መልእኽቲ ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል
ህላወን ድሕንነትን ተጋሩ ብዘተኣማምን ብርኪ ንምርግጋፅ ኣብ እነካይዶ ተጋድሎ ብሄራዊ ስምረትናን ሓድነትናን ዝያዳ ክነሓይሎ ይግባእ ክብሉ ፕረዝደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።
ባህጊ ተጋሩ ቑጠባውን ፖለቲካውን ሓርነት ብዘተኣማምን ብርኪ ምውሓስን ምስቶም ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ምዕባለን ዕብየትን ዝበፅሑ ህዝብታት ምፅምባርን እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ታሪኽ ኮይኑ ልብና ኣውዲቅና ኣብ ብሄራዊ ራእይናን ባህግናን ንክንግስግስ ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ዘይምዕዳልና ገሊፆም።
ጎባጣይን ዓማፃይን ባህሪ – ባህሪ ተጋሩ ዘይምዃኑ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፆም ዝሓበሩ እቶም ፕረዝደንት ብውዲትን ሽርሕን ፀላእቲ ኣብ ቐፃላይ ኲናትን ፖለቲካዊ ወጥርን ክንፅመድ፣ ብሄራዊ ባህግና ከይነሳልጥ ንዝሓልኩናን ከጥፍኡና ንዝህቅኑን ዓመፅቲ ክነወግድ፣ ክቡር ዋጋ ክንኸፍል ተገዲድና ክብሉ ሓቢሮም።
ኣብ መንበረ ስልጣን ኣራት ኪሎ ዝተቆናጠጠ ጉጅለ ከምቶም ሕሉፋት ብቓልሲ ተጋሩ ዝተፀረጉ ስርዓታት ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ኩሉ ዝከኣሎ ምግባሩ ዝሓበሩ ፕረዝደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፅላል መንግስቲ ብምዃን ብተኣምራዊ ውህደትን ሓድነትን ፀላኢ ገጢሙ ህልውንኡ ምርግጋፁ ኣብሪሆም።
ኣብ ቅድሚ ሓያል ብሄራዊ ስምረትናን ስኒትናን ጠጠው ዝብል ሓይሊ የለን ዝበሉ እቶም ፕረዝደንት ፀላእትና ኣብ ሓድነትና ነቃዕ ንምፍጣር ቀፀልቲ ፃዕርታት ይገብሩ ብምህላዎም ኩላትና ብጥንቃቀ ክንክታተሎ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ተጋሩ ንህላወናን ድሕንነትናን ብዘተኣማምን ኣገባብ ንምርግጋፅ ኣብ እነካይዶ ተጋድሎ ብሄራዊ ስምረትናን ሓድነትናን ዝያዳ ክነሐይሎ ይግባእ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ንምሕያልን ምድልዳልን ሓድነት ተጋሩ ልዑል ቆላሕታ ሂብና፣ ነቃዕ ንምፍጣር ንዝህቅኑ ኣካላት ነፍሲ ወከፍ ትግራዋይ ኣምሪሩ ክምክቶም ፀዊዖም እዮም።