ጉተረዝ ኲናት ትግራይ ንኸብቅዕ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ክራኸብ ምፅንሑ ተዛሪቡ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ደው ንኽብል ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ክራኸብ ምፅንሑ ገሊጹ።
ኣንቶንዩ ጉተረዝ፡ ብሪጣንያን ርዋንዳን ዝተፈራረማሉ ስምምዕ ምግዓዝ ሓተትቲ ዑቕባ ከምዘይድግፎ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።
ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ቃለመሕትት፡ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን (ዶ/ር) ርክብ ብምፍጣር እቲ ኲናት መዕለቢ ንኽረክብ ክፅዕር ምፅንሑ ተዛሪቡ።
ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክግብርን ናብ ሰላማዊ ዘተ ክመጽኡ ንምግባርን ብቐጻሊ ክሰርሕ ምጽንሑ ወሲኹ ሓቢሩ።
“እቲ ጎንፂ ደው ንኽብል፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ኩሉ ከባብታት ንኽባፃሕ ከምኡ’ውን ሰላም ዘምፅእ ውጽኢታዊ ድርድር ንክካየድ ክፅዕር ፀኒሔ ኣለኹ” ኢሉ።
ንሱ ኣብዚ ቕነ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ዝኾና ሰኔጋል፣ ኒጀርን ናይጄሪያን ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን’ዩ ነዚ ዝበለ።
ነቐፌታ ንብሪጣንያን ርዋንዳን
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ፡ ብሪጣንያን ርዋንዳን ዝተፈራረማሉ ስምምዕ ምግዓዝ ሓተትቲ ዑቕባ ከምዘይድግፎ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።
ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብሪጣንያ ናብ ግዝኣታ ዝኣትዉ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ናይ ሓደ እግሪ ቲኬት ብምቝራጽ ናብ ርዋንዳ ክግዕዙ ዝገብር ውጥን ምውጻኣ ምስ ክብርታት ኣውሮጳን ዓለምለኻዊ ሕግን ዝጻረር’ዩ ክብል ነቒፉ።
“ኣውሮጳ፡ ምስ ሕቶ ዑቕባ ብዝተሓሓዝ ሓላፍነት ኣለዋ ኢለ እኣምን። ቀንዲ ክብርን ልምድን ኣውሮጳ ስለዝኾነ፤ መበል ሓሙሻይ ውዕል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ዓለምለኻዊ ሕጊ’ውን እዩ።”
“ስደተኛታት ናብ ካልኦት ምስግጋር ደጊፈዮ ኣይፈልጥን’ዩ። ብፍላይ ምጥያስን ምውሓስ መጻኢ ዕድል ጸቢብ ናብ ዝኾነሉ፡ ዝደኸየት ሃገር፡” ይብል ጉተረዝ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብሪጣንያን ርዋንዳን፡ ነቶም ዑቕባ ንምርካብ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምስግጋር ወግዓዊ ስምምዕ ምፍራመን ይዝከር።
መንግስቲ ዴንማርክ ልክዕ ከምቲ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቐባ ጉዳዮም ኣብ ርዋንዳ ኮይኑ ክርአ ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ዝርርብ ምጅማሩ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ስደተኛታት ናብ ዴንማርክ ከይኣትዉ ንምክልኻል ተረርቲ ፖሊሲታት ከተኣታቱ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እቲ ስደተኛታት ናይ ምግዓዝ ውጥን፡ ካብ ብዙሓት ትካላት ተሓለቕቲ መሰል ስደተኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ተቓውሞታት ገጢምዎ ይርከብ።
ሓደ ማሕበር’ውን ነቲ ጉዳይ ብሕጋዊ ኣገባብ ደው ንምባሉ ተበግሶ ከምዝወሰደ ገሊጹ ነይሩ።ኤርትራ ብወገና፡ እቲ “ዘሕንኽ” ክትብል ዝገለጸቶ ውጥን “ሕሱርን ዘይስነምግባራውን” ብምባል ተቓውሞኣ ምግላጻ ይዝከር።
እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ዝረኣዮ ዘይምዕሩይነትን ዘይርትዓዊ ቀረብ ክታበትን ከምዘሕዘኖ’ውን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ኣነጺሩ።
ቅድሚ’ቲ ለበዳ ኣብ ዝነበረ 10 ዓመታት ኣፍሪቃ እታ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ተመዝግብ ዝነበረት ኣህጉር ምንባራ ብምጥቃስ፡ “ኮቪድ ምስ መጽአ ግን፡ ኣፍሪቃ ብግብሪ ክታበት ኣይረኸበትን፡” ኢሉ።
“ኣብ ዕድመይ ካብ ዝረኣኽዎ እቲ ዝኸፍአ ዘይስነምግባራዊ ምንጪ ዘይምዕሩይነት እዩ፡” ብምባል ድማ ገሊጽዎ።
ኣፍሪቃ ካብቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ቍጠባዊ ቅልውላው ንኽትወጽእ ምስራዝ ዕዳ ኣይተገብረላን ክብል’ውን ተቓዊሙ።
ብዘይካ’ዚ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሓደ ቀዋሚ መንበር ከምዝግባኣ እቲ ዋና ጸሓፊ ተዛሪቡ።
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ጉተረዝ፡ እታ ኣህጉር ኣብ ከም ባይቶ ጸጥታ ዝበሉ ዓለምለኻውያን ትካላት እኹል ውክልና ስለዘይብላ፡ “ግዳይ ድርብ መግዛእቲ” ትኸውን ኣላ ኢሉ።
ቀወምቲ ኣባላት ናይቲ ባይቶ ኣመሪካ፡ ሩስያ፡ ብሪጣንያ፡ ቻይናን ፈረንሳን ምዃነን ይፍለጥ።