![ኣብ ውድድር ኒውዮርክ ኣንጻር ኲናት ትግራይ ተቓውሞኡ ዝገለጸ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት](https://axumawian.com/wp-content/uploads/2022/03/1-134-600x560.jpg)
ኣብ ውድድር ኒውዮርክ ኣንጻር ኲናት ትግራይ ተቓውሞኡ ዝገለጸ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኣብቲ ኣብ ኣመሪካ፡ ከተማ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ዝተሳተፈ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ኣንጻር እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ተቓውሞኡ ገሊጹ።
ተሾመ መኮንን ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ውድድር ሳልሳይ ኮይኑ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ክልተ ኣእዳዉ ንላዕሊ ኣውጽኢኡ ብምምስቓል ምልክት ተቓውሞ ኣርእዩ።
እቲ ኣብ ትግራይ ይፍጸም ኣሎ ዝበሎ ምጽናት-ዓሌት ደው ክብል ዝጽውዕ ጭርሖ’ውን ኣስሚዑ።
ሰብመዚ መንግስቲ ገለ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ’ኳ እንተኣመኑ፡ ምጽናት-ዓሌት ከምዘይፈጸሙ’ዮም ዝምጉቱ።
ኣብቲ ውድድር ኬንያዊ ሮነክስ ኪፕሩቶን ኤድዋርድ ሸሰረክን ቀዳማይን ካልኣይን ብምዃን ተኸታቲሎም ኣትዮም።
ኣብቲ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ቀዛፊ ኲናት-ሓድሕድ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።
እቲ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ፡ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ዕንወትን ጥሜትን ዝርከቦ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሰብኣዊ ረዲኤት ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ከምዝተበገሳ’ኳ እንተተገለጸ፡ ህዝቢ ናይታ ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ከቢድ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገም ወዲቑ ይርከብ።
ከም ኣገልግሎት ባንክ፡ ሕክምና፡ ትምህርቲ፡ ኣገልግሎት ተሌፎን ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተቛሪጾም ኣብ ዘለውሉ ኩነታት ቅልውላው መነባብሮ ፈጢሩ’ሎ።
ሓያሎ ቁጠባዊ ትካላት ኣብቲ ኲናት ብምዕናዎም’ውን፡ ሰራሕተኛታት ብሰንኪ ስእነት ኣታዊ ኣብ ጸገም ከምዝወደቑ ይዛረቡ።
ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት፡ ጠዋሪ ወይ ናባዪ ንዘይብሎም ኣረጋውያን ንምሕጋዝ ዝቖመ ማሕበር ተራድኦ ኣረጋውያን ከራድዮን ኣብ መቐለ ንጽጉማትን ተመዛበልቲ ህጻናትን ኣዴታትን ናይ መግቢ ደገፍ ኣብ ምሃብ ዝነጥፍ ዘሎ’ዩ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ መቐለ ቁጽሪ ለማኖ ይውስኽ ከም ዘሎ ዝገልጽ ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ማሕበር መንእሰይ ኣማኑኤል ገብረጻድቃን፡ ኲናት ዘመዛበሎም ብርክት ዝበሉ ናባዪ ዘይብሎም ህጻናት ግዳም ሓደር ይኾኑ ምህላዎም ይገልጽ።
ኩሎም ወገናት ናይቲ ኲናት ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ተጣበቕቲ ትካላት ይኸሱ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ እቲ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምልሓሙ’ውን ተወሳኺ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ፈጢሩ’ዩ።
ኣብ 2016 ኦሊምፒካዊ ተቐዳዳማይ ፈዪሳ ሊለሳ፡ ኣብቲ ኣብ ብራዚል ዝተኻየደ ውድድር ኦሊምፒክስ ሪዮ ዲ ጀነይሮ፡ ኣንጻር ብመንግስቲ ዝፍጸም ዝነበረ ምግሃስ መሰላት ተወለድቲ ኦሮሞ ዝጥቀምሉ ተመሳሳሊ ኣገባብ ተቓውሞ ኣርእዩ ምንባሩ ይዝከር።