ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ምስ ልኡኻት ኣመሪካ እንታይ ዘትዮም?
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ምስ ኣባላት ልኡኽ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ሰኔት ኣመሪካ ዘተ ዝተኻየደ ኾይኑ፡ መሪሕነት ኣርባዕተ ውድባት ተቓውሞ ትግራይ ተረኺቦም ሓሳቦም ከምዘቕረቡ ተገሊጹ።
እቶም ውድባት ትግራይ ምስቶም ልኡኻት ኣመሪካ ኣብ ዝነበሮም ዘተ፡ ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ዝኣትወሉ መገዲ ኣልዒሎም፡ እቲ ንልዕሊ 17 ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ዘሎ ኲናት ጠጠው ክብል ከምዝሓተቱ’ውን ተዛሪቦም።
ወከልቲ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ [ሳወት]፣ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ልኣላውነትን [ዓረና]፣ ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ [ትዴፓ]ን ራእይ ፓርቲን ኣብቲ ዘተ ከምዝተሳተፉ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ካብቶም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኣርባዕተ ውድባት ንገለ ተወከልቲ ኣዛሪቡ ኣሎ።
ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ኣቶ ሃይሉ ከበደ፡ ዕላማ እቲ ዘተ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ምብራህ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።
“እቲ ዕላማ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብኣግባቡ ክርድኡ ምግባር እዩ። እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ክንደየናይ ዕንወት ከምዘብጸሐ፡ ናይ ምጽናት ዓሌት ኲናት ምዃኑ’ውን ክርድኡ ገይርና” ዝበለ ኾይኑ በቐንዱ ድማ እቲ ሕዚ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣመልኪቶም መብርሂ ከምዝሃቡ ተዛሪቡ።
“እቲ ሕዚ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ እሞ ድማ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቅዋማት ተተሓሒዙ ቅድመ ኩነት እናተገበረሉ ዝለዓል ዘሎ፡ ጌጋ ምዃኑን ህዝቢ ትግራይ ነዚ ክቕበሎ ከምዘይብሉ ኢና ምስኣቶም ተዘራሪብና” ኢሉ።
ወሲኹ’ውን፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክጻረዩ፣ ናይ ግዝኣት ምስፍፋሕ ወራርን ወፍሪ ምጽናጥ ዓሌትን ምዃኑ ኩሎም ብኣግባቡ ክርድእዎ ከምዝተገብረ ተዛሪቡ።
“በቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት፡ እቲ ታክቲክ፡ ንእሽቶ ረድኤት ጠብጠብ እናበልካ፡ ቀስ እናበልካ ህዝቢ ምውዳእ እዩ ዝመስል። ወተሃደራውን ፖለቲካውን ዓላማኻ ንምፍጻም ረድኤት ከም መሕንቖ ሒዝካ ምኻድ እዩ ዘሎ” ኢሉ።
ካብዚ ብምብጋስ ‘ከምኡ እንተኾይኑ ከም ኣማራጺ እንታይ መደብ ኣለኩም?’ ኢሎም ከምዝሓተትዎም፡ እንተኾነ እዚ ብዝምልከት ሕዚ ምላሽ ክህብሉ ከምዘይኽእሉ ተዛሪቡ።
ንሳቶም ግን፡ ከም ኣማራጺ ብኣየር ረድኤት ዝበጽሐሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ ዝብል ሕቶ ከምዘቕረቡ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ቀረባ ድማ ክረምቲ ይኣቱ ስለዘሎ፡ ናይ ዘርእን ማዳበርያን ኩነታት’ውን ከምዘልዐልሎም ሃይሉ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ረድኤት ዝጽበ ኾይኑ፡ ኣብቲ ክልል ኩሎም ዓይነት መራኸቢ መገድታትን መንግስታዊ ኣገልግሎትን ንኣስታት ሓደ ዓመት ተቛሪጾም ይርከቡ።
ካልአቶምከ እንታይ ኢሎም?
ካልእ ንውድቡ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ልኣላውነትን ወኪሉ ዝተረኽበ ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ፡ ኣይተ ጎይተኦም ብወገኑ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝኾነ ምግላጾም ተዛሪቡ።
እዚ ሓሳብ ዳርጋ ናይ ኩሎም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ውድባት ትግራይ ቅዋም ከምዝነበረ’ውን ኣዘኻኺሩ።
“ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም፡ ንጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ዘይበሃሎ ከቢድ ዓጸቦ እዩ” ኢሉ።
ከምኡ ድማ፡ ብፍላይ ካብ ወገን ዓረና፡ ምክልኻል ሃገር ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ኾይኑ ንክልል ትግራይ ዝወቕዐሉ ኩነታት ከምዝተፈጥረ ብምግላጽ፡ “እዚ፡ ሓድነት’ታ ሃገር ከም ሃገር ኣብ ሕቶ ዘእቱ ኩነታት እዩ፤ ሓይልታት ወጻኢ ንትግራይ ምስ ናይ ሓይልታት ውሽጢ ዓዲ ኮይኖም እዮም መጥቃዕቲ ፈጺሞም” ኢሉ።
“እዚ ከቢድ ነገር እዩ፤ ሕዚ’ውን ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ኣለዉ እዮም። ከምኡ ድማ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጽኡ አላዎም። ሃገር ከም ሃገር ከይንሓስብ እዩ ተገይሩ ዘሎ፤ እዚ ማለት እታ ሃገር የፍርስዋ ኣለዉ ማለት እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘቕረቡ ኣረዲኡ።
ኣመሪካ፡ ኤርትራ ወተሃደራታ ጠቕሊላ ካብ ኢትዮጵያ ክተወጽእ ኣትሪረን ደጋጊመን ካብ ዝሓተታ ሃገራት ምዕራብ ሓንቲ እያ።
ወተሃደራት ኤርትራ፡ ምስ ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሻሪኾም፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ኾይኖም፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ብዙሓት ጸብጻባት ትካላት ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ።
ኣብቲ ኲናት ምስታፉ ዝኣመነ መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራቱ ዝቐርቡ ክስታት ይነጽጎም።