Services
Donate
Axumawian Media Network, LLC Axumawian Media Network, LLC
  • Home
  • News
  • Articles
  • Videos
  • Biography
  • Gallery
  1. Home
  2. News
  3. ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ወረዳ ኣደኣ በርጋ ሓያለ ሰባት ብኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ተቐቲሎም
 ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ወረዳ ኣደኣ በርጋ ሓያለ ሰባት ብኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ተቐቲሎም
News

ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ወረዳ ኣደኣ በርጋ ሓያለ ሰባት ብኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ተቐቲሎም

May 2, 2022 0 Comment

ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ

ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ዞን ምዕራብ ሽዋ፡ ወረዳ ኣደኣ በርጋ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮምያ ሓያለ ሰባት ከም ዝቐተሉ፡ ተቐማጦ ‘ቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ብመሰረት’ዚ ካብ ነበርቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቶም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ፡ ትማሊ ዓርቢ 21 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም [29/04/2022] ቅትለት ዝፈጸምሉ ምኽንያት፡ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ዕጡቓት ንኣባላት ፖሊስ ድሕሪ ምቕታሎም እዩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ሓደ ካብኦም እቶም ብዓርቢ ዝተቐትሉ ሰባት ብውሕዱ 21 ሰባት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክጠቅስ እንከሎ፣ እቲ ሓደ ድማ ክሳብ 40 ከም ዝበጽሑ ይገልጽ።

ቢቢሲ ግን ነዚ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ’ውን ነዚ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ የለን።

ኣብቲ ከባቢ ብሰፊሑ ዝንቀሳቐስን፡ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ውግእ ዝርከብ፡ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ እናበለ ዝጽውዕ ጕጅለ፡ እቶም ትማሊ ብሓይልትታት መንግስቲ ዝተቐትሉ ሰባት 46 ምዃኖም ጠቒሱ፣ ስም ዝርዝር ናይቶ 15 ኸኣ ዘርጊሑ’ሎ።

ግንባር ናጽነት ኦሮሞ [ኦነግ] ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብወገኑ፡ ኣብ ወረዳ ኣደኣ በርጋ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ 15 ንጹሃን ዜጋታት ቀቲሎ ክብል ከሲሱ።

ኣብ መንጐ’ቶም ዝተቐትሉ፡ ወዲ 70 ዓመት ሽማግለ ከም ዝርከብ ዝመልከተ’ቲ መግለጺ፡ “እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ገንዘብ፡ ዝተፈላለየ ስልማታትን ንብረትን ይዘረፉን፡ መንበሪ ኣባይቲ የቃጽሉን ኣለው፡” ክብል ወሲኹ ኣስፊሩ’ሎ።

ሓሙስን ዓርብን እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?

ሓሙስ 21 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ፡ ፒክ-ኣፕ ኣብ ዝዓይነታ መኪና ተጻዒኖም ኣብ ገጠራት’ቲ ወረዳ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሃንደበት ብዕጡቓት ተጠቒዖም።

ኣብዚ መጥቃዕቲ፡ ብውሑዱ 10 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ከም ዝተቐትሉን ካልኦት ሰለስተ ኸኣ ከም ዝቘሰሉን፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም።

ብሰንኪ’ዚ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ዝወረደ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ወረዳ ኣብ ዝርከባ ኢንጪኒ፡ ሙገር፡ ሬጂን ጂማታን ኣብ ዝተባህላ ንኣሽቱ ከተማታት ወጥሪ ከም ዝሰፈነ ተገሊጹ።

“ኣብ ጂማታ፡ ገዛ ገዛ እናኣተው፡ ተፍትሽ ብምግባር ሰባት ክቐትሉ ጀሚሮም፡” ክብል ሓደ ተቐማጢ ንቢቢሲ ይገልጽ።

“ሬሳታት ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ፡ ቦታታት ሕርሻ፡ ኣብ ወሰናስን ጽርግያታት ፈቘድኡ ተበቲኑ ይርአ ነይሩ፡” ክብል ሓደ ነባሪ ጂማታ ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ኣብ ሆለታ ዝርከብ ሰብ ይገልጽ።

ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ክጕርጕሩን ቅትለት ክፍጽሙን እንከለው፡ ‘ሸኔ ትሓብኡ ዘለኹም ንስኻትኩም ኢኹም፡’ ይብሉ ከም ዝነበሩ፡ ካብቶም ግዳያት ከም ዝሰምዑ፡ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ይገልጹ።

ሓደ ተቐማጢ ከተማ ኢንጪኒ ብወገኑ፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዝጸንሑ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ሓይሊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ኣብ ዝሰዓበ መዓልቲ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ቅትለት ከም ዝፈጸሙ ይዛረብ።

እዚ ተቐማጢ ኢንጪኒ፡ “ኣብ ሆስፒታል እታ ከተማ ብዙሕ ዕግርግር ነይሩ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ስለዝፈራሕና ግን ናብኡ ኬድና እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ክንሓትት ኣይከኣልናን፡” ኢሉ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ኣብ ጂማታ ሓያለ ኣባይቲ ከም ዝተቓጸሉ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ነዚ ጉዳይ ብዘመልከተ፡ ንመንግስታዊ ሰበስልጣን ‘ቲ ከባቢ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰመረን።

ኮምሽነር ኮምሽን ፖሊስ ኦሮምያ ኣራርሳ መርዳሳ፡ ከምኡ’ውን ምኽትሉ ግርማ ገላ፡ ንዝተገብረሎም ተደጋጋሚ ጻውዒት ተሌፎን ኣይመለሱን። ብተመሳሳሊ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ድሕነትን ኦሮሚያ ሻፊ ሑሴን፡ “ኣነ ካብ ስርሐይ ተኣልየ እየ፣ ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ክህብ ዝኽእል ኮምሽን ፖሊስ ኦሮምያ እዩ፡” ክብል ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ነቲ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝብል፡ ንሱ ኸኣ፡ ሸኔ ብምባል ዝጽውዖ ዕጡቕ ሓይሊ፡ “ወፍሪ ምጽራግ” ጀሚረ ኣለኹ ካብ ዝበለሉ ግዜ፡ ኣብ መንጐኦም ዝካየድ ውግኣት እናሓየለ መጺኡ’ሎ።

መንግስቲ ፌደራል ነቲ ሽበራዊ ጕጅለ ክብል ዝፈረዶ ጕጅለ ‘ሸኔ’ ንምጥፋእ፡ ንሓደ ወርሒ ዝቕጽል ሓያል ወተሃደራዊ ወፍሪ ከም ዘበገሰ ቅድሚ ሒደት ሳምንቲ ኣፍሊጡ’ዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ መንግስቲ፡ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ሽዋ ኣብ ዝሓለፉ ሳምንቲ ብድሮናት ዝተሰነየ መጥቃዕትታት ክገብር ጸኒሑ’ሎ።

ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ነዚ ኣመልኪቱ ቅድሚ ገለ መዓልታት፡ እቲ “ሸኔ ንምጽራግ” ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ዝያዳ ሓዪሉ ይቕጽል ኣብ ርእሲ ምህላው፡ ንዝተበገሰሉ ዒላማ ብግቡእ ይወቅዕ ከም ዘሎ ዘመልክት መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።

ኣፈኛ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ኦዳ ተርቢ ግን፡ “ወተሃደራትና ይዋግኡ እዮም ዘለው፣ ዓወት እንተዘይኰይኑ ስዕረት ኣይገጠመናን። ልዕሊ 400 ወተሃደራትን ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ መሳርያታትን ማሪኽና ኣለና፡” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

Post Views: 46
Tags: BBC ትግርኛ
Previous post
Next post

Leave a Reply Cancel reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Latest Posts
Article

መፍትሔው፡ ምስረታ ሀገረ ትግራይ እውን ማድረግ ነው

May 27, 2022
Article

Ethiopia’s Lenders Slowly Curbing Loans as War Rages On

May 26, 2022
Article

Ethiopia’s Abiy Encounters Fresh Dissent as Former Allies Rebel

May 26, 2022
News

Drought Ravaging East Africa Bankrupts Farmers, Empties Schools

May 26, 2022
Axumawian Media Network, LLC Axumawian Media Network, LLC
  • Philadelphia, PA, USA
  • +1(267)518-5116
  • axumawianmedianet@gmail.com

Useful Links

About us
Contact
Da Tegaru
Biography
Services
Gallery
BECOME A MEMEBER

Follow Us

Download App

google-play-badge-300x116

Share

Blogger
Delicious
Digg
Email
Facebook
Facebook messenger
Google
Hacker News
Line
LinkedIn
Mix
Odnoklassniki
PDF
Pinterest
Pocket
Print
Reddit
Renren
Short link
SMS
Skype
Telegram
Tumblr
Twitter
VKontakte
wechat
Weibo
WhatsApp
Xing
Yahoo! Mail
Powered by WP Socializer

Copy short link

Copy link
Powered by WP Socializer