ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ኢትዮጲያ ዘላቒ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ጸዊዑ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ኲናት ኢትዮጲያ ተሳተፍቲ ዘለው ኵሎም ወገናት፡ ዘላቒ ዝዀነ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ክገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ ክልል ትግራይ ዝበጽሕ ሰብኣዊ ረዲኤት ክቀላጠፍ ብዝብል፡ ካብ 15 መጋቢት 2014 ዓ.ም ኣትሒዙ ንዘተይተወሰነ ግዜ ዝጸንዕ፡ ግጭት ደው ከብል ድሕሪ ምውሳኑ፣ መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ናብ ትግራይ ዝልኣኽ ሰብኣዊ ረዲኤት፡ ብእኹል መጠንን ቅቡል ኣብ ዝዀነ ግዜን ዝቐርብ እንተዀይኑ፡ ነቲ ውሳነ ከተግብር ምዃኑ ከም ዝገለጹ ይፍለጥ።
ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብዚ ኲናት ተሳተፍቲ ዝዀኑ ኵሎም ወገናት፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ንኽባጻሕ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ግጭት ምቍራጽ፡ ዝያዳ ብምድንፋዕ፡ “ዘላቒ ናብ ዝዀነ ተዅስ ደው ምባል ንምብጻሕ ዘኽእል ኣድላዪ ስጕምቲ” ክወስዱን፡ እቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ንኸብቅዕን ዕድል ክፈጥሩን ጸዊዑ።
መንግስቲ ኢትዮጲያ ነዚ ስጕምቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምእንቲ ሰብኣውነት ተባሂሉ ዝተወስደ ውሳነ፡ “ኣብ ቀጻሊ ብዘይ ተወሳኺ ምፍሳስ ደም፡ እቲ ጎንጺንኽፍታሕ ዘኽእል ንክኸውን” ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ’ሎ።
ኣሜሪካ፡ ነዚ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝተወስደ ውሳነ ምርኩስ ብምግባር፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ምዝርራብ ዝተመርኰሰ ዘላቒ ናብ ዝዀነ ተዅሲ ደው ምባል ስጕምቲ ክበጽሑ ጻውዒት ኣቕሪባ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ኲናት ክሳዕ ሕጂ፡ “ኣብ ክልላት ዓፈር፡ ኣምሓራ፡ ቤንሻንጉል-ጉምዝ፡ ኦሮምያን” ንዝርከቡ ሚልዮናት ሰባት ዘስካሕክሕ ስቅያት ዘስዓበ ምዃኑ’ውን ብምጥቃስ፡ እዚ ሕጂ ዝተወስደ ስጕምቲ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ብግብሪ ናብ ዘመሓይሽ ውሳነ ክቕየር ኣተሓሳሲቡ።
ጉተረዝ ብተወሳኺ፡ ኣገልግሎት ባንኪ፡ ኤሌክትሪክ ቴሌኮሙኒኬሽንን ካልኦት ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዘለው ህዝባዊ ኣገልግሎታት ክጅምሩ ሓቲቱ’ሎ።
ኵሎም ወገናት፡ በብናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ ቀረብ ረዲኤት፡ ግዳያት ናብ ዝዀኑ ወገናት ብህጹጽ ምእንቲ ክበጽሕ ከተሓጋገዙ’ውን ጸዊዑ።
ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን ዝለሓመ፡ 16 ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ሓድሕድ ኲናት ኢትዮጲያ፡ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ኣውሪዱ እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገልጾ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ሰብኣዊ ረዲኤት የድልዮም፤ 90% ኣብ ትግራይ ካብ ዝነብር ህዝቢ ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ይደሊ።
ብሰንኪ ኲናት፡ ቀረብ ረዲኤት ናብ ትግራይ ካብ ዝቋረጽ ኣዋርሕ ዝገበረ ኰይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ንሓደጋ ጥሜት ከም ዝተቓልዑ፡ ትካላት ረዲኤት ክገልጻ ጸኒሐን።
ብሰንኪ’ዚ፡ ኣሽሓት ሰባት ካብ ትግራይ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ከም ዝተሰደዱ’ውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣፍሊጡ።