ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ምሉእ ብምሉእ ከም ዝወጽኡ ተገሊጹ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ተቘጻጺሮምዎ ዝጸንሑ ቦታታት ክልል ዓፋር ምሉእ ብምሉእ ለቒቘም ከም ዝወጽኡ፡ ኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከም ዘፍለጠ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብቲ ትማሊ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ሰራዊትና ካብ መላእ ዓፋር ለቒቝ ወጺኡ’ሎ፡” ክብል ኣፍሊጡ።
ኣድላይነት ናይዚ ስጕምቲ’ዚ፡ ናብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ትግራይ፡ ብዘይዕንቅፋትን ብዘተኣማምን መገዲን ዘድሊ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምብጻሕ ምእንቲ ኽከኣል ምዃኑ፡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የመልክት።
ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ ክልል ዓፋር ምሉእ ብምሉእ ንምውጻእ፡ መስርሕ ምእታው ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረዲኤት [ንትግራይ] ክካየድ፣ ከምኡ’ውን ኵሎም ተቛሪጾም ዘለው መሰረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ትሕተቕርጽን ንቡር ስርሖም ክጅምሩን፡ ዝብሉ ዝተወሰኑ ነጥብታት ከም ቅድመ ዅነት ኣቐሚጡ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ መግለጺ፡ ከም ቅድመ-ዅነት ካብ ዝሰፈሩ ነጥብታት፡ ንህዝቢ ትግራይ ወሳኒ ዝዀነ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምትሕልላፍ ዘኽእል ዘተኣማምን መተሓላለፊ ኮሪደር ክህሉ፣ ዘላቒ፡ ዘይተገደበ፡ እዋኑ ዝሓለወን እኹልን ረዲኤት ንምቕራብ ዘኽእል መስርሕ ክፍጠርን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ክለዓልን ኣድላዪ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኣገልግሎት ክምለስን ከም ዝግባእ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ እዩ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን፡ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዝለሓመን ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ማይ፡ ቴሌፎን፡ መጓዓዝያ፡ ኣገልግሎት ባንክን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ተቋሪጾም ኣለው።
ነዚ፡ ብወገን ህወሓት ዝተነግረ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ክልል ዓፋር ወጺኦም ከም ዘለው ዝነግር መግለጺ ንምርግጋጽ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌደራልን፡ ሰበስልጣን ክልል ዓፋርን ዝተገብረ ተደጋጋሚ ደወል ቴሌፎን፡ ዛጊት ክሰልጥ ኣይከኣለን።
እንተዀነ፡ ቤት ጽሕፈት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ረዲኤት ዝጸዓና 74 መካይን ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብ ትግራይ ከም ዝተበገሳ ብምግላጽ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምሉእ ብምሉእ ክወጹ ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።
ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ መግለጺ መንግስቲ፡ እተን ቅድሚ ሕጂ ናብ ትግራይ ዝኸዳ’ሞ ገና ዘይተመልሳ ዘለዋ 1025 ዓበይቲ መካይን ጽዕነት ክምለሳ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር ይጽውዕ።
ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ካብ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ዓፋር ኣሕመድ ሓሪፍ ዝረኸቦ ቃል፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከተማ ኣብዓላ ዝወጹ’ኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ካልኦት ሰለስተ ወረዳታት ከም ዘለው ዝገለጽ እዩ።
ብተወሳኺ እቲ ኮሚሽነር ፖሊስ፡ ካብ ሰበስልጣናትን ኣባላት ሚሊሻን ‘ቲ ከባቢ ረኺበዮ ዝበሎ ሓበሬታ ምርኵስ ብምግባር፡ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ቀንዲ ንኣብዓላን መቐለን ዘራኽብ ጽርግያ ተቘጻጺሮም ከም ዘለው፡ ንሮይተርስ ገሊጹ’ሎ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ክልል ዓፈር ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ቦታታት፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ኣቢሉ ከም ዝተቘጻጸርዎም ይፍለጥ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሙኒኬሽን ክልል ዓፋር፡ ኣቶ ኣሕመድ ኻሎይታ፡ ሓይልታት ትግራይ ንሓሙሽተ ወረዳታት ‘ቲ ክልል ከም ዝተቘጻጸሩ ቅድም ክብል ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ዞን ‘ኪልበቲ ረሱ’ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝጸንሓ ሓሙሽተ ወረዳታት፣ ኣብዓላ፡ መጋሌ፡ ኢሬብቲን ብራሕለን እየን።
ቅድሚ ሒደት ሳምንቲ፡ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዝቐልጠፈ መገዲ ንኽበጽሕ ብዝብል ዕላማ፡ መንግስቲ ፌደራል፡ ግጭት ደው ናይ ምባል ውሳነ ከም ዘሕለፈ ኣይርሳዕን።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ እኹል ረዲኤት፡ ‘ቅቡል ኣብ ዝዀነ ግዜ’ ዝበጽሕ እንተዀይኑ፡ ነቲ ምቍራጽ ግጭት ከም ዘኽብርዎ ኣፍሊጦም እዮም።
ብመሰረት’ዚ ምዕባለታት ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኢሬብቲ ካብ ዝበሃል ቦታ ክልል ዓፋር ከምዝወጽኡ ሰበስልጣን ትግራይ ክገልጹ እንከለው፣ ናብዚ ውሳነ’ዚ ዝተበጽሐ ንሰብኣውነት ተባሂሉ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክኽበርን፡ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረዲኤት ንትግራይ ክበጽሕ ተባሂሉ ምዃኑን ምግላጾም ይዝከር።
ድሕሪ’ዚ ብኽልቲኦም ወገናት ዝተበጽሐ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስጕምቲ፡ ምስተን ናይ ትማሊ ተደሚሩ 144 ረዲኤት ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ በጺሐን ከም ዘለዋ፡ ጸብጻብ ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም’ውን ዘመልከተ ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ረዲኤት ግን፡ ገና ናብቶም ብሚልዮናት ዝግመቱ ተጸበይቲ ብምልኣት ክባጻሕ ኣይተኻእለን ዘሎ።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ንነዊሕ ግዜ ዝቐጸለ ምቝራጽ ሰብኣዊ ረዲኤት፡ ኣብዚ እዋን ዝድለ መጠን ረዲኤት ብሰለስተ ዕጽፊ ስለ ዝወሰኸ፡ ኣብ መዓልቲ 300 መካይን ረዲኤት ከም ዘድሊን፡ ምስ ትካላት ተራድኦን ስምምዕ ከም ዝተበጽሐን፡ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ረዲኤት እዋን ሓደጋ – ትግራይ ዝሐለፈ ሰሙን ገሊጹ።
ኣብ ትግራይ፡ 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፈፌት ሓደጋ ጥሜት ከም ዝርከቡን፡ ሚልዮናት ድማ ህጹጽ ረዲኤት መግብን መድሃኒትን ከም ዘድልዮም ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ተወሊዑ፡ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ደማዊ ኲናት፡ ሂወት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ፣ ሚልዮናት ካብ መነባብሮኦም ኣመዛቢሉን፡ ጠንቂ ዝተፈላለየን ሰፊሕን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኰይኑ ይርከብ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጸብጻባቱ፡ 10 ሚልዮን ዝግመት ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ዝነብር ህዝቢ፡ ተጸባዪ ሰብኣዊ ረዲኤት ኰይኑ ከም ዘሎ፣ ካብዚ እቲ ልዕሊ ፍርቂ ዝኸውን ድማ ኣብ ትግራይ ዝነብር ምዃኑን የመልክት።
እዚ ዓሰርተው ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት መዕለቢ ክርከቦ፡ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ዝተፈላለያ መሻርኽቲ ሃገራትን ውድባትን ይጽዕራ ኣለዋ።
እዚ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጲያን ሓይልታት ትግራይን፡ ንሰብኣውነት ካብ ዝብል ዕላማ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ክቘጽን ኣፍደገ ሰላም ክኸፍትን ዘኽእል ዝርርብ ንምግባር ዘኽእል ክኸውን ተስፋ ተነቢሩሉ’ሎ።