ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓትን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ተጋዳላይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ልሚካኤል ኣብ ህልው ኩነታት ኣመልኪቱ ሎሚ ንሚድያታት ካብ ዝሃቦ መግለፂ
- ሓጋዚ ዓለማዊ ምድላው ስለዘሎ ኢልና ቃልስና ኣይነዘሓሕልን። ሐዚ እውን እቲ ዋና ስራሕና መኸተ ምሕያል እዩ። ፋሽስት ኣብዪ ኣሕመድ ንፃውዒት ሰላም ኣይተቀበሎን። ንሱ ብጉልበት እዩ ዝብል ዘሎ ብጉልበት ድማ ምስቲ ዘሎ ኩነታት ክውደኦ ኣይኽእልን። ከምዘይውደኦ እውን ብተግባር ተራእዩ እዩ። እዚ ሓይሊ ድላዩ ሓይሊሰብ ይኣክብ ዝቅይሮ ነገር የለን። ባንባ እዩ። እቲ ዘምፀኦ ኣፅዋር እውን ዝቕይሮ ነገር የለን። ንኹሉ ወተሃደራዊ መልሲ ኣለዎ እዩ።
- እዚ ሓይሊ ብጉልበት ኢዱ ክህብ ክንገብሮ ኣለና። ምስ ቀረብና እውን ሰላም ክቕበል ይኽእል እዩ። ግን ንሕና ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ክሳብ ዝተረጋገፀ ግድን ዘይደምሰስናዮ ኣይንብልን። እዚ ሓይሊ ወይ ክንድምስሶ ክነበርክኾ ኣለና ወይ ቐጥቂጥና ናብታ ሰላም ክነምፀኦ ኣላና።
- ንሕና ብዲፕሎማሲ እውን ብሰላም እውን ንሰርሕ ኣለና። ንሱ ግን ብጉልበተይ እዩ ዝብል ዘሎ። ንሳቶም ምፅናት ዓሌት እዮም ዝደልይዋ ዘለው እዚኣ ከምዘይትኸውን ክነርእዮም ኣለና።”
ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!
ትግራይ ትስዕር!