Services
Donate
Axumawian Media Network, LLC Axumawian Media Network, LLC
  • Home
  • News
  • Articles
  • Videos
  • Biography
  • Gallery
  1. Home
  2. News
  3. ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ነብሲወከፍ 48 ሰኮንድታት ሓደ ሰብ ብጥሜት ናይ ምሟት ሓደጋ ከምዘንፀላለዎ ተገሊፁ
 ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ነብሲወከፍ 48 ሰኮንድታት ሓደ ሰብ ብጥሜት ናይ ምሟት ሓደጋ ከምዘንፀላለዎ ተገሊፁ
News

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ነብሲወከፍ 48 ሰኮንድታት ሓደ ሰብ ብጥሜት ናይ ምሟት ሓደጋ ከምዘንፀላለዎ ተገሊፁ

May 19, 2022 0 Comment

ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ነብሲወከፍ 48 ካልኢት ሓደ ሰብ ብጥምየት ናይ ምሟት ሓደጋ ኣንፀላልይዎ ከምዘሎ ኦክስፋምን ሴፍ ዘ ችልድረንን ኣጠንቒቖም።

ክልቲኦም ትካላት ግብረሰናይ ሎሚ ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ ፀብፃብ፡ ብድርቂ ኣብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ኢትዮጵያ፥ ኬንያን ሶማልያን እቲ ሓደጋ ሞት ዘጋጠመለን ምዃነን ኣፍሊጦም።

ኦክስፋምን ሴቭ ዘ ችልድረንን ነቲ መፅናዕቲ ጃሚኤል ኦብዘርቫቶሪ’ ምስ ዝተባህለ ትካል ብምትሕብባር ከምዘካየድዎ ገሊፆም።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣስታት ፍርቂ ሚልየን ሰባት ዓፀቦ ኣብ ዝመስል ኵነታት ይርከቡ።፡ ኣብ ኬንያ ድማ 3 ነጥቢ 5 ሚልየን ሰባት ብኸቢድ ጥምየት ይሳቐዩ ከምዘለዉ እቲ ፀብፃብ የመልክት።

ብፍላይ ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ቁፅሪ ንኸቢድ ጥምየት ዝተቓልዑ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበረ 10 ሚልየን፡ ኣብዚ ዓመት ናብ 23 ሚልየን ክብ ከምዝበለ እውን ቀንዲ ርኽበታት እቲ ፀብፃብ ገሊፁ።

እቶም ትካላት ከምቲ ኣብ 2011 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ሶማልያ ልዕሊ 260 ሽሕ ሰባት ዝቐተለ ዓይነት ዓፀቦ ከየጋጥም ዓብዪ ስግኣት ሓዲርዎም ከምዘሎ እዮም ዘጠንቅቑ።

በቲ ኣብ 2011 ኣብ ሶማልያ ዘጋጠመ ጥምየት ካብቶም ዝሞቱ ልዕሊ 260 ሽሕ ሰባት እቶም ልዕሊ ፍርቂ ትሕቲ 5 ዓመት ዕድሚኦም ህፃናት እዮም ነይሮም።

እዚ ፀብፃብ፡ ነዚ ሓደጋ ቀንዲ ምኽንያታት ዝወበሎም’እውን ኣቐሚጡ’ሎ።

ክሊማዊ ለውጢ ዘስዓቦ ድርቂ፣ ብምኽንያት ጎንፅታት ሰባት ካብ ቤቶም ምፍንቓሎምን ኮቪድ-19 ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቅልውላውን ከም ምኽንያታት ዘቐመጠ ኮይኑ፡ ኲናት ዩክረይን ዘስዓቦ ናህሪ ዋጋ ምግቢ እውን ነቲ ፀገም ከምዘጋደዶ ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ንህፁፅ ሓገዝ ኣብ ዝተገበረ ናይ ድጋፍ ፃውዒት እውን” ብዘሕዝን ኩነታት” ዝተረኸበ ሓገዝ ኣዝዩ ንኡሽተይ ከምዝኾነ እቲ ፀብፃብ ጠቒሱ።

ከም ኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለገስቲ 1 ነጥቢ 4 ቢልዮን ዳላር ንምሃብ ቃል ኣትዮም ነይሮም። እንተኾነ 778 ሚልየን ዳላር ጥራሕ ከምዝተረኸበ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ኦክስፋም ግሬት ብሪተይን ጆን ፓላስቶው፡ “ዋላኳ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታታት እንተተውሃበ መራሕቲ ዓለም ካብ ምድንጓይ ወፃኢ ዝሃብዎ ምላሽ ንኡሽተይ ብምዃኑ ብሚልዮን ዝቑፀሩ ሰባት ንጥምየት ክቃልዑ እዮም” ኢሉ።

እዚ ኦክስፋምን ሴቭ ዘ ችልድረንን ዘውፅእዎ ፀብፃብ፡ ንመንግስታት ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ እውን እዩ ዝወቀስ።

እቲ ዝበፅሐ ፀገም ብእዋኑ ኣሚኖም ንምቕባል ፍቓደኛታት ስለዘይኮኑ ንምድንጓይ እቲ ግብረ መልሲ ንሳቶም እውን ሓላፍነት ከምዘለዎም ገሊፁ።

ብተወሳኺ፡ እቶም መንግስታት ኣብ ሕርሻን ማሕበራዊ ውሕስናን ትኹረት ብምግባር ዜጋታቶም ነቲ ጥምየት ክፃወሩ ዝኽእልሉ ዕድል ከምዘይፈጠሩ ይሕብር።

ስለዚ መንግስታት ንፖለቲካ ዘይኮነስ ንህይወት ደቂ ሰባት ቀዳምነት ክህቡን እዋን ሓደጋ ብምእዋጅ ሃብቲ ኣኪቦም ንዝተፀገሙ ዜጋታቶም ክሕግዙን ፀዊዑ ኣሎ።

Post Views: 430
Tags: BBC ትግርኛ
Previous post
Next post

Leave a Reply Cancel reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Latest Posts
News

Eritrean troops shell town in north Ethiopia – U.N.

May 31, 2022
Article

Tigray’s once-thriving agriculture sector has been purposely destroyed

May 31, 2022
News

ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራን ትግራይን ውግእ ከምዝተኻየደ መራሕቲ ትግራይ ገሊጾም

May 30, 2022
Article

ገንዘባቸውን ገንዘብ በመክፈል የሚያገኙት የትግራይ ቤተሰቦች

May 30, 2022
Axumawian Media Network, LLC Axumawian Media Network, LLC
  • Philadelphia, PA, USA
  • +1(267)518-5116
  • axumawianmedianet@gmail.com

Useful Links

About us
Contact
Da Tegaru
Biography
Services
Gallery
BECOME A MEMEBER

Follow Us

Download App

google-play-badge-300x116

Share

Blogger
Delicious
Digg
Email
Facebook
Facebook messenger
Google
Hacker News
Line
LinkedIn
Mix
Odnoklassniki
PDF
Pinterest
Pocket
Print
Reddit
Renren
Short link
SMS
Skype
Telegram
Tumblr
Twitter
VKontakte
wechat
Weibo
WhatsApp
Xing
Yahoo! Mail
Powered by WP Socializer

Copy short link

Copy link
Powered by WP Socializer