ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ጠቕሊሎም ንምውጻእ ቅድመ ኹነት ኣቐሚጦም
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ሓይልታት ትግራይ ካብ ጎረቤት ክልል ዓፋር ጠቕሊሎም ንምውጻ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ከምዘቕመጡ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳትማሊ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ህላወ ሓይልታትና ኣብ [ክልል] ዓፋር ነቲ ቅሉዕን ህልውን ጸጥታዊ ሓደጋ ንምግታእ ዝዓለመ’ዩ፣ ብመትከል ከኣ ተወሳኺ ምስሓብ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዓፋር ንምግባር ድሉዋት ኢና” ኢሉ።
ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ጠቕሊሎም ንክወጽኡ ግን፡ ዘይተገደበ ረድኤት ዝኣትወሉ ስርዓት ክዝርጋሕን ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ናብ ቦተኦም ክምለሱን ዝብሉ ዝርከብዎም ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነት ኣስፊሩ።
ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ስልኪ፣ መብራህቲ፣ ባንክን ትራንስፖርትን ተቋሪጾም ዝርከቡ ኮይኖም፡ እዚ ድማ፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋድድ ምዃኑ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
በቐዳምነት፡ እቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ኣድላይ ዝኾነ ሰብኣዊ ረድኤት ዝሓልፈሉ ፍሉይ መገዲ [ኮሪደር] ክህሉ፡ ከምኡ ድማ ነዚ ክኸውን ዘኽእል ዘተአማምንን ዘላቕነት ዘለዎን ስርዓት ክዝርጋሕ ይግባእ ኢሉ።
“ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ሒደት ናይ ጽዕነት መኻይን በዚ መዓልቲ ክኣትያ እየን ብዝብል ክውሰን የብሉን። ኳ ደኣስ፡ ናብ ትግራይ ስሩዕ፣ እኹልን ዘይተገደበን ረድኤት ከኣቱ ዘኽእል መስርሕ ክዝርጋሕ ኣለዎ” ኢሉ።
ወሲኹ ድማ፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ረድኤት፡ ብሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ድሌት ክኣቱን ክተርፍን ዝኽእል ሰናይ ተግባር ተገይሩ ክውሰድ የበሉን ኢሉ።
“መንግስቲ ትግራይ ነዚ ዘሎ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ድልው እዩ” ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ “እቲ ሕሱም ዕጽዋ ትግራይ ክልዓልን መሰረታዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለስን” ከም ቅድመ-ኩነት ኣስፊሩ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ገለ ተቖጻጺሮሞ ዝነበሩ ከባቢታት ከምዝወጹ ገሊጾም ነይሮም’ዮም።
መራሕቲ ትግራይ፡ ብ12 ሚያዝያ ሓይልታቶም ኤሬብቲ ተባሂሉ ካብ ዝፅዋዕ ከባብታት ዓፋር ለቒቖም ንምውፃእ ዝወሰኑ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ንምሕላፍ ዝተበፅሐ ስምምዕ ክኽበርን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ምእንቲ ክኣቱን ምዃኖም’ዮም ሓቢሮም ነይሮም።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት ድማ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝጸዓና 50 መካይን ብሰላም ናብ ከተማ መቐለ ከምዝኣተዋ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ ነይሩ።
እተን መካይ 1000 ሜትሪክ ቶን ስርናይን ጥረምረን፡ ኣስታት 700 ሜትሪክ ቶን ናይ ጥዕና፡ መኣዛዊ መግቢ፡ መተሓጻጸቢን፡ ከምኡ’ውን 115,000 ሊትሮ ነዳዲ ዝጸዓና ምዃነን’ውን እቲ ትካል ጠቒሱ።
እንተኾነ ግን እቲ ክሳብ ሕጂ ዝኣተወ ረዲኤት፡ ምስቲ በቲ ኲናት ዝተፈጥረ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ዝዳረግ ከምዘይኮነ ትካላት ረዲኤትን ሰብመዚ ትግራይን ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝተገብረ ምስሓብ ሓይልታት ትግራይ ዝነኣደት ኣመሪካ፡ “ካብ ካልኦት ከባብታት ዓፋር’ውን እንተወፅዮም ጠቓሚ” ከምዝኸውን ተማሕጺና ምንባራ ይዝከር። ልዕሊ 1700 ሜትሪክ ቶን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ምብፅሑ’ውን ኣፅቡቕ ዜና’ዩ ክትብል ገሊጻቶ ነይራ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፡ መግብን ሕክምናዊ ቀረባትን ዘጠቓለለ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ክልል ክኣቱ ዕድል ንምፍጣር፡ “ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት” ኣዊጆም ነይሮም’ዮም።
ብዘይካ’ዚ ኣብ ክልተ እዋን ዝኣተዋ ውሱናት መካይን፡ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይምቁራጽ ክኣቱ ብዘይምኽኣሉ ግን ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
ሰላማዊ ፍታሕ ናይቲ ኲናት ንምርካብ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካን ካልኦት ወገናት ንክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፍረ ኣየምጸአን ዘሎ።