ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ከምዝወጽኡ ተገሊጹ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ሓይልታት ትግራይ፡ ተቖጻጺሮምዎ ካብ ዝጸንሑ ገለ ዞባታት ዓፋር ለቒቖም ከም ዝወጽኡ መራሕቲ እቲ ክልል ኣፍሊጦም።
መራሕቲ እቲ ክልል፡ ሓይልታቶም ኤሬብቲ ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ከባብታት ዓፋር ለቒቖም ንምውጻእ ዝተወሰነ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ንምሕላፍ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክኽበርን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ምእንቲ ክሓልፍን ብምሕሳብ ምዃኑ ገሊጾም።
እቲ ትማሊ 4 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም. ኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ብቴሌቪዥን ትግራይ ዝወጽአ መግለጺ፡ “መንግስቲ ትግራይ ነቲ ዝርርብ ሰላም ተግባራዊ ንምግባርን ንምስላጥን ብፍላይ ድማ ረድኤት ብዘይ ዕንቅፋት ንክሓልፍ ሎሚ 4 ሚያዚያ 2014 ዓ. ም. ሰራዊት ትግራይ ተቖጻጺርዎ ካብ ዝነበረ ኤሬብቲ ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ከባቢ ክልል ዓፋር ክለዓል ተገይሩ” ኢሉ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ካብቲ ከባቢ ምውጸኦም ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ክልል ዓፋር ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዞባ ክልተ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ወረዳታት ኣብ ቁጽጽር ዘእተዉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ እዩ ነይሩ።
ቅድሚ ሕዚ፡ ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ዓፋር፡ ኣቶ አሕመድ ኻሎይታ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዞባ ክልተ እቲ ክልል ዝርከቡ ሓሙሽተ ወረዳታት ተቖጻጺሮም ከምዝጸንሑ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ዞባ ኪልበቲ ረሱ፡ ኣብ ምቁጽጻር ሓይልታት ትግራይ ኣትዮም ካብ ዝነበሩ ሓሙሽተ ወረዳታት ኣብአላ [ሸኸት]፣ መጋሌ፣ ኤሬብቲን በራሕለን ይርከብዎም።
ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ካባብታት ዓፋር ጠቕሊሎም ይውጽኡ ኣይውጽኡ ግና ኣይተነጸረን።
ቅድም ክብል፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ጠቕሊሎም ወጺኦም ምንባሮም ዝዝከር ኮይኑ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ዝርከብዎም ሓይልታት ዓፋር ኣብ መወሳንቲ ከባብታት መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ ግብረ-መልሲ ከምዝሃበ እዩ ዝገልጽ።
ነቲ ክሲ ኣመልኪቱ፡ ካብ ኤርትራ ዝተውሃበ ምላሽ ኣይነበረን።
መስመር ጽርጊያ ሰመራ-መቐለ፡ ብኣብዓላ ዝሓልፍ ኮይኑ፡ ኣብ ዞባ ክልተ እቲ ክልል ዝርከብ እዩ።
ነቲ ጎንጺ ስዒቡ፡ ብኣማኢቲ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ካብ መረበቶም ምምዝባሎም መንግስቲ ክልል ዓፋር ኣፍሊጡ ነይሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ “ንዘይተወሰነ” እዋን ዝጸንሕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ምእዋጁ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ፡ ካብቲ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝተቖጻጸርዎም ግዝኣታት ካልኦት ክልላት ለቒቖም ክወጽኡ ኣለዎም ዝብል ይርከቦ።
መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ብመሰረት ዝኣወጆ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ: ረድኤት ብቕልጡፍ ክሓልፍ እንተኽኢሉ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገብሩ ኣፍሊጦም ነይሮም።
ናብ ትግራይ ብመካይን ዝለኣኽ ረድኤት ንኣዋርሕ ተቋሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ ድሕሪ እቲ ብክልቲኦም ወገናት ዝተኣወጀ ደው ምባል ተጻበኦ፡ ዳግም ምጅማሩ ተስፋታት ፈጢሩ እኳ እንተጸንሐ ብዘይካ እተን ሽዑ ዝሰገራ 21 መካይን እቲ መስርሕ ከም ዘይቐጸለ ሰብ መዚ ትግራይ ገሊጾም።
ኣብ ትግራይ ኣተሓባባሪ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቦ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ ንፈተነ ተባሂለን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝኣተዋ መካይን ወጻኢ ናብ ትግራይ ዝአዛተወ ሓገዝ ከምዘየለ ተዛሪቡ።
ውድብ ምግቢ ዓለም፡ መዓልታዊ 100 መካይን ረድኤት ዝጸዓና መካይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ኣለዎን ምባሉ ዝዝከር እዩ።
ውሳነ ምውጻእ ሓይልታት ትግራይ፡ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድን ምክትሉ ፓንተን ኖፍን ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣትዉ ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን እዩ፡፡
መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ወርሒ ዘቑጸረ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።
ኣብ’ቲ ክልል፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንጥሜት ዝተቓልዑ ኾይኖም፡ ዶኳትር ከይተረፉ ንልመና ክወጽኡ ከምዝተገደዱ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣሸሓት ብሰንኪ እቲ ኲናት ህይወቶም ዝሰኣኑ ኾይኖም፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾና ይንገር።