ሰብኣዊ-ምቁራጽ ተፃብኦታት ካብ ዝግበር ንድሓር ክንደይ ዝኣክል ረድኤት ናብ ትግራይ ኣትዩ?
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ናብ ክልል ትግራይ ዝተበገሳ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝጸዓና 50 መካይን ሎሚ ዓርቢ ብሰላም ናብ ከተማ መቐለ ከምዝኣተዋ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣገዳሲ ሰብኣዊ ቀረባት ዝጸዓና ኩለን 50 መካይን ብድሓን ኣብ መቐለ ኣትየን ኣለዋ” ኢሉ።
እተን መካይ 1000 ሜትሪክ ቶን ስርናይን ጥረምረን፡ ኣስታት 700 ሜትሪክ ቶን ናይ ጥዕና፡ መኣዛዊ መግቢ፡ መተሓጻጸቢን፡ ከምኡ’ውን 115,000 ሊትሮ ነዳዲ ዝጸዓና ምዃነን’ውን እቲ ትካል ጠቒሱ።
ምቁራጽ ተጻብኦታትን ሰብኣዊ ረዲኤትን
ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትትዮጵያ ዝሳተፉ ክልቲኦም ኣካላት፡ ንሰብኣዊ ተባሂሉ ተፃብኦ ደው ከብሉ ስምምዕ ካብ ዝግበሩ ንደሓር ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ገለ ረድዔት ዝጸዓና ማኻይን ናብ ትግራይ ኣእትዮም ኣለዉ።
እንተኾነ፡ እዚ መጠን፡ ምስቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ቅልውላውን ትጽቢትን ኣዝዩ ትሑት ከምዝኾነ ይግለጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ 15 መጋቢት 2014 ዓ. ም. ንሰብኣዊነት ክብል ተፃብኦ ደው ከብል ከምዝወሰነ ዝዝከር እዩ። እዚ ውሳነ ስዒቡ መራሕቲ ትግራይ ተመሳሳሊ ውሳነ ኣሕሊፎም።
ክልቲኦም ሓይልታት ተፃብኦ ደው እንተበሉ’ውን ዝኣክል ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ እናበፅሐ ከምዘይኮነ ትካላት መቐረብቲ ረድኤትን መራሕሪ ትግራይን ክገልፁ ቀንዮም እዮም።
ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ተፃብኦ ደው ምስበለ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን፡ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓና መኻይን፡ ናብ ክልል ትግራይ ልኢኾም እዮም።
ነዚ ስዒቡ ዓቢ ተስፋ ተፈጢሩ ዝነበረ ኾይኑ፡ መሊሱ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ተቛሪጹ ቐንዩ።
ትማሊ 6 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም. ፕሮግራም መግቢ ዓለም 47 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝለኣኸ ገሊፁ ኣሎ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትዊተር ከምዝገለፆ ካብተን እኽሊ ዝፀዓና መኻይን ብተወሳኺ 3 ነዳዲ ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝለኣኸ ይሕብር።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቅድሚ ሓደ ሰሙን እውን 21 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ልዒኹ ነይሩ።
ሓገዝ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል
ብካልእ ወገን ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መጋቢት 24/2014 ዓ.ም. መግቢ፣ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ዝፀዓና መኻይን መቐለ ከምዝኣተዋ ገሊፁ ነይሩ።
ትማሊ 6 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ኣብ ትዊተር ከምዝገለፆ ድማ ካልኣይ ዙር መግቢ፣ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ከምኡ’ውን ናይ ገዛ መገልገሊ ናውቲ ዝፀዓና መኻይን መቐለ ከምዝኣተዋ ይሕብር።
ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ምስዘሎ ጠለብ ክነፃፀር ከሎ እቲ ረድኤት እኹል ከምዘይኮነ ቢቢሲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዘዘራረቦም መተሓባበሪ ሕፁፅ ረድኤት ትግራይ፡ ዶክተር እትንኩት መዝገበ ተዛሪቦም።
ቅድም ክብል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መዓልቲ 100 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ኣለወን ኢሉ ነይሩ።
ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ፡ ንልዕሊ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ቁፅሮም እናወሰኸ ስለዝመፀ ኣብ መዓልቲ 300 መኻይን ንኽኣትዋ ከምዝተሰማምዑ ዶክተር ኣትንኩት ገሊፆም።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቢቢሲ ኣብዝለኣኾ ኢሜል ረድኤት ምእታዉ ምጅማሩ ጽቡቕ ይኹን እምበር፡ ከምቲ ዝድለ እኹል ከምዘይኮነ ገሊፁ።
ውድብ ሕቡራት መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት 10 ሚልዮን ሕዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮምን ካብዚኦም ድማ ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝርከቡን ገሊፁ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ መወዳእታ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልል አምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ደማዊ ኵናት ብኣሽሓት ዝቑፀር ሂወት ዘጥፍአን በሚልዮናት ዝቑፀሩ ድማ ክመዛበሉ ዝገበረን ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ዝተበፅሐ ተፃብዖ ደው ናይምባል ስምምዕ ስዒቡ ዝሓሸ ኩነታት ንኽፍጠር ተስፋ ከም ዘለዎም ዓለምለኸ ትካላት ረድኤትን ዝተፈላለያ ምዕራባውያን ሃገራትን ይገልፁ።