Services
Donate
Axumawian Media Network, LLC Axumawian Media Network, LLC
  • Home
  • News
  • Articles
  • Videos
  • Biography
  • Gallery
  1. Home
  2. News
  3. ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ጸዊኡ
 ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ጸዊኡ
News

ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ጸዊኡ

May 5, 2022 0 Comment

ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ

ኤርትራ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ዝፈጥር ወተሃደራዊ ምትእትታው ደው ከተብሎ ኣመሪካ ጸዊዓ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ትማሊ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ይዝርግሕ ኣሎ ክብል’ውን ነቒፉ።

እቲ መግለጺ፡ ሚኒስተር የማነ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ነታ ብስም ዘይጠቐሳ ዳይረክተር ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ (ዩ-ኤስ-ኤ-ኣይ-ዲ) ብዛዕባ ኤርትራ ስኑዕ ሓበሬታ ትዝርግሕ ኣላ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ’ዩ እቲ ኤምባሲ ግብረመልሲ ሂቡሉ ዘሎ።

እቲ ሚኒስተር “ዳይረክተር ዩ-ኤስ-ኤ-ኣይ-ዲ ክትገልጾ ዝኸብድ ግጉይ ሓበሬታ ናይ ምዝርጋሕ ክእለት ኣለዋ” ክብል ብ29 ሚያዝያ ጽሒፉ ነይሩ። ምንጪ ዝተጠቕመትሉ ሓበሬታ ‘ኒው ሁዩማኒታርያን’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ምዃኑ’ዩ እቲ ሚኒስተር ዝጠቅስ።

እቲ ኤምባሲ ብወገኑ፡ “ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ይዝርግሕ ኣሎ” ክብል ግብረመልሲ ብምሃብ፡ “ሓይልታት ኤርትራ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለት ቆልዑን ዝርከቦ ኣሰቃቒ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ሰኒዶሞ’ዮም” ክብል ወቒሱ።

ኤርትራ ነቲ ሓይልታታ ኣብ ትግራይ ፈጺሞም ዝብሃል ግፍዕታትን ምግሃስ መሰላትን ክትነጽጎ ምጽንሓ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓይልታቱ ካብ ትግራይ ከውጽእን፡ ነቶም ግፍዕታት ዝፈጸሙ ብሓላፍነት ክሓቶምን ኤምባሲ ኣመሪካ ጸዊዑ።

ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጠቕሊሎም ክወጹ ምዃኖ ምሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብ መንጎ እቲ ሚኒስተርን ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካን ዝግበር ናይ ቃላት ዳርባን ምጉት እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።

ብፍላይ፡ እቲ ኤምባሲ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብዓውታ ኣንጻር መግለጺታት ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝህቦም ግብረመልሲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቓልቦ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝሰሓበ’ዩ።

እቲ ኤምባሲ: ብሰሉስ’ውን: ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ፕረስ ነቶም ኣብ መስከረም 2001 ተኣሲሮም ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብምጥቃስ “ኣብ ዓለማዊ መዓልቲ ዓው ኢልና ስሞም ብምጽዋዕ ከምዘይተረስዑ ክንነግሮም ኣሎና” ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ ነይሩ።

ኣብቲ ዝጸሓፎ ዝርዝር፡ “ዳዊት ኢሳቕ፡ ስዩም ጸሃየ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ማቴዎስ ሃብተኣብ፡ ፍስሃየ ዮውሃንስ (ጆሽዋ)፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ተመስገን ገብረየሱስ፡ ስዒድ ዓብደልቃደር፡ ዮሱፍ ሙሓመድ ዓሊ፡ መድሃኔ ሃይለ፡ ኣብ ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ስሞም ከም ዘይተረስዐ ንኸነፍልጦም ዓው ኢልና ክንዛረብ ኣሎና” ብምባል መንግስቲ ኤርትራ ንኽፈትሖም ጸዊዑ።

Post Views: 224
Tags: BBC ትግርኛ
Previous post
Next post

Leave a Reply Cancel reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Latest Posts
Article

መፍትሔው፡ ምስረታ ሀገረ ትግራይ እውን ማድረግ ነው

May 27, 2022
Article

Ethiopia’s Lenders Slowly Curbing Loans as War Rages On

May 26, 2022
Article

Ethiopia’s Abiy Encounters Fresh Dissent as Former Allies Rebel

May 26, 2022
News

Drought Ravaging East Africa Bankrupts Farmers, Empties Schools

May 26, 2022
Axumawian Media Network, LLC Axumawian Media Network, LLC
  • Philadelphia, PA, USA
  • +1(267)518-5116
  • axumawianmedianet@gmail.com

Useful Links

About us
Contact
Da Tegaru
Biography
Services
Gallery
BECOME A MEMEBER

Follow Us

Download App

google-play-badge-300x116

Share

Blogger
Delicious
Digg
Email
Facebook
Facebook messenger
Google
Hacker News
Line
LinkedIn
Mix
Odnoklassniki
PDF
Pinterest
Pocket
Print
Reddit
Renren
Short link
SMS
Skype
Telegram
Tumblr
Twitter
VKontakte
wechat
Weibo
WhatsApp
Xing
Yahoo! Mail
Powered by WP Socializer

Copy short link

Copy link
Powered by WP Socializer