‘ሓዘን ዘለዎ ናፍቖትና ኢና ብስእልታት ንገልጽ ዘለና’
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ካብ ትውልዲ ዓድኹም ወጻኢ እትነብሩ ሰባት፡ ሓደ ሰብ ናብ ናብ ሃገሩ ክምለስ እንከሎ ‘ንዓዲ ገጽካ ትገይሽ እንተሃሊኻስ፡ እዛ ኣቕሓ እንዶ ተማልኣለይ? ንስድራና ኣብጽሕሎም’ ምባል ለሚድኹም ትኾኑ።
ናይ ድምጺ መልእኽቲ ግን ከም ኣቕሓ ብሓደራ ተላኢኹ ክብሃል ሰሚዕና ኣይንፈልጥን። ሐዚ ግን ኣብ ትግራይ ከምኡ እዩ ዘሎ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ 17 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ሰባት ድምጾም ቀዲሖም ብሓደራ ልኢኾም እዮም።
ኣብቲ ክልል፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ስልኪ፣ ኢንተርነት፣ ባንክን ካልእን ንኣዋርሕ ደስኪሎም ስለ ዘለው፡ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ድሃይ ስድራ ወይ መሓዛ ክረኽቡ ከም ዘይክኣሉ ይዛረቡ።
ስለዚ እንተኽኢሎም ድምጺ’ዮም ዝልእኹ። እቲ መልእኽቲ ከብጽሕ ናብ ዝኽእል ሰብ ድምጾም ቀዲሖም ብምልኣኽ መልሲ ይጽበዩ።
እቲ መልእኽቲ፡ ‘ኣደይ ድሓን ዲኺ’፤ ‘ባባ ድሓን ዲኻ?’ ዝብል ይኸውን።
ነዚ ዝሰምዑ ኣባላት ስድራቤት መልእኽቲ እንተሃልዩዎም “ዛ ጓለይ ድሓን ኢና” ኢሎም ተስፍኦምን ፍቕሮምን ዘይጎደሎ መልእኽቲ ይሰዱ።
ድሕሪኡ፡ እቲ ናይ ሓደራ መልእኽቲ ዘብጽሕ ሰብ ኢንተርነት ኣብ ዝረኽበሉ ቦታ ምስ በጽሐ መሊሱ ናብ ተቐባሊ ይልእኽ።
እዚ ዝበጽሖ ዕድለኛ ሰብ እዚ ዝበጽሖ መልእኽቲ ሓቚፉ ይቑዝም። እዚ ግን ሚሊዮናት ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወጻእ ዝርከቡን ተወለድቲ እቲ ክልል ብቐሊሉ ዝረኽቡዎ ዕድል ኣይኮነን።
እዚ፡ ናይቶም እታ ዘላ ጸባብ ዕድል ረኺቦም ሓሳብ ልቦም ዝሰመረሎም ንሒደት ሰባት እዩ።
ሄርሞን ገብረሃዋርያ ሓንቲ ካብኣቶም እያ።
“ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ናይ ቀይሕ መስቀል ዕድል ተረኺቡ ስድራይ ክረኽቦም ተጸብየ ነይረ፤ ግን ኣይሰመረን። ክሳብ ሕጂ ኣረኸብኩዎምን። ሓሓሊፉ ኢንተርነት ናብ ዘለዎ ቦታ ንዝኸዱ ሰባት ግን ቤተሰብ ከመይ ኣለው ኢልና ንሓቶም ኢና፤ ዕድል እንተገይርና ድሃይ ንረክብ። ተስፋ እንድዩ ንሰብ ዘንብሮ፡ ይህልው’ዮም ኢለ ተስፋ ይገብር” ትብል።
ነዚ’ዩ ዝኸውን፡ በታ ኣብዚ ቕነ ንዝተጀመረት #SendLoveToTigray እትብል ሃሽታግ እንተርኢኹም፡ ሃረርታን ሻቕሎትን ናይቶም ብሰንኪ ኲናት ሃለዋትን ኩነታትን መቕርባቶም ክፈልጡ ዘይኽኣሉ ሰባት ብብዝሒ ዝተርኣዩ።
እዚኦም፡ ገጾም ብስሓቕን ፍሽኽታን ዝደመቐ፣ ምትእኽካብ፣ ጽቡቕ ማሕበራዊ ህይወት፣ ኩስሚ፣ ኣውደ ኣመት፣ ዝምድና፣ ቤተሰባዊ ምትሕልላይ፣ ጉርብትና ይርኣዮም።
እዞም ካሜራ ቀዲሑ ዝሰነዶም ናይ ሕሉፍ ምስልታት ንሎሚ ዝኸውን ናፍቖት ወይ ፋቕዕ ሒዞም ኣለው። እቲ ስእሊ ዝርእዩ ግን ናፍቖት ጥራይ ዘይኮነ ተስፋ’ውን ከካፍሉ ይደልዩ።
ብዙሓት መዓልታት ሓሊፉ ዝመጽአ ጽባሕ’ውን ዳግም ብዓይነ ስጋ ክራኸቡ፣ እቲ ብሰንኪ ኲናት ዝፈረሰ ማሕበራዊ ህይወቶም ክሃንጹ የመዓድው።
እዛ ሃሽታግ ምስ መጽአት፡ ብዙሓት ኣልበም ስእልታቶም ገማጢሎም ናይ ቀደምን ሎምን ስእሊ ስድራቤቶም፣ ኣሕዋቶም፣ መሓዙቶምን መተዓቢቶምን ብምልጣፍ ተዘክሮታቶምን ናፍቖቶምን ከካፍሉ ተራእዮም።
እዚኦም፡ “ኣደይ ንመወዳእታ ግዜ ካብ ዘዘራርባ 314 መዓልታት ኮይኑ . . . ድሃይ ስድራና ካብ ዝሰምዕ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኮይኑ . . . ዓደይ ናፊቐ . . .” ዝብሉ ይርከቡዎም።
ናፍቖት ካብ ተላዕለ፡ ዳግማዊት እቲ ሕጂ ዝስምዓ ናፍቖት ካብቲ ዝተለምደ ዝተፈለየ’ዩ።
“እዚ፡ እቲ ዝለመድናዮ ምንፋቕ ወይ ናፍቖት ጥራይ ኣይኮነን፤ ብዝኾነ ምኽንያት ቤተሰብ ርሒቕኻዮም ጸኒሕኻ ትናፍቕ ኢኻ። ናይ ሕዚ ግን፡ ሓዘን ዘለዎ ናፍቖት’ዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ናፍቖት ብህይወት ይህልው’ዶ? ከግንዮም ድየ? ክንራኸብ ከለና ከመይ ንብል ንኸውን? ዝብሉ ስግኣታት’ውን ዘለዎ’ዩ ዘለዎ” ትብል ዳግማዊት።
ዳግማዊት፡ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝነበራ ሒደት ሳምንታት ብስራሕ ምኽንያት ካብ ትግራይ ክትወጽእ እንከላ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ግን ስድራኣ፣ እትፈትዎም መሓዙታ፣ ኣሕዋታ ከም ዘይረኸበቶም እያ ትዛረብ።
ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ውግእን ወረ ውግእን መሊኡ ስለ ዘይረግአ፡ መቕርባ ብህይወት ይሃልው ይሙቱ ዘይምፍላጣ ወይ’ውን እትፈልጠሉ መገዲ ዘይምህላው ቅሳነት ካብ ዘስእኑዋ ነገራት ምዃኖም ትገልጽ።
እንተኾነ፡ ኣብተን ዝሓለፋ መዓልታት ብዙሓት ስእሊ መማህርቶም፣ መተዓብይቶም፣ ሓውን ሓፍትን፣ ዝፈትውዎ ከተማ ብምልጣፍ፡ ነቶም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክረኽቡዎም ዘይኽኣሉ ሰባት ብሃሽታግ ኣቢሎም እናዘከሩ ሓልየቶምን ፍቕሮምን ክልእኹ ምስ ርኣየት ንሳ’ውን ተጸንቢራቶ።
“እዞም ስእልታት ምርኣይ ምስ ጀመርኩ ዝዘክርኹዎም ሰባት፡ ኣበይን ከመይን ይህልው? ኢለ ብዙሕ ሓሲበ። ዝኾነ ሰብ፡ ‘ኣበይ ኮን ይህሉ?’ ኢልካ ምሕሳብ ኣዝዩ ስምዒታዊ’ዩ ዝገብረካ። ማሕበራዊ ሚዲያ እቲ ብሕታዊ ምስ ሰባት ከነውግዐሉ ንኽእል፣ ሓሰብና፣ ስምዒት ኩሉ እንገልጸሉ ቦታ ስለ ዝኾነ፡ ስእሊ እንፈልጦም ሰባት ብምርኣይ ዝሓለፍናዮ ተመሊስና ክንዝክር ገይሩና’ዩ” ትብል።
‘ተስፋ ክኾኖም’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ’
ስእሊ፡ ብቐሊሉ ዘይትግምቶ ሓይሊ ኣለዎ፤ ዝተፈላለዩ ሰባት ብመንፈስ ክራኸቡ ይገብሮም፣ ንድሕሪት መሊሱ ትዝታታት ይህቦም። ነዚ ስነ ጥበባዊ ዮውሃንስ ትካቦ [ወዲ ትካቦ] ‘ዝባን ስእልታተይ’ ኣብ ዝብል ሙዚቃ ግርም ገይሩ ገሊጹዎ’ዩ።
ወዲ ትካቦ፡ እቲ ስእሊ እምበር ፍቕሪ ከም ዘይበሊ፣ ስእሊ እምበር ታሪኽ ከም ዘይበሊ፣ ስእልታት ዛንታ ንእስነትን መዘከርታ መተዓቢትኻን ከም ዝኾነ የዘንቱ።
“ኩላትና፡ ብዛዕባ ትግራይ ንናፍቖ ኣብ ውሽጥና ዝነብር ፍቕሪ ኣለና፤ እዚ ብብዙሕ ነገር ዝግለጽ እዩ። ባህልና ብዘርእዩ ስእልታት፣ ብስእሊ ፍሉጣት ሰባት ወይ ብማሕበራዊ ምንቅስቓሳት እቲ ሕብረተሰብ ክግለጽ ይኽእል” ዝብል ጎይትኦም ተገኝ፡ ነዚ ሃሽታግ ዘበገሰ ውልቀሰብ’ዩ።
ጎይትኦም፡ ክኢላ ኮምዩኒኬሽንን ዓለምለኻዊ ርክባትን ስለ ዝኾነ፡ ዝተፈላለዩ ነገራት ብስእልን ምስልን ናይ ምሓዝ ናይ ነዊሕ ዓመታት ልምድን ተሞኩሮን ኣለዎ።
እዚ ጎስጓስ፡ ብኽልተ ምኽንያታት ከም ዘበገሶ ዝገልጽ ጎይትኦም፡ ብቐንዱ ብዙሕ ሰብ ኣብ ሓደ ጽቡቕ ዛዕባ ክመጽእ ብምግባር ትርጉም ዘለዎ ነገር ንምሕላፍ ዝዓለመ ምዃኑ ይዛረብ።
“ስድራና ብዛዕብኦም ንሓስብ ከም ዘለና ወረ እንተበጺሑዎም ተስፋ ንክኾኖም’ዩ፤ እቲ ዘለውዎ ኩነታት ከቢድ’ዩ፤ ኲናት ክጅመር እንከሎ ኣብ ትግራይ እየ ነይረ፤ ብምቁራጽ ኣገልግሎታት፣ ሰባት ክራኸቡ ዘይምኽኣሎም፣ ዕዳጋታት ዕጽው ምዃን፣ ባንኪ ዘይምህላው፣ ገንዘብ ምስኣን እንታይ ከም ዝመስል ብዝተወሰነ መልክዑ ርእየዮ እየ።
“ሕዚ ክኣ ንነዊሕ ግዜ ክኸይድ እንከሎ ክሓስቦ እውን ይኸብደኒ’ዩ፤ ስለዚ ሰባት ንስእልታትና ርእዮም ተራኺቦም ጽቡቕ ነገር ከውግዑ እንተኽኢሉም፡ ብዛዕባና እንተሰሚዖም፣ ሓልዮትና እንተተረዲኡዎ፣ ተስፋ ክኾኖ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ” ይብል።
መብዛሕትኦም፡ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝርከቡ ተጋሩ፡ ምስቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ምቁራጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ምስ መቕርባቶም ዝራኸብሉ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ከም ዝኾነ ይዛረቡ።
“ኣብ ብዙሕ ኣዋርሕ ኢኻ ድሃይ ትሰምዕ፤ ግን ሃለዋቶም ኣይንፈልጥን። እቲ ኩነታት ከቢዱ ስለ ዘሎ፡ ተስፋ ናይ ምቑራጽ፣ ሞራልካ ናይ ምትንካፍ ስምዒት’ዩ ዘምጽኣልካ። እዚ [ሃሽታግ] ነዚ ከቢድ ግዜ ብዝተወሰነ መልክዑ ንክንሓልፎ የኽእለና እዩ ኢሉ ስለ ዝኣመንኩ እየ ክንጅምሮ ገይርና” ይብል።
ወሲኹ፡ “ብቐንዱ ብዙሕ ሰብ ኣብ ሓደ ጽቡቕ ዛዕባ እንድሕር ኣምጺእና ሓያል ትርጉም ከነሕልፍ ንኽእል ኢና፤ ንኣዋርሕ፡ ብጣዕሚ ዝርብሽ፣ ጎነጽ ዝተሓወሶ ዜናታት ኢና ክንሰምዕን ክበጽሓናን ጸኒሑ፤ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ሞት ህጻናት፣ ጥምየት ክትጻወሮ ዘይትኽእል ምስልታት ክበጽሐና ጸኒሑ’ዩ” ይብል።
ብምስዓብ “እዚ ኽኣ ንጥዕና ሰባት ኣዐርዩ ጸልዩዎ’ዩ፤ እቲ ኣእምሮ ስለ ዘይቐሰነ ሰባት ኣይድቅሱን፣ ስርሖም ብስነ ስርዓት ክሰርሑ ኣይኽእሉን፤ ከምዚ ብምግባርና ብዝተወሰነ መልክዑ ትኹረትና ኣብ ጽቡቕ ነገር ክኸውን እንተኾይኑ ብዛዕባ ስድራና እንሓስበሉ ኩነታት ብምፍጣር እዩ” ኢሉ።
ሰባት ብኸመይ ተቐቢሎምዎ?
ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ስልኪ ካብ ዝዕጾ ንድሓር፡ ሓሓሊፉ ናይ ድምጺ መልእኽቲ እኳ እንተበጽሓ፡ እቲ መዓዝ ከም ዝተላእኸ ዘይትፈልጦ መልእኽቲ ብጣዕሚ ንኡሽቶ ሓበሬታ ዘለዎ ብምዃኑ “ክትሓቶም ብእትደሊ ሕቶታት ዝተመልአ’ዩ” ትብል ዳግማዊት።
“ግን ክትሓቶም ኣይትኽእልን፤ ኣብቲ መልእኽቶም ገለ ነገራት ይነግሩኻ እሞ ትንጥልጠል፤ መሊስካ ክትሓትት ትደሊ። ግን ድምጾም ምስማዕኻ ጥራይ፡ ክሳብ ሕዚ ኣለው’ዮም ኢልካ እፎይታ ትረክብ” ኢላ።
#SendLoveToTigray ምስ ተጀመረ፡ ዳግማዊት ካብ ዘካፈለቶም ስእልታት እቲ ሓደ ናይ ሓፍታ ናይ መርዓ ስእሊ እዩ።
ኣብ መርዓን ኲናት ዘሎ ኣፈላላይ ንኹሉ ግልጺ’ዩ፤ እቲ ሓደ ጫፍ መግለጺ ሓጎስ ኮይኑ እቲ ካልእ ምንጪ ከቢድ ሓዘንን ምፍልላይን እዩ።
“ኣብዚ ህሞት ኮይንና ግን እቲ ሃሽታግ ንባዕሉ እወንታዊ’ዩ፤ ንእትፈትዎም ሰባት ፍቕሪ ምልኣኽ ዓብዪ ነገር’ዩ፤ ምናልባት ሓደ መዓልቲ እቶም ሕዚ እንልጥፎም ዘለና ሰባት ክርእዩዎ ይኽእሉ’ዮም፤ ሰባት ክትሓስቦም ከለኻ’ውን ይሓስቡኻ’ዮም፤ እዚ እወንታዊ ሓይሊ’ዩ” ብምባል ጽቡቕ ስምዒት ከም ዝፈጠረላ ትዛረብ።
እቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጥቅዑ ዘለው ምስልታትን ቪድዮታትን፡ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ኣብ ህዝባዊ በዓላትን ግጥማት ስፖርትን፣ ኣብ ማሕበራዊ ፍጻሜታት፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ ጉዕዞ፣ ኣኼባታትን ካልኦት ፌስቲቫላትን ዝነበሮም ተዘክሮታት ዘርእዩ ይርከቡዎም።
ሕጂ’ውን ከምዚኦም ዝበሉ ኣካል ህይወት ደቂ ሰባት ዝኾኑ ነገራት ክርስዑ የብሎምን እትብል ሄርሞን ገብረሃዋርያ፡ በዚ ኣጋጣሚ ንመሓዙታን ፈለጥታን ናይ ተስፋ መልእኽቲ ትጥቀመሉ ከም ዝነበረት ገሊጻ።
“ህዝቢ ኣብ ጥምየት፣ ስደትን ጸበባን እዩ ዘሎ፤ ኣለው’ዶ የለውን ኢልካ ክትሓትት ከለኻ፡ መልሲ ኣብ ዘይትረኽበሉ ኩነታት ኢና ዘለና። ስለዚ እቶም ዘለው ወይ ምሳና ዝነበሩ፣ ብዙሕ ስራሕቲ ሓቢሮምና ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ሕዚ’ውን እንተሃልዮም ተስፋ ንከይቖርጹ፡ ኣብ ጎኖም ከም ዘለና፣ እቶም ስራሕቲ’ወን ድሕሪ ትንሳኤ ትግራይ ክቕጽሉ ምዃኖም ኢና መልእኽቲ ነሕልፎሎም ዘለና” ትብል።
ኣብ ትግራይ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣዘራረብቲ ዝኾኑ ጉዳያት ውሑዳት ሰባት ዝረኽቡዎም ኮይኖም እቲ ዝተረፈ ካብ ስክሪን ብዝተወስደ ስእሊ ርእዩ ሓበሬታ ይረክብ።
መረሳ* ዝተባህለ ሓደ ወሃቢ ርኢይቶ “ሰብ ኣብ ከቢድ ኩነታት ስለ ዘሎ ከምዚ ዓይነት ነገራት ዳርጋ ናብ ምርሳዕ ኣትዩ’ዩ፤ ኣብ ገሊኡ ናተን ናይ መሓዙተይ ስእሊ ምስ ኣርኣዩኒ ግን ከምዚ ዝበለ ስእሊ’ውን እባ ነይሩኒ እዩ ኢሉ ንሕሉፍ ህይወተይን ሕዚ ዘለኹዎን ርእየ ሓዚነ” ኢሉ።
ወሲኹ፡ “ሕጂ ብዛዕባ ዕለታዊ እንጀራና ኢና ንሓስብ፤ ስራሕ፣ ኢንተርነት፣ ባንኪ ዘይምህላው ንኣነባብራና ቀይሩዎ’ዩ። ምትንፋስ ጥራይ እምበር ተስፋ ዘይብሉ ህይወት ኢና ንነብር ዘለና” ኢሉ።
እቶም ብደገ ኮይኖም ኣብዚ ጎስጓስ ዝተጸምበሩ ሰባት’ውን፡ ከም ሓደ መጸናንዒ ናፍቖቶምን መጻኢ ባህጎምን እኳ ይጥቀምሉ እንተለው፡ ኣቓልቦ ዓለም ናብ ካልእ ቅልውላዋት ዘይሩ ብምህላው ዘለውሉ ጸገማት ንከይርሳዕ መዘኻኸሪ ክኸውን ዕላማ ዝገበረ’ውን ምዃኑ ይዛረቡ።
“ሕዚ’ውን እቲ እንሓልፎ ዘለና ክስምዑዎ ኣለዎም። ከምዚ ኢሉ ክቕጽል ክትርኢ የሕዝን’ዩ፤ ግን ኣብ ውሽጢ እቲ እነሕልፎ ዘለና ዝኽሪ ጽቡቕ ቃንዛ ዝብሃል ኣሎ። ሓጎስን ሓዘንን’ዩ ፈጢሩለይ፤ ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት’ዮም ካብ ቃንዛና እንፍወሰሉ መገዲ ክኾኑ ዝኽእሉ” ትብል ዳግማዊት።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኩሎም እቲ ኲናት ከእክል፣ ሰላም ክመጽእ፣ ዝተቛረጹ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ተመሊሶም ናብ ስድራቤቶምን መሓዙቶምን ዝተሓዋወስሉ ግዜ ክመጽእ ይብህጉ።
“ሕዚ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ናይ ስነ ልቦናውን ኣካላውን ማእሰርቲ’ዩ ዘሎ ኢለ እየ ዝኣምን” ዝብል ጎይትኦም፡ እዚ ክሳብ ዝሓልፍ እንተሓጋገዘሉ ጽቡቕ መንፈስ እንፈጥረሉ ነገር ክንገብር ኣለና። ኩሉ ክኽፈት እንከሎ እዚ ሕዚ እንሃንጾ መንፈስ እዩ ዓድና ደጊምና ንክንሃንጽ፣ ስድራና ክንሕግዝ፣ ኣሕዋትና ናብ ቤት ትምህርቲ ክንመልሰ ንኽእል” ኢሉ።