ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) ሃንደበት ዓሪፉ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ምውላዕ ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቃዱ (ወዲ ነጮ) ሃንደበት ዓሪፉ።
ኣብ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር፡ ሓላፊ ዋና መምርሒ ኤሌክትሮኒክስ ሳይበር ኮምኒኬሽን ዝነበረ፡ ሜጀር ጄኔራል ገብረመድኅን (ብናይ ቃልሲ ስሙ ወዲ ነጮ) ሎሚ መዓልቲ ሰኑይ 24 ሚያዝያ 2014 ዓ. ም. ግእዝ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ከምዝሞተ ኣባላት ስድርኡ፣ ጠበቕኡን ኮሚሽን ኣብያተ ማእሰርቲ ፌዴራልንንቢቢሲ አረጋጊጾም።
ንሱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኵናት ትግራይ እንትውላዕ ሰሜን እዝ ምስ ማእኸል እዚ ዝነበሮ ናይ መራኸቢ ስርዓት ንክቋረፅ ብምግባር፡ “ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ” ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ክፍፅሙ ኣወሃሃዶም፡ ብዝብል ‘ብገበን ክሕደት ሃገር’ ብምኽሳስ ካብ ሞንጎ ዝተኣሰሩ ላዕለዎት ጀነራላት ተጋሩ ሓደ እዩ።
ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን (ወዲ ነጮ)፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምፅኡ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኣግኣዚ ኮማንዶ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ክሳብ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለሉ እዋን ድማ፡ ሓላፊ ዋና መምርሒ ወተሃደራዊ መራኸብታት ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።
ቢቢሲ ሕልፈት ሂወት ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቃዱ ንምርግጋፅ ናብ ሞባይል ቁፅሪ በዓልቲ ቤቱ ደዊልና፡ ክተዛርበና ኣብ ትኽእለሉ ኩነታተት ኣይነበረትን። ንወይዘሮ ሳራ ሓፍታ ወይዘሮ ኣጸደ ግና ኣዘራሪባትና። ኣብቲ ገዛ ሓያል ብኽያትን ሓዘንን ይስማዕ ነይሩ።
‘‘እወ ሎሚ ንጉሆ እዩ ዓሪፉ። ኣነ ንበዓል ቤቱ ሓፍታ እየ። ኣብ ቃሊቲ ቤት ማእሰርቲ እዩ ዓሪፉ፤ ናብ ደገ ኣይወፅአን። ሓሚሙ ኣይፈልጥን። ምኽንያት መሞቲኡ ንክፍለጥ ሬሳ ክፃረይ ተላኢኹ ኣሎ። ንወዲ ነጮ ንምግላፅ ኣነ ቃላት ይሓፅረኒ እዩ። ብጣዕሚ ርህሩህ እዩ ነይሩ’’ ኢላ፡፡
ምእንተ ድሕንነቱ ስሙ ዘይንገልፆ ካብ ጠበቓታት ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ሓደ፡ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ከምዝነበረን ዋላ ሓደ ንሞት ዘብቅዕ ሕማም ከምዘይነበሮን ንቢቢሲ ገሊፁ።
ኣብዚ ጉዳይ ንሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቤት ህንፀት ኢትዮጵያ ኣይተ ገረመው ኣያሌው ሓቲትናዮ።
‘‘ልክዕ እዩ ሂወቱ ሓሊፉ ኣሎ። ስድርኡ ክሓትዎ መፂኦም፡ ደው ኢሉ ምስ ስድርኡ እናውግዐ እንከሎ እዩ ሃንደበት ወዲቑ። ካብኡ ሻቡ ስድርኡ ኣብ ዘለውዎ ናብ ሕክምና ወሲደሞ። ካብ ክሊኒክ፡ ናብ ሪፈራል ሆስፒታል ወሲደሞ። ስለዚ ሓቂ እዩ ሂወቱ ሓሊፉ እዩ። ንሕልፈቱ ምኽንያት ክኾን ዝክእል ነገር ሰብሞያ ሕክምና እዮም መብርሂ ክህቡ ዝኽእሉ” ኢሉ።
እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ፡ ካብ ጠበቓታት እቲ ጀነራል ሓደ፡ በቲ በዓል ምኽንያት ካብ ሎማዓንቲ ንጽባሕ ዝተመሓላለፈ ቆጸሮ ቤት ፍርዲ ይጽበዩ ከምዝነበሩ ተዛሪቡ። ወሲኹ ድማ፡ እቲ ዓሚሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሙሉእ ጥዕንኡ ከምዝነበረ ንቢቢሲ ኣብሪሁ።
ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን (ወዲ ነጮ) መን እዩ?
ኣብ 1975 ዓ.ም ስርዓት ደርግ ንምድምሳስ ናብ ቃልሲ ህወሓት ዝተፀንበረ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቃዱ፡ ወዲ ነጮ፡ ኣብ ቃልሲ ፍሉጥ ኣጋር ተዋጋኣይን ኣዋጋኣይን ከምዝነበረ መቓልስቱ ይምስክርሉ።
ኵናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝተወልዐሉ ኣብ 1991 ኣቆፃፅራ ግእዝ ድማ ኣዛዚ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት ብምዃን ኣብ ገምሃሎ ኣብ ወፍሪ ፀሓይ ዓራርቦ፣ ሰምበልን ባድመን ንሰራዊት ብምምራሕ ዝተሳተፈ ወተሃደራዊ መራሒ እዩ።
ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ፡ ኣብ ቻይና ብኮማንዶነት ሰልጢኑ ዝመፅአ ወዲ ነጮ፡ ኣብ ላይቤርያ ዝተሳተፈት ኮማንዶ መሪሑ ኣብ ምውሓስ ሰላም እታ ሃገር ግደኡ ኣበርኪቱ እዩ።
ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቃዱ፡ ምክትል ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኣግኣዚ ኮማንዶ ኮይኑ፡ ኣንፃር ኣልሸባብ ኣብ ምኽባር ሰላም ሶማልያ’ውን ወፊሩ።
ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመለሰ፡ ዋና ኣዛዚ እቲ ክፍለጦር፡ ጸኒሑ ድማ፡ ኣዛዚ ሻድሻይ መከናይዝድ ክፍለሰራዊት ኮይኑ።
ደሓር ድማ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ሓላፊ ሕብረት ወተሃደራዊ ስታፍ ኮሌጅ፡ ሰሜን እዚ ኮይኑ ኣገልጊሉ።
ኣብ 2012 ኣቆፃፅራ ግእዝ ክሳብ ዝተኣሰረሉ ግዘ፡ ሓለፊ መምርሒ ወተሃደራዊ ርክባት ኤሌክትሮኒክ ሳይበር ኮይኑ ሰሪሑ።
‘‘ካብቶም ኣብታ ሃገር ኣለዉ ዝበሃሉ ተዋጋእትን ኣዋጋእትን ወተሃደራዊ መራሕቲ” ሓደ ከምዝኾነ ብጾቱ ዝዛረብሉ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ወዲ ነጮ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ነይሩ።