ነበርቲ መቐለ ብዛዕባ ምቁራጽ ተጻብኦታት እንታይ ተሰሚዕዎም?
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ነበርቲ ከተማ መቐለ፡ እቲ ሰብኣዊ ረድኤት ካብ መሰረቱ ምስ ፖለቲካ ክተኣሳሰር ከምዘይነበሮ ብምግላጽ፡ እንተዀነ ሕዚ’ውን ተግባራዊ እንተዀይኑ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጾም።
መንግስቲ ፌደራል ብሓሙስ፡ “ካብ ሎሚ [ሓሙስ] ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ንዘይተወሰነ እዋን ዝፀንሕን ምቁራጽ ተጻብኦታት”፡ ዝኣወጀ ዀይኑ፡ መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ እቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ብቕልጡፍ ክበጽሕ እንተኽኢሉ፡ ምቁራፅ ተፃብኦ ከም ዝገብሩ ምፍላጦም ዝዝከር እዩ።
ሃገራት ምዕራብን ትካላት ረዲኤት ዓለምን፡ ነቲ ውሳታት ብምንኣድ፡ ንተግባራውነቱ ክልቲኦም ወገናት ተገዳስነት ከርእዩ ዝሓተቱ ኾይኖም፡ ረድኤት ኣብ ምቕራብ ድልዋት ምኳኖም ቃል ኣትዮም ኣለዉ።
ነቲ ስምምዓት ኣመልኪትና፡ ዘዘራረነብናዮም ኣመራርሓ ህወሓትን ገለ ነበርቲ መቐለን እቲ ረድኤት ብቕልጡፍ ክበጽሕ እዮም ዝትስፍዉ።
ኣባል ማእከላይ ኮሚተ ህወሓትን ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ነበርን፡ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ህይወት፡ “ንሕና ዘቐመጥናዮ ቅድመ-ኩነት የለን። ዓለምለኻዊ መሰል’ኳ እንተኾነ፡ ቅድሚን ልዕልን ኵሉ ህዝብና ሰብኣዊ ረዲኤት ክረክብ ኢና ንጠልብ፡” ኢሉ።
ኣብ መንጐኦም ዘሎ ኩነታት ጐንጺ’ውን ናብ ምሉእ ሰላማዊ ዝርርብ ክበጽሕ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎ።
“ዝተፈላለዩ ምይይጣት ክግበሩ ቀንዮም እዮም። ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ድማ መግለጺ ኣውጺና ኣለና። ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ እቲ ናይ ሕዚ ተስፋ ዘለዎ’ዩ” ኢሉ።
ነበርቲኸ እንታይ ይብሉ?
ሓደ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ዝኾነ ነባሪ፡ “ኣነ ኣቦ ቘልዑ እየ። ንደቀይ ግን ክቕልቦም ኣይከኣልኩን። ምኽንያቱ ንዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ደመወዝ የብለይን። እንተ ሓሚሞም’ውን ጸሎት ጥራይ ኢኻ ትገብር ‘ምበር፡ ናብ ሕክምና ክትወስዶም ኣይትኽእልን። ዓቕሚ የለን፣ ዓቕሚ እንተ ተረኺቡ’ውን ሕክምና የለን፤ መድሃኒት’ውን የለን፡” ክብል እቲ ኣብ ዕጽዋ ኮይኖም ዝሓልፍዎ ዘለዉ ከቢድ ኵነታት የብርህ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መወዳእታ ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ 40 ሚእታዊት ህዝቢ እቲ ክልል፡ “ንኸቢድ ሕጽረት መግቢ” ተቓሊዑ ኣሎ ኢሉ ነይሩ።
እቲ ጸብጻብ፡ 83 ሚእታዊት ካብ ነበርቲ እቲ ክልል ትሕዝቶ መግቢ ከም ዝወድኡን ኣብ ልመና ከም ዝተዋፈሩን ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ጥራይ ከም ዝምገቡን የመልክት።
“ከምኡ ኮይኑ’ውን፡ ኣብ ዝኸድካዮ ኵሉ ሰብ ጻሕተርተር ክብል ኢኻ ትርእዮ። ኣብ ገዛኡ በታ ዘላቶ ዝፈታትኖም ነገራት ኣለዉ፞፡” ዝብል እቲ መምህር ዩኒቨርሲቲ፡ “ህዝቢ ትግራይ፡ እዚ ሕዚ በጺሕዎ ዘሎ ኣይግባኦን ነይሩ፡” ይብል።
“በብመዓልቱ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒት ሰባት ይሞቱ ኣለዉ፡. . .መዓልታዊ ሞት ሕዚ ዜና ኣይኮነን። ልሙድ ተርእዮ እዩ ኾይኑ ዘሎ” ይብል።
እቲ ወሃቢ ርእይቶ መምህር ወሲኹ ድማ፡ “ከም ሓደ መምህር ዩኒቨርሲቲ፡ ዶክትረይት ሒዙ ከም ዝኾነ ሰብ ኣብ ጐደና ወጺኡ ይልምን ኣሎ። ዶክትረይት ሒዙ ናብ ገጠር ከይዱ ምስድራኡ ዝተጸግዐ’ሎ። ኣብ ማእከል ከተማ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝሰርሕ፣ ዝሽከም’ውን ኣሎ፡” ይብል።
ሰላም ድማ ኣብ ሓደ ካፌ ኣሳሳዪት ኮይና እያ እትሰርሕ። እታ ንእስቲ፡ ነባሪት እታ ከተማ፡ ምስ ስድራኣ ኣዝዮም ተጸጊሞም ከምዘለዉን፡ ሎሚ ጽባሕ ረዲኤት ይኣቱ ይኸውን እናበሉ፡ ተጸበይቲ ኮይኖም ከምዘለዉን ትዛረብ።
“ኣነን ቤተሰበይን፡ ረዲኤት ንጽበ ኣለና። ብጣዕሚ እዩ ጸጊሙና ዘሎ። ካብተን ሰሪሐ ዝረኽበን ኢና ንቕለብ [ግን ኣይኣኽለናን]፣ ኵላትና ከም ስድራ ተጸበይቲ ኢና ኴንና፡” ኢላ።
ናብቲ ክልል፡ ረድኤት ንኽኣቱ ስምምዕ ተበጺሑ ዜና፡ ዝብል ምስ ሰምዐት ኣዝዩ ከምዘሐጐሳ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ክኸውን ትሓትት። እንተደንግዩ ግን፡ ህይወት ብዙሕ ሰባት ከይሓልፍ ስግኣታ ትገልጽ።
“ናይ ህይወት ኣድሕን ረዲኤት እዩ”
ካልእ ስሙ ክንጠቀስ ዘይደለየ፡ መንእሰይ በዓል ሞያ ቴክኖሎጂ፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ምውልዑ፡ ምስ ቴክኖሎጂ ኣብ ዝተኣሳሰሩ ስርሓት ይነጥፍን፡ ጽቡቕ ኣታዊ ይርከብ ከምዝነበረን ይዝክር።
ሕዚ ግን ስራሕ ስለዘየለ፡ ኮፍ ኢሉ ይውዕልን፡ ተጸባዪ ረዲኤት ከም ዝዀነን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ንሱ፡ እቲ ሕዚ ኣብ መንጐ ፌደራል መንግስትን ክልል ትግራይን ተበጺሑ ዘሎ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዋን ከምዝተገብረ እዩ ዝኣምን።
“ሐዚ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ረዲኤት፡ ተራ ረዲኤት ኣይኮነን፤ ናይ ህይወት ኣድሕን እዩ ዝኸውን፡” ክብል ድማ ይገልጾ።
እቲ መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለ’ውን በቲ ዜና ምቁራጽ ተጻብኦታት ሕጕስ’ኳ እንተኾነ፡ ካብ መጀመርታኡ’ውን ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ፖለቲካ ክተኣሳሰር ኣይምነበሮን ይብል። ኣብ ዩክረይን ዝግበር ዘሎ፡ መተሓላለፊ ኮሪደር ሰብኣዊ ረዲኤት ድማ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
“እዚ መግለጺ ምውጽኡ ከደንቐና ዝግበኦ ኣይኮነን። እዚ መግለጺ ንምውጻእ 16 ኣዋርሕ ድዩ ክወስደሎም ነይርዎ? ሰብኣውነት ዶ ክቕድም ኣይምተገብኦን? ዝብል ሕቶ እየ ዘልዕል። እዚ ሕዚ ተወሲዱ ዘሎ ስጕምቲ ግን፡ ንህዝቢ ትግራይ ምሉእ እንተዘይኮነ’ኳ፡ ንእሽቶ ዕረፍቲ ክፈጥር ዝኽእል ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሐሉ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ዝንኣድ እዩ፡ ዝድገፍ እዩ።”
“ሰብኣዊ ረዲኤት ዓለምለኻዊ መሰል እዩ። ከም ሰብ፡ ከም ፍጡር ንሰብኣዊ ሓገዝ መግለጺ እትጽበየሉ ኣይኮነን።
“ምሉእ መፍትሒ ዝኸውን፡ ሕቶ ሰላም ብምሉእነት ተቐቢልካ፡ ኣብ ባይታ ወሪዱ ተፈጻሚ ከም ዝኸውን ምግባር፤ ኵሉ ጸገማት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ንኽውዳእ ጻዕሪ ምግባር’ዩ፡” ይብል።
እዚ ምጅማሩ ግን፡ ንህርፋን ሰላም ንቕድሚት ከሰጕሞ ይኽእል’ዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎ።
“ሕዚ’ውን እጠራጠር እየ፡”
እቲ ኣብ ቴክኖሎጂ ተንከፍ ዝሰርሕ ዝነበረ መንእሰይ፡ ኣብ ግብራውነት እቲ ስምምዓት ከምዝጠራጠር ይዛረብ።
“ቅድም ክብል ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣትዉ ተደጋገምቲ መብጽዓታት ክኽበሩ ኣይተርአዩን፡” ብምባል ኣብዚ ቀረባ እዋን ከይተረፈ 23 ረዲኤት ዝጸዓና መኻይን ሽታ ማይ ኰይነን ከምዝተረፋ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ሕዚ’ውን እቲ መግለጺታት ተግባራዊ ናይ ምዃን ዕድሉ ጸቢብ ከምዝኾነ እዩ ዝጠራጠር።
ዝኾነ ኾይኑ፡ እቲ ስምምዕ ምብጽሑ ግን ጽቡቕ እዩ ዝብል ተስፋ ፈጢርሉ ኣሎ።
እቶም ነበርቲ ከምዝብልዎ፡ ብክልል ዓፈር ክኣቱ ተስፋ ዝግበረሉ ረድኤት ብዝፈላለዩ መገዲ ክሰናኸል እዩ ዝስትውዓል።
መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ ዘይእውጅ ዕጽዋ ኣዊጁ ብምህላው ክንቀፍ ጸኒሑ።
መንግስቲ ብወገኑ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጠሩ ጐንጺታትን ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝፍነዉ መጥቃዕቲታት ምትዕንቓፉ እዩ ዝገልጽ።
እዚ ናይ ሕዚ መግለጺ ፌደራል መንግስቲ’ውን፡ ሓይልታት ትግራይ ተቘጻጺሮምዎ ካብ ዘለዉ ግዝኣት ጐረባብቲ ክልላት ክወጽኡ ይጠልብ እዩ።
ፕሮፌሰር ክንድያ፡ እዚ ብዝምልከት ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ “እቲ ሓይልታትኩም ካብ ካልኦት ክልላት ኣውጽኡ ዝብል’ውን ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን፣ ንሕና’ውን ንሓቶ ብዙሕ ነገር ክህሉ እዩ፡” ይብል።
“ምዕራብ ትግራይ’ውን ዛጊድ ኣብ ኢድ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ፌደራልን እዩ ዘሎ። ኣብ መግለጺኦም ከም ቅድመ-ኵነት ዘቐመጥዎ ኣይመስለንን። ንሕና ናብ ክልል ኣምሓራ ይዅን ክልል ዓፈር እንኸደሉ ምኽንያት ቦታ ንምሓዝ ኣይኮነን። ዓላማና ምስ ድሕነት ዝተተሓዘ እዩ። ሰራዊት ትግራይ ንዘልኣለም ኣብ መሬት ዓፋር ናይ ምጽናሕ ድሌት’ውን የለን። ኵነታት እናተራእየ ዝመዓራረ ነገር ክህሉ ይኽእሉ እዩ፡” ክብል ፕሮፌሰር ክንድያ ወሲኹ የረድእ።