ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሶላት ዒድ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት በጺሑ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ 24 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ኣብ ሶላት ዒድ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ኣፍሊጡ።
ስግዳን ሶላት ዒድ ከይተፈጸመ እንከሎ ኣብ ከባቢ ቤተ መዘክር ሰማእታት ቀይሕ ራዕዲ፡ “ውሑዳት ውልቀሰባት ብዘልዓሉዎ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት በጺሑ” ክብል ገሊጹ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብቐጥታ ዝተመሓላለፉ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዝድርብዩ ዝነበሩ ውልቀሰባት መንብዒ ጋዝ ክትኩስ የርእዩ።
እቶም ምስልታት ብተወሳኺ ነቶም ናብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታን ህንጻታትን እምኒ ንዝድርብዩ ዝነበሩ ጠጠው ንምባል ዝከላኸሉ ዝነበሩ ሰባት የርእዩ።
በዚ ኣብ ጥቓ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ዘጋጠመ ክስተት ኣብ ልዕሊ ሰባት ብዛዕባ ዝበጽሐ ጉድኣት ግን ፖሊስ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።
እቲ ኣብ ሞንጎ ንሶላት ዝወጽኡ ሰባትን ሓይልታት ጸጥታን ዝተፈጥረ ግጭት መበጊሱ ክሳብ ሕጂ ግልጺ እኳ እንተዘይኮነ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ግን ቅድም ኢሉ ብኣንፈት ደቂ ኣንስትዮ ይሰግዳሉ ዝነበራ ከባቢ ድምጺ ጥይት ወይ መንብዒ ትኪ ክትኮስ ይስማዕ ከም ዝነበረ ተዛሪቦም።
ኣብቶም ብቀጥታ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝመሓላለፉ ዝነበሩ ምስልታት’ውን መስትያት ናይቲ ኣብ ከባቢ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤተ መዘክር ሰማእታት ቀይሕ ራዕዲ ብእምኒ ክረግፍ ተራእዩ።
ብተወሳኺ ኣብቲ እቲ ዕግርግር ዝተፈጥረሉ ቦታ ዝተተኸሉ ዕምበባታት ዓንዮም ኣለው።
ቢቢሲ ዘዘራረቦን ምስ ኣባላት ስድርኡ ንክሰግድ ናብ ስታድየም ዝኸደን መሓመድ በቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር እቲ ስነ ስርዓት ከይተዛዘመ ምእመናን ከም ዝተበተኑ ሓቢሩ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ስግዳን ብዙሕ ህዝቢ ከም ዝነበረ ዝዛረብ መሓመድ፡ “ኣነን ቤተሰበይን ብሸነኽ ጨርቆስ ጠጠው ኢልና ነይርና” ይብል።
ስግዳን ቅድሚ ምጅማሩ “ጸገም ክፍጠር ስለ ዝኽእል ተጠንቂቕኹም ስገዱ” ዝብል ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ስግዳን ከም ዝተጀመረ ገሊጹ።
ይኹን’ምበር፡ እቶም ኣመንቲ ኣብ ስግዳን እናሃለው ድምጺ ጥይት ይኹን መንብዒ ትኪ ምዃኑ ብግልጺ ዘይተፈልጠ ድምጺ ብኣንፈት መስቀል ኣደባባይ ብተደጋጋሚ ይስማዕ ከም ዝነበረ ይዛረብ።
“ብኣንፈት እቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝሰግዳሉ ከባቢ ዕግርግርን ህድማን ርኢና። ሶላት ኣቋሪጾም ዝወጽኡ ብዙሓት ሰባት ነይሮም። ንሕና’ውን ቆልዑ ስለ ዝሓዝና ምጽቕጥቓጥ ከይህሉ ብዝብል ሶላት ከይተወድአ ወጺእና” ኢሉ።
ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሕጂ እቲ ምእመን “ተረጋጊኡ ናብ ዝመጽኣሉ ይምለስ ኣሎ” ክብል እንከሎ ምኽንያት እቲ ዕግርግር እዮም ዝበሎም ንህዝቢ ከም ዘፍልጥ ሓቢሩ።
ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ፖሊስ ፌደራልን ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ኣብ መጀመርታ ናይቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጎንጺ ተላዒሉ ብዙሓት ሰባት ብምሟቶም ኣብ ተኸተልቲ እምነተት እስልምና ቁጥዐ ፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብታ ከተማ ብውሑድ 20 ሰባት ከም ዝሞቱ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ’ዩ።
ድሕሪኡ’ውን እንተኾነ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለየዩ ትካላት እምነት ዕንወት በጺሑ።