዊ ዝበሃሉ ነገራት ኣብ ዘይብሉ፡ ሕወየት፡ ዳግመ ምጥያስ፡ ፍትሒ ምንጋስን ካልኦት ሓያለ ተግባራት ትጽቢት ዝግበረሎም ስጕምታት እዮም፡ ኢሉ።
ቅድሚ 18 ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ደማዊ ኲናት፡ ሂወት ኣሽሓት ቈጽዩ፡ ሚልዮናት ካብ መነባብሮኦም ኣፈናቒሉ፡ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡን እዩ።
ኣብ ትግራይ 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ድርኩኺት ጥሜት ክህልው እንከለው፡ ሚልዮናት ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲኤት መግብን መድሃኒትን ኰይኖም ኣለው።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጲያን ሓይልታት ትግራይን፡ ንስለሰብኣዊ ረዲኤት ተባሂሉ ተኣዊጁ ዝጸንሐ ስምምዕ ደው ምባል ተዅሲ፡ ኣብዚ እዋን ብዝርአ ዘሎ ሃዋሁ ኲናትን ወጥርን፡ ኣብ ሓደጋ ወዲቝ ከም ዘሎ ይንገር።