ኲናት፣ ድርቅን ናዕብን ዘሰነዮ በዓል ረመዳን እዚ ዓመት
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኣቶ መሓመድ ኣደን፡ ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጎዴን እዩ ዝነብር። ወዲ 65 ዓመት መሓመድ ዝነብረላ ከተማ ንተፋሰስ ፈለግ ሸበሌ ቀረባ እንተኾነት’ውን ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ደርቂ ግን ድሮ ዘብጽሖ ጉድኣት ይፈልጦ እዩ።
“መብዛሕትኡ ግዜ ረመዳን ብዝናብ’ዩ ዝጅምር ነይሩ፤ ኣብዚ ዓመት ግን ደርቂ መጺኡ። ጥሪት ሃሊቐን፤ ኣልሓምዱሊላህ ኣብ መወዳእታ ዝናብ ሃሪሙ። ክንዲ’ቲ እንጽበዮ እኳ እንተዘይኮነ ኣልሓምዱሊላሂ ማይ ረኺብና ኢና” ይብል።
ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ምእመናን እስልምና ን30 መዓልታት ኣብ ዝጸንሕ ጾመ ሮመዳን ብጾምን ጸሎትን እዮም ዘሕልፉዎ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝነበሩ ናይ ረመዳን ኣዋርሕ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ እዋን እቲ ጾም ዘይተለመዱ ኩነታት ከም ዝተርኣዩ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የረድኡ።
ብፍላይ ኣብ 2020፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ብብዝሒ መሳጊድ ብምዕጻዎም ህዝበ ሙስሊም ኣብ እዋን ረመዳን ወሰንቲ ዝበሃሉ ናይ ሃይማኖታት ስርዓታት ተኣኪቡ ከሕልፍ ኣይክኣለን ነይሩ።
ጎንደር
ኣብ መወዳእታ ሰሙን ጾመ ረመዳን ናይ’ዚ ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ክስተታት ተራእዩ’ዩ።
ኣብ ጎንደርን ከባቢኡን ስነ ስርዓት ቀብሪ ፍሉጥ ናይ ባህሊ ሓኪም ዝነበረ ሸኽ ከማል ለጋስ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ብ18 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ኣብቲ ንልዕሊ 400 ዓመታት ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ መካነ መቃብር ሸኽ ኤልያስ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ህይወት ብዙሓት ሰባት ሓሊፉ’ዩ።
ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና እቲ ክልል: ኣብ ልዕሊ እቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ’ዩ ተፈጺሙ እዩ ዝብል።
ኣብ ከተማ ጎንደር መሳጊድ፣ ትካላት ንግድን መንበሪ ኣባይቲ ኣስላምን ክዓንው እንከለው፡ እቲ ቅልውላው ናብ ከተማ ደባርቅ’ውን ልሒሙ ምኽንያት ሞትን ምቅጻል መሳጊድን ኮይኑ’ዩ።
ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ሃዲያን ስልጤን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ውን፡ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ስልጤ ከተማ ወራቤ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያንን ሓደ ገዳምን ከም ዝተቓጸሉ ብምሕባር ነቲ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እናኾነኑ ነበርቲ እታ ከተማ ዝፈጸሙዎ’ዩ ክብል ከሲሱ።
እዚ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ዝቐጸለ ናዕቢ፡ ብምኽንያት በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብሓባር ንምስጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተኣከቡ ነበርቲ’ውን ኣርኪቡ ብዙሓት ቅድሚ እቲ ሶላት ተበቲኖም’ዮም።
ከምኡ’ውን ቤት ምኽሪ ዑለማ ህዝበ ሙስሊም ከተማ ጎንደር፡ እቲ ኣማኒ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ እቲ በዓል ከሕልፎ ብመሰረት ዝገበሮ ጻውዒት ከምቲ ልሙድ ሶላት ዒድ ኣብ ኣደባባይ ከይተኻየደ ተሪፉ።
ኣብ ጎንደር ተወሊዱ ዝዓበየ ኡስታዝ በድሩ ሒሴን፡ ነዚ ኩነታት ብቐረባ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ ይገልጽ።
ኣብታ ከተማ ዝተፈጥረ ክስተት ንሓደ ሕብረተሰብ ብሃይማኖቱ ፈልዩ ዘጥቅዐ “ግብረ ሽበራ’ዩ” ይብል።
“እምነቱ ብዘየገድስ ኩሉ ክኹንኖ ይግባእ። በዚ ምኽንያት፡ ሰባት ስምዒታዊ ገይሩ ምስቲ ጉዳይ ርክብ ዘይብሎም ክርስቲያንን ኣብያተ ክርስቲያንን መጥቃዕቲ ንከይበጽሖም መልእኽተይ የሕልፍ” ኢሉ።
ኡስታዝ በድሩ፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ከባቢ ነቲ ጸገም ክፈትሑዎ’ዮም ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ይዛረብ።
መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ድሕሪ እቲ ጎንጺ ስጉምታት ይውሰዱ ከም ዘለው ብምግላጽ ምስቲ ዝተፈጥረ ጸገም ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 300 ጥርጡራት ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ምግላጾም ይዝከር።
መቐለ
ኣብ ትግራይ ነባሪ ከተማ መቐለ ዝኾነ ሓሰን መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለ እዩ።
ኣብቲ ክልል ኲናት ካብ ዝውላዕ ንድሓር ንካልኣይ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ ኲናት ኮይኑ ጾመ ረመዳን ጾይሙ።
ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ሓሙሽተ ኣባላት ቤተሰቡ ብሞት ስኢኑዎም’ዩ። እቶም ዝተረፉ ድማ ተሰዲዶም፤ ብዛዕባ ካልኦት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለው ግን ድሃይ ከም ዘይብሉ ይዛረብ።
“እቲ ጾም ለሚድናዮ ቀኒና ኢና፤ ምኽንያቱ ጥምየት ኣሎ። ሰብ’ውን ብጣዕሚ ተሸጊሩ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ምስ ሕሉፍ ጾማት ረመዳን ክነጻጸር እንከሎ እቲ ናይ ሕጂ ልክዕ ኣይመስልን” ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰራዊት ምክልኻል ፌደራል ነታ ከተማ ክቆጻጸራ እንከሎ፡ ጾመ ረመዳን ዝኣተወ ኮይኑ ኣብቲ ግዜ ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ ስለ ዝነበረ ድሕሪ ኢፍጣር ናብ መስጊድ ከይድካ ጸሎት ምግባር ኮነ ምትእኽኻብ ዝክኣል ከም ዘይነበረ ይዝክር።
“ሰላት ተርሃዊን፡ ኣብ እዋን ረመዳን ዓበይቲ ካብ ዝብሃሉ ፍጻመታት ሓደ እዩ። ምሸት ምውጻእ ስለ ዘይክኣል ግን ሽዑ ተርሃዊን ክንሰግድ ኣይክኣልናን። ዝተጸገሙ ሰባት ንምሕጋዝ ድማ እታ ናይ መቕሪብ ሰዓት ኢና ንጥቀም፤ ንሱ’ውን ግን ዘይክኣል ኮይኑ።
“ኣከባብራ እቲ በዓል ሓዊሱ ብዙሕ ጽቡቕ ስሚት ኣይነበሮን። ናብ ገጠር’ውን ምኻድ ኣይክኣልን ነይሩ” ብምባል ብ2013 ዝነበረ ጾመ ረመዳን ይዝክሮ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት’ውን እቲ ኩነታት ስለ ዝገደደ እቲ ጾም ንበይኑ ከም ዘሕለፎ ይዛረብ።
ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ካብ መቐለ ወጺኡ ናብ ካልእ ከባቢ ክኸይድ ኣይክኣለን።
“ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ዝመጽኡ ሰባት ኣለው። እዚኦም ቅድሚ ሕዚ ስራሕን ገንዘብን ዝነበሮም ሰባት’ዮም። ክልተ ባኒ ዘለዎ ናብ መስጊድ ከይዱ እታ ሓንቲ ንመፍጠሪ ናብ መስጊድ ከይዱ ነቶም ዘይብሎም ክህብ ጸኒሑ’ዩ” ኢሉ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ንምቁጽጻርን ኣብ ዝቕጽሉ 15 መዓልታት እኹል ዝርግሐ መግቢ ንክህሉን መዓልታዊ 4,675 ሜትሪክ ቶን ክኣቱ ከም ዘለዎ ቤት ጽሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ይገልጽ።
እንተኾነ፡ ኣብተን ዝሓለፋ ኣዋርሕ እዚ ዓመት [2022] ናብቲ ክልል ዝኣተወ ሓገዝ 3,400 ሜትሪክ ቶን ጥራይ ኮይኑ እዚ ድማ ኣብ መዓልቲ ክኣቱ ካብ ዝግብኦ ዝወሓደ እዩ።
ከም ሓበሬታ ኦቻ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ 5.2 ሚሊዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ 1.5 ሚሊዮን ሰባት ጥራይ’ዩ ምሕጋዝ ተኻኢሉ።
ጎዴ
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ደርቂ: ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ሸሞንተ ሚሊዮን ሰባት ንሓደጋ ደርቂ ክቃልዑ ገይሩ ኣሎ።
ኣብ ጎረቤት ሃገር ሶማሊያ፡ ኣስታት ሽዱሽተ ሚሊዮን ሰባት በዚ ደርቂ ክጥቅዑ እንከለው፡ እዚ ቑጽሪ ክውስኽ ከም ዝኽእል ሓበሬታ ኦቻ የመልክት።
ብሓፈሻ ልዕሊ 25 ሚሊዮን ህዝቢ እቲ ዞባ ብምኽንያት እዚ ደርቂ ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዑ ኣሎ።
ኣብ ክልል ሶማሊ’ውን እቲ ደርቂ ሕጽረት ዝናብን ከቢድ ዋዕን ዘስዓበ ኮይኑ፡ ብቐንዱ ሕጽረት ቀለብ እንስሳን ማይን ከም ዘስዓበ ነባሪ ጎዴ ዝኾነ ኣቶ መሓመድ ኣደን ይዛረብ።
ብትምህርትን ስራሕን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ምብራቕ ኢትዮጵያ ተዘዋዊሩ ክነብር ዝጸንሐ መሓመድ ከምዚ ዓይነት ፈታኒ ግዜ ርእየ ኣይፈልጥን እዩ ዝብል።
ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣቶ ሙስጠፌ መሓመድ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዚያ ጥራሕ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ጥሪት ብሰንኪ ደርቂ ከም ዝሞታ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ተዛሪቡ ነይሩ።
መምህር ሃይማኖት እስልምና ኡስታዝ በድሩ፡ ልዕሊ ኹሉ ናይ ጽልኢ ዘረባታትን ስብከታትን ጠጠው እንተዘይኢሎም እቲ ዝመጽእ ግዜ ከም ዘስግኦ ይገልጽ።
ብርክት ዝበሉ ሰባት ነቶም ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝወሃቡ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ይቕበሎም ምህላው ዚያዳ ከም ዘስግኦ ብምግላጽ: ኣብ ፖለቲካን ሃይማኖትን እታ ሃገር ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ተሰማዕነት ዝረኽብሉ ኩነታት ክመጽእ ከም ዝምነ ተዛሪቡ።
“ኣነ ተወላዲ እቲ ክልል እየ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ሞጣ ጀሚሩ ብዙሓት መሳጊድ ተቓጺሎም’ዮም። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ናብ ፍርዲ ዝቐረበ ሰብ የለን። ዘጥፍኡ ሰባት ፍርዲ ክረኽቡ ኣለዎም እምበር ሰላማውያን ሰባት ምውንጃል ኣይጠቅምን” ኢሉ።
ነባሪ ከተማ መቐለ ሓሰን ብወገኑ ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ይሞቱ እዮም ዘለው ብምባል ዝሕቱል ስራሕቲ ዲፕሎማስን ሰላም ናይ ምምጻእ ስራሕትን ብምህላው ብዙሓት ሰባት ከይሞቱ ከም ዝሰግእ ገሊጹ።
“ዝመጽእ ረመዳን እቲ ዕጽዋ ተሰይሩ ከይሃለቕና እንጸንሐሉ፣ ኣብ ናጻ ትግራይ እነኽብሮ ክኸውን’ዩ ኢለ ተስፋ ይገብር። ከምኢ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን” ኢሉ።
እዞም ወሃብቲ ርኢይቶ፡ መራሕቲ: ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቐጸለ ኲናት ጠጠው ከብሉዎ ይምሕጸኑ።
ፖለቲከኛታት ኣፈላላዮም ብዝርርብ ክፈትሑዎ ኣለዎም ዝብል ኡስታዝ በድሩ፡ “እቲ ዝሞተ ወዲ ህዝቢ’ዩ፤ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ሰላም ክህሉ እንከሎ ካልእ ይርከብ’ዩ። ናይ እማን ንህዝብን ሃገርን ዘቐድም ዝርርብ ገይሮም ነቲ ዝተጎድአ ህዝቢ ሰላም ከምጽእሉ ይግባእ” ኢሉ።