ኣብ ጎንደር ብዝተላዕለ ሃይማኖታዊ መልክዕ ዘለዎ ጎንጺ ህይወት ሰባት ሓሊፉ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ትማሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ሃይማኖታዊ መልክዕ ዘለዎ ጎንጺ ተላዒሉ ክሳብ ሕጂ ህይወት 20 ሰባት ከም ዝጠፍአ ተገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሐን መሳጊድ ከም ዝተቓጸሉን ተገሊጹ።
ሓላፊ ዘፈር ፍልጠትን መስጊድን ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ ሓጂ ዑስማን ዑመር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ክሳብ ሕጂ 20 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣረጋጊጹ።
መንግስቲ እቲ ክልል ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ሰባት ከም ዝሞቱ፣ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሐን ንብረት ከም ዝዓነወን ሓቢሩ።
እንተኾነ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባትን ዝዓነወ ንብረትን ብግልጺ ኣየቐመጠን።
እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ረፋድ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣብ ጎንደር መካነ መቓብር እስላም ይፍጸም ኣብ ዝነበረ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ንቀብሪ ኣብ ልዕሊ ዝመጽኡ መናእሰይ ብነፍሲ ወከፍን ብጉጅለን ተጠቒዖም’ዮም ይብል።
እቲ መጥቃዕቲ “ኣቐዲሞም ብዝተዳለው ኣጽዋር” ዝተፈጸመ እዩ ዝብል እቲ መግለጺ፡ ህይወት ሰብ ሓዊሱ ናይ እስላም ድኳናት ከም ዝተዘመቱን መሳጊድ ከም ዝተቓጸሉን ከምኡ’ውን እስላም እናተፈለዩ ከም ዝተቐጥቀጡ የብርህ።
ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስልምና ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ብምኹናን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ እስላም ክኹንኑዎ ጸዊዑ።
መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ መግለጺኡ “ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰላማውያን ሰባት፣ ኣካልን ንብረትን ብዝበጽሐ ጉድኣት ዓᎁቕ ሓዘን ከም ዝተሰምዐና ብምግላጽ ንስድራ ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።
ብተወሳኺ መጠን እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት መረዳእታ ብምእካብ ንህዝቢ ከም ዘፍልጥን ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ክሰርሕ ከም ዝጀመረን ሓቢሩ።
እቲ ጎንጺ፡ ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ቀብሪ ፍሉጥ ሸኽ እታ ከተማ ዝነበሩ ሸኽ ከማል እዩ ተላዒሉ።
ኣብቲ ናይ መቓብር ቦታ፡ ንቐብሪ ዝኸውን እምኒ ክልዓል እንከሎ እቲ ናይ መቓብር ቦታ ኣብ ጥቓ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝኾነ “እቲ እምኒ ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተክርስቲያን’ዩ ዘሎ” ብዝብል ውጥጥ ከም ዝተላዕለ ይግለጽ።
ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን እቲ ክልል ኣቶ ደሳለኝ ጣሰው ኣብ ሞንጎ ተኸተልቲ እምነት እስልምናን ክርስትናን ግጭት ንምልዕዓል ብዝብል “ግጉይ ሓበሬታ ብምሃብ እምኒ ምድርባይ” ተጀሚሩ ክብል ንቴሌቪዥን ክልሉ ተዛሪቡ።
ንቐብሪ ዝኸውን እምኒ “ከነልዕል ኢና፤ ናይቲ መስጊድ’ዩ። ኣይተልዕሉን ናይ ቀጽሪ እቲ ቤተክርስቲያን እዩ” ብዝብል ገለ ውልቀሰባት ዝጀመሩዎ ጎንጺ ምኽንያት ሞትን መጉዳእቲ ኣካልን ኮይኑ’ዩ ይብል መግለጺ መንግስቲ ኣምሓራ።
መንግስቲ “ብኣኽራሪ ኣተሓሳስባ ዝፍጠር ምዝራግ ሰላም ኮነ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኣካልን ንብረትን ዝበጽሕ ዕንወት ዝሽከም እንግድዓ የብሉን ኣይንዕገስን” ብምባል ምስቲ ጎንጺ ብዝተሓሓዝ ተሓተቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝወስድ ኣፍሊጡ።