Services
Donate
Axumawian Media Network, LLC Axumawian Media Network, LLC
  • Home
  • News
  • Articles
  • Videos
  • Biography
  • Gallery
  1. Home
  2. News
  3. ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ግጭት ተላዒሉ ከምዝነበረ ተገሊጹ
 ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ግጭት ተላዒሉ ከምዝነበረ ተገሊጹ
News

ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ግጭት ተላዒሉ ከምዝነበረ ተገሊጹ

May 9, 2022 0 Comment

ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ

ኣብ ሞንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኤርትራን ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስኑ ቦታታት ብከቢድ ብረት ዝተሰነየ ውግእ ከም ዝነበረ ምንጪታት ቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ትማሊ ሰንበት [30 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም] ኣብ ከባቢታት ራማን ባድመን ኣብ ሞንጐ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን ዝተኻየደ ልውውጥ ተዅሲ ምንባሩ ይግለጽ።

ክልል ትግራይ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝዋሰነሉ ከባቢታት ጐንጺ ተላዒሉ ነይሩ፡ ክብሉ ምንጪታት ቢቢሲ ካብ ትግራይ ኣረጋጊጾም።

ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ መጥቃዕቲ ከፊቶም ብምባል ክኸስስ እንከሎ፡ ኣብቲ ከባቢ እውን “ውግእ ተኻይዱ’ዩ፡” ኢሉ።

እንተኾነ እቲ ግጭት ንሓጺር ግዜ ዝጸንሐ ከም ዝኾነን ልዑል ቍጽሪ ዝሓዘ እግረኛ ሰራዊት ዘየካተተ ብኸቢድ ብረት ዝተገብረ ምልውዋጥ ተዅሲ እዩ ነይሩ ክብል ገሊጹ።

እዚ መጥቃዕቲ፡ “ምትኹታኹ ባህሪ ህወሓት ዘርኢ’ዩ፡” ክብል ነቒፉ።

ቢቢሲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን። ህወሓት’ውን ብዛዕዚ ጉዳይ ዝሃቦ መግለጺ የለን።

መራሕቲ ህወሓት ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን፡ መራሕቲ ትግራይ ኲናት ትግራይ ‘ሰላማዊ ፍታሕ ዘይሰርሕ እንተኾይኑ ካልእ ኣማራጺ ክንወስድ ክንግደድ ኢና’ ክብሉ ኣጠንቂቖም ነይሮም።

ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶዮ ጉተረዝ ኣብ ዝጸሓፎ ‘ቅሉዕ ደብዳበ’፡ ዋላ’ኳ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ተኣዊጁ ዘሎ፡ “ሰብኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት” ናእዳኡ እንተገለጸ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይምቁራጽ ናብ ትግራይ ክኣቱ ጸቕጢ ኣይገበረን ክብል ነቒፉ።

“ዛጊት ዝኣክል ሞትን ዕንወትን በጺሑ እዩ። እንተኾነ፡ ህዝብና ብጥሜትን ብቐሊሉ ምክልኻል ዝከኣሉ ሕማማትን ክሃልቕ ስቕ ኢልና ክንዕዘብ ኣይንኽእልን። በዚ መሰረት ሰላማዊ ፍታሕ ዘይሰርሕ እንተኾይኑ ካልእ ኣገባብ ክንወስድ ክንግደድ ኢና፡” ክብል ኣብ ደብዳበኡ ገሊጹ።

ኣብቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቚጺሩ ዘሎ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ሰራዊት ኤርትራ ከምዝተሳተፈን ብገበናት ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ እቲ ኲናት፡ ሓይልታት ትግራይ’ውን ናብ ኤርትራ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሮኬት ከም ዝፈጸሙ ይዝከር።

እቲ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን’ውን ከም ዝልሓመ ይፍለጥ።

መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዝተኣወጀ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገበሩ’ኳ እንተገለጹ እቲ ጎንጺ ግን መሊኡ ኣይሃድአን።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ሰሜን ምዕራብ ኢትዮጵያ ብምኻድ፡ ድልውነት ሰራዊት እታ ሃገር ከም ዝተዓዘበ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ጸብጺበን።

Post Views: 645
Tags: BBC ትግርኛ
Previous post
Next post

Leave a Reply Cancel reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Latest Posts
News

Eritrean troops shell town in north Ethiopia – U.N.

May 31, 2022
Article

Tigray’s once-thriving agriculture sector has been purposely destroyed

May 31, 2022
News

ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራን ትግራይን ውግእ ከምዝተኻየደ መራሕቲ ትግራይ ገሊጾም

May 30, 2022
Article

ገንዘባቸውን ገንዘብ በመክፈል የሚያገኙት የትግራይ ቤተሰቦች

May 30, 2022
Axumawian Media Network, LLC Axumawian Media Network, LLC
  • Philadelphia, PA, USA
  • +1(267)518-5116
  • axumawianmedianet@gmail.com

Useful Links

About us
Contact
Da Tegaru
Biography
Services
Gallery
BECOME A MEMEBER

Follow Us

Download App

google-play-badge-300x116

Share

Blogger
Delicious
Digg
Email
Facebook
Facebook messenger
Google
Hacker News
Line
LinkedIn
Mix
Odnoklassniki
PDF
Pinterest
Pocket
Print
Reddit
Renren
Short link
SMS
Skype
Telegram
Tumblr
Twitter
VKontakte
wechat
Weibo
WhatsApp
Xing
Yahoo! Mail
Powered by WP Socializer

Copy short link

Copy link
Powered by WP Socializer