ኣብ ጎኒ ሩስያ ደው ክንብል ኢና ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣፍደገ እቲ ኤምባሲ ተሰሪዖም ተራእዮም
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኣብቲ ሩስያ ምስ ዩክረይን አተካይዶ ዘላ ኲናት ‘‘ኣድላዪ ብዝኾነ መገዲ ኩሉ’’ ኣብ ጎኒ ሩስያ ደው ክንብል ኢና ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ሩስያ መስርዕ ሒዞም ተራእዮም፡፡
ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ፡ ብዙሓት ሰባት ‘‘ብዕሱብ ወተሃደርነት’’ ክንምዝገብ ብዝብል፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ አበባ ከባቢ ቀበና ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኣፍደገ ተሰሊፎም ከምዝረኣዩ ገሊጾም፡፡
ወሃቢት ቃል ናይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ማሪያ ዛካሮቫ እውን ‘‘ኣድላዪ ብዝኾነ መንገዲ ኩሉ’’ ኣብ ጎኒ ሩስያ ደው ክንብል ኢና ዝብሉ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናብቲ ኤምባሲ ይመጹ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡
ቢቢሲ ዘዘራቦ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ካብ ብቕድሚ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ኣፍደገ እቲ ኤምባሲ ነዊሕ መስርዕ ክርእይ ከምዝጀመረ ገሊጹ፡፡
ኮይኑ ግና እቲ ኤምባሲ ኣብ ኲናት ዩክረይን ኢትዮጵያውያን ናይ ምምልማል ትልሚ ከምዘይብሉ እታ ወሃቢት ቃል ተዛሪባ፡፡
‘‘ንሕና ዝምልምሉ ኤጀንሲ ኣይኮንናን፤ ስለዚ ተዋጋእቲ ኣይንምልምልን’’ ኢላ ማርያ ዛካሮቫ፡፡
‘‘መብዛሕተኦም ናይቲ ኤምባሲ ስልኪ ስለዘይፈልጥዎ ወይ ኢንተርነት ስለዘይብሎም ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ናብ ኤምባሲና እናመጹ ድጋፍ ይህቡ ኣለዉ’’ ክትብል እውን ወሲኻ፡፡
ንሳ፡ እቲ ኤምባሲ ካብ ስሩዕ ቆንስላዊ ስራሕቲ ወጻእ ወታሃደር ናይ ምምልማል ስራሕቲ ከምዘይሰርሕ ትገልጽ፡፡
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምስጀመረት፡ ብፍላይ ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዕሱባት ወተሃደራት ትምልምል ኣላ ብምባል ምዕራባውያን ክኸሱ ጸኒሖም እዮም፡፡
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ እትርከብ ሰኔጋል ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ንኲናት ንምምልማል ምልክታ ከምዘውጸአ ምስተገለጸ፡ ኣብ መንግስቲ ሰኔጋል ቁጸዐ ፈጢሩ ነይሩ፡፡
ብኣንጻሩ ኣብ ጎኒ ሩስያን ዩክረይንን ተሰሊፎም ክዋግኡ ዝደልዩ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እቶም ኣብ ሃገሮም ዝርከቡ ኤምባሲታት ተሰሊፎም ሕቶ ከቕርቡ ተራእዮም እዮም፡፡
ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ነቲ ገለ ኤምባሲታ ዩክረይን ኣውጺኦምዎ ዝነበሩ ናይ ዕሱባት ናይ ምምልማል ምልክታታት ብትሪ ተቓዊሞምዎ፡፡
ሩስያ በቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ካብ ሃገራት ምዕራብ ከቢድ ማዕቀብን ተነጽሎን በጺሕዋ እዩ፡፡
ኢትዮጵያ ዋላኳ ኣብዚ ጉዳይ ቅዋማ ብግልጺ እንተዘይሓበረት፡ ሩስያ ብዝምልከት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝወሃብ ድምጺ ግን ድምጻ ክትዕቅብን ውሳነ ምዕራባውየን ክትቃወምን ተራእያ እያ፡፡
እቲ ኲናት ኣብ ዝተጀመረሉ ሰሙን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተቖጢቦም ፍልልዮም ብዘተ ክፈትሑ ሓቲቱ ነይሩ፡፡