Services
Donate
Axumawian Media Network, LLC Axumawian Media Network, LLC
  • Home
  • News
  • Articles
  • Videos
  • Biography
  • Gallery
  1. Home
  2. Article
  3. ‘ክጨንቀና እንከሎ ካብ ሓኪም ዘይጽበ ንምዕድ’ – ሓኪም መንሽሮ ዓይደር ሆስፒታል
 ‘ክጨንቀና እንከሎ ካብ ሓኪም ዘይጽበ ንምዕድ’ – ሓኪም መንሽሮ ዓይደር ሆስፒታል
Article

‘ክጨንቀና እንከሎ ካብ ሓኪም ዘይጽበ ንምዕድ’ – ሓኪም መንሽሮ ዓይደር ሆስፒታል

May 9, 2022 0 Comment

ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ

ተኽለመድህን ተኽለሃይማኖት፡ ወዲ 14 ዓመት ቈልዓ እዩ። ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ከብዱ ሓቢጡ፡ ሓያል ረስኒ፡ ምንካይ ክብደት ሰብነትን መድመይቲ ኣፍንጫን ተራእይዎ፡ ካብ ተንቤን ናብ መቐለ ዓይደር መወከሲ ሆስፒታል መጺኡ።

መርመራ ምስ ተገብረሉ ግን፡ ሓካይም ሉኬሚያ ከም ዘለዎ ኣረጋጊጾም። ሽዑ ቀዳማይ ገጽ ሕክምና ኬሞቴራፒ ተገይርሉ ቅሩብ ከም ዝተመሓየሸ ሓካይም ይዛረቡ።

ኣብቲ ግዜ፡ ዝስዕብ ካልኣይ ገጽ ሕክምና ኬሞቴራፒ ንኽግበረሉ ድሕሪ ክልተ ሳምንቲ ክምለስ ተነጊርዎ ካብቲ ሆስፒታል’ኳ እንተወጽአ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣይተመለሰን።

ልዕሊ እቲ ዝግባእ ግዜ ጠፊኡ ናብቲ ሆስፒታል ክምለስ እንከሎ ግን፡ እቶም ምልክታት ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝገደዱ ኮይኖም ጸኒሖም።

“ንመርመራ ደምን መድሃኒታትን ዝኸውን ወጻኢታት ክንክእሎ ስለ ዘይከኣልና ኢና ጠፊና፡” ይብሉ ወለዱ።

ብሰንኪ’ዚ፡ እቶም ዝርኣይዎ ዝነበሩ ምልክታት’ውን ብወዓል ሕደር ምምሕያሽ ከርእዩ ይኾኑ’ዮም ብዝብል ተስፋ ኣብ ገዛ ሒዞምዎ’ዮም ጸኒሖም።

ይዅን’ምበር፡ እቲ ሕማም ስለ ዝበርትዖ ኣብቲ ሆስፒታል ደቂሱ ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሉ ኣሎ።

ሓካይም እቲ ሆስፒታል ግን፡ ብሰንኪ እቲ ሆስፒታል ኣጋጢሙዎ ዘሎ ሕጽረት ቀረባት ኣፋውስን ተዛመድቲ ጉዳያትን፡ ህጻናትን ኣባጽሕን ሕሙማት መንሽሮ ዝሕከምሉ ዓቕሚ እናተጸንቀቐ ብምምጽኡ ‘ብቀቢጸ ተስፋ ተዋሒጥና ንርከብ’ ይብሉ።

ዝበዝሐ ኣብ ህጻናት እቲ ክልል ዝርአ መንሽሮ ናይ ደም ከም ዝኾነ ዝጠቅስ ክኢላ ሕክምና መንሽሮን፡ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ መጽናዕቲ መንሽሮ [ኦንኮሎጂ] ዓይደር ዶክተር ክብሮም ሕሉፍ፡ እቶም ኣብ ህጻናት ዝርኣዩ መንሽሮ ብቐሊሉ ክሕከሙ ከም ዝኽእሉ የረድእ።

እንተኾነ፡ “ሕዚ እቲ ሕክምና የለን፤ ብህይወት ንኽጸንሑ መዓልቶም ዝሓለፎም መድሃኒታት ኢና ንጥቀም ዘለና፤ ምናልባት ዕድለኛታት ኮይኖም እንተሓውዮም ኣብ መጻኢ እንታይ ከጋጥሞም ከም ዝኽአል ኣይንፈልጥን፡” ይብል።

ኣብ ትግራይ፡ መብዛሕትኦም ሕሙማት መንሽሮ ቈልዑ ዘለዎም ስድራቤታት፡ ካብቲ ክልል ወጺኦም ደቆም ንኸሐክሙ ንመጓዓዝያን ካልእን ወጻኢታት ልዕሊ ዓቕሞም እዩ።

ሕክምና መንሽሮ ዝሓቶም ወጻኢታት ኣዝዩ ብዙሕን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ብምዃኑን ካልእ ጾር እዩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ መንሽሮ ዘለዎም ህጻናት ከም ኬሞቴራፒ ዝበሉ ግቡእ ሕክምና እንከይረኸቡ ኣብ ገዛኦም ይሞቱ ምንባሮም ሓካይም ይገልጹ።

ኣብቲ ሆስፒታል ክፍሊ ሕክምና መንሽሮ ህጻናት ኣብ 2017 ክኽፈት እንከሎ፡ እዞም ጸገማት ብምቅላል፡ ሰባት ኣብ ቀረባ ሕክምና ክረኽቡ፡ መንግስቲ ፍርቂ ወጻኢታት ኬሞቴራፒ ክሽፍኖን እቲ ዝተረፈ ክፍሊት ድማ ብመልክዕ ልቓሕ ክኸውን ብምግባር፡ ኣገልግሎት ክህብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ፣ ገለ ክፋላት ኣምሓራ፡ ዓፋር ከምኡ’ውን ኤርትራ ዝመጽኡ ሕሙማት መንሽሮ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ክግልገሉ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ቍጽሪ ሓደስቲ ህጻናት ተሓከምቲ ካብ 72 ናብ 110 ክብ ኢሉ ከም ዝነበረ መረዳእታ እቲ ሆስፒታል የመልክት።

ብሰንኪ እቲ ኲናትን ድሕሪኡ ዝስዓበ ዕጽዋን ግን፡ እዚ ቝጽሪ ብፍርቂ ከም ዝነከየ ሓካይም ይገልጹ።

ዝዓበየ ግድል ሆስፒታል ዓይደር

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝቐጸለ ዕጽዋን ልዕሊ 17 ኣዋርሕ ዘቝጸረ ኲናትን ሕሙማት መንሽሮ ካብቶም ብኸቢዱ ዝተሃሰዩ ተሓከምቲ’ዮም።

ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ፡ 1643 ኣባጽሕን 126 ህጻናትን ተሓከምቲ መንሽሮ ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝመጽኡ ዝጠቅስ ጸብጻብ ሆስፒታል ዓይደር፡ መብዛሕትኦም ሕሙማት ግን ብሰንኪ ጸገማት መጓዓዝያ፡ ገንዘብን ምቁራጽ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ስሩዕ ሕክምና ንምርካብ ኣይመጽኡናን ይብል።

“70 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ’የን፤ ካብዚአን እተን 30 ሚእታዊት መንሽቶ ጡብ ኣለወን። መንሽሮ ጫፍ ማህጸን ካብ ዘለወን 126 ደቂ ኣንስትዮ እተን 15 ጥራይ ናይ መጀመርታ ደረጃ መጥባሕቲ ክግበረለን’ዩ፤ እተን ዝተረፋ 111 ግን ናይ ኬሞቴራፒ ሕክምና ብዘይምህላው ንኽሞታ ናብ ገዛአን ተላኢኸን ኣለዋ፡” ይብል እቲ ሆስፒታል።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓካይም ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ንቢቢሲ ከም ዝበልዎ፡ ካብ ናውቲ ላባራቶሪ ክሳብ መድሃኒት ኬሞቴራፒ ሕጽረት ብምህላው፡ ልዕሊ 1700 ሕሙማት መንሽሮ ንሓደጋ ሞት ተቓሊዖም ምህላዎም ገሊጾም ነይሮም።

ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ዝነበረ ኣገልግሎት ኬሞቴራፒ ካብ 60 ክሳብ 70 ሚእታዊ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ልዕሊ 45 መድሃኒታት መንሽሮ ኣብ ፋርማሲ እቲ ሆስፒታል ከም ዝነበሩ ይግለጽ።

AYDER HOSPITAL

ሕጂ ዘሎ ኣገልግሎት ኬሞቴራፒ ግን ትሕቲ 10 ሚእታዊት ኮይኑ፡ ሰለስተ ዓይነት መድሃኒታት ጥራይ ከም ዘለው ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝወጽአ ጸብጻብ ክፍሊ ሕክምና መንሽሮ እቲ ሆስፒታል የመልክት።

ከም ውጽኢቱ ድማ መዓልቱ ዘሕለፈ ኣፋውስ ብምሃብ፡ ንሱ’ውን እናጸንቀቑ ከም ዝመጽኡ ክኢላ ሕክምና መንሽሮን ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ መጽናዕቲ መንሽሮ [ኦንኮሎጂ] ዓይደር ዶክተር ክብሮም ሕሉፍ የረድእ።

“ኬሞቴራፒ ምሉእ ንምሉእ ተቛሪጹ’ዩ፤ መድሃኒታት መንሽሮ ከበድቲ እዮም። ንኣብነት፡ ኬሞቴራፒ ዝወስድ ተሓካሚ ናይ ተምላስ ሽግር ክህልዎ ስለ ዝኽእል፡ ነዚ ዝወሃብ መድሃኒት ነይሩ፤ ንሱ’ውን የለን። ብግሉኮዝ መልክዕ ዝውሰዱ መድሃኒታት የለውን። ኣብ ደገ ብኽባር ዋጋ ይርከብ’ዩ፤ ግን ኣገልግሎት ባንኪ ስለዘየለ ተሓከምቲ ገንዘብ የብሎምን። መብዛሕትኦም፡ የለን ኢልና ንመልሶም። ናይ ምጽንናዕ ስራሕ እምበር ናይ ሕክምና ስራሕ ኣይኮንናን ንሰርሕ ዘለና” ኢሉ።

ሕሙማት መንሽሮ መዓንጣ ምሉእ ንምሉእ ሕክምና ከም ዘቋረጹ ክገልጽ እንከሎ፡ ብጠቕላላ ኵሎም ብመንሽሮ ዝተጠቕዑ ተሓከምትና ኣብ ከቢድ ሽግር እዮም ዝርከቡ ብምባል፡ ዝበዝሑ ሰባት ብመንሽሮ ጡብን መዓንጣን ዝሓመሙ ከም ዝኾኑ ገሊጹ።

“እዞም ተሓከምቲ ዝወስድዎም ዝተፈላለዩ መድሃኒት ነይሮም፤ ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ጸገም ግን ኣርባዕተ ዝወስዱ ዝነበሩ ሓንቲ ይወስዱ ኣለው። መዓልቱ ዝሓለፎ መድሃኒት ክንህቦም ጸኒሕና፤ ሕዚ ግን ንሱ’ውን ኣቋሪጽናዮ። ዝተጓደለ ሕክምና ኢና ንህብ ዘለና፡” ኢሉ።

‘ካብ ሓኪም ዘይትጽበዮ ንብል ኣለና’

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት 2022፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ኣንቲባዮቲክስ፣ መድሃኒት ዓሶን ሽኮርን ከምኡ’ውን መድሃኒታት ከቢድ ሕጽረት መግቢ ዝርከቦም ሕክምናዊ ቀረባት ናብ ትግራይ ከእቱ ፍቓድ ረኺበ ኢሉ ነይሩ።

እንተኾነ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ እቶም እታወታት ናብቲ ዝድለ ከብጽሖም ከም ዘይከኣለ ገሊጹ።

ብዝሒ ናብቲ ክልል ዝኣተው ኣፋውስ ግዜ ንዘይህቡ ወይ ብረኽሲ ዝመጽኡ ሕማማት መከላኸሊ ዝኾኑ እምበር፡ ንከም ሕማም መንሽሮ ዝበሉ ሕዱር ሕማማት ኣብ ግምት ዘእተው ኣይኮኑን ዝብል ዶክተር ክብሮም፡ ዝበዝሑ ዝኣተው ኣፋውስ ንዅሉ ሕብረተሰብ ይዅን ነዚ ሆስፒታል ግምት ዘእተው ኣይኮኑን ኢሉ።

ብሰንኪ’ዚ፡ ኣብ ቀረባ ግዜያት ብዙሓት ተሓከምቲ መንሽሮ ስኢንና ኢና ዝብል እቲ ክኢላ፡ ንኽንስእኖም ኣብ ጫፍ ዘለው’ውን ብዙሓት’ዮም ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።

“ህጹጽ ናይ ጨረር ሕክምና ዘድልዮም ኣለው። ኣስታት 500 ቀጻሊ ኬሞቴራፒ ክረኽቡ ዝግባኦም፣ ኣስታት 300 ህጹጽ ሕክምና ጨረር ዘድልዮም ኣለው። ስለዚ እዚኦም ንስእኖም ኣለና ማለት እዩ። ቴሌፎን’ውን ስለ ዘየለ፡ መድሃኒት የለን ዝበልናዮም ናብ ገዛኦም ምስ ከዱ ዝገጥሞም ኣይንፈልጥን ዘለና፡” ይብል።

ብፍላይ እቶም ካብ መቐለ ወጻኢ ዝሕከሙ ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብን መጓዓዝያን ዳርጋ ናብ ሕክምና ምምጻእ ጠጠው ከም ዘበሉ ሓቢሩ።

“መንሽሮ ከቢድ ሕማም’ዩ። እቲ ሕማም ሒዝዎም ዝመጽኡ ጐናዊ ሳዕቤናት ብዙሓት’ዮም። ናብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእልን ሕክምናኡ ከቢድን እዩ። ቅድሚ ሕዚ ሕክምና እናሃብና ተስፋ ኣለካ እዩ ንብል ነይርና፤ ሕዚ ግን ንሓደ ሕሙም፡ ‘ሕማምካ እዚ’ዩ ግን መድሃኒት የለን’ ምባል ከቢድ እዩ።

“ምንም ክገብር ኣይኽእልን ክትብሎ ከለኻ፡ ንዓይ ናይ ሞት ፍርዲ ምንጋር እዩ። ክጨንቀና እንከሎ ካብ ሓኪም ዘይጽበ ነገር ንብል፤ እስቲ ጸበል ትሓጺብኩም ፈትንዎ ኢልና ነፋንዎም፡” ብምባል የረድእ።

ሆስፒታል ዓይደር፡ እቶም ሕጂ ዘለውዎ ጸገማት እንተዘይተፈቲሖም፡ እቲ ሆስፒታል ንህጻናትን ኣባጽሕን ሕሙማት መንሽሮ ሕክምና ክህበሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ኣብ ኣፍ “ዕንወት” ከም ዝርከብ ብምግላጽ ሚኒስትሪ ጥዕናን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ትዅረት ክገብርሉ ሓካይም ይምሕጸኑ።

ኣብዚ ሰዓት ከም ናይ ባህሊ ሓኪም ጸበል ፈትን ክንብል ጀሚርና ኢና ዝብል ዶክተር ክብሮም፡ እቲ ሆስፒታል ብዘለውዎ ተደራረብቲ ጸገማት ኣብ ምዕጻው ደረጃ በጺሑ ብምህላው፡ ሕሙም ዘይሕከመሉ ዓዲ ከይኸውን እየ ዝሰግእ ክብል ዶክተር ክብሮም ሻቕሎቱ ገሊጹ።

“መዐገሲ ቃንዛ’ውን’ዩ ተሳኢኑ ዘሎ። ሓደ ሰብ የምልሰኒ ኣሎ ኢሉናስ ነዚኣ’ውን ኢና መድሃኒት ስኢንናላ። እቲ ሆስፒታል ኣብ ደረጃ ምዕጻው እዩ ዘሎ፤ እዚ ማለት ሰኣን ሕክምና ትውልዲ ምብራስ’ዩ፤ ህዝቢ ከይበርስ እዩ ዝዓበየ ስግኣትና፡” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን “ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት” ከም ዝገበሩ ድሕሪ ምእዋጆም፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ረድኤት ዝጸዓና መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ቀይሕ መስቀልን ናብ መቐለ ኣትየን እየን።

ይዅን’ምበር፡ እቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ጭቡጥ ውጽኢት ከርኢ ይዅን ኣብቲ ክልል ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ቴሌፎን፡ ኢንተርነት፡ ባንክን መጓዓዝን ናብ ንቡር ክምለሱ ኣይተራእየን።

“ብዙሕ ዝርአየና የለን፤ ዝበርህ መብራህቲ የለን። ጽልምትምት ዝበለ’ዩ፤ ተኣምር ተፈጢሩ ነገራት ክቕየር እንተዘይክኢሉ፡ ተስፋ ኣሎ ንምባል ይኸብደኒ’ዩ፡” ዝብል ዶክተር ክብሮም፡ እቶም ጸገማት ብቕልጡፍ ንኽፍትሑ ጻዕሪ ክግበር ሓቲቱ።

Post Views: 261
Tags: BBC ትግርኛ
Previous post
Next post

Leave a Reply Cancel reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Latest Posts
News

Eritrean troops shell town in north Ethiopia – U.N.

May 31, 2022
Article

Tigray’s once-thriving agriculture sector has been purposely destroyed

May 31, 2022
News

ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራን ትግራይን ውግእ ከምዝተኻየደ መራሕቲ ትግራይ ገሊጾም

May 30, 2022
Article

ገንዘባቸውን ገንዘብ በመክፈል የሚያገኙት የትግራይ ቤተሰቦች

May 30, 2022
Axumawian Media Network, LLC Axumawian Media Network, LLC
  • Philadelphia, PA, USA
  • +1(267)518-5116
  • axumawianmedianet@gmail.com

Useful Links

About us
Contact
Da Tegaru
Biography
Services
Gallery
BECOME A MEMEBER

Follow Us

Download App

google-play-badge-300x116

Share

Blogger
Delicious
Digg
Email
Facebook
Facebook messenger
Google
Hacker News
Line
LinkedIn
Mix
Odnoklassniki
PDF
Pinterest
Pocket
Print
Reddit
Renren
Short link
SMS
Skype
Telegram
Tumblr
Twitter
VKontakte
wechat
Weibo
WhatsApp
Xing
Yahoo! Mail
Powered by WP Socializer

Copy short link

Copy link
Powered by WP Socializer