ትግራይ ዘለትሉ ኩነታት ብፍሉይ ዓይነት (መንጽር) ምርኣይ
ትግራይ ዘለትሉ ኩነታት ብፍሉይ ዓይነት መንጽር ንኽንርኢ ብዋናነት ዝመረጽኩዎ ናይቲ ኩነታት ኮንቴክስት (context) ብምብርህራህ እዩ።
ንዙይ ከዓ “ኮንቴክስት ማለት እንታይ ማለት እዩ?” ዝብል ሕቶ ምምላስን ግልጺ ምግባርን ግድን ስለ ዝኾነ ብዝተፈላለዩ ኣብነታት እናገበርኩ ኮንቴክስት እንታይ ማለት ከምዝኾነ ብመጀመርያ ከብራህርህ።
ኮንቴክስት ማለት ብትግርኛ ቃል ዘለዎ ኣይመስለንን ወይ ካዓ ናተይ ናይ ትግርኛ ቋንቋ ውሱንነት ይኸውን። ጥቕልል ኣቢልካ ንምግላጽ ኮንቴክስት ማለት ንሓደ ጉዳይ ዝውስኑ ከባብያዊ ሓቅታት ጥምረት እዩ። እቶም ሓቅታት ግን ብግዜ ዝተገደቡን ብግዜ ዝቀያየሩን ካብ ምኳን ሓሊፎም ገለገሊኦም በቲ በዓል ጉዳይ ክቅየሩ ዝኽእሉ፣ ገለገሊኦም ድማ እቲ በዓል ጉዳይ ጽዕንቶ ክፈጥረሎም ዝኽእሉ እንትኾኑ ገለገሊኦም ድማ እቲ በዓል ጉዳይ ፈጺሙ ክቕይሮም ኣይኽእልን።
እቶም ክቕየሩ ዝኽእሉን ጽዕንቶ ምፍጣር ዝከኣለሎም ጉዳያትን ገለገሊኦም ብቐሊል ጻዕሪ እንትኾን ገለገሊኦም ድማ ብዙሕ ጻዕርን ግዜን ወሰድቲ እዮም።
ብዝተፈላለዩ ኣብነታት ከብራህርሆ ክፍትን እየ። እቶም ሓደ ሓደ ኣብነታት ተራ ሓሳባት እንተመሰሉ እኳ ኮንቴክስት እንታይ ማለት ከምዝኾነ ብቐሊሉ ንምብርህራህ ስለዝሕግዙ መሪጸዮም ኣለኹ እሞ ብትዕግስቲ ንባብኩም ንኽትቕጽሉ ይላቦ።
ኣብነት 1
ጽቡቕ ህራስ ሃሪስኩም ሓዲርኩም ንጉሆ ተሲእኹም ጽቡቕ ህራስ ሃሪሰ ሓዲረ ዝበልኩሙሉ መዓልቲ ዶ ትዝክሩ?ድሕሪኡ ግን ኣእምሮኩም ብኻልኦት ሓሳባት ስለዝመልእ ንምንታይ ጽቡቕ ህራስ ሃሪስኩም ከምዝሓደርኩም ኣይሓሰብኩሙሉን ወይ ኣየስተንትንኩሙሉን።
ናይዘን ዝቕጽላ ዝርዝር ነጥብታት ጥምረት ኮንቴክስት ይበሃል።
- ብትደልይዎ መጠንን ዓይነትን ድራር ስለዝበላዐኹም
- ጽቡቕ ብጃማ ስለዝተኸደንኩም
- ኣብ ጽቡቕ ዓራት ስለዝሃረስኩም
- ዘጨንቕን ዘፍርሕን ሓሳባት ናብ ኣእምሮኹም ስለዘይመጸ
- እቲ ዝሃረስኩሙሉ ክፍሊ ጽቡቕ መዓዛ ስለዘለዎ
- ዝርብሽ ድምጺ ስለዘየለ
- ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝኮነ መስተ ስለዘይሰተኹም
- እቲ ዝሃረስኩሙሉ ገዛ ጽቡቕ ሓለዋ ዝግበረሉ ምኻኑ ስለትፈልጡ
- ጎራብትኩም ጥዑማት ሰባት ስለዝኾኑን ዝርብሸኩም ነገር ስለዘይገበሩን
- እቲ እትነብሩሉ ከባብን ከተማን ሰላም ዝዓሰሎ ምኳኑ ስለ ትፈልጡ
- ኣብ ጽቡቕ ዕድመ፣ ኣብ ጽቡቕ ጥዕና፣ ኣብ ጽቡቕ ናይ ፋይናንስ ዓቕምን ኣብ ጽቡቕ ናይ ምሕዝነት ብርኪ ምህላውኩም ስለትፈልጡ
- ኣእምሮኹም ብሕማቕ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ዜና ዘይተረበሸ ብምንባሩ
ከምዙይ እናበለ እቲ ዝርዝር ይቕጽል። ናይዘን ኩለን ነጥብታት ጥምረት ድማ ኮንቴክስት(context) ይበሃል። እዙይ ዘሪአና ጽቡቕ ህራስ ናይ ድሌት ውጽኢት እንተይኮነስ ናይ ኮንቴክስት ውጽኢት ምኳኑ እዩ። ብምኳኑ ጽቡቕ ህራስ እንተደሊና ክንረክቦ እንኽእል ነተን ኣብ ኮንቴክስት ተዘርዚረን ዘለዋ ነጥብታት ጽቡቕ ህራስ ከምዘምጸኣልና ጌርና ክንቅይረን እንተለና እዩ።
ኣብነት 2
ሓደ ሰብ መጽሓፍ ናይ ምንባብ ድሌት ይህልዎ።
- ኣፍቲ ዝነብረሉ ከተማ ቤተ ንባብ(library) እንተዘይሃልዩ
- ኣፍቲ ዝነብረሉ ከተማ መጻሕፍቲ መሸጢ ድንኳን እንተዘይሃልዩ
- ካብ ካሊእ ከተማን ቦታን መጽሓፍ ገዚኡ ዝልእኸሉ ሰብ እንተዘይሃልዩ
እዘን ሰለስተ ነጥብታት ተጠሚረን ክረኣያ ከለዋ ኮንቴክስት ይበሃላ። እዙይ ዘሪአና መጽሓፍ ናይ ምንባብ ድሌት በይኑ መጽሓፍ ናይ ምንባብ ዕድል ኣይፈጥርን። እቲ ዘለናዮ ኮንቴክስት ወሳናይ እዩ። ነቲ ኮንቴክስት ዝፈጠረኦ ዝርዝር ጉዳያት ብምቕያር ድሌትና ናብ ፍረ ክበጽሕ ክንገብር ንኽእል ኢና። ንድሌትና ደጋጊምና እንተተዛሪብናዮ ግና ፍረ የብሉን።
ኣብነት 3
ሓደ ሰብ ጽቡቕ ጥዕና ንኽህልዎ ይምነን ይደልን።
- ዝተመጣጠነ ምግቢ ዘይረክብ እንተኾይኑ
- ብኣግባቡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይገብር እንተኾይኑ
- ናይ ኣእምሮ ሰላም ዘይብሉ እንተኾይኑ
- ካብ ወለዱ ዝሓለፎ ሕማም እንተሃልይዎ
- ናይ ስራሕ ቦትኡን ባህሪኡን ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዘጋልጽ እንተኾይኑ
- ዝነብረሉ ከተማ ጽሬት፣ ጽሩይ ኣየርን ጽሩይ ማይን እንተዘይሃልይዎ
- ንሰውነቱ እኹል ዕረፍቲ ዘይረክብ እንተኾይኑ ጽቡቕ ጥዕና ክህልዎ ኣይኽእልን
እዘን ሸውዓተ ዋና ዋና ነጥብታትን ካልኦት ዘይተዘርዘሩ ጉዳያትን ተጠሚሮም ኮንቴክስት(context) ይበሃሉ። ሰብ ጽቡቕ ጥዕና ንኽህልዎ ስለዝደለየን ስለዝተመነየን እንተይኮነስ እቲ ኮንቴክስት ክድግፎ እንተሎ እዩ ጽቡቕ ጥዕና ክህልዎ ዝክእል።
ነዘን ዝተዘርዘራ ሸውዓተ ነጥብታት እንተስተውዒልናየን ነተን ዝተወሰና ነጥብታት እቲ ውልቀ ሰብ ብቐሊሉ ክቕይረን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ዝተመጣጠነ ምግቢ ምብላዕን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባርን። ነተን ዝተወሰና ነጥብታት ንምቕያር ድማ ብዙሕ ጻዕሪ ምግባር የድልዮ እዩ። ንኣብነት ዝሰርሐሉ ቦታን ዝነብረሉ ከተማን ምቕያር ዝመሳሰሉ። ነተን ዝተወሰና ነጥብታት ድማ ብፍጹም ክቕይረን ኣይኽእልን። ንኣብነት ካብ ወለዱ ዝሓለፎ ሕማም እንተሃልይዎ (genetics)።
ኣብነት 4
ሓደ ወላዲ ውላዱ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ንኽበጽሐሉ ይደልን ይምነን ግና እዘን ቀጺለን ዝተዘርዘራ ነጥብታት ወይ ከዓ እቲ ኮንቴክስት እዩ ዝውስኖ።
- ናይቲ ውላድ ናይ ሓንጎል ንቕሓት(IQ) መጠን
- ናይቲ ውላድ ናይ ኣስተብህሎ(consciousness level) መጠን
- እቲ ውላድ ዝመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ምምሕዳር፣ ካሪክለምን ናይ መማህራን ብቕዓትን
- ናይ ካልኦት ተምሃሮ ባህርን ስብእናን
- እቶም ወለዲ ኣፍቲ ውላድ ዝገብርዎ ናይ ክትትል መጠንን እቲ ውላድ ዘድልይዎ ነገራት ናይ ምቕራብ ዓቕምን
- ናይቶም ወለዲ ናይ ትምህርቲ ደረጃን ነቲ ውላዶም ናይ ምምራሕ ዓቕምን
- ናይቲ ዝነብሩሉ ከተማ ሕብረተሰብ ኣነባብራን ንቕሓተ ህሊናን
- ናይቲ ዓዲ ትምህርቲ ሚኒስተር ብቕዓት
- ናይቲ ዓዲ ጠቕላላ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበረሰባዊን ኩነታት
እዘን ተዘርዚረን ዘለዋ ዋና ዋና ነጥብታትን ካልኦት ኣብዚ ዝርዝር ዘይተኻተቱ ጉዳያትን ብጥምረት ኮንቴክስት(context) ይበሃል።
ካብዞም ዝርዝር ነጥብታት ድማ ዝተወሰኑ ነጥብታት ወይ ድማ ጉዳያት በቲ ወላዲ ብቐሊሉ ክቕየሩ እንትኽእሉ ንኣብነት ከም ዝመሃረሉ ቤት ትምህርቲን ዝነብረሉ ከተማን ከም ዝነብረሉ ዓድ ዝበሉ ነጥብታት ድማ ምቕያር ኣዝዩ ከቢድ እንትኸውን ከም ናይቲ ውላድ ናይ ሓንጎል ንቅሓት መጠን(IQ) ን መጠን ኣስተብህሎን (consciousness level) ዝበሉ ነጥብታት ድማ እቲ ወላዲ ክቕይሮም ዘይኽእሉ ጉዳያት እዮም።
ግና ኩሎም ነጥብታት ብጥምረት ናይቲ ኩነታት ኮንቴክስት ኣካላት ኮይኖም ኣፍቲ ወላዲ ውላዱ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ንኽበጽሕ ዘለዎ ድሌት ወሳናይ ግደ ይጻወቱ።
ኣብነት 5
ሓደ ሰብ ንጉሆ ናብ ስራሕ መኪና ሒዙ ካብ ገዝኡ ክወጽእ እንተሎ ብሰላም ከምዝምለስ ኣሚኑን ተስፋ ጌሩን እዩ።
ኣብዚ ኩነታት እዙይ እቲ ኮንቴክስት ነዘን ዝቕጽላ ነጥብታት ይሕዝ።
- እታ መኪና ጥዕይቲ ምኳን
- ንምዝዋር ዘብቅዕ ናይ ኣእምሮ ሰላም ምህላው
- በቲ ንሕና ንኸደሉ መንገዲ ዘሎ ናይ ትራፊክ መብራህቲ ብኣግባቡ ምስራሕ
- በቲ ንሕና ንኸደሉ መንገዲ ዘሎ ናይ ትራፊክ ፖሊስ ቁጽጽር
- ናይቶም በቲ መንገዲ ዝጎዓዙ ወይ ዝዞሩ ካልኦት ሰባት መኪንኦም ጥዑያት ምዃን፣ ናይ ኣእምሮ ምርግጋእን ናይ ምስትውዓል መጠንን (consciousness level)።
እዘን 5 ዋና ዋና ነጥብታትን ካልኦት ነጥብታትን ብጥምረት ናይዚ ኩነታት ኮንቴክስት ይፈጥራ። ብምዃኑ ሓደ ሰብ ንጉሆ መኪና ሒዙ ናብ ስርሑ ከይዱ ምሸት ብሰላም ዝምለስ እቲ ሰብ ብሰላም ምምላስ ስለዝደለየን ተስፋ ስለዝገበረን እንተይኮነስ እቲ ኮንቴክስት ስለዝፈቐደሉ እዩ። ንጉሆ ወጺኦም ዘይተመለሱ ከምዘለዉ እውን ኣይንዘንግዕ።
ካብዘን ዝተርዘራ ናይ ኮንቴክስት ነጥብታት እቲ ሰብ ክቆጻጸሮም ዝኽእሉ ጉዳያት ናይ መኪንኡ ጥዕናን ናይ ባዕሉ ኣእምሮኣዊ ሰላምን ጥራሕ እዩ። ነተን ዝተረፋ ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚ የብሉን። ግና ኣፍቲ ሰብ ብሰላም ናብ ገዝኡ ኣብ ምምላስ ወሳናይ ግደ ይጻወታ።
ኣብነት 6
ሓደ ሰብ ሓዱሽ ንግዲ ክጅምር ይደሊ። ዝጅምሮ ንግዲ ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእል እቲ ነጋዳይ ስለዝደለየን ስለዝተመነየን እንተይኮነስ እቲ ኮንቴክስት ክፈቕደሉ እንተሎን ወይ ከዓ ንቲ ኮንቴክስት ካብ ዝፈጥሮ ጉዳያት ነተን ወሰንቲ ዝኾና ምቕያርን ተጽዕኖ ምሕዳርን ክኽእል እንተሎ እዩ።
ነቲ ኮንቴክስት ዝፈጥራ ዋና ዋና ዝርዝር ጉዳያት፦
- እቲ ናይ ንግዲ ድርጅት ዘቕርቦ ምህርትን ግልጋሎትን ምስ ናይ ዓማዊል ድሌት ምምጥጣን
- ዓማዊል ናይ ምኳን ዕድል ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ እቲ ንግዲ ስራሕ ምጅማር ዘለዎም መረዳእታ
- እቲ ንግዲ ድርጅት ዘውጸኦ ናይ መሸጣ ዋጋ ምስ ናይ ዓማዊል ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ምምጥጣን
- ኣፍቲ ናይ ንግዲ ስራሕ ዝተኸፈተሉ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ቁጽርን ነቲ ምህርቲ ዘለዎም ጠለብን እቲ ንግዲ ዘቕርቦ ምህርትን ምቅርራብ
- ካብ ተወዳደርቲ ንግዲ ድርጅታት ጽዕንቶ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ
- ነቲ ንግዲ ስራሕ ብኣግባቡ ዝሰርሑ ጎበዛት ሰራሕተኛታት ብተመጣጣኒ ክፍሊት ምርካብ ምኽኣል
- እቲ ናይ ንግዲ ስራሕ ዘለዎ ከተማ ምምሕዳር ዘውጽኦ ሕግታት ንምፍጻም ዘኽእል ዓቕሚ ምህላው
- እቲ ንግዲ ንምስራሕ ዘድልይዎ ግብኣታት(inputs) ብእዋኑን ቀጻላይነት ብዘለዎ መልክዕን ክረክብ ምክኣሉ
- እቲ ንግዲ ስራሕ ዘለዎ ከተማ ዘለዎ ናይ ጸጥታን ድሕንነትን ደረጃ
- ነቲ ንግዲ ስራሕ ክመርሕ ዝተመረጸ ውልቀ ሰብ ናይ ኣእምሮ ብቕዓት (IQ)፣ ንቕሓተ ህሊና (consciousness level)፣ ንግዲ ናይ ምምራሕ ልምድን ብቕዓትን ካልኦት ስብእናታትን።
እዚኣቶምን ካልኦት ነጥብታትን ነቲ ናይ ንግዲ ስራሕ ውጽኢታማነት ዝውስኑ ኮንቴክስት ይፈጥሩ። ካፍቲ ዝርዝር ከምንሪኦ እቲ ሓዱሽ ንግዲ ዝጅምር ሰብ ነቲ ኮንቴክስት ካብ ዝፈጥሩ ጉዳያት ነቶም ገለገሊኦም ብቐሊሉ ምቕያር እንትኽእል ነቶም ገለገሊኦም ንምቕያር ድማ ዝተፈላለየ ጻዕሪ ምግባር የድልዮ። ነቶም ገለገሊኦም ድማ ዝገበረ እንተገበረ ፈጺሙ ክቕይሮም ኣይኽእልን። ብምኳኑ ናይ ንግዲ ስራሕ ክጅምር ዝሓስብ ሰብ ውጽኢታዊ ናይ ምኳን ድሌትን ህርፈትን ስለዘለዎ እንተይኮነስ እቲ ኮንቴክስት ክፈቕደሉ ከሎን ወይ ከዓ ነተን ኮንቴክስት ዝፈጥራ ነጥብታት ምቕያርን ተጽዕኖ ምሕዳርን ክኽእል እንተሎ እዩ ።
ነዘን 6 ኣብነታት ዘርዚረ ኮንቴክስት እንታይ ከምዝኾነ ከረድእ ዝፍትን ዘለኹ ኣብ ዝሓለፉ ዓመትን ፈረቓን ብዛዕባ ናይ ትግራይ ኩነታት ክዝረብ፣ ክግለጽን ሪፖርት ክግበር እንተሎን እቲ ዝበዝሕ እንታይ ከምዝተገበረን መን ከምዝገበሮ፣ እንታይ ይግበር ከምዘሎ፣ መን ይገብሮ ከምዘሎ፣ ናይ ተጋሩ ድሌት እንታይ ከምዝኾነ፣ ሕቡራት መንግስታት(UN) እንታይ ክገብር ተጋሩ ከምእንደሊ፣ ኣሜሪካ እንታይ ክትገብር ተጋሩ ከምእንደልን እንታይ ክትገብር ከምዘለዋ ምእዛዝ፣ ኣይንአን ዓድታት ን ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ እንታይ እንታይ ናይ ዂናት መሳርሕን ገንዘብን ይሕግዛ ከምዘለዋ ፣ናይ ኤርትራ ወታደራት ኣበይ ኣበይ ናይ ትግራይ ቦታታት ከምዘለውን ክንደየናይ መስካሕኽሒ ግፍኣዒ ከምዝሰርሑን ይሰርሑ ከምዘለዉን፣ ናይ ኣምሓሩ መራሕትን ”ሙሁራትን” እንታይ ከምዝተዛረቡን እንታይ ይገብሩ ከምዘለዉን፣ ኖርወይ ንኣብይ ኣሕመድ ዝሃበቶ ሽልማት ክተሕድግ ናይ ተጋሩ ድሌት ምኳኑ ምንጋር፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ብጥሜት፣ ብሕማም፣ ብውግእ፣ ይሃልቕ ከምዘሎ፣ ሕብረት ኣውሮፓ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ እናተዛረብናን በብሰሙኑን በብወርሑን ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለና እናተሰለፍና ሽግርናን ግፍዕናን ሙሉእ ዓለም እናፍለጥና ኣብዙይ በጺሕና ኣለና።
ዝኹሉ ዘረባ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያታትን መራኸብቲ ሚድያታትን ብዘኢኮኖሚስት፣ ኒውዮርክ ታይምስ፣ ዋሽንግተን ፖስትን ካልኦት ኣብ ዓለም ብዝተፈለጡን ዓበይትን ናይ እንግሊዝ፣ ናይ ከናዳ፣ ናይ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራት ጋዜጣታትን ቴሌብዥን ጣብያታትን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብዘይምቁራጽ ሪፖርት እንተተገበረን ዝኹሉ ዓለም ሕውስውስ ዘበለ ሰሙናውን ወርሓውን ሰላማዊ ሰልፍታት እኳ እንተገበርና ዝደለናዮ ውጽኢት ምርካብ እንተይኮነስ እቲ ኣብ ተጋሩ ዝግበር ግፍዕን ብርሰትን ብገፊሑ ይቕጽል ስለዘሎ እቲ ትግራይን ተጋሩን ዘለናዮ ጭቡጥ ኩነታት ብፍሉይ ኣረኣእያ ምርኣይን እቲ ኮንቴክስት እንታይ ይመስልን ኢልና ክንፍትሽን ኣካይዳና ክነመዓራርን ይግባእ እናበልኩ ጽሑፈይ ይቕጽል።
ከምቲ ኣፍተን 6 ኣብነታት ዝረኣናዮ ናይ ሓደ ነገር ኮንቴክስት ናይ ብዙሕ ነጥብታት ጥምረት እዩ። ካፍተን ብዙሕ ነጥብታት ነተን ዝተወሰና ነጥብታት ብቐሊሉ ምቕያር ይከኣል። ነተን ዝተወሰና ከዓ ብዙሕ ጻዕሪ ጌርካ ምቕያር ይከኣል። ነተን ዝተወሰና ነጥብታት ድማ በፍጹም ምቕያር ኣይከኣልን።
ብምኳኑ ትግራይ ካፍቲ ዘላትሉ ጭቡጥ ኩነታት ክትወጽእ እትኽል ተጋሩ ስለዝደለና፣ ስለዝተመነና፣ ስለዝተዛረብና፣ ካልኦት ሃገራት ስለዝሓሰቡልናን ስለዝሓልዩልናን ኣይኮነን። እዙይ ከዓ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ነገር ዝረኣናዮ ጉዳይ እዩ።
እኳ ደኣስ ነቲ ናይ ትግራይ ኩነታት ኮንቴክስት ብዝርዝር ኣቐሚጥና ነተን ክንቅይረን እንኽእል ነጥብታት ፈሊና ብምፍላጥ፣ ነተን ጽዕንቶ ክነሕድረለን እንኸል ነጥብታት ፈሊና ብምፍላጥ ነተን ክንቅይረን ዘይንኽእል ነጥብታት እውን ፈሊና ብምፍላጥን እተን ክንቅይረንን ጽዕንቶ ክነሕድረለንን እንኽእል ነጥብታት ነተን ክንቅይረን ዘይንኽእል ነጥብታት ዝፈጥረኦ ጽዕንቶ ዝዕብልል ኣወንታዊ ጎኒ ምፍጣር ብዘኽእል ደረጃ ብምቕያር ናፍቲ ዝደለናዮ ደረጃ ምብጻሕ ይከኣል። ብዘረባ፣ ብትምኒትን ብትጽቢትን ዝመጽእ ነገርን እንቕይሮ ነገርን ደጊም ከምዘየለ ኩልና ዝተረደኣና ይመስለኒ።
ነቲ ናይ ትግራይ ኩነታት ዝውስን ወይ ዝገዝኦ ዘሎ ኮንቴክስት ዝፈጥራ ዝርዝር ነጥብታት ብዋናነት ንዚኣተን ይመስላ።
1 ኣብይ ኣሕመድ ሜጋሎማኒያክ ናርሲሲስቲክ ፕርሰናሊቲ ዲስኦርደር (Megalomaniac narcistic personality disorder) ዝበሃል ናይ ስነ ኣእምሮ ሕማም (psychiatry) ዝሓዞ ምኳኑን ሓደ ሰብ ካብዚ ሕማም እዙይ ንኽሓዊ ግቡእ ዝኾነ ናይ ስነ ኣእምሮ ሕክምና ዘድልዮ ምኳኑ።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
2 ኣብይ ኣሕመድ ጽቡቕን ሕማቕን ናይ ምምዝዛን ዓቕሚ ዝፈጥረልና ናይ ኣእምሮና ኣካል ዝኾነ ኤተሪክ ብረይን(etheric brain) ዝብሃል ናይ ኣእምሮ ክፍሊ ዝጎደሎ ምኳኑ።
ጽቡቕን ሕማቕን ናይ ምምዝዛን ዓቕሚ ዝህብ ናይ ሓንጎል ክፍሊ ዝጎደሎ ሰብ ድማ ኣሽንኳይ ዶ ናይ ከቢድ ሽግር መፍትሒ ከምጽእ ኣካል ናይቲ መፍትሒ ምኳን እኳ ኣይኽእልን።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽል ነጥቢ)
መተሓሳሰቢ እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሳ 2 ሓበሬታት ብዛዕባ ኣብይ ኣሕመድ ኮንሼስነስ ካሊብሬሽን ጽንዓት (consciousness calibration research) ብዝበሃል ናይ መረዳእታ መርከቢ ቴክኒክ ተጠቒምና ዝተረኸባን ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ባህሪኡን ስርሑን ዝተረጋገጻን እየን።
3 ናይ ኤርትራ ፕረዚዳንት ብባህሪኡ ኣብ ዓለም ካብ ዝነበሩን ዘለዉን መራሕቲ ካፍቶም ጨካናት እቲ ሓደ ምኳኑ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ኤርትራውያን ብዘብጸሖ ግፍዒ፣ መከራ፣ ስደትን ብርሰትን ዓለም ዝፈልጦን ካልኦት ሃገራት ናይ ዕላምኦም መፈጸምን መሳርሕን ገይሮም ዝተቐበልዎን ዝጥቀሙሉን ሰብ ምኳኑ ይፍለጥ። ንተጋሩ ዘለዎ ጽልእን ንዕቐትን ድማ እዙይ ተባሂሉ ዝግለፅ ኣይኮነን።
ብምኳኑ ክሳብ እስትንፋሱ ትሓልፍ ንተጋሩ ከብርስን ከጥፍእን ካብ ምንባር ዘሐጉሶን ዘርውዮን ነገር ኣይህሉን።
እዚ ሰብኣይ እዙይ እውን እተን ኣብይ ኣሕመድ ዘለዎኦ ናይ ስነ ኣእምሮ ሕማምን ናይ ሓንጎል ጉድለትን ሕማማት ተጠቃዓይ ከምዝኾነ ብኮንሼስነስ ካሊብሬሽን ፅንዓት (Consciousness calibration research) እቲ መረዳእታ ተኣኪቡ ኣሎ።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
4 ብህዝቢ ኦሮሞ ዝግበር ዘሎ ናይ ሓርነት ብረታዊ ቃልሲ
(ተጋሩ ሉዑል ዝኮነ ጽዕንቶ ክነሕድረሉ እንኸእል ነጥቢ)
5 ናይ ኣምሓራ መራሕትን ”ምሁራትን” ንተጋሩ ዘለዎም ፅሊኢትን ንዕቐትን ንልዕሊ ሚኢቲ ዓመታት ዝነበረን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብጥንቃቐ እናተቐባበሉ ዘሕልፍዎን ኣብ ኣእምሮኦም ዝተቐረፀ ከቢድ ፅሊኢትን ትግራይ ኽትግንፀል እያ ዝብል ዘለዎም ፍርሕን።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
6 ኣምሓሩ ደጊም ንትግረዋይ ዝኾነ ይኹን ዓቅሚ ንኸይንፈጥር ዘለዎም ጽኑዕ ቅዋምን ብሑመራ ኣንፈት ናብ ሱዳን ዝህልወና ርክብ ተገንፂልካ ንምንባርን ምስቲ ወፃኢ ዓለም ንገብሮ ርኽብ ወሳናይ ምኹኑን ጠንቂቆም ብምርዳእ ዝኾነ ይኹን ካልኣይ (2ይ) ዕድል ንኸይንረክብ ቁርፅ ዝበለ መደምደምታ ዝበጽሐን ክሳብ ህዝቢ ትግራይ መሊእኻ ካብ ገፀ ምድሪ ምጥፋእ ዝብል ኣተሓሳስባን ድሌትን ምህላው።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
7 ናይ ክልል ኣምሓራ ኢኾኖሚን በዝሒ ህዝቢ ቁፅርን ንናይ ክልል ትግራይ ካብ ሓሙሽተ ዕፅፊ ንላዕሊ ዝበለፀ ምዃኑ።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
8 ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ዘልዕልዎም ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ሕቶታት ምንም እኳ ክሳብ ሐዚ ተዓፊኖም እንተሃለዉ ።
(ተጋሩ ጽዕንቶ ከነሕድረሉ እንኸል ነጥቢ እዩ)
9 ትግራይ ከይትግንፀል ወይ ድማ ብሰላም ከይትነብር ናይ ኣምሓሩ ኣማራርሓ ዘለዎም ጽኑዕ ቅዋም።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
10 ናይ ሱዳን ድኽምትን ድሕርትን ዓዲ ምዃን
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
11 ግብፂ ዝተረጋገአትን ዝማዕበለትን ኢትዮጽያ ከይትፍጠር ዘለዋ ቅዋምን ነዚ ቅዋም እዙይ ንምፍፃም ድማ ኩሉ ነገር ትገብር ዘላ ምዃን።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
12 ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ብ 1980 ዓ.ም ካብ ዝነበሮ ዓቅሚ ብሚኢቲ ዕፅፊ ዝዓበየ ምኻኑ።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
13 ናይ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ህዝቢ ብ1980ዓ.ም ካብ ዝነበሮ ልዕሊ ዕፅፊ ዝወሰኸ ምዃኑ።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
14 ናይ ኣሜርካ መንግስቲ ናይ ተጋሩ ድልየትን ትልምን መፈፀሚ ወይ ካዓ ናይ ተጋሩ ተኣዛዛይን ተገዳሳይን እንተይኮነስ ናይ ባዕሉ ኣጀንዳን ትልሚታትን ዘለዉዎን ንናይ ባዕሉ ጥራሕ ዝፈፅምን ዝግደስን መንግስቲ እዩ። ትልሙን ድልየቱን ንኽፈፅም ለይቲን ቀትርን ዝሰርሕ መሓውር ዘለዎን ካብዚኣቶም ውሽጢ ልዕሊ 149 ሳትላይታት ናብ ሰማይ ሰዲዱ ኣብ ሙሉእ ዓለም ኣብ ሕድሕድ ቦታ ዘላ ምንቅስቃስ ዝፈልጥን ቅድሚ 12,000 ዓመታት ካብ ዝነበረ ናይ ኣትላንቲስ ዝበሃል ስልጣነ ቀፂሉ ኣብ ዓለም ተፈጢሩ ዘሎ ኣዙዩ ዓብይን ምዕቡሉን ስልጣነ እዩ። ብሓፂሩ ክሳብ ሎሚ ብዝገበሮ ተግባር ናይ ተጋሩ ህልውናን ድሕንነትን ዘይግድሶ ምዃኑ ብግልፂ ኣርእዩና እዩ።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
15 ቻይና እውን ናይ ተጋሩ ተኣዛዚት ዓዲ እንተይኮነትስ ናይ ባዕላ ትልሚ ተሊማ እትንቀሳቕስ መንግስትን ከምኡ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኢንቨስትመንት ብፍላይ ከዓ ኣብ ኦሮምያ ዘለዋ ኢንቨስትመንት ንምሕላውን ንምድሓንን እትሰርሕን ኣድላይ እንተኮይኑ እውን ኣብ ጁቡቲ ዘለዋ ወታደራዊ ሓይሊ ክትጥቀም ትኽእል ዓዲ
እያ። ናይ ተጋሩ ምህላውን ዘይምህላውን ቅንጭ ኣይብላን።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
16 እስራኤል እውን ካብ ግብፂ ዝሽየጠላ ናይ ኣባይ ማይ ንኽቅፅል ትደሊ ስለ ዝኾነት ናይ ግብፂ ድልየት ንምፍፃም ትሕግዞ እምበር ናይ ተጋሩ ጉዳይ ዘሕስባን ዘገድሳን ዓዲ ኣይኮነትን።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
17 ምንም እዃ ንዘበናት ዝጸንሐ ጭቆናን በደልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እንተነበረ ካብ 1967 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ ካፍቲ ካሊእ ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ብዝተፈለየ መልክዕ ኣብ ውግእ(ኵናት) ዳሓር ድማ ማለት ውን ካብ 1984 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ጮቋናይን ዱሑር ምምሕዳርን ብምንባሩ ኣዝዩ ድኽነትን ድሕረትን ዘጥቅዖን ዝዓሰሎን ሕብረተሰብ ምኳኑ።
(ተጋሩ ሐዚ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
18 በቢመዓልቱ ብጥምየትን ብሕማምን ዝመውት ትግረዋይ እናበዝሐ ምምፅኡ ንቐፃላይ እውን እናገደደ ዝኸይድ ምዃኑ።
(ተጋሩ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ብምግባር ጽዕንቶ ክንገብረሉ እንኽእል ቁልፊ ጉዳይ እዩ)
19 ዝበዝሕ ናይ ኤርትራ ህዝቢ(ሕውነትና ረሲዖም) ንዘመናት ዝፀነሐ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ፅልኢትን ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎም ንዕቐት ሱር ዝሰደደ ምዃን እዙይ ከዓ ናይቲ ኣብዝሓ ህዝቢ ንቕሓተ ህሊና(consciousness level) ነፀብራቅ እዩ።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
20 ናይ ትግራይ ስፍሓት መሬት ንኡስ ምዃኑን ብዘይ ሱዳን ኹሎም ጎረባብትና ንትግራይን ተጋሩን ኣዝዩ ዓሚቕ ዝኾነን ንዘመናት ዝፀነሐን ፅልኢት ዘለዎም ሞዃኑ።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
21 ዋላ እዃ ብዙሓት ሰባት ናይ ሕቡራት መንግስታት(UN)ን ናይ ሕብረት ኣውሮፓ(EU)ን ካብ ናይ ኣሜርካ ፅዕንቶ ናፃ እንተመሰሉና እቲ መሪር ሓቂ ግን ንናይ ኣሜርካ ኣጀንዳ ክፈፅሙ ዝተጣየሹን ንናይ ኣሜርካ ኣጀንዳ ዝፃረር ስራሕ ክሰርሑ ኣይኽእሉን ክሰርሑ እውን ተራእዮም ኣይፈልጡን።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
22 ናይ ዓለም ባንክን ናይ ዓለም ለኸ ገንዘብ ፈንድን (world Bank and IMF) ዝተጣየሹን ዝሰርሑን ንናይ ኣሜርካ፣ ውሮፓውያንን ንናይ ዓበይቲ ኮርፖሬሽናት ኣጀንዳን ትልሚታትን መፈፀምቲ ትካላት እንትኾና ንኮሎኒያሊዝም ብዘይረኣ መልክዕ(subtle approach) ንምፍጻም እምበር ናይ ትግራይን ተጋሩን ጉዳይ ኣይግድሶምን፣ ኣይሓዝኑልናን፣ ኣይተሓባበሩናን፣ ኣጀንደኦምን ትልሞምን ንምጻም ዘኽእሎም ስጉምቲታት ጥራሕ እዮም ዝወስዱ።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
23 ናይ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ንልዕሊ 20 ዓመታት ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዓበየን እናተጠናኸረን ክመጽእ ተገይሩ ስለ ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ኣዝዩ ዓብይን ጠንካራን ምኳን፤ ምስ ናይ ክልል ትግራይ ኢኮኖሚ ክነጻጸር እንተሎ።
(ተጋሩ ጽዕንቶ ከሕድሩሉ ዝኽእሉ ነጥቢ ፍልጠት ግን ይሓትት እዩ)
24 ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ መራሒ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ዘለዎ ዝተፈላለዩ ዓቕሚን ብቅዓትን። ናይ ኣእምሮ ብቅዓት፣ ናይ ምስትውዓል ዓቅሚን ብናቱ ናይ መሪሕነት ግዜ ኣብ ህዝቢ ትግራይ መጺኡ ዘሎ ለውጢን። (IQ, consciousness level and the fruit of his leadership so far)
(ተጋሩ ሙሉእ ብሙሉእ ክንቅይሮ ንኽእል ነጥቢ)
25 ናይ TDF ጠቕላላ ወታደራዊ ዓቕሚ
(ተጋሩ ብዝተፈላለየ መልክዕ ጽዕንቶ ክንሕድረሉ እንኽእል ነጥቢ)
26 ናይ ዲያስፖራ ትግራዋይ ( ናይ ፍልጠት, ናይ ገንዘብ፣ ናይ ስልትን(starategy) መሃዛይነትን) ዓቕምን ተወዲብካን ተጣሚርካን ናብ ሓደ ሽቶ ክወስድ ዝኽእል ትልሚ ናይ ምቕራጽን ምፍጻምን ዓቕሚ።
(ተጋሩ ሙሉእ ብሙሉእ ክንቅይሮ እንክእል ነጥቢ)
27 ግዜ-ግዜ ኣዝዩ ወሳናይ ግደ ዝጻወት ምኳኑን ናይ ትግራይ መራሒ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ንግዜ ዘለዎ ኣረዳድኣን ኣጠቓቕማን።
(ተጋሩ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ነጥቢ)
ካፍተን ተዘርዚረን ዘለዋ ነቲ ኮንቴክስት ዝፈጥራ 27 ነጥብታት ተጋሩ ነተን ውሑዳት ነጥብታት ጥራሕ ኢና ክንቅይርን ጽልዋ ክነሕድርን ንክእል። እተን ዝበዝሓ ነጥብታት ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ተጋሩ ቁጽጽር ወጻእን ኣንጻርናን እየን። ብምኳኑ ኣፍተን ክንቅይረንን ጽልዋ ክነሕድረለንን እንኽእል ነጥብታት እንፈጥሮ ለውጢ ካፍተን ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ዝኾና ነጥብታት ዘሕድርኦ ጽዕንቶ መንዚዑ ዘውጽእን ዝዕብልልን ክኸውን ኣለዎ።
ነቲ ናይ ትግራይን ተጋሩን ኩነታት ብዙይ ዓይነት መንገዲ ክንሪኦ እንተለና ዝደለይና እንተተዛረብና፣ እንተተመነና፣ እንተሓሰብናን እንተበሃግናን ናይ ትግራይ ብርሰት ጠጠው ኣይብልን።
መጠቓለሊ
ተጋሩ ክንቅይረን እንኽእል ነጥብታት
- ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ምራሒ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ምቕያር። ኣብ ኢትዮጵያን ካብ ኢትዮጵያ ወጻእን ካብ ዘለና ልዕሊ 8 ሚሊየን ካብ እንኸውን ተጋሩ ካበኡ ዝሐሸ ዓቕምን ብቕዓትን ዘለዎ ትግራዋይ እንተሃልዩና።
- ናይ ዲያስፖራ ትግራይ ኣወዳድባ ውጽኢት ተኮር ብዝኾነን ነተን ክንቅይረን እንኸል ነጥብታት ንምቕያር ብዘኽእልን ነተን ጽዕንቶ ክነሕድረለን እንኸል ነጥብታት ድማ= እቲ ናይ መወዳእታ ጽዕንቶ ምሕዳር ብዘኽእል መልክዕ ምውዳብን ኣመራርሓ ምፍጣርን።
- ፍጹም ዲሞክራስያውን ንኹሉ ትግራዋይ ብዘሳተፈን መረጻ ነቲ ድኹም ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ትግራይ ዝትክእ ናይ ትግራይ ጽላሎት ምምሕዳር (shadow government) ካብ ትግራይ ወጻኢ ብምጥያሽ ህዝቢ ትግራይ ካፍቲ እናኸፈአ ዝኸይድ ዘሎ ናብራ ዘውጽእ ብልሓትን ጥበብን ዝተመልኦ መፍትሒ ሓሳብ ምቅራብን ምፍጻምን።
ተጋሩ ጽዕንቶ ክነሕድረሎም እንኽእል ነጥብታት
- ብህዝቢ ኦሮሞ ዝግበር ዘሎ ናይ ሓርነት ብረታዊ ቃልሲ።
- ኣብ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ሕብረተሰባውን ሕጋውን ጽዐንቶታትን ዓፈናታትን ብምግዋሕ ፍታሕ ዝረኽቡሉ ኣንፈት ምፍጣር።
- በቢመዓልቱ ብጥሜትን ብሕማምን ዝመውት ትግራዋይ ናይ ምድሓንን ምንካይን ስራሕቲ ኣጽኒዕኻ ምሓዝ።
- ናይ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ንምዝሓልን ናይ መንግስቲ እቶት ንምድኻምን ዘኸእሉ ኢኮኖምያዊ ተኮር ቃልሲ ምግባር።
- ናይ TDF ወታደራዊ ዓቅሚ ምምሕያሽ።
ምኻነን ብምግንዛብ ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ ኢልና ነተን ክነድምየን እንኽእል ጉዳያት መሚና ብዝፈለይናየን መሰረት ኣብአን ትኹረት ጌርና እንተዘይተቃሊስናን ኣፍቶም ክንቅይሮምን ጽዕንቶ ክነሕድረሎምን ዘይንኽእል ነጥብታትን ጉዳያትን ዘለና ዓቅሚ እንተውዒልናዮ ኣብ ቀረባ እዋን ከምጨው ምሕቓቕና እዩ።
ብምኻኑ ናይ ምምራሕ ዓቅሚ ዘለኩም ተጋሩ ነቲ ትግራዋይ ከም ብሓዱሽ ወዲብኩም (ብትልሚ ዝተሓገዘ ኣወዳድባ) ነተን ክንቅይረንን ጽዕንቶ ክነሕድረለንን እንኽእል ነጥብታት እዉን ኣጸቢቅካን ኣዕሚቕካን ምጽናዕን ምትላምን ይሓታ እየን።
ተጋሩ ከም እንስሳት ሳዕርን ቆጽልን ኣብ እንበልዐሉ ነባራዊ ኩነታት ምህላውና ተገንዚብና ከምቲ ሙሴ ንእስራእኤላውያን ባሕሪ ጨዲዱ ዘሳገሮም ናይዚ ዘለናዮ ኩነታት ኮንቴክስት ኣነጺሩ ተረዲኡ ጨዳዳይ ዝኮነ መንገዲ ሓሲቡን ተሊሙን ምሂዙን ኣፈጺሙን ካብዘለናዮ ናይ ብርሰት ጫፍ ዘቍቑ ዘውጸአናን ነቲ ተረግሪግናሉ ዘለና ናይ ብርሰት ዓዘቕቲ ጨዲዱ ዘሳግረና ናይ ተጋሩ ሙሴ ዝድለየሉ እዋን ምብጻሕና እናገለጽኩ ነቲ ሙሴና ደሊና እንረኽበሉ መንገዲ ምእላሽ ግድን እዩ ይብል።
የቐንየለይ!
መተሓሳሰቢ
እዚ ተንታኒ ፅሑፍ ርኢቶ እቲ ፀሓፊ እምበር ንቕዋም ኣኽሱማዊያን ሚድያ ኔትዎርክ ናይ ግድን ዝዉክል ኣይኮነን። ንዝህልዉ ጌጋታት መአረምታ ንምዉሳድ ድልዋት ኢና።