ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ጠቕሊሎም ንምውጻእ ቅድመ ኹነት ኣቐሚጦም
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ እንተዘይተረኺብዎ፡ ነቲ ኩነታት ንምፍታሕ “ካልእ ኣገባብ” ክወስዱ ምዃኖም መራሕቲ ትግራይ ኣጠንቂቖም።
መራሒ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶዮ ጉተረዝ ኣብ ዝጸሓፎ “ቅሉዕ ደብዳበ”፡ ዋላ’ኳ ማሕበረሰብዓለም ነቲ ተኣዊጁ ዘሎ “ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት” ናእዳኡ እንተገለጸ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይምቁራጽ ናብ ትግራይ ክኣቱ ጸቕጢ ኣይገበረን ክብል ነቒፉ።
“ዛጊድ ዝኣክል ሞትን ዕንወትን በጺሑ እዩ። እንተኾነ፡ ህዝብና ብጥሜትን ብቐሊሉ ምክልኻል ዝካአሉ ሕማማትን ክሃልቕ ሱቕ ኢልና ክንዕዘብ ኣይንኽእልን።
“በዚ መሰረት ሰላማዊ ፍታሕ ዘይሰርሕ እንተኾይኑ ካልእ ኣገባብ ክንወስድ ክንግደድ ኢና” ክብል ዶ/ር ደብረጽዮን ኣጠንቂቑ’ሎ።
ነቲ ንልዕሊ 17 ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ክግበር ዝጸንሐ ዛጊት ጭቡጥ ውጽኢት ኣየምጸአን።
ንኩነታት ጸጥታ ብዝምልከት፡ ልኡላዊነትን እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝወደቐን፡ ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ መርኣያ ናቱ ከምዝኾነን እቲ መራሒ ህወሓት ነቒፉ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዶ/ር ደብረጽዮን ዝመርሖ ውድብ ህወሓት ጠንቂ ዘይምርግጋእ እታ ሃገር’ዩ ብምባል ከም “ኣሸባሪ” ጉጅለ ከምዝርእዮ ብወግዒ ምውሳኑ ይዝከር።
ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ’ቲ ዛጊድ ተቖጻጺሮምዎ ኣለዉ ዝበሎም፡ “ገለ ከባቢታት ሰሜናዊ ምዕራብ፣ ማእኸላይን ምብራቕን ትግራይን” ከምኡ’ውን ካብ ኢትዮጵያ ጠቕሊሎም ክወጽኡን ይጠልብ።
ኣብ ኲናት ትግራይ ሰፊሕ ተሳትፎ ዝነበሮም ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብቲ ክልል ክወጹ ምዃኖም ሰብመዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።
ህላወ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር
ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብቲ ሒዞሞ ዘለዉ ቦታታት ክልል ዓፋር ክወጹ ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ብ12 ሚያዝያ ሓይልታቶም ኤሬብቲ ተባሂሉ ካብ ዝፅዋዕ ከባብታት ዓፋር ለቒቖም ንምውፃእ ዝወሰኑ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ንምሕላፍ ዝተበፅሐ ስምምዕ ክኽበርን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ምእንቲ ክኣቱን ምዃኖም’ዮም ሓቢሮም ነይሮም።
“ህላወ ሓይልታትና ኣብ [ክልል] ዓፋር ነቲ ቅሉዕን ህልውን ጸጥታዊ ሓደጋ ንምግታእ ዝዓለመ’ዩ፣ ብመትከል ከኣ ተወሳኺ ምስሓብ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዓፋር ንምግባር ድሉዋት ኢና” ክብል መልእኽቲ ዶ/ር ደብረጽዮን ገሊጹ’ሎ።
ሓይልታት ትግራይ ካብ ጎረቤት ክልል ዓፋር ጠቕሊሎም ንምውጻእ ግን ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ክረጋገጹ መራሕቲ ትግራይ ይጠልቡ።
ዘይተገደበ ረድኤት ዝኣትወሉ ስርዓት ክዝርጋሕን ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ናብ ቦተኦም ክምለሱን ኣለዎም ኢሉ።
ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ስልኪ፣ መብራህቲ፣ ባንክን ትራንስፖርትን ተቛሪጾም ዝርከቡ ኮይኖም፡ እዚ ድማ፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋድድ ምዃኑ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
“ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ሒደት ናይ ጽዕነት መኻይን በዚ መዓልቲ ክኣትያ እየን ብዝብል ክውሰን የብሉን። እኳ ደኣስ፡ ናብ ትግራይ ስሩዕ፣ እኹልን ዘይተገደበን ረድኤት ከኣቱ ዘኽእል መስርሕ ክዝርጋሕ ኣለዎ” ኢሉ።
በቐዳምነት፡ እቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ኣድላይ ዝኾነ ሰብኣዊ ረድኤት ዝሓልፈሉ ፍሉይ መገዲ (ኮሪደር) ክህሉ፡ ከምኡ ድማ ነዚ ክዉን ንምግባር ዘኽእል ዘተአማምንን ዘላቕነት ዘለዎን ስርዓት ክዝርጋሕ ይግባእ ኢሉ።
“ቀረብ ሰብኣዊ ረዲኤት ሒደት ናይ ጽዕነት መኻይን በዚ መዓልቲ ክኣትያ እየን ብዝብል ክውሰን የብሉን። እኳደኣስ፡ ናብ ትግራይ ስሩዕ፣ እኹልን ዘይተገደበን ረድኤት ከኣቱ ዘኽእል መስርሕ ክዝርጋሕ ኣለዎ” ኢሉ።
ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምውጸኦም ቅልውላው እታ ሃገር ክመሓየሽ እዩ ዝብል “ዝተጋገየ ርድኢት” ዝነበሮ ማሕበረሰብ ዓለም፡ እቲ ሓቂ ንሱ ከምዘይኮነ ሕዚ ክርዳእ ይግባእ’ውን ድማ ይብል።
“ብርግጽ፡ ናብተን ክልላት ሓይልታትና ክነውፍር ዝተገደድና ናይቲ ቅልውላው ውጽኢት ‘ምበር ናትና ወፍሪ ጠንቂ ኣይነበረን” ይብል ዶ/ር ደብረጽዮን።
ኩነታት ሰብኣዊ ረዲኤት
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ገለ ከባቢታት ክልል ዓፋር ድሕሪ ምውጽኦም ሰብኣዊ ረዲኤት ዝጸዓና 50 መካይን ብሰላም ናብ ከተማ መቐለ ከምዝኣተዋ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ ነይሩ።
እተን መካይ 1000 ሜትሪክ ቶን ስርናይን ጥረምረን፡ ኣስታት 700 ሜትሪክ ቶን ናይ ጥዕና፡ መኣዛዊ መግቢ፡ መተሓጻጸቢን፡ ከምኡ’ውን 115,000 ሊትሮ ነዳዲ ዝጸዓና ምዃነን’ውን እቲ ትካል ጠቒሱ።
እንተኾነ ግን እቲ ክሳብ ሕጂ ዝኣተወ ረዲኤት፡ ምስቲ በቲ ኲናት ዝተፈጥረ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ዝዳረግ ከምዘይኮነ ትካላት ረዲኤትን ሰብመዚ ትግራይን ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝተገብረ ምስሓብ ሓይልታት ትግራይ ዝነኣደት ኣመሪካ፡ “ካብ ካልኦት ከባብታት ዓፋር’ውን እንተወፅዮም ጠቓሚ” ከምዝኸውን ተማሕጺና ምንባራ ይዝከር። ልዕሊ 1700 ሜትሪክ ቶን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ምብፅሑ’ውን ኣፅቡቕ ዜና’ዩ ክትብል ገሊጻቶ ነይራ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፡ መግብን ሕክምናዊ ቀረባትን ዘጠቓለለ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ክልል ክኣቱ ዕድል ንምፍጣር፡ “ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት” ኣዊጆም ነይሮም’ዮም።
ብዘይካ’ዚ ኣብ ክልተ እዋን ዝኣተዋ ውሱናት መካይን፡ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይምቁራጽ ክኣቱ ብዘይምኽኣሉ ግን ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
ኣብታ ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብቲ ክልል ጥምየትን ኩነታት ዓጸቦን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
ሰላማዊ ፍታሕ ናይቲ ኲናት ንምርካብ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካን ካልኦት ወገናት ንክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፍረ ኣየምጸአን ዘሎ።