ተጋሩ ካብ ሕሉፍ ታሪኽናስ ንማሃር ዶ?
ብወገነይ ከም ሓደ ትግራዋይ ስቓይ ዓደይን ሕዝበይን ሳአን ምስትውዓል ዘየድልይ ሓሳረ መከራን ሽግርን ብርሰት ዘርኢ ትግራዋይን እናርአኹን እናሰማዕኹን ዋላኳ ሰላምን ድቃስን እንተስአንኩ እቲ ክበሃልን ክዝረብን ዘለዎ ካብ ምባል ግን ንድሕሪት አይክብልን። እቲ ምንታይ? ክንብሎን ክንገብሮን ከም ውልቀሰብ ይኹን ከም ማሕበረሰብ ክንገብር ስለ ዘይከኣልና ዜግነታዊን ሰብአዊ መሰልናን “ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ” ኣሕሊፍና ስለዝሃብና ናብዚ እንርከቦ ዝወረደ ብርኪ በፂሕና አለና።
ትግራዋይነት ማለት ሱቕ ኢልኻ እትጃሃረሉን እትኹፈሰሉን ማንነት እንተይኮነስ ብዘለካ ዓቕም፣ ጉልበትን ሃፍትን ክሳብ ናይ ሂወት መስዋእትነት እትኸፍለሉ ኽቡር ማንነት ስለዝኾነ ብትግራዋይነተይ እሕበን።
ከምቲ ነብስሄር ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ዝበሎ ነዚ ህዝቢ እዙይስ 7 ጊዜ ዝምወት እንተዝኸውን እውን እትሞተሉ ህዝብን ማንነትን እዩ። ያዒስ ኣንታ ኽቡር ሕዝበይ ብስጡም ቃልስኻን ሓድነትኻን አብ ውሽጢ ትግራይ ዕሸላት መናእሰያትኻ፣ ዋዕሮታት ደቅኻ፣ ሓረስታይ ምስ ሙሁር፣ ዓብይ ምስ ንኢሽተይ፣ ሰብአይ ምስ ሰበይቲ፣ ካብ ጀነራላት ክሳብ ተራ ተጋደልቲ፣ አብ ዳያስፖራ ዘለው ኹሎም ደቅኻ ሓቢርና ምእንተ መንነትናን ምእንተ ኽብርቲ መሬትና መሬት ትግራይን ህዝባን ምስ ጸላእቲ ንረጋረግ አለና።
ቃልስና ድማ እንሄ ጸላእትና መጨበጢ አስኢናዮም ዓለም ብዓለማ “ኣንታ እንመን እዮም እዞም ህዝቢ እዚኦም” ካብ ምባል ሓሊፎም ሚዲያታት ዓለምን ዓለም ለኸ ትካላትን ከምኒ ሕቡራት መንግስታት፣ ሕብረት ኣዉሮፓ፣ ዓለም-ለኻዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ናይ ዓለም ጥዕና ተራድኦን ናይ ዓለም ቀይሕ መስቀልን አጀንዶኦም ትግራይን ሕዝቢ ትግራይን ካብ ዝኸውን ሓያሎ ጊዜ ኾይኑ እንሄ፤ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ዋላ ዩክሬይን ጠመተኦም እንተወሰደት ማለተይ እየ።
እቲ ዝገርም እንኮ ድኽመትናን ክሳብ ሎሚ ክንእርሞ ዘይኻአልናን መበገሲ ውድቀትናን ምኽንያት እዚ ኹሉ አብ ርእሴና ዝወርድ ዘሎ መከራን ግፊዕን ድማ ቐንዲ ተጠየቕቲ ባዕልና ሙዃና የሕዝን።
ልክዕ እዩ መራሕቲ ሓደ ህዝቢ ብዘለዎም ግደ መሪሕነት ንውድቀት ኮነ ንዕቤት ሓደ ህዝቢ ዝለዓለ እጃም ይፃወቱ። ይኹን እምበር ክንርስዖ ዘይብልና እቶም መራሕቲ ፍረን ውጽኢት እቲ ማሕበረሰብን ስለዝኾኑ ንውድቀትና ፈላሞት ተሓተቲ ከም ማሕበረሰብ ትግራይ ተጋሩ ኢና ማለት እዩ።
እምበኣርከስ እዛ ጽሕፍተይ ንኽሽርጥጣ ዘላዓለኒ ዋና ምኽንያት ብዕለት 03/29/2022 “ቮይስ ኦፍ ተጋሩ” ናይ ዩቱብ ቻናል ዘቕረብዋ ሓንቲ ብተጋዳላይ ሓለፎም “ቸንቶ” ዝተፃሕፈት መልእክቲ ብትግራይ ቮይስ ዝተሓላለፈት ሓፃር ንባብ ምስሰማዕኹ ኩሉ እቲ ሓሳቡን መርትዖታቱን ስለዝፈተኹዎ ከምዘሎ ናባኻትኩም እናቕረብኩ ኣነ ነቲ ዝዘርዘሮ ጸገማት ተጋሩ ካብ ባህሪያት ውልቀ ሰባት ሓሊፉስ ድኽመትን ጸገም ማሕበረሰብናን ኮላይ እዩ ዝብል እምነት ስለዘለኒ እዘን 2 ሓሳባት ብምጥማር ”ተጋሩ ካብ ሕሉፍ ታሪኽናስ ንማሃር ዶ?” ብትብል ኣርእስቲ ሓሳበይ ክገልጽ ወሲነ። እሞ እንሄት እታ ናይ ሓውና ሓለፎም “ቸንቶ” ከምዘላ እናቕረብኩ ድሕሪአ ናተይ ሓሳብ ከቕምጥ እየ።
ንሕና ተጋሩ ንመዋእልና በብወለዶ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊልና ንኸፍል ዘለናስ ናይ ጸላእትና ሓያልነት ድዩ ወይስ aብ መንጎናን አብ መንጎ ራእስታትን ዝግበር ፍሕፍሕ ዝብል ንርአይሞ ነቲ ዝቕጽል ወለዶ ነምህሮ። ንኣብነት ሓደ ካብቲ ሓደ በሊፁ ንኽወጽእ ብዝገብርዎ ፍሕፍሕ “ክልተ ደቅኖ እንትባአሱስ ምስ ቐታሊ አቦኦም ይሓብሩ” ዝብልዎ ምስላ ተግባራዊ ገይሮም ሓደ ሓደ ተጋሩን አያታትናን ድማ ምስ ጸላእቶም እናሸረኹ ኣንጻር ረብሓ ዓዶም ትግራይን ብኣውርኡ ንምብራስ ርስቲ ዓዲ ኣቦታቶም ተሰሊፎም ትግራይን ህዝባን ዋጋ እንዳኽፈሉ መፂኦም አለው።
ንአብነት እንተወሲድና አብ ኩናት ደጃዝማች ስባጋድስን ራእሲ ማርዬን አብ እዋን ዘመነ መሳፍንቲ ገዛኢ ጎንደር ዝነበሩ ራእሲ ማርዬ ትግራይ ጠቕሊሎም ንኽገዝኡ አብ ልዕሊ ትግራይን ደጃዝማች ስባጋድስን ኩናት አዊጆም አብ ጸለምቲን ተከዘን ዝርከቡ ቦታታት ተቖፃጸሩ። ደጃዝማች ስባጋድስ መኳንንቶም ኣኪቦም ብዛዕባ እቲ ኹነታት መግለጺ ምሰቕረቡ ወዶም ደጃች ሓጎስ መሬት ጸበቦ። ኸምዙይ ድማ በለ፡ “ጸላኢ ሒዝዎ ዘሎ ሜዳ ናዓና ስለዘይምችወና አብ ጎቦታት ዓድዋ ዓሪድና ብምጽናሕ ነጥቓዓዮ” ዝብል ሓሳብ ኣቕረበ። ይኹን እምበር መኳንንቲ ትግራይ ስለዘይተቐበልዎ ናብ ከባቢ “ደብረ አባይ” ከይዶም ምስ ገጠሙ ደጃዝማች ሓጎስ ከምዝፈርሕዎ ሰራዊት ትግራይ ተሳዒሩ ደጃች ስባጋድስን ጅግና ደጃች ሓጎስን ዝርከብዎም መኳንንቲ ትግራይ ሃለቑ። ይኹንእምበር ጸላኢ ትግራይ ዝኾነ ራእሲ ማርዬ ብጅግና ደጃች ሓጎስ ክሳዶም ተሰይፎም ድሕሪ ሙማቶም ደጃዝማች ውቤ ንራእሲ ማርዬ ተኪኦም ትግራይ ብምቁጽጻር ከምቲ ሎሚ ኢሊታት አምሓሩን ሻዕብያን ሕዚ ዝገብርዎ ዘለዉ አብ ልዕሊ ተጋሩን ትግራይን ብኣንደበት ወዲሰብ ተነጊሩ ዘይውዳእ ግፍዕታትን መከራን ፈጸሙ። እዙይ ሳኣን ምድምማጽን ምልዛብን መኳንንቲ ትግራይ ዝተፈጥረ ጸገም እዩ ነይሩ።
ኻልአይ) አብ ሞንጎ ራእሲ ሓጎስን ራእሲ አሉላን ዝተገብረ ኩናት እዩ። ድሕሪ ሞት ሃጸይ ዮውሃንስ ፬ይ ሃጸይ ሚሊሊክ ድሕሪ ኩናት ዓድዋ ብሓደ መራሒ ትምራሕ ዝነበረት ትግራይ አብ ፪ ትግራይን ኤርትራን ኢሉ ብምምቓል ራእሲ መንገሻ ኣልዋሃ ምላሽ ወርዒ ምላሽ ራስ ኣሉላ ድማ ወርዒ ምላሽ መረብ ምላሽ ከማሓድሩ ንኽልቲኦም ሸይመሞም ድሕሪ ምኻዶም ራእሲ መንገሻ ግዝኣት ራእሲ ኣሉላ ናብ ዝኾነ ምዕራብ ትግራይ ንራእሲ ሓጎስ ሸይሞሞም ራስ አሉላን ራእሲ ሓጎስን አብ ጊዜ ሃጸይ ዮውሃንስ እውን ኣብ ሞንጎኦም ዘይምቅድዳው ምጥምማት ስለዝነበሮም ራእሲ አሉላ ንምንታይ ናብ ግዝአተይ ትአትዉ ብምባል አብ “ዓቓብ ሳዓት” ዝባሃል ቦታ ብዝተገብረ ኩናት ራእስ አሉላን ራእሲ ሓጎስን ሕድሕዶም ከንቱ መስዋእትነት ኸፈሉ።
ናይዞም 2 መራሕቲ ትግራይ ሞት ንመንግስትነት ሽዋ መሰረት ዘደልደለ እንትኸውን ንሓይሊ ትግራይ ድማ ናብ ሓመድ ድበ ዘእተወ ነይሩ። እዙይ ሳኣን ጉዳይካ ብሰላም ምፍታሕን ምልዛብን ዝተፈጥረ ግብዝነት ነይሩ። ብሰንኪ እዙይ ድማ ትግራይን ተጋሩን ታሪኻዊ ውድቀት ኣታኣናጊድና ክሳብ ሎሚ ዋጋ የኽፍለና ኣሎ።
ሳልሳይ) አብ ሞንጎ ደጃዝማች ገብረስላሴን ራእሲ ስብሓትን ዝተኻየደ ኩናት እዩ። ሳዕቤኑ እውን አብ ከባቢ መወዳእታ ንግስነት ሃጸይ ሚሊሊክ ትግራይ ብራእሲ ስዩም መንገሻ፣ ብራእሲ ስብሓትን፣ ብደጃች ገብረስላሴን ትማሓደር ከምዝነበረት ይግለጽ። አብቲ እዋን ብታሓባባርነት 3ቲኦም መራሕቲ መኳንንቲ ትግራይ መንግስትነት ትግራይ ንምምላስ ክዳለዉን ንሃጸይ ሚሊሊክ አይንግብርን ክብሉ ወሰኑ። እቲ ውሳነ ደጃዝማች ገብረስላሴ ከምዘተሓባበርዎ ብምሽጢር ናብ ሃጸይ ሚኒሊኽ ቤተ-መንግስቲ ተላኢኹ ንደጃዝማች ገብረስላሴ ንምውጋእ ምድላዋት እናተገብረ ምዃኑ ፈተውቶም ካብ ቤተ-መንግስቲ ሓበርዎም። እዙይን ኻሊእን ዝወለዶ ጎንፂ ደጃዝማች ገብረስላሴ ምስ ራእሲ ስብሓት ክሊቲኦም ተጋሩ አብ “ዓኾራ” ዝበሃል ስፍራ ኩናት ገጢሞም ራእሲ ስብሓት ምስ 2ኦም ደቆም ዘየድሊ መስዋእቲነት ኸፈሉ። ብተወሳኺ ራእሲ ስዩም ሰራዊቶም አኽቲቶም “ብገራዓልታ ፅጌረዳ” አቢሎም ብምኻድ አብ ኸባቢ ዓድዋ ምስ ደጃች ገብረስላሴ ውስን ኩናት ምስገበሩ ደጃዝማች ገብረስላሴ ናይ መኳንንቶም ድጋፍ ስለ ዝሳአኑ ኤርትራ ናብ ዝርከብ ጣሊያን ብምኻድ ብዕርቒ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዜሮም አተው። ከምዝተለመደ ንሰ ንስኻትኻ ብምንኻስ ሓይሊ ትግራይ’ውን ተመናመነ።
ራብዓይ) ጎንፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብ1993 ዝተፈጥረ እዩ። እዙይ ናይ ትማሊ ታሪኽ ስለዝኾነ ናብ ዝርዝር ምእታው ስለ ዘየድልይ አብ ሞንጎ መራሕቲ ህወሓት ዝተፈጥረ እዛ እምባይ መን ይወርሳ ዝዓይነቱ ጸወታ ጓሶት እቲ ጸገም ናይ መን ነይሩ ንግዚኡ ብዘየግድስ ኣፈታትሑኡን መቐጸልትኡን ትኽክል ስለዘይነበረ ሓይልና ጎዝዩ ኣደዳ ፈተውቲን ጸላእቲን ገይሩና ዋጋ የኽፍለና አሎ።
ሓምሻይ) ድሕሪ ሞት ቐዳማይ ምኒስተር መለስ ዜናዊ ዝተፈጥረ እዩ። ድሕሪ ሞት ቐዳማይ ምኒስተር መለስ’ውን እንተኾነም ንጉስ ንህቢ ከምዘይብሉ ኣውራ ዝሰኣነ ውድብ አብ ሞንጎ ሌጋሲ መለስ ክነስጉም ኢና ዝብሉን ንቲ ኹነታት ዝምጥን ኣሰላልፋ ንግበር ባሃልቲን ንንባዕሉ እንዳተናቖተን ተጎጃጂሉን ሕዝብና ናብዚ ገጢሙና ዝንሄ ብሄራዊ ውርደት ዳሪጉና እዩ።
ብሙዃኑ ኣብዙይ ዘለናሉ እዋን እውን እንተኾነም ምስ ህወሓት ቒም ዝነበሮምን ንኸብዶም ዝነብሩ ተጋሩ አብ ጎኒ እቲ ከም ሕዝቢ ብመንነትና ከም ማሕበረሰብ ከጽንተና ከብርሰናን አብ ዓለም ዘየለን ዘይተገብረ ግፍዒ ዝፈረደልናን ዘራያት ጸዊዑ ድምጽና ናብ ዓለም ከይነስምዕ ሚድያታትና፣ ስልክና፣ ኢንተርኔት፣ መብራህቲን ማይን አጥፊኡ አብ ጸልማት ናይ ዘርኢ ምጽናት ኣዋጅ ዝአወጀልናን ንዘበናት ዘፍረናዮ ሃፍቲን ጥሪትን ብምቅጻልን ብምዝራፍን ብጥሜትን ብሕማምን ከጽንተና ዝተላዕለ ፋሽታዊ ጉጅለ ተጋሩ ኾይኖም ካብ ጀነራል ክሳብ ተራ፣ ካብ ልሂቅ ክሳብ ደቂቅ ሰብ ተሰሊፎም አንፃር ረብሓ ሕዝቦምን ዓዶምን ዝተሰለፉ ዕኑዳት ንርእይ አለና።
እዙይ ከይኣክል አብ ክንዲ ህዝብና ሰብአዊ ሓገዝ ክረክብ መንገዲ ክኽፈት፣ አራዊት ኤርትራ ካብ ዓድና ክወጽእ፣ ዝተፈጸሙ ናይ ኩናት ገበናት ብዘይ ሻራዊ ወገን ክምርመር፣ ሕዝብና አብ ባንኪ ዘቐመጦ ሃፍቲ ኣውፂኡ ንኽጥቀምን መሰል ተጠቀምቲ ጉዳያትን ህዝብናን እናነገርና ክንምክት ብሓደ ድምፂ አብ ክንዲ ምጉዋሕ ሙሁራት ሓይልና ነንባዕሉ ክባላዕ እንትትርኢ ብጣዕሚ የሰክፈካን የጉህየኻን።
እዞም ዝተጠቕሱ ኣብነታት መርትዖታት ተጋሩ ካብ ቀደም ጀሚሩ እናወደቕናን እናተሳእናን ዝመጻእናሉ ታሪኽ ንሎሚ ትምህርቲ ክኾነና እንተዘይኪኢሉ አብዚ እዋን ተፈጢሮም ዘለው ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ፈተናን ህልውናናን ተጋሩ ብግቡእ ተረዲእና ንመኸተና ዕንቅፋት ክኾኑ ዝኽእሉ ብፍላይ ብፍላይ ዘይምድምማጽ፣ ህልኽ፣ ኣነነት፣ ናተይ ዘረባ ይዓብይ፣ ወይ አነ ዝበልኩዎ ይኹን፣ ህፀፅን ቅንእን ዝበሉ ጠንቅታት ትግራዋይነት ካብ ሱሮም ተማሒዎም ክንቀሉ ኣለዎም።
አብ ኩናት ሓይሊ ሚዛን ወሳኒ ትርጉም አለዎ። ሓይሊ ሚዛን ድማ ቕድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን አብ ዓላማ እቲ ኩናት ይምስረት። ህዝቢ ትግራይ ዝሓዞ ዓላማ ሕዝባዊ ኩናት ከምቲ ጀነራል ጻድቃን ዝገለፆ እኒ በዓል ኣብይ ቓልስና ሕዝባዊ ንግበሮ ዝብልዎ ሱቕ ኢልካ ኣብ ጥራሕ ሜዳ ዝቕዳሕ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ብዙሓት ብድሆታት ዝሓለፈን ትርጉም ህዝባዊ ቓልስን ዝፈልጥን እዩ። ዋላ እቲ ዝነበረ 17 ዓመታት ዝወሰደ ቓልሲ እንተወሲድና ስነ-ኣእምሮ ክጸሮ ዝኽእል እዩ ኢልካ ዘይትግምቶ ጼሩ እዩ ሰጊሩ።
ኣጋጣሚ ድዩ ኮነ ተባሂሉ ዋላ’ኳ ኣይፍለጥ ኣብቲ ፈተናታቱ ተላፈንቲ ሓይሊታት ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ 1977 ዓ/ም ድርቂ እንትመጽእ ወልቀ መላኺ ኢሳያስ መንገዲ ዓጺዉ ብኻሊእ ገጽ ደርጊ ቐትርን ለይቲን ነፈርቲ ኣሰሊፉ ናብ ካሊእ ኢትዮዺያ ተበተኑ ወይ ድማ ክትጠፍኡ ኢኹም ኢሉ።
ተጋሩ ኻዓ ሂወቶም ከድሕኑ ብመርሕነት ውድብ ህወሓት ብሩባሩባ ብደጀናን ዳንሻን ጌሮም ንሱዳን ኣምርሑ። ክወልዳ ማዓልትታት ዝቐረየን ነፍሰጹር ኣዴታት ብጻምእ፣ ድኻምን ጥሜትን ኣብ ፈቖዶ በረኻ እንትሞታ ቖልዑ ኣብ ማእገር ወለድን ተጋዳላይ ይሞቱ ነይሮም። ካብ መንገዲ 30 ሰብ እንተተላዒሎም ብሂወት ዝበጽሑ ካብ 15 ኣይበልጽን ነይሩ። እዙይ ክትሽከሞስ ይቅረይ ክትሰምዖ ዝኸብድ መከራ ሓሊፉ ኣብ ትግራይ ብነፋሪት ክልተ ሰለስተ ጊዜ ዘይነደደት ቑሸት የላን።
ነፋሪት ዝደርበየቶ ቑምቡላ ሓቘፎም ዝነደዱ ህጻናት አለው። 2500 ወገናት ብሓንቲ ጽሓይ ዝሰኣናሉ ደብዳብ ሓውዜን ተሸኪሙ ዝመጸ ማሕበረሰብ እዩ ትግራዋይ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ነዚኦምን ከምዚኦም ዝበሉ ብድሆታት እናጠሓሰ ዝመጸ ማሕበረሰብ እዩ። አብ 6ይ ወራር ኣብ ኣልዓሳ ዝተኻየደ ኩናት ተዋጋእቲ ሄሊኮፕተራት ንመጀመርያ ጊዜ ተራእየን፤ ኣብ ሰማይ ኮይነን ብሬን ብርእስኻ ዝትኩሳ እየን። ሽዑ ዝነበረ ንኽልተ ሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሐ ኩናት ብስነ-ኣእምሮ ከቢድ እዩ ነይሩ። ከምዚኦም ዝበሉ ፈተናታት ፈንጺሕና ኢና መፂእና። ህዝቢ ትግራይ እዚ ኹሉ ወረራትን ፈተናታትን ጥሒሱ መጨረሻ ግን ዓወት ናቱ እዩ ዝገብር።
ሕዚ ፍሉይ ዝገብሮ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሕዚ ከምቲ ናይ 1983ዓ/ም ዝተላዕሎ እንተተላዒሉ ከምቲ ናይ 83ዓ/ም ኣዲስ ኣበባ በፂሕኻ ንምምላስ ኣይፍትንን፤ ክሳብ መወዳእታ ክኸይድ እዩ። ስለዚ ሳአናዮ ሎሚ ረኸብናዮ ኢሉ ዝተላዕለ ሓይሊ ትምክሕቲ አሎ። ትምክሕቲ ድሕሪ ሎሚ ቦታ ኣይህልዎን ዝብል መደምደምታ’ውን ወሲዱ እዩ። ስለዚ “30 ሚሊዮን አለና ካብዙይ እቲ 5ሚሊዮን ነቲ 5 ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ እንተጥፊኡ እቲ 25 ሚሊዮን ብነጻነት ይንበር” ዝብል ድሌት ኣምሓራ አሎ። ድሌት ሓደጋ ዝኸውን ድማ ዓቕሚ እንተሃሊእዎ እዩ። እምበር ድሌት ሃሊኡካ ኣፍካ ከፊትኻ እንተዋዓልኻ ዋላ ሓንቲ ክትገብር ኣይትኽእልን። ስለዚ ዘሎን ዘየለን ዓቕሞም ጸንቂቖም ዝወፍሩ ዘለው እቲ ድሌቶም ሰማይ ስለ ዝበፅሐ እዩ። ምስቲ ድሌቶም ዝኸይድ ዓቕሚ ግን የብሎምን። ስለዚ እቲ ዘለካ ዓቕሚ ጸንቅቕ አቢልካ ክሳብ መወዳእታ ምኻድ እቲ ድሌት ዝጎቶ ነገር እዩ። ድሌቶም ድማ ህዝቢ ትግራይ ምጥፋእ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ከምዘይጠፍእ የርእዮም ኣሎ። እታ ዘላ ክትዕ እታ ድሌት ክትረዊይ ኣይካኣለትን እዩ። እቲ ልፍንቲ ህዝቢ ረጊጹ ክነብር ዝደልይ ሓይሊ ፎርማጆ በሎ ኢሳያስ በሎ አብይ ኩሎም ንህዝቢ ረጊጾም አብ ስልጣን ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት እዮም።
ኣብ ስልጣን ንኽትነብር ድማ ኩሉ ዘለካ ክተርክብ ኣለካ። ስለዚ እቲ ሕዚ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ነቲ ዘለዎም ሸውሃት ንምርዋይ ዝኽእልሉ ብሕታዊ መንገዲ እቲ ዘሎ ህዝቢ ክሳብ ዝሃልቅ ምጭፍጫፍ እዩ። ሕዚ ኣብይ ሰላም ጸሊኡ አይመስለንን ሰላም ክመርጽ እንተኾይኑ ሓይሊ ትምክሕቲ እሺ ክብልዎ አለዎም። ትምክሕተኛታት ኣምሓሩ ሰላም ኣሽንኳይ ክኣትዉዎ ክሰምዕዎ ‘ኳ ኣይደልዩን።
ዝተዛረብዎ ዘረባ ማዕጾ ኾይኑ ንድሕሪት ኣይምለሱን። ጨሊጥካ ምዝራብ ኒሕ ዝመስሎም ብዙሓት ትምክሕተኛታት ኣለዉ። እዙይ ግን ጽልሙትነት ኣእምሮ ዝወለዶ እዩ። ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ መማረፂ አለዎ። ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ይሓስብ እዩ። እዚኦም ግን ከምዙይ ዓይነት ኣታሓሳስባ የብሎምን። ህዝቢ ትግራይ ተዛሪብካ ዝጠፍእ እዩ ዝመስሎም። ስለዚ ኸምዙይ ዓይነት ዝጸንቀቐ ጽንፈኛ ዘረባ ንድሕሪት ተመሊሶም ምኽንያታዊ ንክኾኑ ዘየግብር ደንቁርና እዩ። ክሳብ ሕዚ ኣብ ሚዲያታቶም ዝብልዎ ዘለዉ አዋጅ ጀኖሳይድ ብዙሕ እንተተዛሪቦም ብዙሕ ኣጥፊኦም ዝሓድሩ እዩ ዝመስሎም። ዳንኤል ክብረት “ካብ ሕሊና ኽነውጽኦም ኣለና፡ ሰብ ከምዘይዝክሮም ክንገብር አለና” ክብል ከሎ ንሕና ከምኡ ንኸውን ዘለና እዩ ዝመስሎ። ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ዝብልዎ ዘለው ኣይመስሎምን። ስለዚ ብኸምዙይ ዝበለ ገልጠምጠም ኩናት ምስዓር ኣይከኣልን። ህዝባዊ ምግባር ውን ኣይከኣልን። ክብል ተጋዳላይ ሓለፎም ቸንቶ መልእኽቱ ኣሕሊፉ ኣሎ። ብትግራይ ቮይስ ዝተሓላለፈት።
አነ ድማ ብወገነይ ብኻሊእ ኩርናዕ ክገልጽሞ ትግራዋይ ብዝአመነሉ መንገዲ፣ንዝአመነሉ ዕላማ፣ ዝተፈላለዬ ሓሳብ ብምምፃእ ሕዝብና ምምሃር ግደ ኹሉ ትግራዋይ እዩ ኢለ እዬ ዝአምን። ከምቲ ታሪኽ ትግራይን ተጋሩን ሎሚ ሎሚ ዝነግረና ዘሎ፣ናይ ብሓቂ አብ ልዕሊ ሕዝቢ ትግራይን፣ አብ ልዕሊ መሬት ትግራይን፣ዘይተዘርበ እምበር፣ ዘይተገብረ የለን ኢልና እንተደምደምናዮ ይሓይሽ። ጸላእትና እዙይ ዝመስል ግፍዕን በደልን እናደጋገሙ ንአማኢት ዓመታት እንትፍጽሙ፣ ነዚ በደልን ሓሳረ መከራን እዙይ ዝቕበል ማሕበረሰብን፣መራሕቲ እዚ ማሕበረሰብን ድማ አንሄዉ። እሞ ንምንታይ ዳአ?
ክሳብ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ 1967 ዓ/ም ዝነበረ ፊውዳላዊ ስርዓት፣ ብገዛእቲ መደብ ዝሽየምን፣ ብደምን ብውርስን እናተአሳሰረ ዝማሓላለፍ፣ ወይ ሓደ ባላባት ንቲ ኻሊእ ባላባት ብዄናት ስዒሩ ንባዕሉ መራሒን፣ገዛዒን እናኾነ ይመጽእ ስለዝነበረ፣ ሕዝባዊ ስርዓት ይኹን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት አይነበረን፣እንተነበረውን ከምናይኒ ሃጸይ ሃይለስላሴ “ንጉስ አይኽሰስ፣ሰማይ አይሕረስ” ዝዓይነቱ ስለ ዝነበረ፣ ከም ሕሉፍ ታሪኽ ፣ ኻብኡ ተሞኩሮ ብምውሳድ ንኽንማሃረሉ ጥጡዕ ባይታ ይኾነልና እዩ ኢለ ይአምን።
ኻሊእ እቲ ዘበን ባዕሉ ሃይማኖትን ፖለቲካን መገልገሊ ውልቀ ሰባት ዳአምበር መብዛሕትኡ እዋን ንቲ በዝሒ ኽፍሊ ማሕበረሰብ ዝጠቅም አይነበረን። ብቐሊሉ አብ ዓድና ትግራይ አብ ውሽጢ ሓንቲ ወርሒ፣ኻፍቲ ዝስርሖ፣ ብሹም ሃይማኖታዊ ባዓላት፣ዝዝከረሉን ዝብለዐሉን ማዓልቲታት ይበዝሑ ነይሮም።
ንአብነት ባዓላት ከምኒ ስላሴ፣ሚካኤል፣ አቡነ አረጋዊ፣ ኪዳነ ምሕረት፣ ገብርኤል፣ ባአለ ማርያም፣ባአለ እግዚአብሄር፣መድሃኔ አለም ወ.ዘ.ተርፈ እናተባሃለ፣ እቲ ሕብረተሰብ አብ ልዕሊ ማሕረስ ልፍንትን፣ሓረስታይ ርባዕን, ሰሪሑ ኹላይ ናብርኡ ከማሓይሽ ዝኽእለሉ ዕድል ተነፊጉ፣ ብስውር ድሌት ገዛእቲ መደብን፣ፖለቲከኛታትን አብ ውሽጢ ሰፍ ዘይብል ድኽነትን፣ድንቁርናን ተሸሚሙ እዩ ነይሩ። ከም ግዚኡ “ዝበረቐት ጽሓዬ፤ዝነገሰ ንጉሰይ”እናበለ ይነብር ከምዝነበረ ታሪኽ ይነግረና።
ድሕሪ ዓወት ናይ 17ዓመት ብረታዊ ቓልሲ አብ ዝነበረ ጉዕዞ ትግራይ፣ልዕሊ 65ሺሕ መስዋእቲ ዕሸላት መናእሰይ ትግራይ፣ልዕሊ125 ሺሕ ዉጉአትን አካሎም ቤዛ ሕዝቢ ትግራይ ዝገበሩሉ፣ ቓልሲ ሕዝቢ ትግራይ ምስተዓወተ፣ዋላኳ እቲ ሓርነታዊ ቓልሲ ሙሉእ ንሙሉእ መሬት ትግራይ ነፃ የውጽእምበር፣ እቲ ቓልሲ ግን አብ ትግራይ ጠጠው አየበለን። ኢ.ሕ.አ.ዲ.ግ ብዝብል ሓዱሽ ውዳበ፣ ንደርጊ ኻብ ማሓውሩ በንቒሩ ኢትዮዺያ ነፃ ብምውፃእ፣ብሓዱሽ ፌደራላዊ ስርዓትን፣ ሕገ መንግስቲን ብምርቃቕ ኢትዮዺያ ንልዕሊ 25 ዓመታት ብምምራሕ እዛ ሃገር ካብ እትፍለጠሉ ናይ ድኽነት ተምሳሌት “አብ ዲክሽነሪ” አውፂኦም፣ ናብ ናይ ዓለም አብ ዕቤት ዘላ ሃገር ተምሳሌት አዕቢዮማ እዮም።
ትግራይ ድማ እዘን ሎሚ ሓደ ብሓደ ቆፂሮም ዘዕነውወን ትካላት፣ከምኒ አልመዳ ጨርቃጨርቒ፣ ሳባ እምነበረድ፣ አዲስ መድሃኒት፣መሰቦ ስሚንቶ፣መስፍን ኢንጅነሪንግ፣ ዓይደር ሆስፒታል፣ መቐለ ዮኒቨርስቲ፣ሓወልቲ ሰማእታት ወ.ዘ.ተርፈ ዝበሉ ውጽኢት ፍረ ቓልሲ ሕዝቢ ትግራይ ተሃነጹ።ትግራዋይ ድማ እቲ ሓዱሽ ሃዋሁው ሰላምን ልምዓትን እናጣዓዐመ፣ መስዋእቲ ደቑን፣ እሕዋቱን፣ አሓቱን ትርጉሙ እናተረደአ መጸ።
ይኹንምበር ሕዝቢ ትግራይ ንኽልተ ዝገምዐ፣ምግምማዕ ህ.ወ.ሓ.ት ተፈጥረ። እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ልምዓት፣ ሓድነት፣ ጽንዓት ተጋሩ አንፈቱ እናስሓተ፣ ወገናዊነትን፣ ምጉጅጃልን፣ ብሕታውነትን እናዓምበበ፣ ሕድሪ ስውአት ብአፍ ዝፍከር፣ ተግባርነቱ እናቃሃመ፣ ክንርእይ ጀመርና። ውጽኢቱ ድማ ከምቲ ዝተገብረ ናይ ሓርነት ቓልሲ እንተይኮነስ፣ በቲ ንሶም ዝደለይዎ መንገዲ፣ ወይ ብፍቓድና፣ ወይ ተገዲድና፣ ወይ ብጥቕማጥቕሚ፣ ወይ ንዓይ አይኽፋአኒ እምበር እንታይ ገዲሹኒ ? ኢልና መሰልናን፣ ውጽኢት መስዋእቲ ዕሸላት መላምል ትግራይ ሓንሺሽናዮ ኢና እንተበልኩ ዝተጋገኩ አይመስለኒን።
ዋና ክንማሃረሉ ዝደለኹዎ ነጥበይ፣ ውልቐ ሰባት፣ ወይ ውድብ፣ ወይ መንግስቲ፣ ከም ማሕበረሰብ ትግራይ ብሓፈሻ ዝገበርናዮ ጌጋ፣ ርኡይን ዝተገብረ ፍፃመን መርትኦን ብምውሳድ፣ እሞ ድማ አነም ከም ሓደ ትግራዋይ ዝነበርኩዎ፣ ዝርአኽዎ፣ ምስክርነተይ እናሃብኩ፣ ዝተገብረ ጌጋ ከም መርቶኦ እዬ ዝገልጽ ዘለኹ። እቲ ማሕበረሰብ ድማ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፣ ተገዲዱ ይኹን ብፍቓዱ፣ እቲ ሕገ መንግስቲ ናይ ሃገሩ ዝፈቐደሉ “ሕገመንስታዊ መሰሉ” አሕሊፉ ዝሃበ ማሕበረሰብ እዩ። ብመርትኦ ንምቕራብ ዝአክል፣ከምዙይ ከገልጾ፣ ሓደ ዜጋ አብ ዝኾነ መንግስታዊ ቤት ዕዮ ከይዱ ዋኒኑ ምፍፃም መሰል አለዎ። ይኹንምበር ሓደ ውልቀሰብ መስርዕ አብ ክንዲ ዝሕዝ፣ ብቐጥታ መፂኡ ነቲ ሰልፊ ጥሒሱ ብምኻድ ጉዳዩ ፈፂሙ ይወጽእ። እቲ ተሰላፊ ጠጠው ከብሎ አይፍትንን። ወይ እቲ ግለሰብ ነቲ ሰራሕተኛ ዘመዱ እዩ። ወይ ይፈልጦ እዩ። ወይ ብጉቦ ገዚእዎ አሎ። ጉቦ ዝህብ ማሕበረሰብ ሒዝኻ፣ ጉቦ ተቐባላይ ክጠፍእ አለዎ ማለት ክልተ ዝጓነጽ ድሌት እዩ።
እቲ ኻሊእ ጸገም፣ ሕዝቢ ንመራሕቱ ከገልግሉኒ እዮም ኢሉ መሪጹ ናብ ስልጣን እንተምጽኦም፣ ተመረጽቲ ንቲ ዝአመኖም ሕዝቢ ብዘይምእማን፣ ሓላፍነት መንግስታዊ ስራሕቲ ብአዝማዶምን፣ብፈተውቶምን እናመልኡ፣ አብ ክንዲ ሓላፍነት መንግስታዊ ስራሕቲን ብፍልጠትን፣ ብብቕዓትን ዝምራሕ፣ ብሕኸኸለይ ክሓከልኻ ተወሪሱ ፍትሒን ርትዕን፣ተጓዲሉ ጥራሕ እንተይኮነስ ብኽነት ሃፍትን ሌብነትን፣ ግዕዙይ ምሕደራን ነጊሱ።
እዙይ ማለት መንግስቲ ነናብ ገዛናን ዕለታዊ ምንቅስቓስናን እናአተወ፣ሕግን ስርዓትን ክቛጻጸርን፣ክካታተልን አይኽእልን። ዜጋታት ከም ማሕበረሰብ አብ ልዕሌና ዝግበር ኢ_ሕጋውነት፣ ንባዕልና ንስርዓትን ሕግን ተገዚእና ክንካላኸል እናኻአልና፣ ውልቀ ሰባት አብ ልዕሌና ክብዕልጉን፣ ሕግን ስርዓትን እናጣሓሱ እናራአይና፣ ንመሰልና ክንጣበቕ አይካአልናን። ሕገ መንግስታዊ መሰልና፣ ብፍላጥ ወይድማ ብዘይፍላጥ አሕሊፍና ንህብ አለና።
መንግስቲ ኹላይ አንፈቱ እናሳሓተ፣ከይዲ ጉዕዞ ቓልሲ ሕዝቢ ትግራይ እናተጨውዬ ኮነ ተባሂሉ ብሜላ ብሕታውነት እናነገሰ መጸ፣ነገራት ንሕዝብን ንሓረሰታይ ትግራይን እናቐየሙ ምስ መጹ፣ንመጀመርታ እዋን አብ መበል 12ጉባኤ ናይ ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት ብአቦይ ቀሺ “ኻብ ጭላ” ይመስለኒ ምርር ኢሎም “ፍትሒስ አብ እግሪ ዳዕሮ ገዲፍኩሞ መጺእኹም”ሓረስታይ ትግራይ ደርሖ ሸይጡ ጉቦ ዝኸፍለሉ ስርዓት ፈጢርኩምልና፣ ማስቲካ እናሓየኹ ዝመርሑ መራሕቲ ጌርኩምልና። ወይ ብትኽክል ምርሑና፣ወይድማ ውድብና አረክቡና ! ኢሎም ንኽዛረቡ ተገደዱ።
ብናሃተይ ርድኢት ዋላኳ ውድብ ኮነ መንግስቲ ቐንዲ ዕላምኡ ስልጣንን፣ስልጣንን እንተኾነ፣ብፍላይ ድማ ነቲ ዝወከሎ ሕዝቢ ዘይግዛእ መንግስቲ ኾነ ውድብ መጨረሽትኡ ወዳቒ ምኳኑ ምርዳእ የድልይ።
ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት ኮነ መንግስቲ ትግራይ እቲ ቐንዲ ጌግኡን ድኽመቱን፣ ብተግባርን አብ መሬት ዘይራአይን ፖሊሲታትን፣ ሕገ መንግስቲን ብምርቓቕ ፣ ድጋፍ ዓለምን ንምርኻብ ተባሂሉ፣ እቲ አሎ ዝባሃል ውሕሉልን ዓሚቕ፣ ረብሓ ብሄርን ብሄረሰባትን መሰልን ጥቕምን ዝሓዘ ረዚን ሕገ መንግስቲ አርቂቑ ዘጽደቐ ምኳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኩሉ ብመሰል ወዲሰብ ዝአምን ዝሳማመዓሉ ሕገ መንግስቲ እዩ።
እቲ ጸገም ግን ክንደይ ሕዝቢኸ ይፈልጦ ? ሕዝብስ ይቕረሞ፣ ክንደይ ወከልቲ መንግስቲኸ ይፈልጥዎን፣ የኽብርዎን ? ብቲሕግስ ይግዝኡ ? እዩ እቲ ቐንዲ ሕቶ።
ሓደ መንግስቲ ቐንዲ መምዘኒኡ ብዘምዝግቦ ለውጢን ምዕባለን እዩ።ለውጥን ምዕባለን ከከም ርድኢትና ንረዳአዮ፣ልማዓት ቴክኖለጂ፣ኮንስትራክሽን፣ሕክምና ቁሳቁሳዊን፣ ልማዓት ማሕበረሰባዊ ስነልቦና፣ዜግነታዊ ሓድነት ፍቕሪ ሃገርን፣ሰፍ ዘይብል ፍልልይ ከምዘለዎም ዝሓለፉ ፭ዓመታት ምርአይ ይአክል።
ትግራይ ቕድሚ 40ዓመት አባይ ነይራ? ቕድሚ 20ዓመት አበይ ነይራ? ቕድሚ 5 ዓመት አበይ ነይራ? ሎሚኸ አበይ አላ? እዩ መምዘኒ ሓደ ሕብረተሰብ፣ ሓደ መንግስቲ፣ ሓደ ውድብ። እቲ ምንታይ ? ታሪኽና ስለዝኾነ፣ታሪክ ድማ ክትመልሶ ዘይትኽእል ዝተሰርሐን፣ ዝተፈጸመን፣ ዝሓለፈ ክስተት ስለዝኾነ። ትማሃረሉ እምበር አይትጃሃረሉን።
ንሕና ተጋሩ ብዙሕ ክንማሃረሎም ዝግባአና፣ ብግብሪ ዝተሰርሑ ዘኹርዑን ዘሕብኑን ታሪክ ከምዘለና ኹሉ፣ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ደጋጊምና እንሳሓሓቶም ውድቀታት ኮላይ አለዉና። ዝድሌቱ ይሰራሕ፣ ሎሚ ዘለናዮ ነባራዊ ትሕዝቶ ትግራይ፣ብዘይካ ህልውናና ኩሉ በሪሱን ጠፊኡን እዩ። ኻብዙይ ተላዒልና ድማ አበይ ኔርና? አበይ እንሄና? ናበይ ከ ክንኸይድ ንደልይ? ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ እቲ ቐንዲ ድኽመትና ኸ እንታይ እዩ? ኢልና መፍትሒ እንናድየሉ እዋን ንርከብ።
“ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ” እርግማን ድዩ ወይስ ዕጫና ኾይኑ ቕድሚ 40 ዓመት ዝነበረ ዓለማዊ ፖለቲካን፣ሎሚ ዝንሄ ዓለማዊ ፖለቲካን ሓደ ስለዘይኮነ ፖለቲካዊ ኸይዲ ትግራይ ኮነ፣ መሪሕነት መንግስቲ ትግራይ ውሽጡ ናይ ምፍታሽ ሓላፍነት አለዎ። ቕድሚ 40ዓመት ዝነበረኻ ፖለቲካዊ አታሓሳስባ ምስዚ ናይ ሎሚ ወለዶ፣ ብግዲ አንቓዕሪርኻ ኽተእምኖ አይትፈትን፣ ንአብነት ኻልአይ ቓልሲ ወያነ 17 ዓመት እንትወስድ፣ብወረርቲ ፋሽታዊያንን መላፍንቶምን ዝተገብረ ወራር ብ8ወርሒ ትግራይ ብአብዝሓ ሓራ ወፂአ። ንምንታይ ? ዝተማህረን፣ ምስቲ ግዜ ዝምጥን ወለዶ ስለ ዘፍረና። እሞኸ ብወታደራዊ ብቕዓትና ዓበይቲ ጀነራላትናን፣ደቖምን እሂን ምሂን ተባሃሂሎም፣ መስተንክራዊ ጀግንነት ብምፍፃም ዓለም እንተዛሪቦም፣ ፖለቲካዊ ብስለቶም ዳአ ንምንታይ ዝዕፈን? ኽንማሓየሽ ኢና፣ በስቢስና ኢና፣ ብሙስና ተጨማሊቕና ኢና፣ ብኔትወርክን፣ ብቤተሰባዊነትን፣ ጉጅላዊነት ተዘፊቕና ኢና ኢሉ ዝተነስሀ፣ መንግስቲን ውድብን ብኸመይን? ማዓዝን ዳአ? እዩ ክእረም መቸም ለውጢ ብሓደ ማዓልቲ ከምዘይመጽእ ዋላኳ እንተፈለጥና፣ ተናሓናሕቲ ውድባት ሓሳቦም ንኸይገልጹ፣ ሚዲያ እንተተኸሊኦም፣ ዝተአተወሎም ቃል እንድሕር ዘይኽበር፣ አነ ዝበልክዎ እዩ ዘዋጽአኩም እናተባህለ መንግስታዊ ዓፈናን፣ ተጠያቕነት ዘይብሉን ግፍዕታት እናተፈጸሙ እናተራአዩ፣ ስጉምቲ ዘይወስድ መንግስቲ፣ ማዓዝ ዳአ እዩ ክእረም ? እወ አብ ክንዲ ንዝፍጠሩ ኽፍተታት ብእዋኑ መፍትሒ ምድላይን ምእራምን፣ ሓሳቦም ንዝገለጹ ተጋሩ ባንዳታት፣ ደለይቲ ስልጣን፣ ተላኣአኽቲ እናበልኻ ሹም ምጽላም እንታይ ማለት እዩ ? እዙይ ዳአ እቲ ቐንዲ መለለይ ህ.ወ.ሓ.ት ንዝሓለፉ 20ዓመታት ተጋሩ ብምሽምቓቕ አፎም ክኸድኑን፣ ኻብ ፖለቲኻዊ መስርዕ ንኽንርሕቅን፣ ዝጥቀሙሉ ዝነበረ ሜላታት እንድዩ። አበይ ዳአሎ እቲ ክንቅየር ኢና ? ንዝቐረበ ጌጋ ብቕንዕና አብ ክንዲ መፍትሒ ምስ ዝምልከቶ አካል ምምይያጥ, ሓንቲ እዋናዊ መሸፈጢት ቃል እንሄቶ “አይግዚኡን” ንጸላእትና በሪ አይንኽፈተሎም፣ እናተባህለ ዝግበር ሸፈጥ ንትግራይን ተጋሩን ዝጎዝይ፣ እቲ ተፈጢሩ ዝንሄ ጥንኩር ሓድነት ንፋስ ዘእትው ከይዲ እዩ። ድማ ኻብ ብደገ ዝመጸ ጸላኢ፣አውሽጥና ከምቑርዲድ ጠቢቑ፣ ሂወት ዕሸላት መናእሰይን፣ሃፍተገነት ተጋሩን፣ ስነልቦናዊ ስብራትን ዘስዕበልና ዘሎ ግትር አነ ጥራሕ ባሃሊ ጸላኢ ይኸፍእ።
ሎሚ መንእሰይ ትግራይን፣ሕዝቢ ትግራይን፣ ዳያስፖራ ትግራይን, ብትግራዋይነቱን ብማንነቱን ንኸጥፍእዎ ዝመጹ ጸላእቱ ብትብዓትን ብወነን፣ ኩሉ ብዝኽእሎ ዝዓቕሙ ጌሩ ትግራይ እትባሃል ሃገር ናብ መድረኽ ዓለም ሰቒልዋ እዩ። መንግስቲ ትግራይ ብሕዝቢ ትግራይ ዝተመርጸ መራሒ ሕዝቢ ትግራይ እዩ። መንግስቲ ትግራይ አብ ትሕቲኡ 5 ውድባት ዝሓቖፈ ን5ቲኤን ብማዕረ ኽስተናግደን ሓላፍነት አለዎ። ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት ብሕዝቢ ን5ዓመት ዝተመርጸ ፖለቲካዊ ውድብ እዩ። ኮይኑ ግን እቲ ዝተለምደ ውድብን መንግስትን ዝተሓማዞቖሉ ፖለቲካዊ አሰራርሓ ክእረም አለዎ። ሓደ ሓደ ጊዜ ብልቕ፣ብልቕ ዝብላ ዘለዋ መርዛም ቓላት ካብ ካድረታት እዚ ውድብ፣ ሓደ ዝርስእዎ ዘለዉ ሓቒ (ሕዝቢ ትግራይ ህወሓት ዝባሃል ውድብ ፈጢሩ) እምበር(ህወሓት ንሕዝቢ ትግራይ አይፈጠረን) አነ ትግራዋይ እዬ። ንትግራዋይነተይ መረጋገፂ አነምበር፣ካርድ አባልነት ናይ ማንም ውድብ አየድልየንን። መንግስቲ ትግራይ ብናይ ሕዝቢ ግብሪ እናተኸፍለ ዝማሓደር፣ብሹም ሕዝቢ ትግራይ ዝፍለጥ ስለዝኾነ፣ መንግስታዊ ተበፃሕነቱ፣ዓቕሙ ብዝፈቐደሉ ኩሉ ብዘይሻራዊ ንኩሉ ትግራዋይ ማዕርነትን፣ ፍትሓዊነትን ብዝመልኦ ግልጋሎትን ምሕደራን ከባጽሕን፣ ክህብን አለዎ።
መንግስታዊ ትካላትን ሚዲያታትን ንኹሉ ትግራዋይን፣ብሹም ትግራይን፣ ንትግራይን ንሕዝባን ጠጠው ንዝበሉ ውድባትን፣ ሲቪክ ማሕበራትን ማዕረ ግልጋሎት ክውሃብ አለዎ። ፍትሓውነት፣ ንስሃ፣ ክንልወጥ ኢና ዝብል እቲ ቐደም እንፈልጦን፣ዝሰልቸወናን ብግብሪ ዘይትግበር ቃል፣ ብግብሪ ምርአይ ማለት ኻብዙይ ይጅምር።
ቴሌቭዥን ትግራይ ኾነ ንብረት ትዕምት ዝኾነ ድምጺ ወያነ ቴሌቭዥን፣ ንኹለን ውድባት ትግራይ ብማዕርነትን፣ ፍትሓውነትን ክጥቀማ እንትገብር፣ እቲ ቕድሚ መረፃ ዝተጣየሽ ናይ ውድባት ፎረም፣ ናብ ቅኑዕ ምይይጥን ልዝብን (ፕላት ፎርም) መድረኽ ተለዊጡ፣ ውድባት ትግራይ ንመንግስቶም ሓሳቦም ዝገልጽሉ ቕኑዕ ከይዲ እንትጅመር፣ ለውጢ ምርአይ፣ተለዊጥና ዝብል ንስሃ ተአማንነት ይረክብ።
እንተዘይ ኮይኑ ተለዊጥና ኢና ! አጥፊእና ኢና ! ብግብሪ ዘይትግበር ንስሃ የተዓዛዝበና ሎ። ዕቤትን፣ለውጥን ወዲ ሰብ ዕድል ሂብኻ ትመዝኖ። መናእሰይ ትግራይ ሂወቶም ንመስዋእቲ ንክኸፍሉ ጸዊዕኻን፣ ቀስቒስኻንስ አብ ፖለቲካዊ ውሳነ፣ ክተግልሎም ምፍታን ዓገብ፣ ንስኻ፣ ንስኺ እኮ ቐስ እናበልኩም ኢኹም ናብዚ ዘለኹሞ ደረጃ በፂሕኹም። እሞ እቶም ካባኹም ፍልይ ዝበለ ሓሳብ አለና፣ ትግራይና ንዓናውን ሃገርና እያሞ ሓሳብና ይሰማዕ። ንዝበሉ ተጋደልቲ ትግራይስ ሓሳቦም ዘይስማሉ ምኽንያትከ እንታይ እዩ?
ንስኻን ንስኺንኳ ጎቲትኹም ነዚ ሓሳረ መከራ ዘእተኹምና እናተሰማዕኹምስ ! ወሪድዎም ከጥፍኡናስ፣ ከልምዑናስ ዕድል ዘይረኸቡ መናእሰይ ምጉዛይን፣ ምዕፋንን ዓገብ። ወዮ ዳአምበር እቲ ጌጋ ናይ ማሕበረሰብ እዩ፣ ሕዝቢ መሰሉ ኽፈልጥ አለዎ። ኢለ ዝዛረብ ዘለኹም ነዙይ እዩ። አነ ከም ሓደ ትግራዋይ ካብ ስሕተተይ ክማሃር አለኒ። ማለት ሓሳበይ ንዓደይ ንትግራይ ዝጠቅም ምጽሓፍን ምቕራብን ስለዝኾነ፣ እንኮ ድሌተይን ባህገይን ትግራይ ዓደይ ዓዲ ፍትሒን ርትዕን፣ ሰላምን ራህዋን፣ ሓድነትን ስብአውነትን ዝነገሰላ ኾይና ምርአይ እዩ።
ንዓይ ኩሎም ውድባት ትግራይ ተጋደልቲ፣ብዝአምንሉን ብዓይኒ ፖለቲኮኦም “ሃፍቲ ሕዝቢ ትግራይ” እዮም ኢለ ይአምን። ብግለይ ውድብ ህወሓት በቲ ዘለዎ ናይ ቓልሲን ፖለቲካዊ ልምዲን ካብ አፍሪቓ ብሓዊ ተፈቲኑ ዝወጸ፣ ብፖለቲካ፣ ብወታደራዊ፣ ብዲፕሎማሲ፣ ብኢኮኖሚ ኮታስ ድልዱል መሪሕ ውድብ ስለዝኾነ እሕበነሉ እኾርሉ። ህወሓት ፖሊሲኡን አባላቱን አስተኻኺሉ፣ ትግራይ ብሕጊን፣ ብስርዓትን፣ ፍትሓዊነትን ተሓታትነትን ዝሰፈና፣ ብኔትወርክን ብመውስቦን፣ ብዘመድ አዝማድን እንተይኮነስ ብፍልጠትን፣ ብብቕዓትን ትሽየመላ ኾይና ኽሪአ እንድሕር ክኢለ፣ ውድብ ህወሓት ን100ዓመት እንተመርሓ ቕሬታ የብለይን።
እቶም ካልኦት ውድባት ስልጣን ብድምፂ ሕዝቢ ዝርከብ እምበር ብጸለመን፣ ብበለካ ለኽዐካን ዝርከብ ስለዘይኮነ፣ ለይቲን ቀትሪን ጽዒሮምን ደኺሞምን፣ ቑጽሪ አባላቶም ብምጥጣዕ አፍቲ ዝመጽእ መረፃ ዝተወሰነ ወምበር ረኺቦም፣ንቲ ዝምረጽ ውድብ ርእሲ ሕማም ክኾንዎ እንተዝሰርሑ ዝበለጸ እዩ እብል።
ትግራይ መርገም ድዩ ወይስ ዕጫና ኾይኑ፣ኻፍቲ ሓደ ሱር ዝሰደደ ምሕያውን፣ ምሕካምን አብዩና ዝንሄ በሰላ፣ብፖለቲካዊ ዕላማ ፍልልይ ማለት፣ ጸጋ ምኳኑ ዘይምፍላጥና እዩ። ፖለቲካዊ ፍልልይ እንትህሉ፣ተረባሓይ እቲ ማሕበረሰብ ምዃኑ፣ዝተረጋገዐ ፖለቲካ ንምፍጣር፣ሌብነትን ስርዓተ አልቦነት ንምጥፋእ፣ ተጠያቕነትን፣ ቅኑዕ መስርሕ መንግስታዊ አሰራርሓ ንምህናጽን፣ኽዕምብብ ይገብር።
እቲ ዋና ምኽንያት ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካ ውድባት ምህላወን፣አብ እዋን መረፃ እቲ ማሕበረሰብ ንዝመርፆም ውድባት፣ፖሊሲታቶምን፣ቃሎምን ብምስማዕ፣ ቃሉ ዘይፈጸመ ናይ ፖለቲካ ፖርቲ አብ ዝቅጽል ስለ ዘባርሮ፣እቲ ሎሚ ዘይተመርጸ ናይ ፖለቲካ ፖርቲ ድማ ዝወደቐሉ ምኽንያት ተረዲኡ፣ ንዝቅጽል ጌግኡ አሪሙ፣ ጌጋታት እቲ ተመሪጹ ዝንሄ ፓርቲ አነፂሩ፣ ንሕዝቢ ከመይ ጌሩ አእሚኑ፣ ንቲ ዝተመርጸ ፓርቲ ረቲዑ፣ ስልጣን ይሕዝ ኢሉ እብ ምሕሳብ፣ ተረባሓይ እቲ ባዓል ካርድ ሕዝቢ
እዩ።
ነገር ትግራይ ግን 30 ዓመት ብሓደ መስመር ዝበልናኻ ተቐበል። “ፈቲኪ ጸሊእኺ፣ አነ እዬ አቦኺ” ኾይኑና። ዘስልቹ ምስ ጊዜ ዘይኸይድ “ዱግማ” ፖለቲካዊ መስመር ትግራይን ተጋሩን፣ እቲ ኢና እናበልና ንዛረቦ ንውዕልን፣ እቲ ብግብሪ እንፍጽሞን፣ ዝርአይ ሓቕን ዘይቃዶ፣ ዘየለ፣ ሸፈጥን “ላም አለኝ በሰማይ ወተቷንም አላይ” ኮይኑና። ይአክል ! እዚ ሕዝቢ እዙይ ውዕለትኡ እዙይ አይኮነን!! ንልዕሊ 30ዓመት ስውር ወጽዓ “ሲስተሚክ ሪፕሬሺን” ተኻይድዎ እዩ። ጭራሽ ሎሚ ድማ አንፈቱ ከምዝጠፍኦ ፈረስ፣ አብ ድንግርግርን፣ ዕንክሊልን አቲናስ መውጽኢውን ዝጠፍአና ንመስል።
ትግራይ ናይ ኩሉ እያ ጸላእትና ከምተጋሩ ከጥፍኡና መፂኦም ኢልኻ፣ ሕዝቢ አዕሲልካ እንትተብቅዕ፣ አይ መንግስቲማ አነ እዬ፣ አይ አነኮ ዝተመረጽኩ እዬ። አይ መፍትሒማ አነ ዝበልክዎ ጥራሕ እዩ። እትብል መርሒነት መንግስቲ ትግራይ ዓገብ!!
ተናሓናሕቲ ውድባት ድማ ዘልአለም መንግስቲ ትግራይን ህ.ወ.ሓ.ት ናይ ጸለመን፣ እዙይ እዮም, ከምዙይ እዮም እናበልኩም 20 ዓመት ዝሰርሕዎ ጌጋታት ካብ ምጽብፃብ፣ ንስኻ ካብቲ ብሕጊ ዝተመርጸ መንግስቲ ኮነ ውድብ ብምንታይ ተሕይሽ ? አነ ንዓኻ ንኽመርጽ ናተይ ውሕስና ሕልውና፣ ውሕስና ስራሕ፣ ብኸመይ ትቕይሮ? ንስኻ ከም ውድብ ንትግራይ ብኸመይ ትቕይራ? እዩ ከምርጸኩም ዝኽእል። ካብ ሕሉፍ ጌጋኹም ተማሃሩ፣ መንግስቲ ሚዲያ ከልኪሉና፣ እናበልኻ ዓገግ ካብ ምባል፣ አባላትኩም ብዝረኸብክሞ አጋጣ አምህሩ፣ መልምሉ፣ ምስ ወፃእ ዘሎ ዳያስፖራ ረኽቢ ፍጠሩ። አብ ዳያስፖራ ዘሎ ትግራዋይ ብአባልነት ክትምልምሉ ፈትኑ። ጠ/ሚ መለስ አብ ሓደ እዋን ከምዝበሎ፣ ስልጣን እንካ ኢልኻ ዝዋሃብ እንተይኮነስ፣ ብቓልስኻ መንዚዕኻ ዝውሰድ እዩ። ንምሳሊኡ አብ ሕንዲ ሎሚ ንሕንዲ ዝመርሕ ዘሎ ፓርቲ፣ ቕድሚ 50ዓመት ናብ ፓርላማ ሕንዲ እንትአትው፣ 1ወምበር እያ ነይራቶ። ሎሚ ግን ሃገረ ሕንዲ ይመርሕ አሎ። በርትዑ አጆኹም፣ አጆና። ልቢ ኢልኩም ክትርኢዎን ክትርድእዎን ዘለኩም፣ አብ የትም ዓለም አምባገነናት ብፍቓዶም ዝህብዎን፣ ዘረክብዎን ወምበር የለን። የግዳስ ተደፊኦምን ሓሲሮምን እምበር። ትግራይ ንህ.ወ.ሓ.ት፣ንሳልሳይ ወያነ፣ ንባይቶና፣ ንውድብ ናጽነት ትግራይ፣ ንኢሮብ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ማዕረ እያ። ዘይምዕዳል ኮይኑ ግን ሚዲያታት ትግራይ ሓሻኽር መንግስቲን, ውድብን ኮይነን ዋላ ዕድል እንተኸልአኹም፣ መፍትሒኡ እንኮ ቓልሲን፣ቓልሲን ጥራሕ እዩ።እትህብዎን፣እትገብርዎን ዘለኹም ቓልሲ ቀሊል አይኮነን፣መንእሰይ ትግራይ ሓደ ኢዱ ጠበንጃ፣ሓደ ኢዱ ቤሮ ዝሓዘ ፖለቲከኛ ከምዝኾነ እናመስከረ ይመጽእ አሎ አጆና።ትግራይ ትስዕር
ሙሁር ትግራይ ኽሳብ ዝሓለፈ 5 ዓመት ንኡስ ከበርቴ እዩ እናተባህለ ተገሊሉ ነይሩ ንምንታይ ? እንድሕር ምሁር ትግራይ ብንኡስ ከበርቴ እንምድቦ ኮይና፣እቶም ንኡስ ከበርቴ ኢሎም ዝፈርድዎ ዘለዉኸ እንታይ እዮም ክባሃሉ፣እቶም መራሕቲ ኢና ኢሎም ሹም ዘውጽኡሎም ዘለው ደቒ ከበርቴን ደቒ በቲ እዋንእቱይ መብዛሕትኡ ትግራዋይ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽበሉ አብ ዘይኽእል መነባብሮ ኮይኑ ብድኽነት አብ ዝነብረሉ እዋን ውሱናትን፣ውሑዳትን ደቒ ውሑዳት ማሕበረሰብ ትግራይ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸቡ ዶ አይኮኑን እቲ ቓልሲ ጀሚሮሞ ? እሞዳአ መን እዩ ንመን ንኡስ ከበርቴ ክብሎ ? እዙይ ድማ ኻሊእ ጸገም ማሕበረሰብና ኮይኑ ኮነ ተባሂሉ ብቲ እዋን እቱይ ብዝነበረ ፖለቲካዊ ርድኢት ዝተፈጥረ ፍረጃ እንትኸውን፣ድሕሪ ምዝዛም ብረታዊ ቓልሲ ሕዝቢ ትግራይ ድማ ብዝከፍዐን፣ብተጸንዐን መስርዕ ቐጺሉ እዩ። አብዙይ ክላዓል ዘለዎ ሕቶ እቲ ሙሁርከ ትግራዋይ ዶ አይኮነን ? ዝብል ሕቶ ዝምልከቶም መራሕቲ ዝምልስዎ ሕቶ እዩ።
ኮይኑ ግን ዋላ መራሕቲ እቲ ዝተኻየደ ቓልሲ፣እቲ ንሶም ዝአመንሉ ፖለቲካዊ ምኽንያት ይሃቡሉ እምበር፣ እናዋዓለ እናሓደረ ፖለቲካዊ ኸይዲ ዓለም ብዘይኻ ሙሁርን፣ባዓል ሃፍቲን ክዕወት ከምዘይኽእል፣ ብጭቡጥ እናተራእዬ መፂኡ እዩ። ከምኡውን አንፈት ዓለምና ብቴክኖለጂን፣ሳይንስን እናማዕበለ እንትኸይድ፣እቶም ትማሊ ሹማሹም እናወጾም ተደፊኦምን ተገሊሎምን ዝነበሩ ሙሁራትን ሰብ ሃፍቲ( ከበርቴታት)መራሕቲ እዛ ሎሚ ንርከበላ ዘለና ዓለምና ኮይኖም ንርኢ አለና።
ዓለም ብሙሁራትን ሰብ ዋና ሃፍትን ናብ ሓደ ናይ ዓለም ዕዳጋ እናመጸት እትርከበሉ እዋን በጺሕና እንሄና።አፍቲ እዋን እቱይ ሙሁር ዝተገለለሉ ቐንዲ ምኽንያት ግን ከምቲ ፖለቲከኛታት፣ ከም ምኽንያት ኢሎም ዘቕርብዎን፣ ዝትንትንዎን እንተይኮነስ፣ ዝምነይዎን ፖለቲካዊ ረብሕኦም ንምስጓም የገልግለና ኢሎም ዝአምንሉ ማሕበረሰብ ለልዮም ብድኽመታቱ አቴዮም፣ አእምሩኡ ብቲ ዝደልይዎ መስመር ምሕፃብን፣ ንምንታይ ኢሉ ኽሙጉቶም ዘይኽእል ሕብረተሰብን ምፍጣር ነበረ።
እዙይ ድማ አብ ትግራይና ብስራሕ ተተግቢሩ፣ትግራዋይ ብአባልነትን ውድብን፣ብሓደ ንሓሙሽተ ዝብል ጥርናፈን ተጠፍኒጉ፣ ትካል ኮነ ልቓሕ ንምርኻብ ሌላን ጉሌላን እናወጾ፣ እቲ ሓደ እንትበልዕ፣እቲ ሓደ እናጠመየ፣ እቲ ሓደ እንትህፍትም እቲ ሓደ እንትደክይ፣ ትግራዋይ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ብዕምቀት መሰሉን፣ግዴትኡን ብንጹር እንተይፈለጠን፣ ብዝግባእ እንተይተማህረን፣ ትርጉም ሕገ መንግስት ዘይፈልጥ ማሕበረሰብ ፈጢርኻ፣ ሕገ መንግስትና ይከበር እናበለ ክጭርሕ ተገብረ።
እቲ ሙሁር ድማ ስራሕቲ መንግስቲ ኮነ፣ሃገራዊ ናይ ዜግነት ግዲኡ ሳአን እሺ ጎይታይ ምባሉ መሰሉ ተነፊጉ፣ ሓሳቡ ተረጊጹ፣ ክሳብ ምሽቑራርን፣ማእሰርትን ስደትን ድማ እጫ መነባብሩኡ ኮነ። እዙይ እዩ ቓልሲ መስዋእቲ ተጋሩ፣ ትግራይና ንኽልተ ተኸፊላ ደቒ አሚንን፣ ደቒ ውሽማን ዝዓይነቱ ስርዓተ ምሕደራ፣ ዘሕለፍናዮ ተሞኩሮና እንትኸውን፣ እቲ ሓደ ብሜላን ብጉርሕን፣ እቲ አብዛሓ ማሕበረሰብ ድማ ብግርሂ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ መጨረሽኡ ዝበልዐን፣ዘይበልዐን። ዝሰረቐን ዘይሰረቐን። ዝተማህረን ዘይተማህረን፣ ፖለቲከኛን ሓረስታይን፣ ፍሉይ ሓይሊን ጀነራላትን። ህፃውንትን አረግቶትን፣ ብሓፈሻ ብትግራዋይነቱ ብጸላእቱ ኻብ ምድሪ ከጥፍኡና ወሲኖም ተላዒሎም። ንሕና ድማ ኩላህና በብዝዓቕምና ዘርእና፣ትግራዋይነትና ከይጸንት ናይ ህልውና ቓልሲና ቀፂልናስ፣ ድሮኳ ጸላእትና ኻብ ትዕቢትን ብድሆን ሓሊፎምስ ናብ እሺ ክንዘራረብ ቀይርናዮም።
ሙሁር ማለት ፍልጠቱ ንረብሓን፣ለውጢ ማሕበረሰብን፣ግልጋሎት ማሕበረሰብን ዘውዕል፣ብፍልጠቱ ሃገሩን ሕዝቡን ንምቕያር ዓሚቕ ፍልጠትን ተዓፃፃፋይ ክእለትን ዘለዎ ምኳኑ እናተፈልጠ፣ እዚ ዓሚቕ ሃፍቲ ሳአን ምጥቃምና ንውድቀትና ከም ሓደ ምኽንያት ጌርና ንማሃረሉ። እቲ ሙሁር ትግራዋይ ድማ ካብ ዝሓለፈ ድኽመቱ ተማሂሩ አብ ህንጸት ትግራይ ዝላዓለ እጃም ከምዘለዎ አሚኑ፣ ብጥቕማጥቕሚ እንተይኮነስ ብትግራዋይነቱን ትግራዋይነት ግዴታን ከምዘለዎ ተረዲኡ ሚንኡ ይፃወት፣ ንምሳሊኡ ሙሁራት “ኢንጅነሪግ” ሓረስታይ ትግራይ ኻብ ዝፍጠር ክሳብ ሎሚ፣ብብዕራይን ብማሕረሻን ይሓርስ ነይሩ፣ ሎሚ እርፉን፣ ነዊቱን ተሴሩ ተቓፂሉ አብዑሩ ተሓሪዶም ተበሊዖም፣ ሳአን ማሕረስ ዶ ይሙት ? ወይስ ብዝተማሃርኩሞ ሙያኹም ብፈጠራ ሓረስታይ ትግራይ ተድሕኑ ? ኩላህና ሞያዊ ፍልጠትና፣ ቐንዲ ፍልጠትና ዋላዃ ፍልፍል እቶት እንተኮነ፣ ጎኒ ንጎኒ ቀንዲ ጠመተና ምልዋጥ ማሕበረሰብናን “ሃገርና ትግራይ” ይኹን ዝብል እምነት አለኒ።
ልክዕ እዩ ተጋሩ ታሪኽና ሎሚ ብ፳፩ ክፍለ ዘመን ዝጀመረ እንተይኮነስ ንአሻሓት ዓማቲ ኻብ ውሉድ ንወለዶ እናተሓላለፈ ዝርአይን ዝጭበጥን ታሪክ አብ ውሽጥና ሓቒፍና ንርከብ፣ቐዳማይ እቲ ዝንሄ ታሪካዊ ሃፍተ ጸጋና እዚ ሕማቕ ጊዜ እዙይ ስለዝሓልፍ ከመይ ጌርና ናብ ረብሓና ንቕይሮ ዝብል ሞያዊ ሓላፍነትና ንምውፋይ ኢሂን ምሂን ክንባሃሃለሉ ዝግባአና ብርኪ ኢና እንርከብ ዘለና።ኻብዙይ ተላዒልና ድማ ሙሁራት ትግራይ እቲ ወለድና ዝስርሕዎ ቕያ ዓቒብና ሎሚ ንዚ ክፍለ ዘመን ዝምጥን ናይ ባዕልና ሓድጊ ናይ ምሕዳግ ግዴታን፣ሓላፍነትን ከምዘለና ተረዲእና ሙሉእ ጠመተና፣ንሕዝብናን፣ንትግራይናን እነውፍየሉ ብርኪ ኢና።አጆና ዝሓበራ አጻብዕቲስያ አርቓይ ይጎብጣ እዩ።ትግራይ ትስዕር
መናእሰይ ትግራይ፣እዚ ሎሚ ዝንሄ ወለዶ እዛ ብናይ ታሪኽ አጋጣሚ አብ ዒዱ ወዲቓ ዝንሄት ሃገር፣ሃገረ ትግራይ ኻብ ናይ ትማሊ ውድቀትን ጌጋታት ወለዱን ተማሂሩ፣ ብምቕያር ንመፃኢ ወለዶ፣ ንደቖምን ደቒ ደቖምን እትባሃግን ዝማዕበለት ትግራይ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት አለዎም። እዙይ ጋህዲ ንኽገብሩ ድማ እቲ ናይ ትማሊ ወለዶምን፣ አባ ሓጎታቶምን ዝፈጸምዎ ስሕተት ብዕሊ እናርአዩን፣እናተማህሩሉን ንክኸዱ፣ ባዕሎምን፣ ንእቲ ዝንሄውሉ ጊዜ፣ዝምጥን ፖለቲካዊ፣ ሳይንሳዊን፣ ቴክኖለጂን ዝተዓጥቀ ወለዶ ስለዝኾነ። ፖለቲካዊ ርድኢቱ፣ መሰሉን ግዲኡን አንዳዕዲዑ ፈሊጡ፣ ፖለቲከኛታት ብዝብልዎን አንፈት እንተይኮነስ፣ ብረብሕኡን፣ ብረብሓ መፃኢት ትግራይን ብምቕናይ ንመሰሉን፣ንድሌቱን ከቃለስ አለዎ።
መንእሰይ ወለዶ ትግራይ ቓልሲ ወለዱ ንምንታይ እታ ዝብህጋ ትግራይ ከርክብዎ ዘይካአሉሉ ? ዋና ምኽንያት ተረዲኡ፣ ሎሚ ወለዱ ብዝፈጸምዎ ጌጋ ዝኸፍሎ ዘሎ መስዋእትነት፣ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ዛዚሙ፣ ነፃን ፍትሓዊትን ትግራይ ናይ ምህናጽ ግዴታ አለዎ። አብ ፖለቲካዊ ተሳትፉኡ ዕዙዝ ሚና ክፃወትን መፃኢ ዕድሉን ብወለዱ እንተይኮነስ ብባዕሉ ክውስን፣ ናይ ምግባር ብቕዓትን ክእለትን ከምዘለዎ አሚኑ ክቃለስ አለዎ ኢለ ይአምን።
መናእሰይ ትግራይ ፍሉይ ጠመተ ሂቦም ክርኢዎ ዝግባእ ከይዲ ቓልሲ ሕዝቢ ትግራይ፣ሎሚ ብቲ ዝካየዶ መስተንክራዊ ዄናት ቕያ ወለዱ ንዓለም ዘመስከረ ወለዶ ትግራይ፣እቲ ዓለም ትኽተሎ ዘላን፣ እትጥቀመሉ ዘላን ቴክኖለጂን፣ ስነልቦናዊ ብቕዓት ንባዕሉ ብምዕጣቕን ብምውናንን፣ ንዕዑን ንደቑን ደቒ ደቁን ዝደልያ ትግራይ ምህናጽ ሓላፍነት አለዎ። እንተዘይ ኮይኑ በቲ ወለዱ ዘጥፍእዎ ጥፍአት ዘኽፍሎ ዘሎ መስዋእትነት፣ ንደቑ ብዝከፍዐን፣ ዘስካሕኽሕን መልኽዕ ከምዘይድገም ዝኾነ ይኹን መረጋገፂ የብሉን። መንእሰይ ትግራይ ቕያ ወለድኩም ብዘኹርዕ መስተንክራዊ ዓወት ከምትዛዝምዎ ዋላ ሓንቲ ጥርጥር የብልናን። አጆኹም ምሳኹም ኢና። ክብርን ሞገስን ንኹሉኹም ተጋደልቲ እሕዋተይን፣አሓተይን ይኹነለይ ኽብሪ ንስውአትና።
ደቒ አንስትዮ ትግራይ መቸም ብዙሕ ክባሃለለንን፣ክዝንተወለንን ዝግበዐን ፈለማ አዴታትና፣ቐፂለን ፍርቒ ሂወትና፣እሕዋትና፣ደቅና ኮታስ ኩሉንተነአን ንሕና ከም ውልቀ ሰብ ይኹን፣ከም ማሕበረሰብ ተኾሊዕና ክንወጽእ መተካእታ ዘይብሉ ፈላማይ ስፍራ ዝሕዛ ደቀንስትዮ ትግራይ እንትኾና፣ ኽሳብ ሎሚ ማዕረ ማዕረ ካብ ጠበንጃ ሒዝካ ምኩሻሕ፣ ኽሳብ ላዕለዋይ መሪሕነትን፣ ምርምርን፣ ብቕዓተን ኻብ ምምስካር ሓሊፈን፣ ዓዲን ዄናትን ዝመርሑ ጀጋኑ ወሊደን፣ ዓዕብዬን ዘፍረያ እዬን።
ንዙይ ድማ ኽብረት ይሃበልና። ክበራልና እናበልኩ፣ መሰልክን ምዕቃብን፣ ካብ ናይ ፖለቲካ ቑማር ነፃ ዝኾነ ሓቀኛ ሕገ መንግስታዊ፣ ፖለቲካዊ መሰልክን ካብ “ስታተስ ኮታን” ፖለቲካዊ ሸርሕን ክትከላኸላ ዘለክን ግን ደቀንስትዮ ባዕልትኽን ኢኽን።
ንአብነት ፋሺስት አብይ አሕመድ ዘጣየሾ ካቢኔኡ፣ፍርቀን ደቒ አንስትዮ እዬን። እዙይ “ንስታተስ ኮት” ብፆተዐን ንምሽቃጥን፣ ቐልቢ ዓለም ንምስሓብን፣ እምበር ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ኮነት፣አዳነች አበቤ ወይድማ ማአዛ ሸናፊ ካብ ውልቀ መላኺ አብይ ትእዛዝ ወፃእ ዝኾነ ይኹን ውሳነ ከሕልፋ አይኽእላን። እሞ ተጋሩ ና ኸ ? ብሓቒ ሓሳብክንን አንፈት መፃኢት ትግራይን፣ መፃኢ ሂወት ደቅኽንን፣ መስዋእቲ ሰብኡትክንን፣ መስዋእቲ እቶም መሪቕክን ሰዲድክን ቤዛ ሕዝቦም ዝሓለፉ ደቅኽንን፣ ብፍትሕን ርትዕን እትምራሕ ሃገር አብ ምህናጽ ዝግበር ዘሎ ቓልሲ ተሳትፎኽን ብእምነትክንን፣ ብብቅዓትክንን ድዩ ወይስ ብቑፅሪ ፆታዊ ተሳትፎኽን ? ንመንግስቲን ንውድብን ንኽጠቅም ተባሂሉ ዝስላዕ ተሳትፎ እንድሕር ኮይኑ እቲ ንዘመናት አብ ልዕሌኽን ተፃዒኑ ዝነበረ ባህላውን ሃይማኖታዊን፣ፖለቲካዊን ማሕበራዊ ጽዕንቶ ኻብ ሱሩ ሚሒኽን፣ነፃ ዝኾነት ትግራይ። ደቓ ብስብእነቶም ማዕረ ዝነብሩላን። ዝሰርሑላን ትግራይ አብ ምህናጽን፣ምፍጣርን ዝግበር ቓልሲ ሰብ ዋና ኢኽንሞ ሃዬ ሕበራ ስመራ ኽብል እፈቱ።
ሓረስታይ ትግራይ አንታ ኽቡር ሕዝበይ ዝኾንኻ ዓንደ ሑቐ ትግራይና ሓረስታይ ሕዝብና፣መቸም ጽንዓትካ ዘርዚረ ክገልፆ እንተበልኩ ትግራይን “መልኽዕ ትግራይን” ንስኻ ኢኻሞ ንቲ ጸዋር እንግዳዕኻ፣ወደር ዘይብሉ ሓይልኻን ጉልበትኻን ብሓቒ እንታባኻ ምፍጣረይ እሕበን። ክብረት ይሃበለይ
ልኽዕ እዩ ኩሉ ዘዝመጸ ቸቸ እናበለ ብግብሪ ዘይረዐ፣ ብተስፋን ብቓልን እንትሽቅጠልኻ ንኹሉ ፄርኻ ነዚ ሎሚ በጺሕኻዮ ዝንሄኻ ሓሳረ መከራ፣ ዋላኳ ብዝተገብረ ፖሊቲካዊ ናይ መርሂነት ውድቀት እንተኾነ፣ ንስኻም ኻፍቲ ጀሚርካዮን፣ ሒዝካዮ ዝነበርካ መስመር ነገራት እናወጹን እናተጨውዩን ምኻድ እንትጅምሩን ዋላኳ ተዛሪብኻ ሰማዒ እንተስአንካ፣ ቓልስኻ ብጉርሒ፣ድዩ ወይስ ብብልሒ፣ ተጨውዩ ናብዚ በፂሕኻዮ ዝንሄኻ ቓልሲ ህልውና ወሪድኻ ሎሚውን ባዕልኻን፣ ደቅኻን፣ ዘለኻ ጥሪትካን ከምልማድኻ እንተይሰሳዕኻ ተውፍይ አለኻ። በርትዕ አጆኻ፣ ክወግሕ እዩ አንፈትካ ነጽር ኻብ ናይ ትማሊ ጌጋኻ ተማሃር። የቀንየልና ኽብረት ድማ ይሃበልና።
ዳያስፖራ ትግራይ መቸም ታሪኽ ባዕሉ ይደግም ድዩ ዝባሃል፣ትግራዋይነት ብወገነይ እንትርእዮ ፍልይ ዝበለ ማንነት ከምዝኾነ እርዳእ፣ተጋሩ ዋላ ኻብ ዓድናን፣ሕዝብናን፣ቤተሰብናን ርሒቕና እንተኸድና ምሳና ዝስደድ ኽቡር ማንነት እንተኾነ፣ ዳያስፖራ ትግራይ አብዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ምጽናት ዘርእና ብምፍሻልን፣ ብምቅላዕን ዋላኳ ምስቲ አብ ውሽጢ ዓዲ ሂወቱን፣አካሉን ብመስዋእቲ ዝግብር ዘሎ ጀግና ሕዝብና ዝወዳደር አይኹንምበር፣ ብናይ ባዕሉ መለክዕን ፣ስርሒትን ድማ ዘይሕለል ታሪካዊ ግደ ስለዝተፃወተ። ያዒስ ክብረት ይሃበልና።
ትግራይና ተኮሊዓ አብናይ ዓለም መድረኽ ክትፍለጥ ዘይሕለል እጃምኩም ስለ ዝፈጸምኩም ክብረት ይሃበልና። ትግራይ ሰብ አለዋ፣ ነቲ ብጸላእትና ዝተጠጀወልና ተንኮልን መርዛዊ ሸርሒን፣ ብደገ ኮይንኹም ንዓለም ብምርአይ ደዃዕዃዕ ስለ ዘበልኩሞ አብ ዝሃለኹም ናይ ዓለም ገጽን ስፍራን ሃልው ትግራይ ኮሪዓ ብአኹም።
እቲ ቓልሲ ድማ ተጀሚሩ እምበር አይተዛዘመን፣ብፍላይ ቓልሲ ዳያስፖራ ትግራይ እቲ ሐድነትናን ሕብረትናን ዘድልዮ ጽዑጽዕ ቓልሲ፣ አብ ቕድሜና እዩ ዝንሄ። ትግራይና እቲ ሎሚ ዝንሄትሉ ብርኪ ካፍቲ ቕድሚ 30ዓመት ዝነበረቶ አዝዩ ዝወረደን፣ ዝኸፍዐን እንትኸውን፣ እዚ ተፈጢሩ ዝንሄ ሓሳረ መከራ፣ ንረብሓና እንቕይረሉ ጥጡዕ ባይታ ናይ ምፍጣር ዕድል ሒዙ ከምዝመጸ ተረዲእና፣ ብፖለቲካ፣ ብሳይንስ፣ ብቲክኖለጂን ብስርዓተ ምሕደራ ማሕበረሰብ ከም ሓዱሽ እንሰርዓሉ ባይታ ኮይኑ ክንጥቀመሉ ይግባእ እብል። ንምሳሊኡ እቲ ቕድሚ 20 ዓመት ዝነበረ መስርሕን፣ አሰራርሓን ብዚ ናይ 21 ክ/ዘመን ቴክኖለጂ ብምቕያር፣ ብፍላይ ድማ አብ ዳያስፖራ ዘለኹም ሙሁራት ብሞያኹም፣ አብ ዳያስፖራ ዘለና ተጋሩ ብፋይናንሳዊ፣ ሞያዊ፣ ቴክኒካዊ ሕገዛና ዝጥለበሉ ብርኪ ስለ ይመጽእ ዘሎ፣ብሕዚኡ አብ ሕንጸት ትግራይ ንንፃወቶ ሚናን እጃምን ምድላው የድልይ እብል።
ተጋሩ ብሓፈሻ ብወገነይ እዚ ንዝሓለፈ 40ዓመት ዝርአኽዎን፣ዝነበርክዎን፣ዘሕለፍክዎን መነባብሮ ብሕጽር ዝበለ አገላልጻ እስኪ ግለፆ እንተዝባሃል “ቃል ብግብሪ ዘይትግበረሉ ሕማቕ ግዜ” ብምባል እገልጾ።እረ ንምዃኑ እንታይ እዩ ወሪዱና ? እረ ንምዃኑ ካበይ ናበይ ኢና ንኸይድ ኔርናን ዘለናን ? ወለድና አሽንኳይ ዶ ከምዚ ንሕና እንኾኖ ዘለናስ፣ ጭራሽ ብፍቕሪ ወድሰብን፣ ብእምነቶምን ጸኒኦም ፣ብፈራሄ ዝአምኑዎ እምነቶም ንዝፈልጥዎን ንጎረቤቶምንስ ይቕረሞ፣ ንዘይፈልጥዎን ንሓላፊ መንገድን፣ንጋሻን ሓብሒቦም፣እግሪ ሓፂቦም፣አብሊኦም፣አስትዮም መደቀሲኦም ገዛ ናይ ፈጣሪ እዩ ኢሎም ዘውፍዩ ቅኑዓት ተጋሩ ከምዝነበሩ እዬ ዝፈልጥን ታሪኽ
ተጋሩን ዝነግረኒን።
ልኽዕ እዩ ኻብ ዝበሰለ ጥረ አይሳአንን ሕማቓት ትማሊ ነይሮም፣ ሎሚውን አለዉ፣ ጽባሕ ኹለይ ክህልዉ እዮም። ግንከ ከም ማሕበረሰብ ትግራይን ተጋሩን እቲ ዘሕብንን ዘኹርዕን ባህልናን ታሪኽናን ብአንፈቱ ዘይንፈልጦ ያተገብረ፣ እኒ እገለያ ይገብርዋቶ አለዉ፣ እናተባህለ ኻብ መንገድና ወፂእና። ብናይ ካልኦት ስልጣነ መሲሉና ክንርአይ፣ ዘይናትና ዝኾነ ስነምግባር ክምኒ ሓሶት፣ ቅጥፈት፣ ቃል ምዕፃፍ፣ አሉታ፣ ሰሰዐ፣ ህርፋንን፣ ንዓይ ጥራሕ ይመችወኒን ብዝብሉ ሕማማት ተሳዒርና፣ ኻብ ሓድግታትን መለለይ ወለድናን ወፂእና ንርከብ።
ልኽዕ እዩ ምስ ስልጣነ ዓለምን፣ምዕባለ ቴክኖለጂን ሳይንስን ክገጓዓዝ፣ ግንከ ስልጣነ ወዲሰብ ጽቡቕን፣ ውጽኢታዊን ዝኸውን አብናይ ባዕልኻ ባህልን ልምዲን ተደሪኻ፣ ነቲ ናትካ ዝኾነ መሰረቱን፣ አንፈቱን እንተይሳሓተ አማሓይሽኻ ንዝቕጽል ወለዶ ዓቒብኻ ምሕላፍ እቲ ዝበለጸ ኮይኑ ምተረኽበ። እንተዘይኮይኑ ሳዕቤኑን፣መሰረታዊ ዕላምኡን ዘይፍለጥ ብቴሌቭዥን ካልኦት ሃገራትያ ይገብርዎ አለዉ፣ እናተባህለ አብ ተንኮልን ሽርሒን ምዕራባዊያንን፣ ዓረባትን ጥሒልና፣ ጸላእትና አቕዲሞም ዝወጠንዎ ታሪክናን ባህልናን ናይ ምብራስ ዕዮ፣ ብፍቓድና ብዘይ ውግእ ናፍቲ ዘፃወዱልና መፃወድያ ሰተት ኢልና ከምዝአተና ነስተውዕል።
ከም ጽቡቕ አብነት ብናሁ ቴሌቭዥን ዝማሓላለፍ ናይ ቱርክ ድራማታትን፣ናይ ሕንዲ ድራማታትን ሱር ዝሰደደ ባህላዊ ምንጋዕ ከምዝፈጠረ እዝክር እዬ።ንሳቶም ብጉርሒ ንሕና ድማ ብግርሂ ምዃኑ ልቢ ንበል።ውጽኢቱ ድማ አብ አከዳድና ደቅና፣ አበላልዓ ደቅና፣ አዘራርባ ደቅና ንሪኦ አለና ።መንግስታዊ ፍቓድን ድጋፍን ተጌሩሉ፣ ዝተሰርሐ ስራሕቲ ምዃኑ ድማ አይንረስዕ። ንሕና ድማ ከም ማሕበረሰብ ተጎተቲን፣ ዝበሉና እናጣቓዕና ምስ እንድግፍ ዜሩ ዜሩ “ተረኻባይ ይዓድዮ”ከምዝኾነ አይንረስዕ ።ከም ተጋሩ ተቐዲሑ ዘይውዳእ ሕማቕን ጽቡቕን ታሪክ፣ ልምዲን ስነልቦና እንታብ ሃለወና ከም ተጋሩ መንግስቲ ብዝውስነልና ፖለቲካዊ ውሳነ፣ ከም ካሬሳ እናተጎተትና ካብ ምዃድ፣ ኻብዚ አቲናዮ ዝንሄና ናይ ዘርኢ ምጽናት ዄናት ከመይ ንወጽእ? ድሕሪኡ ኸ ናበይ ንኸይድ ኢልና ? ከም ሓደ ትግራዋይ ብውልቅና ምስ እንውስን፣ ነቶም ክመርሑና ዝወከልናዮም ኮነ፣ ነቶም ክውክሉና እንብህጎም ፖለቲካዊ ውድባት፣ እንኽእሎ ድጋፍ ብምግባር ንዘጋጀው።
ንሕና ተጋሩ ንትግራይ ወሰንቲ ምዃና፣ ሕገመንግስታዊ መሰልና ብዕሊ ፈሊጥናን ተረዲእናን፣ ናይ ትማሊ ናይ 17ዓመት ብረታዊ ቓልሲ ስውአትን፣ናይ ሎሚ ዝግበር ዘሎ ብረታዊ ቓልሲ ስውአትን ክብር መስዋእትነት፣ንረብሓ ትግራይን፣ንሓርነት ሕዝቢ ትግራይን እምበር፣ትማሊ ኾነ ሎሚ ንረብሓ ውልቀ ሰብ፣ወይ ንረብሓ ሓደ ውድብ ዘይሙዃኑ አሚና እቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ንኸይድገም፣ ከም ማሕበረሰብ እጃምና ምጽዋት አለና ኢለ ይአምን።
ኻብ ሕሉፍ ተሞኩሮ ፖለቲከኛታት ዓለም፣ ኮነ ፖለቲከኛታት ትግራይ ዝርአናዮ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ሸፈጥ፣ ዝዝረብን፣ ብግብሪ ዝግበርን ዝውሰንን፣ ክልቲኡ አብ መሬት ዘየለን ተስፋን ጥራሕ እዩ። ሕዝቢ ትግራይ ብፖለቲከኛታት ትግራይ ዝዝረበኻ ጥዑም ቃል ኮነ ተስፋ፣ ሂወትካ ከድሕን፣ ናብራኻ ከማሓይሽ፣ ንደቕኻ ብሩህ መፃኢ ሂወት ከምዘለካ ብግብሪ ንዘይትሪኦ ቃል እንተይይኮነስ፣ ሎሚ አብ ትሕዝቶኻ ብዘሎ መርትኦ ሞጉት።
ብድምጽኻ ንዝመረጽካዮ ወኪልኻ፣ ንኽተውርዶ ኾነ ንኽተድይቦ እቲ እንኮ መሰል ናትካ እዩምበር ናቱ አይኮነን።
እዙይ ምስእንገብር ከም ማሕበረሰብ ካብ ሕሉፍ ታሪኽናን ጌጋታትናን ምምሃርና እነረጋግጸሉ ቕኑዕ መንገዲ ንጅምር አለና ማለት እዩ።
መንግስቲ ትግራይ ድማ ለውጢ በሃደ ማዓልቲ ዝቕየር ኽስተት ሰለዘይኮነ እቲ ቐዳማይ ስጉምቲ ሕዝብኻ ምድማጽ እዩሞ ሕዝቢ ትግራይ ይሰማዕ፣ሓለፍቲ ትካላት መንግስቲ ብስርዓትን፣ብሞያዊ ብቕዓት ይደልደሉ፣መንግስታዊ ትካላት ከምኒ መውፃእቲ ሕጊ፣መርቀቕቲ ሕጊ፣ፈጸምቲ ሕጊ ብቲ ሕገመንግስቲ ዘቕምጦን ዝፈቕዶን፣ ብፍትሓውነትን፣ ብሞያዊ ብቕዓትን እንተተመዲቦም ዘዝመጸ መንግስቲ ኾነ ውድብ ዘይፍርሶምን፣አድላይ ኾይኑ እንትርከብ ድማ ንቲ ጊዜን፣ማሕበራዊ መነባብሮን ብዝምጥን ብሰብ ሞያን፣ሕዝብን ተአሚንሉ ዝማሓየሹምበር ዘይፈርሱ ትካላትን፣ንሕገመንግስቲ ትግራይ ጥራሕ ዝግዝኡ ኮይኖም ክጣየሹአለዎም ዝብል እምነት አለኒ ።እንተዘይኮይኑ ከምዚ ብ2011 ዓ/ም ዝርአናዮ ቕድሚ መረፃ ትግራይ፣ንሕዝቢ ዝተነገሮ 20/80 እናበልኻ መረፃ አካይድካ፣ ውጽኢት ምስ መጸ ድማ እቲ 20% ኩላይ አነ አለኹዎ ኢልካ፣ 37 ድምጺ ብምዕማጽ 1ንቲ ድምጺ ምትኳብ ዝተረአዬ ዓመጽ ንኸይፍጠር፣መንግስታት ሕጊ ብዝደለይዎን፣ንስልጣኖም ብዝምችው ዘይቐያይርዎ ሕጊ ናይ ሕዝቢ፣ንኹሉ ብፍትሓውነትን፣ብማዕርነትን ዘገልግል ጽኑዕ ሕጊ የድልይ እብል።
ከምኡውን እቲ ከም4ይ ሓይሊ ዝቑጸር ሚዲያ ትግራይ፣ሕዝም ኻብ ዝሓለፈ ጸገሙን አመሉን ዘይተቐየረ ወገናዊነትን፣ረብሓ ውድብን ረብሓ መንግስትን ክልፍልፍ ዝውዕል፣ንተጋሩ ብማዕረ ዓይኒ ዘይርኢ መሳርሕ መንግስቲ ስለዝኾነ ብሕጊን ብፍልጠትን፣ብረብሓ ሕዝቢ ትግራይ ዝተቓነዬ ይኹን እብል።አብ መጨረሻ መንግስቲ ዝኽእለቱ ይስርሕ አሎ፣ዝሓሸ ውድብ ስለዘየለ፣ሩባ እናሰገርኻ ፈረስ አይቕየርን፣አይግዚኡን፣ዝብሉ ምኽንያታት፣ንዝግበር ጌጋ መሸፈኒ፣አነ ጥራሕ እዬ ዝፈልጠልኩም ንዝብል ግትር ዝበለ ፖለቲካን መሪሕነትን ዘጎልብትምበር፣እታ ንምነያ ትግራይ ዝፈጥረልና አንፈት አይኮነን።ሕጽር ብዝበለ አገላልፃ ሕገመንግስታዊ መሰል ትግራዋይ ይከበር፣ሓሳቡ ይሰማዕ።የቐንየለይ
ሙሉጌታ በሪሁን
ሚያዝያ ፩ ፳፻፲፬ዓም