ምስልታት ሳትላይት ዕጡቓት ናብ ሓሞኸሽቲ ዝቐየርዋ ንእሽተይ ቁሸት ኦሮምያ የርእዩ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኣብ ዝሓለፈ 16 ጥሪ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዘጋጠመ ክስተት ኣብ ሓንቲ ቁሸት ናይ ዝነብሩ ሓረስቶት ህይወት ንሓዋሩ ዝቐየረ ነይሩ።
ኣብቲ ዕለት ዕጡቓት፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ናብ እትርከብ ፊጤ ቆቦ ብምኻድ፡ ተኵሲ ከፊቶም፣ መንበሪ ኣባይቲ ኣቃፂሎምን ሰባት ቀቲሎምን።
ካብቲ መጥቃዕቲ ዝሃደሙ ነበርቲ ድማ ህይወቶም ንምድሓን ተሰዲዶም። እዚ ፀብፃብ ክሳብ ዝተዳለወሉ ነበርቲ ፊጤ ቆቦ ናብታ ቁሸት ኣይተመለሱን።
ፊጤ በቆ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ሊሙ ገሊላ’ያ ትርከብ።
ቢቢሲ ምስልታት ሳትላይት ብምጥቃም፡ ኣብቲ ከባቢ ዝተወሰዱ ስእልታትን ተንቀሳቓሲ ምስልታትን ብምምርማር ከምኡ’ውን ካብ መንበሪ ኣባይቶም ዝተመዛበሉን መንበሪ ኣባይቶም ዝተቓፀሎምን ሰባት ብምዝርራብ ኣብታ ቁሸት እንታይ ከም ዝተፈጠረ ከረጋግፅ ክኢሉ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ወለጋ ዝነብሩ ነበርቲ ብተደጋጋሚ ንዘጋጥም ቅትለት፣ ምምዝባል፣ ምቅፃል መንበሪ ኣባይትን እኽልን ንሰለስተ ጉጅለታት’ዮም ዝኸስሱ።
ግንባር ነፃነት ኦሮሞ (ኦነግ)፣ ዕጡቓት ኣምሓራን ኣካላት ፀጥታ መንግስትን በቶም ነበርቲ ይኽሰሱ።
ኣብ ፊጤ በቆ እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ ነይሩ?
ምእንተ ድሕንነቱ ክንብል ስሙ ዘይንፀርሖ ወዲ 54 ዓመት ሽማግለ፡ ምስ ሸሞንተ ኣባላት ስድርኡ፡ ተወሊዱ ካብ ዝዓበየሉ መረበቱ ተመዛሉ፡ ተሓቢኡ ይርከብ።
“ከቢድ ብረት ዝተዓጠቑ’ዮም። ባንዲራ ጉምበት 7 ዝበሃል’ዮም ዝሕዙ። በትሪ ዝሕዙ ኣብ በትሮም፣ በትሪ ዘይሕዙ ድማ ኣብ ግንባሮም ኣሲሮም’ዮም ዝንቀሳቐሱ” ኢሉ።
ኣብታ ቁሸት ዝኾነ ርእየ እየ ዝብል እቲ ሰብኣይ፡ “ዕጡቓት ኣምሓራ እዮም” ዝብሎም ዕጡቓት፡ ብ 16 ጥሪ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ሰኑይ መዓልቲ ኣብታ ቁሸት ሰዓት 11፡00 ናይ ኣጋምሸት ዝጀመርዎ መጥቃዕቲ ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ናይ ምሸት ከምዝቐፀለ የረድእ።
“ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ኣብኡ ነይሮም። ይደርፉ ነይሮም። ዝቃፀል ኣቃፂሎም፣ ዝውሰድ ወሲዶም ከይዶም. . . ዝመቸዎም’ዮም ወሲዶም። ዝተረፈ ድማ ብፋስ እዮም ፈሊፀሞ” ብምባል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ኣብሪሁ።
እቲ ነባሪ መንበሪ ገዝኡ ከምዝተቓፀለን ብዙሕ ንብረታ ከምዝዓነዋን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ካብ ሰለስተ ሄክታር መሬት ተኣኢቡ ዝነበረ ዕፉን ኣብኡ ተቓፂሉ። ሞተር ወሲዶምለይ። ገዛይ ምስ ሙሉእ ንብረቱ ተቓፂሉ። ሂወትና ጥራሕ’ዩ ተሪፉ . . ።”
እቶም ምስልታት ሳትላይት እንታይ የርእዩ?
ኣብ ቀረባ እዋን ደረጃ ምምሕዳር ከተማ ዝረኸበት ፊጤ በቆ፡ ብስራሕቲ ሕርሻ እያ ትፍለጥ። መሬት ፊጤ ቦቆ፡ ዕፉን፣ ባሎንጋን ፉሉን ብብዝሒ የብቁል። እዚ መጥቃዕቲ ድማ እኽሊ ተኣኪቡ ኣብ ዓውዲ ኣብ ዝተኣከበሉ እዩ ተፈጺሙ።
“ዕፉን ካብ ቃንጭኡ ከይተሰበረ፡ ናይ ሓሙሽተ ሰብሞያ ሕርሻ ተቓፂሉ። ሕድሕዶም 300 ን 400 ሄክታር ሕርሻ ሙሉእ ንሙሉእ ተቓፂልዎም” ይብል።
ቢቢሲ ካብ ፕላኔት ላብስ ዝረኸቦም ምስልታት ሳትላይት ነዚ ዘረጋግፁ እዮም። ካብቲ ትካል ዝተረኸቡ ምስልታት ፊጤ በቆ ብ 8፣ 17 ን 20 ጥሪ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ዝነበረትሉ ኩነታት የርእዩ።
ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ስእሊ ብ 8 ጥሪ 2014 ዝተወሰደ’ዩ። እዚ ምስሊ ካብ ከተማ ፊጤ በቆ ብምዕራብ ከባቢ ዝተቓፀለ ከባቢ የርእይ። ብዕለት 8 ጥሪ ግና ኣብታ ከተማ ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለ እዩ እቲ ምስሊ ዘርእይ።
ካብዚ ቀፂሉ ዝተረኸበ ምስሊ ሳትላይት ብ 17 ጥሪ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዝተወሰደ እዩ። ኣብዚ ዕለት ዝተወሰደ ምስሊ ከተማ ፊጤ በቆን ዙርይኣን ብሓዊ ናብ ሓሞኽሽቲ ተቐይሩ የርእይ። እዚ ድማ ነበርቲ እታ ከተማ ብ 16 ጥሪ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ብዕጡቓት ከምዝዓነወት ዝሃብዎ ምስክር የረጋግፅ። እቲ ምስሊ እታ ከተማን ዙርይኣን ፀሊምን፣ ፀሊም ትኪ ካብቲ ከባቢ እንትወፅእ የርእይ።
ከተማ ፊጤ በቆን ዙርይኣን ዝበፅሖም ከቢድ ዕንወት ዘርእይ ብ 20 ጥሪ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዝተወሰደ ምስሊ ሳትላይት እዩ።
እዚ ምስሊ መንበሪ ኣባይትን ናይ ሕርሻ ቦታታትን ተቓፂሎም የርእይ።
ካብ ምስልታት ሳትላይት ብተወሳኺ፡ ቢቢሲ ዝተልኣኽሉ ስእልታትን ተንቀሳቐሲ ምስልታትን ብምምርማር ኣብዛ ናይ ገጠር ከተማ ዘጋጠመ ክስተት ከፃርይ ክኢሉ’ዩ።
ቢቢሲ ካብ ሞንጎ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ ብተወሳኺ፡ ኣብ ተንቀሳቓሲ ምስልን ስእልታትን ዝረኣይ ምድራዊ ኣቀማምጣ ምስ ጉጉል አርዝ ብምውዳድ ኣብ ፊጤ በቆ ዝተቓፀሉ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝነበሩ ኣረጋጊፁ።
ኣብዚ ታሕቲ ዝረኣዩ ክልተ ስእልታት ተመሳሰልቲ ምዃኖምን ብመሰረት ኣቀማምጠኦም ብጉጉል አርዝ ምርግጋፅ ይከኣል። ሓደ ምዃኖም መረጋገፂ ዝኾኑ ድማ ብሓደ ዓይነት ሕብሪ ምልክት ተገይርሎም ኣሎ።
እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ካብ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝተወሰደ ኮይኑ፡ እቲ ታሕተዋይ ድማ ካብ ጉግል አርዝ ዝተረኸበ ምስሊ እዩ።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ኣብቲ ከባቢ ዝበፅሐ ዕንወት ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ምስቲ ናይ ሳትላይት ምስሊ ኣመሳኺርና ኢና።
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ትርእይዎ ምስሊ ዝዓነዉ መንበሪ ኣባይቲ፣ ናብ ፀጋም ትዕፀፍ ቀጣን መንገዲ ከምኡ’ውን ነታ ናይ ገጠር ከተማ ኣቋሪፁ ዝሓልፍ ሰፊሕ መገዲ፡ ምስቲ ናይ ሳትላይት ምስልታት ይመሳሰል’ዩ።
እቶም ዕጡቓት ድሌቶም እንታይ’ዩ?
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ ከምዝብልዎ፡ “እቶም ዕጡቓት ነበርቲ እቲ ከባቢ ለቒቖም ንክወፅኡ’ዮም ዝደልዩ”።
“እዚ ናትና ሃገር እዩ። እዚ በረኻ ግደፉልና። ካብ ጉትን ጀሚሩ ክሳን ጊዳ ዘሎ ናይ ኣምሓራ’ዩ ይብሉና” እታ ስማ ዘይፀራሕናያ ነባሪት እቲ ከባቢ።
እዛ ነባሪት፡ እቶም ዕጡቓት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮምያ ከምዘለዎ ኩሉ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ’ውን ‘ፍሉይ ዞባ ኣምሓራ’ ንክህሉ’ዮም ዝደልዩ” ትብል።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ እቶም ዕጡቓት ዘብፀሑዎ መጥቃዕቲ ምስቲ ንርእሱ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝፅውዕ ጉጅለ ዘብፅሖ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝተሓሓዝ እዩ ይብሉ።
“ሸኔ፡ ብተደጋጋሚ ጸገማት የብፀሓልና ኣሎ። ንዕኡ ኢና ንደሊ . . . ንስኻትኩም ኢኹም ተንብሩዎ ዘለኹም ይብሉና” ይብል እቲ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ውልቀሰብ።
ኣብ ውሽጢ ኣብ ምዕራብ ሸዋን ምዕራብ ወለጋን ዝርከቡ ዞባታት፡ መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝፅውዖ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኦሮሞ መጥቃዕቲ ክፍፅም ምፅንሑ’ዩ ዝግለፅ።
እዚ መንግስቲ ሽበራዊ ጉጅለ ኢሉ ዝመዝገቦ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ቕትለት ምስ ፈፀመ ኣምሓሩ’ዮም ዝብሃሉ ዕጡቓት ብዝወስዱዎ ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ብዙሓት ተወለድቲ ኦሮሞ ከም ዝቕተሉን ንብረቶም ከም ዝዓኑን ፀብፃባት ሰሪሕና ነይርና።
ኣወዳድባን ኣመራርሓን ሰብ መዚ ክልል ኦሮሚያ ‘ኣኽረርቲ ኣምሓራ’ ኢሎም ዝጽውዑዎ ብትኽክል ክፍለጥ ስለ ዘይተኽኣለ ኣብዚ ጉዳይ ናይዚ ጉጅለ ርኢይቶ ከነካትት ኣይክኣልናን።
ነበርቲ ፊጤ በቆ ሕጂ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከቡ?
እዚ መጥቃዕቲ ብጥሪ 2014 ዓ.ም [ኣቆፃፅራ ግእዝ] ምስ ተፈፀመ ነበርቲ ናብቲ ዝነብርሉ ከባቢ ኣይተመለሱን።
እቲ ተመዛባሊ ክሳብ ሕዚ ዝረኸብዎ ሓገዝ’ውን ከምዘየለ ይዛረብ።
” ‘መንበሪ ገዛኹም ዝተቓጸለኩም ሰባት ሽምኩም መዝግቡ’ ኢሎምና ነይሮም። ኣመራርሓ እቲ ከባቢ ንርእሶም ከድሕኑ ኣብ ካልእ ቦታ እዮም ዘለው። ብስልኪ ኢና ሽምና ሂብናዮም። ክሳብ ሕዚ ግን መንግስቲ ዝገበርልና ሓገዝ የለን” ክብል እቲ ወዲ 54 ዓመት ሰብኣይ ተዛሪቡ።