ምኽንያት ሞት ብዙሓት ብዛዕባ ዝኾነ ስትሮክ እንታይ ንፈልጥ?
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኣብ ሕማም ዝሓሸ ወይ ፅቡቕ ዝበሃል ነገር የለን። ወቕዒ [ስትሮክ] ግን ኣዝዩ ዝኸፍአን ሓደገኛን’ዩ። ኣቐዲሙ ዝኾነ ዓይነት ምልክት ከየርኣየካ ወይ ከውድቐካ ይኽእል።
ስትሮክ ብደረጃ ዓለም ኣብ ካልኣይ ዝስራዕ ቀታሊ ሕማም ከም ዝኾነ ዝሕብር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት 15 ሚልዮን ሰባት በቲ ሕማም ከም ዝተሓዙ የመልክት።
ካብዚኦም እቶም 5 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ እቲ ሕማም ናብ ሞት ክቃልዑ ከለዉ፡ ካልኦት 5 ሚልዮን ድማ ንቐዋሚ ኣካላዊ መጉዳእቲ ይቃልዑ።
እንተኾነ፡ ስትሮክ ክፍወስ ዝኽእል ሕማም’ዩ።
ስትሮክ እንታይ እዩ?
ካብ ሓፈሻዊ ክብደት ሰብነትና ነቲ 2 ሚኢታዊት ብፅሒት ጥራሕ ዝወስድ ሓንጎልና፡ ነቲ ኣብ ሰብነትና ዘሎ ቀረብ ደም ከኣ ካብ 15 ክሳብ 20 ሚኢታዊት ይጥቀም።
ሓንጎልና በዚ ዑደት ደም ኣቢሉ’ዩ ኦክስጅንን ካልኦት ኣገደስቲ ንጥረ-ነገራትን ዝረክብ።
እዚ ዑደት (ዝውውር) ንፃት እውን እንተኾነ ክቋረፆን ክተኣጓጎሎን ኣይደልን። ዑደት ደም እንንተተቛሪፁ ንጥፈታት ሓንጎል’ውን ሽዑ ደው ይብል።
እምበኣር ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ደም ናብ ሓንጎል ምኻድ ደው ኣብ ዘብለሉ እዋን’ዩ ስትሮክ ዘጋጥም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ – ሚለኒየም ሜዲካል ኮሌጅ – ክኢላ ውሽጣዊ ሕማማት ዶክተር ብስራት ደመቀ፡ ምፅባብ ሰራውር ደም፣ ምሉእ ብምሉእ ምዕፃው፣ ኣብ ውሽጢ ርእሲ ምፍሳስ ደም ወይ ናብ ሓንጎል ኣብ ዝበፅሕ ደም ምትእጉጓል ምህላው ጠንቅታት ስትሮክ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ትብል።
ዓይነታት ስትሮክ
- ‘ሚኒ ስትሮክ’ – ንሓፂር እዋን ዝፀንሕን ክሓውይ ዝኽእልን ዓይነት ስትሮክ’ዩ።
- ደም ናይ ምፍሳስ ስትሮክ – ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ብሃንደበት ዘጋጥም ምፍሳስ ደም ዘኸትሎ ዓይነት ስትሮክ ኮይኑ፡ ብደረጃ ዓለም ካብ ዘጋጥሙ ሕማማት ስትሮክ ነቲ 15 ሚኢታዊት ይሽፍን።
- ምዕፃው ሰራውር ደም ዘኸትሎ ስትሮክ – ናብ ሓንጎልና ደም ዘመሓላልፉ ሰራውር ወይ ሓደ ሱር ክዕፀዉ ከለዉ ከጋጥም ዝኽእል’ዩ። እዚ 85 ሚኢታዊት መንቀሊ ስትሮክ ከም ዝኾነ ይግለፅ።
ሓንጎልና ካብ ካልእ ክፋላት ሰብነትና ዝፍለየሉ ምኽንያት?
ካልኦት ክፋላት ሰብነትና ኣዋህሊሎምዎ ዝጸንሕ ግሉኮስ ኣለዎም። ስለዚ ብዝኾነ ይኹም ምኽንያት ኣብ ምዝውዋር ደም ምትእጉጓል ከጋጥም እንከሎ ነቲ ዝዓቖርዎ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።
ሓንጎልና ግን ከምዚ ኣኪብዎ ወይ ዓቚርዎ ዝፀንሕ ነገር የለን። ስለዚ ብቐጻሊ ዝውውር ደም ክህሉ’ዩ ትፅቢት ዝገብር።
እቲ ዑደት ደም ዋላ ንሓፂር ጊዜ እንተተቛሪፁ ጉድኣት ከምዘኸትል እትዛረብ ዶክተር ብስራት፡ ዑደት ደም ብቕልጡፍ እንንተተመሊሱ ድማ እቲ ዘጋጠመ ጉድኣት ክሓውይ ከምዝኽእልን እዚ ከኣ ‘ሚኒ ስትሮክ’ ከምዝበሃልን ኣረዲኣ።
ዑደት ደም ንነዊሕ እዋን [ንደቓይቕ ዝኣክል] እንተተቛሪፁ ግን ከቢድ ጉድኣት ይበጽሕ።
85 ሚኢታዊት መንቀሊ ስትሮክ እቲ ናብ ሓንጎልና ዝኸይድ ደም ዘመሓላልፉ ሰራውር ደም እንተተዓፅዮም’ዩ።
ናብ ስትሮክ ዘሳትሐና እንታይ’ዩ?
ዶክተር ብስራት ከምእትብሎ፡ ስትሮክ ኣቐዲምና ክንከላኸሎ በዝከኣለናን ዘይከኣለናን ምኽንያታት ከጋጥም ይኽእል’ዩ። እዞም ምኽንያታት ድማ ሱር ደም ንኽዕፆ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ደም ኽፈስስን ስትሮክ ከጋጥምን ክገብሩ ይኽእሉ።
ድፍኢት ደም፣ ሕማም ሽኮር፣ ኣብ ውሽጢ ደም ስብሒ እንተተኣኪቡ፣ ምትካኽ ሽጋራ፣ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲን ኣብ ህርመት ልቢ ዘጋጥም ጸገምን እቶም ክንከላኸሎም ንኽእል መንቀሊታት ስትሮክ ‘ዮም።
ኣብ ውሽጢ ስድራ ስትሮክ ዘለዎ ሰብ ምህላውን ምውሳኽ ዕድመን [ልዕሊ 40 ዓመት] ንስትሮክ ከቃልዑና ዝኽእሉ ግን ንምክልኻሎም ዘጸግሙ ምኽንያታት ከምዝኾኑ ምግንዛብ የድልይ።
ደቂተባዕትዮ ካብ ደቂኣንስትዮ ብዝዛየደ ንስትሮክ ዝተቓልዑ ምዃኖም እትሕብር ዶክተር ብስራት፡ ከኒናታት መከላኸሊ ጥንሲ ምዝውታር’ውን መንቀሊ እቲ ሕማም ክኸውን ከምዝኽእል ትገልፅ።
ድፍኢት ደም ወይ ፀቕጢ ደም፡ ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ደም ንኽፈስስን ስትሮክ ንኸጋጥምን ቀንዲ ምኽንያት ከምዝኾነ ብምዝኽኻር ድማ “ኣብ ውሽጢ ርእሲ ዝፍጠር ፅኪ፣ ደም ንምቕጣን ብዝብል ዝውሰዱ መድሓኒታት ወይ ብኻልእ ምኽንያት ዘጋጥም ምቕጣን ደም፣ ኣብ ርእሲ ዘጋጥም ሓደጋ፣ ከም ኮኬይን ዝበሉ ሓሽሻት ነቲ ደም ብምምሳስ ዘጋጥም ስትሮክ ጠንቅታት’ዮም” ትብል።
“ስርዓት ኣመጋግባና ሕማም ሽኮር ከኸትል ይኽእል’ዩ። በዚ ድማ ስትሮክ ክስዕብ ይኽእል” ብምባል ምውሳኽ ክብደት ሰብነት ንስትሮክ ዘቃልዐሉ ኩነታት ተረድእ።
ብፍላይ ጮማን ቅብኣትን ዝበዝሖም መግብታት ምዝውታር ኣብ ውሽጢ ደም ስብሒ ክእከብን ሰራውር ደም ክዕፀዉ ወይ ክፀቡ ብምግባር ስትሮክ ከጋጥም ምኽንያት ይኸውን።
“ብዘይካ’ዚ ጨውን ሙቁራት ነገራትን ምንካይ ከምኡ ድማ እንተተኻኢሉ ምትካኽ ሽጋራ ምቁራፅ ንስትሮክ ዝህሉ ተቓላዕነት ይንክይ’ዩ” ትብል።
ንድፍኢት (ፀቕጢ) ደም ንነዊሕ እዋን ከይተቖፃፀሩ ዝፀንሑ ሰባት ንስትሮክ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ሰፊሕ’ዩ።
ካብ ኣባላት ስድራ ስትሮክ ዝተትሓዙ ዘለዎም ሰባት ኮይኖም ሓሓሊፉ መቕጠኒደም መድሓኒት ዝወስዱ፡ በቢሽዑ ክትትል ሕክምና ክገብሩ ይግባእ።
ምልክታት ስትሮክ
ስትሮክ ኣቐዲሙ ዝኾነ ዓይነት ምልክት ከየርኣየ ከጋጥም ይኽእል’ዩ። ዶክተር ብስራት ከምእትብሎ ከኣ ሓደግኡ ዝውሰን ብመጠን እቲ ጉድኣት ዝበጽሖ ክፍሊ ሓንጎል ይውኸውን።
ንኣብነት እቲ ጉድኣት ዝበጽሐ ኣብቲ ንሚዘን ሰብነትና ዝቖፃፀር ክፍሊ ሓንጎልና እንተኾይኑ ሚዛንና ክንሕልው’ዩ ዘፀግመልና። ሰብነት ዘይምቁፅፃር፣ ክትዛረብ ምፅጋም፣ ናይ ምዝካር ተኽእሎ ምንካይ፣ ኣብ ምርኣይ ዘጋጥም ጸገም፣ ገለ ክፋል ገፅ ምዝባዕ (ምጥዋይ)፣ ከቢድ መርዘን ርእሲ፣ ምድንዛዝን ውነኻ ምስሓትን ከጋጥም ይኽእል።
ክሓውይ ይኽእል’ዶ?
ነዚ ዝወሃብ መልሲ “ከም መጠን ጉድኣቱ” ዝብል’ዩ።
ዶክተር ብስራት፡ ብፍላይ እቲ ምስ ምፍሳስ ደም ዝተሓሓዝ ስትሮክ ክሳብ ሞት ከምዘብጽሕ ትዛረብ።
እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ንኢሽተይ እንተኾይኑን እቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና እንተተወሲዶምን ንኹነታቶም ብኸይዲ ጊዜ ናብ ዝነበሮ ምምላስ ይከኣል’ዩ።
“ነዓና ዘጸግመና ነገር እንተሃለወ ሰባት ጉድኣት ምስበጽሖም ቀልጢፎም ዘይምምፅኦም እዩ። ኣብ ውሽጢ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰዓታት እንተመፂኦም ንመጠን እቲ ጉድኣት ክቆፃፀሩ ዝኽእሉ መድሓኒታት ኣብ ሃገርና ኣለዉ” ክትብል ተረድእ።
ሓደ ብስትሮክ ዝተጠቕዐ ሰብ ኣብ ካልእ እዋን መሊሱ ክጥቀዓሉ ዝኽእል ኩነታት ከምዘሎ እታ ዶክተር ትሕብር።
ስለዚ ብፍላይ እቶም ምርጋእ ደም ንምክልኻል ዝውዕል መድሃኒት ብኣግባቡ ዘይምጥቃም ስትሮክ ዳግማይ ዘጋጥመሉ ኩነታት ዝፈጥር’ዩ።
ኣገባብ ናብራና ጥንቃቐ ዝተመልኦ ምግባር ሓደ ካብ ሜላታት ቅድመ ምክልኻል ከምዝኾነ እትዛረብ ዶክተር ብስራት፡ “እንተወሓደ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልታት ን30 ደቓይቕ ዝጸንሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር” ትምዕድ።
ኣትክልትን ፍሩታታትን ምብዛሕ፣ ወልፍታት ምግዳፍን ቅብኣት ዝበዝሖም መግብታት ምንካይን ብኣጋ ካብ ስትሮክ ንምርሓቕ ዝሕግዙ ከምዝኾኑ ድማ ትጠቅስ።
ስትሮክ ዘለዎም ሰባት እንታይ ይግበሩ?
ዶክተር ብስራት ከምእትብሎ፡ ምልክታት ስትሮክ ኣቐዲሞም ዝረኣዩ ሰባት ብቐዳምነት ክፍጽምዎ ዝግባእ ብቕልጡፍ ናብ ትካል ጥዕና ምኻድ’ዩ።
“ጉድኣት ካብ ዝበጽሖም ኣብ ውሽጢ 4 ሰዓታት ኣብ ዘለዉ ኣፈላላይ ጊዜ ናብ ትካል ጥዕና ክበጽሑ እንተኪኢሎም ነቲ ሓደጋ ምንካይ ይከኣል እዩ” ትብል።
ብቐጻሊ ክትትል ህክምና ምግባር እውን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ትሕብር።
ስትሮክ ንዘጋጠሞም ሰባት “ፊዝዮቴራፒ” ምግባር ዝሓሸ ኣማራጺ ከምዝኾነ እተዘኻኽር ዶክተር ብስራት፡ እዚ ድማ ነቲ ዝለመሰ ኣካል ንምንቕቓሕ ከምዝሕግዝ ተረድእ።
ኣብ ናይ ምዝራብ ክእለቶም ጸገም ዘጋጠሞም ሰባት ከኣ ‘ስፒች ፊዚዮቴራፒ’ ዝብሃል ክትትል ሕክምና ክረኽቡ ኣለዎም።
ስትሮክ ምስኣጋጠመካ ክትሓውይ ከምዘይትኽእል ጌርካ ምሕሳብን ተስፋ ምቑራጽን ከምዝረኣይ እታ ዶክተር ትዛረብ።
ምስ ጊዜ ዝመፅእ ለውጢ ከምዘሎ ብምሕባር “መድሓኒታት ብግቡእ ምውሳድ፣ ቴራፒ ምግባር፣ ኣገባብ ናብራና ዕሩይ ምግባር፣ ሕማም ሽኮር፣ ፀቕጢ ደምን ምስ ልቢ ዝተሓሓዙ ፀገማት ጥዕናን ምክትታል እቲ ሕማም ተመሊሱ ከይመፅእን ከይበኣኣስን ይሕግዝ’ዩ” ክትብል ትገልፅ።
ምስ ጊዜ ድማ ናብ ዝነበሮ ኩነታት ጥዕና ናይ ምምላስ ዕድል ከምዘሎን ክሳብ ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእልን ተዛሪባ።