ብምኽንያት ስእነት መድሓኒት ሰብ ሞያ ጥዕና’ውን ከምዝሞቱ ሆስፒታል ዓይደር ኣፍሊጡ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ሆስፒታል ዓይደር፡ ኣብዚ እዋን እቲ እንኮ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ዝዓበየ ሆስፒታል ትግራይ እኳ እንተኾነ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒት፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህብ ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ ይርከብ።
ኣብቲ ክልል ሰኣን ቀረብ ኣፋውስ ህፃናት ዝርከብዎም ተሓከምቲ ይሞቱ ከም ዘለዉ ዝገልጹ ሓካይም እቲ ሆስፒታል፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ዘሎ ዕጽዋ ኣፋውስን ናውትታት ሕክምናን ክበፅሕ ኣይከኣለን።
ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒትን እኹል ኣገልግሎት ሕክምናን፡ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር መዓልታዊ ካብ 4 ክሳብ 6 ሬሳታት ናብ ዘፋንወሉ ደረጃ ከምዝበጽሐ ሰብሞያ ሕክምና እቲ ሆስፒታል ይዛረቡ።
ሰኣን መድሓኒትን ግቡእ ኣገልግሎት ሕክምናን ንሞት ካብ ሞንጎ ዝተሳጥሑ ሰባት ድማ፡ ሰብሞያ ሕክምና እቲ ሆስፒታል ከምዝርከብዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ሓላፊ ኣገልግሎት ነርሲን ሆስፒታል ዓይደር፡ ቴድሮስ ካሕሳይ፡ እቲ ሆስፒታል ካብ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ንዝመጽኡ ተሓከምቲ ኣገልግሎት ይህብ ምንባሩ የዘኽኻር።
ሓገዝ ውድብ ጥዕና ዓለም?
እቲ ቅድሚ ኲናት እኹልን ብቑዕን ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ዓብዪ ሆስፒታል: ኣብዚ እዋን ግን ኣብ ዝተዳኸመ ዓቕሚ ከምዝርከብ እቲ ሓላፊ ይገልፅ።
ንሱ ከምዝብሎ ዓቕሚ ናይቲ ሆስፒታል ክዳኸም ዝጀመረ እቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዝነበረ ልፍንቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኢህወዴግ ፈሪሱ ብልፅግና ካብ ዝኸውን ንደሓር’ዩ።
ንሓደ ዓመት ሙሉእ ብሙሉእ ብዘይበጀት እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምግላጽ፡ “ኣብዚ እዋን ኣስታት 30 ሚኢታዊት ብዝኸውን ዓቕሚ’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ” ክብል ንዓቕሚ ሆስፒታል ዓይደር የረድእ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት መጠን ዝተኸዘነ መድሓኒት ናብ 10 ሚኢታዊት ጥራሕ ወሪዱ ዝነበረ ኮይኑ፤ እቲ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝመጽአ መድሓኒት ተወሲኽዎ ነቲ ዕቑር መድሓኒት ናብ 20 ሚአታዊት ኣደይብዎ ነይሩ።
“ግን ድማ እቲ ንዓይደር ዝተወሃበና ኮታ ውሑድ ብምንባሪኡ እቲ መድሓኒት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ተወዲኡ። እቲ ዝኣተወ መድሓኒት ብመጠን ጥራሕ ዘይኮነስ ብዓይነት እውን ውሑድ’ዩ” ክብል ይዛረብ ሓላፊ ኣገልግሎት ነርሲን ሆስፒታል ዓይደር ቴድሮስ።
ንኸም ካንሰር፣ ደም ብዝሕን ካልኦት ሕዱር ሕማማት ዝበሃሉ መድሓኒትታት ምሉእ ብምሉእ ኣይኣተወን። ስለዚ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ምምሕያሽ ኣገልግሎት ተራእዩ’ኳ እንተነበረ፤ ኣብዚ እዋን ግን ናብቲ ዝነበሮ ተመሊሱ’ሎ።
11 ኣዋርሕ ብዘይ መሃያ
ኣብ ክፍሊ ምርመራ ዘገልግሉ ናውቲ፣ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዝውዕሉ መድሓኒት፣ ንማሽናት ሓይሊ ኤለክትሪክ ዘመንጩ ነዳዲ፣ መግቢ ንደቂሶም ዝሕከሙ ሰባት ከምኡ’ውን ንሰራሕተኛታት ዝኽፈል መሃያ ኣብ ዘይብሉ ዓብዪ ሆስፒታል ምስራሕ ኣዝዩ በዳሂ ከምዝኾነ ቴድሮስ ይዛረብ።
ኣብ ክፍሊ ሕክምና ሓደጋ (ኢመርጀንሲ) ዝሰርሕ ነርስ ገብረ የዕብዮ፤ ሰባት ንሕክምና መጺኦም ኣብ ቅድሜና ህይወቶም እንትስእኑ ምርኣይ ናይ ሕልና ዕረፍቲ ዝኸልእ ኩነት’ዩ” ክብል ነቲ ዘሎ ኩነታት ገሊጹ።
“እቲ ሰራሕተኛ ኩሉ: ብዝተኽኣሎ መጠን እናኣተወ ይሰርሕ’ዩ ዘሎ። ዋላ እናጠመዮን ካልእ ሽግራት እናሃለዎን ኩሉ ኣትዩ ይሰርሕ ኣሎ። ዝኸኣልናያ ኩላ ንገብር ኣለና። ብርግፅ ብሰንኪ ጥምየት ዝተርፈና ሰብ ኣሎ’ዩ” ክብል ነቲ ኩነታት የረድእ።
መዓልታዊ ዝብላዕ ዝስእኑ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ከምዘለዉ ብምሕባር ድማ ነዚ ኩሉ ተጻዊሩ ናብ ስራሕ ዝኣቱ ሰራሕተኛ ክሳብ እታ ዝወድቕ እናሰርሐ ከምዝርከብ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ልብና እናደመየ እዩ ዝነብር ዘሎ። ከቢድ ኩነታት’ዩ። ሰብ ሞያዊ ሓገዝካ ደልዩ ግን ድማ ዋላ ሓደ ነገር ክትገብረሉ ዘይትኽእል እንተኾይንካ ኣይኮነን’ዶ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኾይንካ ናብ ገዛኻ ከይድካ’ውን ሰላም ኣይትረክብን” ይብል ነቲ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዘሎ ኩነታት ክገልጽ ከሎ።
ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ለይቲ ደቂስካ ናብ ሕልናኻ ዝመላለስ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ህጻናት መጺኦም ብኦኣርኤስ ወይ ካልእ ንኢሸተይ ነገር ህይወቶም ምምላስ እናተኽኣለ፤ ዘድልይ ነገር ብዘይምርካብካ ክትስእኖም ብጣዕሚ ከቢድ’ዩ።
“በቃ ኢድካ ኣጣሚርካ ኢኻ ደው እትብል። ልብኻ ዘድምይ ነገራት እምበር ተሓጒስካ እትሰርሓሉ ስራሕ ኣይኮነን” ይብል ገብረ።
ኣብዚ እዋን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብዘይምህላዉ ሰራሕተኛታት ክሳብ ናይ ክልተ ሰዓታት ርሕቐት ብእግሮም ተጓዒዞም ናብቲ ሆስፒታል ከምዝበጽሑ ቢቢሲ ዘዘራረቦም እቲ ሰብሞያ ሕክምና ሓቢሮም።
“መዓልታዊ ክሳብ 6 ሬሳ”
ሓላፊ ኣገልግሎት ነርሲን ሆስፒታል ዓይደር ቴድሮስ ከምዝብሎ እቲ ስእነት መድሓኒትን ኣገልግሎት ሕክምናን ህይወት ተሓከምቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ምኽንያት ሞት ሰብሞያ ጥዕና’ውን ኮይኑ ይርከብ።
“ኣብዚ ክልተ ወርሒ ክልተ ነርስታት ሞይቶምና ኣለዉ። ክሓውዩ ይኽእሉ ነይሮም። ግን ድማ መድሓኒት ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ኤምኣርኣይ ዝተብሃለ ማሽን ይሰርሕ ብዘይምህላዉ ኣይተረኣዩን” ይብል ቴድሮስ ኣብቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ናውቲ ሕክምና ኣገልግሎት ይህቡ ዘይምህላዎም ብምሕባር።
ንሱ ከምዝብሎ እቲ ማሽን እተዝሰርሕ ነይሩ “ስካን” ተጌሮምን ሕክምና ረኺቦምን ክሓውዩ ምኸኣሉ ነይሮም።
“ብፍላይ እታ ሓንቲ ነርስ እቲ ኤምአርኣይ ማሽን ይሰርሕ ብዘይምህላዉ ሕማማ ብንፁር ክፍለጥ ኣይተኽኣለን። በዚ ምኽንያት ሕማማ ብኢሱ ተወጺዓ። ኣቐዲሙ እንተዝፍለጥ ክትሓውይ ምኸኣለት ነይራ። እቲ ካልኣይ ነርስ ከኣ እቲ ክወስዶ ዝግባእ መድሓኒት ኣብዚ ሆስፒታል ስለዘየለ፤ እቲ ሆስፒታል እውን ክሕግዞም ብዘይምኽኣሉ ዝሰኣንናዮም መሳርሕትና እዮም” ይብል ብጓሂ።
ኣብዚ እዋን መዓልታዊ ክሳብ ኣርባዕተ ኣስከሬን ካብዚ ሆስፒታል ይፋኖ’ሎ። ቀደም ግን ኣብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ መዓልቲ ሓደ ሬሳ ይወጽእ ነይሩ።
“ሎሚ መዓልታዊ ዝፋኖ ሬሳ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሓሓሊፉ ድማ ክሳብ ሽድሽተ ይበጽሕ” ክብል ቴድሮስ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ካብቶም መዓልታዊ ኣብቲ ሆስፒታል ህይወቶም ሓሊፉ ኣስከሬኖም ዝፋኖ ተሓከምቲ መብዛሕቲኦም ግዳያት ሕዱር ሕማማት ኮይኖም ብፍላይ ብመንሽሮ (ካንሰር) ዝተጠቕዑ ይርከብዎም።
ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕጽረት ገንዘብ፡ ሆስፒታል ዓይደር ብዝኸኣሎ ዓቕሚ: ኣገልግሎትን መድሃኒትን ንዝህቦም ተሓከምቲ ዘኽፍሎም ገንዘብ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።
ሓላፊ ኣገልግሎት ነርሲን ቴድሮስ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ዘየሎ መድሓኒት ካብ ደገ ንምዕዳግ ዝጽገሙ፤ ካብ ርሑቕ ከባብታት ትግራይ መጺኦም መምለሲ ዝሰኣኑ ፤ናይ ዝሞቱ ሰባት ሬሳ ንምውሳድ ዝሽገሩ ሰባት ምርኣይ ብሓዘን ዝሰብሩ ተጓንፎታቶም ከምዝኾኑ ጠቒሱ።
ኣብዚ እዋን ከኣ ንተሓከምቲ ኮነ ንገለ ሰራሕተኛታት ዝቐርብ ዝነበረ መግቢ ብምቁራጹ ኣስታት 240 ተሓከምቲ ናብ ገዝኦም ተፋንዮም ኣለዉ።