
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዘሕደሮ ጽልዋ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ይኽበር ኣሎ። ኣብዚ መዓልቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ንነዊሕ እዋን ብዝቐጸለ፡ ንሚልዮናት ብዘይ ሰብኣዊ ረድኤትን ሓበሬታን ክነብሩ ኣብ ዝገበረ ኲናት ሓድሕድ ኣብ እትርከበሉ ኩነታት ኣቓልቦ ካብ ዝሰሓቡ ሃገራት ሓንቲ ኮይና ኣላ።
ኣብታ ብኲናት ዝተጎድአት ክልል ትግራይ ንኣዋርሕ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን የለን።
ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ መንግስቲ ደንጊጉዎ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ድማ፡ ነቐፍቲ ንምዕፋን ተጠቒሙሉ’ዩ ብዝብል ትካላት ተሓላቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።
መንግስቲ ግን ነዚ ኣይቕበሎን።
ኣብቲ እዋን ክሲ ካብ ሞንጎ ዘቕረቡ ትካላት፡ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ዝኾኑ ሲፒጄ ሓደ ኮይኑ ኢትዮጵያ እቲ ኣዋጅ ህጼጽ ግዜ ጋዜጠኛታት ንምእሳር ትጥቀመሉ ኣላ ኢሉ ነይሩ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ብዙሓት ኣብ ጸልማት እዮም ዝርከቡ።
ቅድሚ ሓደ ዓመትን መንፈቕን፡ ናይ መጀመርታ ጠያይቲ ኣብ ትግራይ ክትኮሱ እንከለው ኩሎም ናይ መራኸቢ መገዲታትን፣ ስልክን ኢንተርነትን ተቛሪጾም።
መብዛሕትኦም እቲ ኲናት ዝተኻየደሎም ቦታታት እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ዘይብሎም ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋን ትግራይ ካብ ዓለም ተቖራሪጻ ትርከብ።
እዚ ኩነታት ብፍላይ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ዝኾኑ ኣካላት ጃምላዊ ቅትለት፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ከበድቲ ገበናትን ብምፍጻም ኣብ ዝኽሰስሉ እዋን ትኽክለኛ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ገይሩዎ’ዩ።
ጋዜጠኛታት ናብ ግንባር ከይዶም ከየጻርዩ ስለ ዝተኸልከሉ ብዛዕባ እቲ ኲናት ኮነ ሳዕቤናቱ ዝምልከቱ ጸብጻባት ብዝግባእ ኣይተሰርሑን።
ካብኡ ሓሊፉ እቲ ኲናት ኣብ ጋዜጠኝነትን ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰልን ናይ ባዕሉ ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ።
“ቅድሚ እቲ ኲናት ከም ሲፒጄ: ገለ ዘተሓሳስቡ ዝንባለታት ክንርኢ ጀሚርና ነይርና። ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ኢንተርነት ይዕጾ ነይሩ፤ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንድሓር ግን ቅድም ኢሎም ዝርኣዩ ዝነበሩ ኩነታት ጎሊሖም ክርኣዩ ጀሚሮም። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ክሲ ከይተመስረቶም ንኣዋርሕ ተኣሲሮም’ዮም” ክትብል ወኪል ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ሲፒጄ ሙቶኪ ሙሞ ተረድእ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር፡ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን እታ ሃገር ከቢድ ሓደጋ ዘምጽአ ስለ ዝኾነ “ብስሩዕ ሕጊ ምቁጽጻር ስለ ዘይተኽኣለ” ብዝብል ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ምእዋጃ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ብውሑድ 14 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም’ዮም።
እዚኦም፡ ኣብ መንግስታዊ ኮርፖሬት ብሮስካቲንግ ኢትዮጵያ [ኢቢሲ] ጋዜጠኛታት ሬድዮ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ዝነበሩ ክልተ ጋዜጠኛታት፣ ኣዳላዊ ቴሌቪዥን ዩትዩብ ኡቡንቱ፣ ኣዳላዊ ተራራ ኔትዎርክ ይርከቡዎም።
ብተወሳኺ፡ ወኪል ኣሶሽየትድ ፕሬስ፣ በዓል ሞያ ካሜራን ጋዜጠኛታት ፋና ብሮድካቲን ኮርፖሬትን ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ኮይኖም፡ ካብዚኦም መብዛሕትኦም ከም ዝተፈትሑ ይዝከር።
ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ተኣሲሩ ዝተፈትሐ ጋዜጠኛ ኤፒ ኣሚር ኣማን፡ ኣባላት መንግስቲ ብግብረ ሽበራ ዝፈረጆ ጉጅለ ቃለ መጠይቕ ገይርካ ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ ከም ዝውዓለ ይዝከር።
“ሓሳባት ከይወጽኡ ክትእግዶም ኣይትኽእልን። ሕጂ እቲ ግዜ ዝተፈለየ’ዩ፤ ዜናን ታሪኻትን ናብ ህዝቢ ከይበጽሕ ክትኽልክል ኣይትኽእልን። ንሕና ስግኣት ሃገር ኣይኮናን፤ ስራሕና ኢና ንሰርሕ ዘለና። ሓሳብ ዝዕፍን ስርዓት ክህሉ የብሉን” ክብል ኣሚር ይዛረብ።
ሲፒጄ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ካልአይቲ’ያ ዝብል ጸብጻብ ኣውጺኡ’ዩ።
ሎሚ’ውን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ደሱ ዱላን ቢቂላ ኣመኑን ዝተባህሉ ጋዜጠኛታት ክፍትሑን ክሶም ክቋረጽን ሓቲቱ።
እዚኦም ንኦሮሚያ ኒውስ ኔትዎርክ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ኮይኖም፡ ምስቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብዝተሓሓዝ ዝተኣሰሩ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣዋጅ ድሕሪ ምልዓሉ ጋዜጠኛታት ደሱን ቢቂላን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝርከቡን ሕገ መንግስቲ ብምጽባእ ዝብል ክሲ ቀሪቡሎም ናይ ሞት ፍርዲ ይጽበዮም ከም ዘሎ ሲፒጄ ገሊጹ።