ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ተጋሩ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ናብ ኢትዮጵያ ‘ኣይንምለስን’ ኢሎም
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ፡ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስን ኢሎም።
ከም ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ፡ እቶም ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ክምለሱ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ፡ ኣብታ ሃገር ንህይወቶም ብምስጋእ እዩ።
ንሳቶም፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ናይ ይግበአኒ ሕቶ ዘቕርቡላ ኣብዬ ግዝኣት ተዋፊሮም ዝነበሩ እዮም።
ምስ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዶባዊ ጎንጽን ከምኡ’ውን ምሰ ግድብ ህዳሰ ብዝተሓሓዝ፡ ዝተልዓለ ዘይምርድዳእ፡ ነቲ ኣብ ግዝኣት ኣብዬ ዝነበረ ኣክባሪ ሰላም ኢትዮጵያ ወጺኡ ብኻልእ ክትካእ ምሕታታ ዝዝከር እዩ።
ገለ ካብቶም ክምለሱ ፍቐደኛታት ዘይኮኑ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም፡ ኣብ ሱዳን ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ክግበረሎም ከም ዝሓተቱ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ።
ሓደ ካብ ተወለድቲ ትግራይ ዓቃቢ ሰላም ከም ዝበሎ፡ ልዕሊ 500 መሳርሕቱ ኣባላት ፖለቲካዊ ዑቕባ ይሓቱ ከም ዘለው ተዛሪቡ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት፡ ናብ ኢትዮጵያ ብሰላም ክምለሱ ከም ዘይክእሉ’ውን ኣረዲኡ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኣብዬ ግዝኣት ዝርከብ ኣኽባሪ ሰላም ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ከባቢ ከባቢ ክወጽእ ንሕቶ ሱዳን ዝተቐበለን ዝተስማመዐን ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ኣብቲ እዋን፡ ሱዳን ዘውጸአቶ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብኻልኦት መንጎኛ ዓቃቢ ሰላም ክትካእ ዝተስማመዑ ምዃኖም’ኳ እንተገለጸት ካበየነይቲ ሃገር ከም ዝኾኑ ኣይተነጸረን።
ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ግዝኣት ክወጽኡን ብኻልኦት ክትክኡን ሱዳን ብተደጋጋሚ ምሕታታ ዝዝከር እዩ።
ኣብዛ ብተፈጥሮ ሃብታ ዝተዓደለት ኣብዬ ግዝኣት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘዋፈሮም ዓቃቢ ሰላም እቲ ዝበዝሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ።
ካብቲ ዓቃቢ ሰላም፡ ብሓፈሻ 4,190 ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተውጻጽኡ ኮይኖም፡ ካብ መንጎኦም 3158 ወተሃደራትን ሸውዓተ ፖሊስ መኮንናትን ካብ ኢትዮጵያ ምዃኖም ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኸበ መረዳእታ የመልክት።
ኣብቲ እዋን፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ “ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ምብራቃዊ ዶብ ይተኣኻኸብ ኣብ ዘለሉ እዋን ስትራተጂካዊ ኣብ ዝኾነ ግዝኣት ሱዳን ክሰፍር ምፍቃድ ምኽንያታዊ ኣይኮነን” ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሱዳን ዳርፉር ግዝኣት ተዋፊሩ ካብ ዝነበረ ካልእ ዓቃቢ ሰላም፡ ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ፍቓደኛታት ኣይኮነኑን ነይሮም።
ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተላበዐ ደማዊ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ህይወት ኣሸሓት ዝቐዘፈ ኾይኑ፡ ሚልዮናት ዛጊድ ኣመሳቒሉ ልዑል ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።
ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ እቲ ክልል ህጹጽ ረድኤት ዝጽበ ኾይኑ ኣሎ፥
ሰላማዊ ፍታሕ ናይቲ ኲናት ንምርካብ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካን ካልኦት ወገናት ንክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፍረ ኣየምጸአን ዘሎ።